ግዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ከመይ ይመስረት?

ብ መርስኤ ኪዳን

ድሕሪ ንኽልተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኻየደ ወራር ኣብ ጥቅምቲ 2015 ዓ/ም ኣብ ሞንጎ ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ብዝተገብረ ውዕሊ ተፃብኦ ንሓዋሩ ጠጠው ምባል፣ ህዝቢ ትግራይ ኣፋፍኖት ሰላም ረኺቡ ናብ ንቡር ናብራ ክምለስ ብሃንቀውታ ይፅበይ ኣሎ። ኮይኑ ግና ብኽልቲኦም ወገናት ዝረኣይ ዘሎ ነቲ ውዕሊ ብግቡእ ንዘይምፍፃም ዝግበር ምድሕርሓር ንህዝቢ ትግራይ ዋጋ የኽፍሎ ኣሎ። ነዚ ኹነታት ኣብ ግምት ብምእታው ብዙሓት ግዱሳት ተጋሩን ኣብ ትግራይ ዝርካባ ሰለሰቲአን ብሄራውያን ፖለቲካዊ ውድባትን፣ ህወሓት በቲ ኣብ ፕሪቶሪያ ውዕሊ ዝፈረሞ መሰረት ስልጣኑ ንግዚያዊ መንግስቲ ብህፁፅ ከረክብ ፃውዒት ኣቕሪቦም እዮም።

ድሕሪኡ ኣባል ኣመራርሓ ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ብህፁፅ ግዚያዊ መንግስቲ ከም ዝጣይሽን ስልጣን ከም ዝርከብን ኣፍሊጡ እዩ። እቲ ጊዜያዊ መንግስቲ ዝምስረተሉ ከይዲ እውን ግልፅን ኣሳታፍን ከም ዝኸውን ገሊፁ ነይሩ። እዚ ክምስገን ዘለዎ ሓሳብ እዩ። በቲ ዝተብሃለ መሰረት ኮሚቴ መጣየሺ ጊዚያዊ መንግስቲ ተሰይሙ ስራሕ ጀሚሩ ኣሎ።

ኮይኑ ግና ኣባላት እቲ ኮሚቴ ዝተሰየሙሉ ከይዲ ግልፂ ኣይኮነን፣ ኣሳታፋይን ዘይሻራውን ብዘይ ምዃኑ እውን ካብ ምጅማሩ ተቃውሞ የጋጥሞ ኣሎ። ካብኡ ሓሊፉ እውን እቲ ዝምስረት ግዚያዊ መንግስቲ እንታይ ክመስል ኣለዎ ኣብ ዝብል ብዙሕ ሰብ እናተኻትዐን እንዳተዘራረበን ይርከብ።

እቲ ኣሰናዳኢ/ኣጣያሺ ኮሚቴ ኣሳታፊ ክኾን ኣለዎ ወይ ክዓ ዘይሻራዊ ክኾን ኣለዎ። ኣብቲ ኮሚቴ ሰለስተ ሰባት ንህወሓት እንትውክሉ፣ ካብ ዝኾነ ይኹን ካሊእ ፖለቲካዊ ውድብ ዝተወከሉ ሰባት የለዉን። እዚ ክስተኻኸል ዝኽእል ካብ ሰለስተ ዘይንእስ ቁፅሪ ዘለዎም ተወከልቲ ካብ ካልኦት ፖለቲካዊ ፓርቲታት ክህልዉ ብምግባር እዩ። ብኸምዚ ኣሳታፋይ ክኸውን ምግባር ይክኣል እዩ፣ ወይ ኽዓ ኣባላት ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ውዳበታት ከይህልው ብምግባር ዘይሻራዊ ክኸውን ምግባር እዩ።

ነዚ እርማት እዚ ብዘይ ወዓል ሕደር ብምትግባር ነቲ ኺደትን ኮሚቴን ዝበለፀ ተኣማናይ ኽኸውን ምግባር ይካኣል። እዙይ ምስተማልአ ህዝቢ ብግልፂ ዝካታተሎ ግዚያዊ መንግስቲ መመስረቲ ጉባኤ (ኮንፈረንስ) ክግበር ይግባእ። ካብዚ ንታሕቲ ነቶም ኣብቲ ጉባኤ ዝሳተፉ ኣካላት መበገሲ ክኾኖም እቲ ግዚያዊ መንግስቲ እንታይ ክመስል ከምዘለዎ ብውልቀይ ዝሓስቦ ከቕርብ እየ።

ቅድሚ ሎሚ እቲ ዝምስረት መንግስቲ “ዘይሻራውን ብኽኢላታት ዝምራሕን ክኸውን ይግባእ” ዝብል ሓሳብ ኣቕሪበ ነይረ እየ። ኮይኑ ግና ካብቲ ኣብ መሬት ዘሎ ነባራዊ ሓቂ ተበጊሰ እቲ ዝምስረት መንግስቲ ሓበራዊ ተሳትፎ ዝተፈላለዩ ሓይልታት እንተዘይሃልይዎ ዕውት ክኸውን ከም ዘይኽእል ኣብ ግምት ብምእታው እቲ መንግስቲ ኣሳታፊ ቤት ምኽሪን ዘይሻራዊ መፈፀሚ ኣካልን ክህልዎ ዝብል ሓሳብ ከም ዝስዕብ የቅርብ።

1. እቲ ግዚያዊ መንግስቲ ዝውስነን ግዚያዊ ኣዋጃትን ድንጋጌታትን ዘውፅእ ላዕለዋይ ሽማግለ (ቤት ምኽሪ) ክህልዎ።

2. ብላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ዝስየም መፈፀሚ ኣካል (ካቢኔ) ክህልዎ።

3. እቲ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ኩለን ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ፣ ወትሃደራዊ መራሕቲ፣ ክኢላታትን ዘይ-ፖለቲካዊ ውዳበታትን ከም ዝስዕብ ክሳተፋሉ።

ሀ. 25% መንበራት ካብ ወትሃደራዊ መራሕቲ፣

ለ. 25% መንበራት ካብ ህወሓት፣

ሐ. 25% መንበራት ካብ ተናሓናሕቲ ፖለቲካዊ ውዳበታት፣

መ. 25% መንበራት ካብ ክኢላታት፣ ዘይፖለቲካዊ ውዳበታትን ዓበይቲ ዓዲን ክኸውን።

4. ኣብቲ መፈፀሚ ኣካል (ካቢኔ) ዝስየሙ መራሕቲ ኣብ ንህዝቢ ትግራይ መሊስካ ምህናፅ ካብ ዝህልዎም ኣስተዋፅኦ ዝምዘኑ ኾይኖም ነቲ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ዝመስል ስብጥር ክህልዎ ይግባእ።

5. ቅርፂ ምሕደራታት ወረዳ ከምቲ  ቤት ምኽርን ካቢኔን ክልል ዓይነት ተመሳሳሊ መሓውር ክህልወን ይግባእ

One thought on “ግዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ከመይ ይመስረት?

  1. ፅቡቕ ሓሳብ ነይሩ ግን ”ልሽረ መን ብለሻገረ” ይብሉ ወለዲ እቲ ንፈልጦ ውድብ ተኾነ ብፖለቲካ ድኽመቱ ዓለም ዝመስከረሉ እዩ። ሓሳብ ብዘይምቕባሉ ትግራይ ናብ ገሃነም ኣእቲዉዋ ብኡ ከይኣኽሎ ሐዚለ ገና ይጫድር እዩ ዘሎ።

Comments are closed.