ብሄራውያን ውድባት ትግራይ ኣብቲ ዝጣየሽ ግዚያዊ ምሕደራ ክመርሕኦ ዝተመደበለን ቢሮታት ብደብዳበ ተሓቢርወን

ውናት፣ ሳወት፣ ባይቶና ኣብቲ ግዚያዊ ምሕደራ ክህልወን ዝኽእል ሓላፍነት ዘርኢ፣ ኣየናይ ቢሮ ክመርሓ ከም ዝድለ ዝገልፅ ስሩዕ ማሕተም ዘይዓረፎ ደብዳበ ብሌ/ጀ ታደሰ ወረደ ተፈሪሙ ትማሊ ከም ዝተልኣኸለን ምፍላጥ ተኻኢሉ። ንሎሚ መልሰን ከፍልጣ እውን እቲ ደብዳበ ከም ዘተሓሳስብ ምንጭታትና ይሕብሩ።

ውናት ክመርሖ ዝተመደበሉ ቢሮታት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ 1) ቢሮ ኢንዳስትሪን፣ 2) ቢሮ ባህሊን ቱሪዝምን እንትኸውን፣ ባይቶና ክሕዞ ዝተደለየ ድማ 1) ቢሮ ሃፍቲ ማይን፣ 2) ቢሮ መንገድን ትራንስፖርትን እዩ። ንሳልሳይ ወያነ ትግራይ ዝተዓደለ ሓላፍነት ድማ 1) ሳይንስን ቴክኖሎጅን፣ 2) እግሪ ምትካልን ማሕበራዊ ጉዳይን ክመርሕ እዩ።

እተን ውድባት መልሰን እንታይ ከምዝኾን ክሳብ ሕዚ ዝፍለጥ ነገር የለን። እንተኾነ ግን እቲ ኣመሰራርታ ኣሰናዳኢ ኮሚቴ ሕጋዊ ኣይኮነን፣ ባህጊ ትግራይን ድልየትን ብዘማልእ ምጥያሽ ግዚያዊ ምሕደራ ኣይሳለጥን ዘሎ ብምባል ኣብቲ ግዚያዊ ምሕደራ ንምጥያሽ ተባሂሉ ዝተፀውዐ ኮንፈረንስ ከም ዘይተረርኽባ ይፍለጥ እዩ። ከም ኣብነት ናብ ውድብ ሳወት ዝተላእኸ ደብዳበ ተታሒዙ ኣሎ።