ትግራይ ኣብ ከቢድ ብሄራዊ ሓደጋ፡ ዝርዝር ህልዊ ኹነታትን ኣንፈትን ካብ ውድብ ሳ.ወ.ት

“ልዕሊ ሓደ ሲሶ ዝኸውን ህዝብን ግዝኣትን ትግራይ ብወረርቲ ሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ተጎቢጡ ኩሎም ዓይነታት ጥቕዓት ይበፅሖ ኣሎ። ሞራብ ትግራይ፣ ክፋላት ደቡብን ሰሜን ምዕራብን ኣብ ትሕቲ ጎበጥቲ ሓይልታት ኣምሕራ፣ ዝበዝሕ ክፋል ወረዳ ኢሮብን ከተማ ዘላንበሳን ሓዊሱ ብርከት ዝበላ ጣብያታት ዓድታትን ምብራቕ፣ ማእኸላይን ሰሜን ምዕራብን ድማ ኣብ ትሕቲ ወራሪ ሰራዊት ኤርትራ ኣለዋ። እዞም ሓይልታት ህዝብን ግዝኣትናን ወሪሮም ኣብ ኢዶም ዘለዉ ኩሎም መሳርሕታት ብምጥቃም ጥቕዓት እንትፍፅሙ ስርዓት ኢትዮጵያ ነዚ ደው ንምባል ዝኾነ ምንቅስቓስ ኣይገበረን ጥራይ እንተይኮነስ እዞም ጥቕዓታት ምፍፃሞም ብዘይሻራውያንን ትካላት እንትረጋገፅ እውን ገበናትን ገበነኛታትን ብምክልኻል ኣካል እዞም ተግብራይት ምዃኑ ብተደጋጋሚ ኣርእዩ እዩ። ብድምር ትግራይ ግዝኣታዊ ሓድነታ ተገማሚዑ፣ ህዝባ ኣደዳ ፍኑው መጥቃዕትታትን ወረርቲ ሓይልታት ስለ ዝኾነ፣ ብሄራዊ ህልውንኣ ልዕሊ ዝኾነ እዋንን ኩነታትን ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ። በዚ መሰረት ሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘብፅሕዎ ዘለዉ ጥቕዓታትን ዝወረርዎ ህዝብን ግዝኣትን ትግራይ ንምፅናዕ ዝፍፅምዎም ዘለዉ ተግባራትን ብዝርዝር ቀሪቡ ኣሎ።”

እዚ ብውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት) ዝተዳለወ ዝርዝር ሙሉእ ትሕዝቶ ህልዊ ኹነታት ትግራይን ኣንፈትን እዩ፣ ክተንብብዎ ብኽብሪ ንዕድም።