ናፅነት ሃይማኖታዊ ውዳበ ይከበር! ሰሙናዊ መግለፂ ሳወት

(ብዕለት 10 ሓምለ 2015 ዓ/ም ዝወጸ መግለፂ ከም ዘለዎ)

1) ናፅነት ሃይማኖታዊ ውዳበ ይከበር!

ሰብ ድላዩ ሃይማኖት ክኽተልን ዝኣምነሉ ሃይማኖታዊ ውዳበ ክፈጥርን መሰል ኣለዎ። ሃይማኖትን መንግስቲን ይኹን ሃይማኖትን ፖለቲካን ክፈላለዩ ከም ዘለዎም ዝኣምን ውድብና፡ ትግራይና ኣካል ፅንተት ካብ ዝነበረት ኦሮቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ሓራ ወፂኣ ናይ ባዕላ ኦሮቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ትግራይ ምጥያሻ መሰል ከም ዝኾነ ከዘኻኽር ይፎቱ። ኣብ ትግራይ ኣብ ዝስረት ዝኾነ ይኹን ሃይማኖታዊ ውዳበ ውሽጣዊ ይኹን ደጋዊ ፖለቲካዊ ሽጣራን ፀቕጥን ክህልው የብሉን ኢሉ ድማ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ይኣምን።

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ኦሮቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያን ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያን፤ ስርዓት ኢትዮጵያ ይኹን ገዛኢ ሓይሊ ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ኣመንቲን መራሕቲን ሃይማኖት ክልከላ ከንብሩን ስጉምቲ ክወስዱን ዝሰርሕዎ ዘለው ሓደገኛ ሻጥርን ስራሕቲ ምልዕዓልን ብትሪ ዝኹንን ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ እዚ ከምዚ ዝበለ ሓደገኛ ስራሕ ብኣግኡ ጠጠው ክብል ድማ የተሓሳስብ።

2) ሰፋሕቲ ምድላዋት ኣምሓራን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይን!

ሓይሊ ኣምሓራ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ኣምሓራን፡ ብጎብጣ ሒዞምዎ ኣብ ዘለው ዝተፈላለዩ ከተማታትን ትግራይ ኣብ ዘሳልጦም ዘሎ ዋዕላታት፡ ብረት ንዝሓወስ ናይ ዲፕሎማሲ፣ ሚዲያን ፖለቲካን ቃልሲ ምድላዋቱ ብሓያሎ ይቕፅል ከምዘሎ ደጊሙ ኣረጋጊፁ ኣሎ። ሓይሊ ኣምሓራ ፅንተትን ምፅራይን ዘርኢ ፈፂሙ ዝሓዞ ግዝኣት ትግራይ ኣፅኒዑ ከቐፅል ብሓያሎ እናነጠፈ ኾይኑ፡ ብወገን ገዛኢ ሓይሊ ትግራይ ግዝኣትና ዝተመንጠለን ህዝብና ሓሳረ መከራ ይበልዕ ዘሎ ክሳብ ዘይመስል ኣብ ሓያሎ ድቃስ ይርከብ። ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ክሳብ ዘይተረጋገፀን ሩፍታ ህዝብና ክሳብ ዘይተመለሰን ትኽስ ዝብል ትግራዋይ ክህሉ የብሉን ኢሉ ዝኣምን ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ሐዚ እውን ሕድሕድና ንዝተዋደደ ቃልሲ ሚድያ፣ ሕጊ፣ ፖለቲካን ዲፕሎማሲን ክንኸትት ይፅውዕ።

3) ኣብ ፎቖዶ ማሓዩር ዝሰቓዩ ተጋሩ!

ንነበር ተጋሩ ኣባላት ምክልኻል ኢትዮጵያ ሓዊሱ ብመንነቶም ምኽንያት ካብ ዝተኣሰሩ ተጋሩ ውሽጢ፡ ዛጊድ እውን ብዙሓት ዘይተፈትሑን ንኸቢድ ስነ-ልቦናውን ኣካላውን ማህሰይቲት ዝተቓልዑን ከም ዘለው ዝፍለጥ እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ኣንፃር ፅንተት ዝወፈሩን ክሳብ ሐዚ ኣብ ኢድ ስርዓት ኢትዮጵያ ዝርከቡን ጀጋኑ ኣለውና። ኹሎም ናፃ ክልቀቑ ድማ ሳወት ይፅውዕ።