ዝተኣሰሩ ክፍትሑ፣ ኣረመኔያዊ ጨፍጫፍ ንኽፍፀም ዝኣዘዙን ዝፈፀሙን ክሕተቱ ብሄራውያን ውድባት ትግራይ ሓቲተን፣ ቃልሰን ኣሕይለን ከም ዝቕፅላ እውን ገሊፀን።

ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ ብሓባር ዘውፅእኦ ህፀፅ መግለፂ ከም ዝስዕብ ከም ዘለዎ ቀሪቡ ኣሎ።

ህፁፅ መግለፂ ብሄራውያን ውድባት ትግራይ

ከምዝፍለጥ ሰልስቲአን ብሄራውያን ውድባት ትግራይ(ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፣ ውድብ ናፅነት ትግራይ፣ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ(ባይቶና)) ዝፀውዕዖ ሰላማዊ ሰልፊ ንጵጉሜን 02 ምንባሩ ይፍለጥ።

ነዚ ስዒቡ ካብ ብቅድሚ ትማሊ ጀሚሩ ንጎስጓስ ዝወፅኡ ላዕለዎት ኣመራርሓን ኣባላትን ሰለስቲአን ፖለቲካ ውድባት በቲ ዓፋኒ ስርዓት ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ዓፈና እናፈፀመ ምፅንሑ ዝዝከር እዩ። እቲ ዓፋኒ ስርዓት ናይ ፀጥታ ሓይሊ የብለይን እናበለ ብተግባር ድማ ዘየለ ናይ ፀጥታ ስግኣት ከምዘሎ እናምሰለ ፀኒሑ እዩ። ይኹን እንበር ሎምዓንቲ ዝተርኣየ ብግልባጡ ኮይኑ ተረኺቡ። እታ ሰብ ብቀትሪ እናተዓመፀ ሃለዋት ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ዝኣተወላ ከተማ መቐለ: ካብ መጠን ብላዕሊ ናይ ፀጥታ ሓይሊ ብምምዳብ ነቲ ፍፁም ሰላማዊ ዝኾነ ሰልፊ ብሓይሊ ክብተን ተገይሩ ኣሎ። ካብዚ ብተወሳኺ ነቲ ሰልፊ ዘተሓባብሩ ልዕሊ 50 ላዕለዎት ኣማራርሓ ሰለስቲአን ውድባትን ኣቦ ወንበር ውድብ ዓረናን ሓዊሱ ልዕሊ ሚእቲ ኣባላት እተን ውድባትን ካልኦት መናእሰይ ብፀጥታ ሓይልታት እናተንከላበቱን ከቢድ ኣካላዊ ማህሰይትን ደብዳብን ብምብፃሕ ናብ ዘይተፈልጠ ቤት ማእሰርቲ ክዳጎኑ ተገይሩ ኣሎ። እዚ ከይኣክል ናብቲ ሰልፊ ዝመፅአ መንእሰይ በቶም እቲ ዓፋኒ ስርዓት ዝተልኣኹ ናይ ፀጥታ ሓይልታት ኢና በሃልቲ ከቢድን ጭካነ ዝተመልኦ ጨፍጫፍ ብምብፃሕ እቲ ፍፁም ሰላማዊ ኮይኑ ምክያድ ዝጀመረ ሰልፊ ክብተን ተገይሩ ኣሎ።

ኣብዚ ህዝብና ልቢ ክብሎ ዝግባእ ህዝባዊ ጠለባት ሒዘን ዝወፅኣ ብሄራውያን ውድባት ብዙሕ ፀለመ ብምንዛሕ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ድማ ዓመፅ ከምዝኾነ ዝግበር ዝነበረ ፕሮፖጋንዳ ፍፁም ጠቀነን ኣካል ኣፈራሪሕካ ኣብ ስልጣን ምፅናሕ ምዃኑ ዝተርኣየሉ እዩ ነይሩ። ብኣንፃሩ ናይ ፀለመ ፕሮፖጋንዳ ዝውዝዕ ዝነበረ ዓፋኒ ስርዓት ዓርሱ እቲ ቀንዲ ዓማፅን ፍልፍል ኩሎም ሕመቃት ትግራይ ከምዝኾነ ብቃልዕ ዝተርኣየሉ ኹነት ኮይኑ ሓሊፉ።

ሎሚ ዝተገብረ ጥሕሰት ሰብኣውን ዴሞክራስያውን መሰል ህዝብና ኣብ ባርነት ይነብር ምህላው ብግልፂ ክርዳእን ንቀፃላይ ቃልሲ ንክዳለው ዝገበረ ኹነት እዩ። በዚ ኣንፃር ሰለስቲአን ብሄራውያን ውድባት ጠለባት ህዝቢ መልሲ እስካብ ዘይረኸቡ ቃልስና ኣሐይልና ቀፃሊ ሰላማዊ ቃልሲ ኣንፈታትና ዕላዊ ክንገብር ኢና። ህዝብና ብዝበለፀ ሕራነን ንፅረትን ኣብ ጎንና ከምዝስለፍ ሙሉእ እምነት ኣለና።

ካልእ ክነዛኻኽሮ ንደሊ ጉዳይ ትማሊ ብወረርቲ ህዝብኻ እናተቀጥቀጠ ሓሪንካ ዝተጋደልካ ኣካል እዚ ወለዶ ዝኾንካ ጅግና ተጋዳላይ፤ ናይዚ ዓፋኒ ስርዓት መሳርሒ ብምዃን እቲ ትማሊ ዝተፀየፍካዮ ግፍዒ ሕቶኻ ሒዞም ኣብ ዝወፅኡ ኣሕዋት/ኣሓትካ ትፍፅሞ ዝብል እምነት የብልናን። ስለዝኾነ ሐዝ’ውን ምስ ውፁዕ ህዝብኻ ጠጠው ክትብል ፃውዒትና ነቅርብ።

በዚ መሰረት በቲ ዓፋኒ ስርዓት ብዘይሕጋዊ ኣግባብ ዝተኣሰሩ ኣመራርሓ፣ ኣባላትን ሰለስቲአን ውድባት፣ ኣቦ ወንበር ውድብ ዓረናን ንሰላማዊ ሰልፊ ዝመፅኡ ኩሎም መናእሰያት ብዘይዝኾነ ቅድመ ኹነት ብቅልጡፍ ክፍትሑ ንፅውዕ። ብተወሳኺ ነዚ መስካሕክሒ ሰብኣዊ መሰል ጥሕሰት ዝፈፀሙ፣ ነዚ ኣረመናዊ ተግባር ክፍፀም ዝኣዘዙን ዴሜክራስያዊ መሰል ህዝቢ ትግራይ ዝረገፁን ብቅልጡፍ ምርመራ ተጀሚሩ ናብ ሕጊ ክቀርቡ ንፅውዕ።

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ
ውድብ ናፅነት ትግራይ
ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ(ባይቶና)

ጳጉሜ 02፣ 2015