ኣፈላላይን ንሕንሕ ስልጣንን ጉጅለታት ህወሓት መዓስን ከመይን ጀሚሩ?

ብ ፀጋይ ገብረመድህን

(እዚ ፅሑፍ ካብ ፌስ ቡክ ገፅ ፀጋይ ገብረመድህን ከም ዘለዎ ዝተወሰደ እዩ።)

መራሕቲ ህወሓት ድሕሪ ሰነ 21፣2013 ዓ.ም ሮዖ ሽራርኦም ጠቕሊሎም ናይ ዕድመ ልክዕ ገበርቲ ሓደግቲ ትግራይ ክኾኑ ሃቂኖም ነይሮም። ኣብ መስከረም 2014 ዓ.ም ግን ሳላ ሕመቖም ሕልሞም ተጨናጊፉ። ዓለም TDF ኢላ ትፅወዖ ዝነበረት ተኣምር ዝሰርሐ ሓይሊ ትግራይ፣ “እዚ ሰራዊት ናይ ህወሓት ሓይሊ እዩ፣ ህወሓት ኢና . . .“ ኢሎም።

ሽዑ ዓለም ዝፈንፈኖም መራሕቲ ህወሓትን ምስ ዓለም ዘይረዳድኡ ኣምባሳደራት TMHን ንዓለም ከረድኡ ኣይከኣሉን። ኣብ TMH እናቀረቡ ካብ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ዝወሃቦም መደብ ጥራይ ሒዞም ህዝቢ የደንዝዙ ነይሮም። ብጄፍሪ ፌልትማን ዝምራሕ ልኡኽ ኣሜሪካ ህወሓት ናብ ኣዲስ ኣበባ እንተኣትዩ ስዒቡ ዝመፅእ ከበድቲ ሓደጋታት ንዓለም ኣእሚኖም። ሰራዊት ትግራይ ድማ ካብ በሪ ኣዲስ ኣበባ ክምለስ ተገዲዱ።

ድሕሪ መልሲ ህዝቢ ትግራይ ብሓለንጊ ጥሜትን ብሕማምን እናተገረፈ መራሕቲ ህወሓት ኣብ ስርቅን ጉሕለትን ተፀሚዶም ስለ ኲናት ረሲዖም ሸሞንተ ኣዋርሕ ሓሊፉ። ብተፃራሪ ብዓብይኡ ዝዳሎ ዝነበረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓገዝቱ ሒዙ ነሓሰ 18፣ 2014 ዓ.ም ንሸሞንተ ኣዋርሕ ተቋሪፁ ዝነበረ ውግእ ተጀሚሩ። ተዓፅዩ፣ ቀለብ፣ ዕጥቂ፣ ተተኳሲ፣ መድሓኒት፣ መጓዓዝያ፣ ኣልባሳት፣ ወዘተ ሕፅረት ዝነበሮ (ዳርጋ ዘይነበሮ) ሰራዊት ትግራይ ምስ ዘበናዊ ኣፅዋር ዝተዓጠቐን ድጋፍ ብዙሓት ዘለዎ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ዕጡቓት ኣምሓራን ንኣዋርሕ ስኑ ነኺሱ፤ መዓንጥኡ ብልሕፂ ኣሲሩ ገጢሙ ተዋግአ።

ሰራዊት ትግራይ ተተኳሲ፣ ድጋፍ ወሃብቲ ኣፅዋር፣ መድሓኒት፣ ስንቂ፣ መከላኸሊ ደብዳብ ድሮን፤ መጓዓዝያ ዳርጋ ሙሉእ ብሙሉእ ክበሃል ብዝኽእል መልክዑ ወዲኡ። ብበትርን ብደንጎላን ክሳብ ምግጣም በፂሑ። ፀላእቲ ምዕራብ ሓሊፎም ሰሜን ምዕራብ ጥሒሶም ፣ማእኸላይ ትግራይ ምስ ሓዙ ዘተ ሰላም ፕሪቶሪያ መፂኡ። እቲ ሕዚ ዘሎ ኣፈላላይ ፈላማይ ምዕራፍ መጀመሪያ ኣብዚ እዩ።

ናብ ፕሪቶሪያ እንመን ይኺዱ ንዝብል ሕቶ፣ በቲ እዋን ኣካቢ ሴንትራል ኮማንድ ትግራይ ዝነበረ ደብረፅዮን ገብረሚካኤል (ዶ/ር) ደብዳቤ ፅሒፉ ንሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ፣ ጌታቸው ረዳ፣ ፍስሃ ሃፍተፅዮን (ዶ/ር)፣ ኮሎኔል ተወልደ ገብረትንሳኤ (ተወልደ ዕምበብ)፣ ኣሰፋ ኣብርሃ፣ ኣምባሳደር ወንድሙ ኣሳምነው ልኢኹዎም። ኣብ ፕሪቶሪያ ኣብ ድርድር እናሃለዉ ብወገን ኣድያቦ ዝመፅአ ፀላኢ ዕዳጋ ዓርቢ ሓሊፉ ናብ ሓውዜን ይግስግስ ነይሩ።

ብኻልእ ወገን ድማ መቐለ ኣብ ትሕቲ ፀላኢ ምውዳቓ ኣይቐርን ብዝብል፣ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ዝመርሖምን ዘተሓባብሮምን ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ናብ በረኻ ንምውፃእ ምደባን ድልድልን ወዲኦም ኣብ ኣክሱም ሆቴል ካድረታትን ሓለፍትን ኣኪቦም ”ክንወፅእ ኢና” ኢሎምዎም። እቶም ኣብ ፕሪቶሪያ ዝላዘቡ ዘለዉ ”ዝመለሱ ኣይመስለናን፣ ተስፋ የብሎምን” ኢሎም። ኣብዚ ከይዲ ዝተወሰኑ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ኣይንወፅእን ኢሎም። ዳግም ናብ በረኻ ክውፃእ ተታሒዙሉ ዝነበረ መዓልቲ ተናዊሑ።

ድሕሪ እዚ ዝተናውሐ ዳግም ናይ በረኻ ምውፃእ ትልሚ በቲ እዋን ንትግራዋይ መደንገፅን መሕመምን ዝነበረ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ዕላዊ ተገይሩ። እቶም ብእኒ ኣለም ዝምርሑ ዳግም ናብ በረኻ ናይ ምውፃእ ትልሚ ኣዳልዮም ዝነበሩ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ህፁፅ ኣኼባ ማእኸላይ ኮሚቴ ፀዊዖም። ትሕዝቶን እንታይነትን ስምምዕነት ፕሪቶሪያ በሪሁሎም። ብፍላይ ድማ በሪሁ ተወልደብርሃንን ኣማኑኤል ኣሰፋን ብሕጊ መንፅር ትሕዝቶ እቲ ስምምዕነት ኣብሪሆምሎም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ኣለም ገብረዋህድን ነበር ሓላፊ ድሕንነት ኢትዮጵያ ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋን ድማ ንደብረፅዮ ገብረሚካኤል (ዶ/ር) ”መን እዩ እቶም ተደራደርቲ ጉጅለ ለኣኮም ኢሉካ?''፣ ''ከመይ ገይርካ ኢኻ ኸ ሓሪኻዮም? ኢሎም ሓቲቶሞ፣ ቀፂሎም እውን በል ንዓና መጥፍኢ ውዕል ፈሪሞምልካ እንሀው፣ ብዛዕባ እዚ ውዕል ትፈልጥ ዲኻ? ይድውሉላካ ዶ ኸ ነይሮም? ወዘተ ኢሎም ኣፋጢጦምዎ። ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ድማ ”ዝፈልጦ ነገር የብለይን” ኢሉ ከም ዝመለሰሎም ተፈሊጡ እዩ።

ሽዑ እቲ ማእኸላይ ኮሚቴ ክልተ ውሳነታት ወሲኑ ነይሩ። ሓደ፣ ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ካብ ፕረዚዳንትነቱ ክእገድን ህወሓት ወኪሉ ዝሰደዶ ተደራዳሪ ጉጅለ የለን ዝብል መግለፂ ክወፅእን። እቲ ካልኣይ ድማ መንግስቲ ትግራይ ሕጋዊ ቤት ምኽሪ ስለ ዘለዎ ቤት ምኽሪ ስለ ዘይወከሎም ኣይንፈልጦምን ብዝብል ብኣብዝሓ ድምፂ ወሲኖም ነይሮም። ካድረታት እውን ብወገኖም ሌ/ጀ ፃድቃን ናይ ስለላ ኣሜሪካ CIA ልኡኽ ስለ ዝኾነ ንህወሓት ከጥፍኣ ተስማዕሚዑ እዩ፤ ጌታቸው ረዳ እውን ምስ ኣመሪካውያን ወጊኑ፣ ክሒዶምና እዮም ኢሎም ወረ ኣዝርው ቀንዮም።

ድሕሪ ፕሪቶሪያ ኣብ ናይሮቢ ንዝግበር ተወሳኺ ድርድር ሌ/ጀ ታደሰ ወረደ ዘለዎ ተወሳኺ ጉጅለ ካብ መቐለ ተላኢኹ። ንሌ/ጀነራል ወዲ ወረደ ክትወስድ ዝመፅአት ኣውሮፕላን ንኣምባሳደር ወንድሙ ኣሳምነው ናብ መቐለ ሒዛ መፂኣ። እቲ ማእኸላይ ኮሚቴ ንኣምባሳደር ወንድሙ ፀዊዑ መብርሂን ከይድን ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ከብርሀሎም ገይሮም። ኣምባሳደር ወንድሙ ኣሳምነው ድማ ንሕና ሓቢርና ከይድና እምበር ሓቢርና ኣይተስማዕማዕናን። ጌታቸው ረዳን ሌ/ጀ ፃድቃንን እዮም ወሲኖም ኢሎምዎም። ኣብ ምጥያሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ፍስሃ ሃፍተፅዮን ንጌታቸው ኣይኮነን ዓዲ ክትመርሕ ሓደ ልኡኽ እኳ ክትመርሕ ዘይከኣልካ በይንኻ ዝወሰንካ ኢኻ ኢሉዎ ዝነበረ ካብዚ ተበጊሱ እዩ።

ድሕሪ ስነ ስርዓት ፌርማ ውዕሊ ናይሮቢ እቲ ብቤት ፅሕፈት ህወሓት ዝተዳለወ ንህወሓት ወኪሉ ዝኸደ ተደራዳሪ ልኡኽ የለንዝብል መግለፂ ማእኸላይ ኮሚቴ ወፂኡ ነይሩ።

ክልቲኡ ልኡኽ ናብ መቐለ ምስ ተመለሰ ድማ ፈፃሚት ስራሕ ህወሓት ንጌታቸው ረዳ ”ንዓ መብርሂ ሃበና” ኢሎም ፀዊዖምዎ። ጌታቸው ድማ ንዓኹም ኣይፈልጠኩምን፣ ንዓኹም ኣየብርህን ንዘብረሀሎም እየ ዘብርህ ኢሉዎም። ድሕሪኡ ወዲ ወረደን ደብረፅዮንን ዝመርሑዎ ካብ ኣርሚ ኣዘዝቲ ንላዕሊ ዘለዉ ወታደራዊ መራሕትን ማእኸላይ ኮሚቴ ዝነበሩ ነባራት ፖለቲካዊ መራሕትን ሓዊሱ ተኣኪቦም። ኣብዚ ኣኼባ ጌታቸው ረዳን ሌ/ጀ ፃድቃንን ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ግዘ ምስ ወታደራዊ መራሕትን ምስ ደብረፅዮንን እናተደዋወሉ ከም ዝፈረሙ ገለፃ ገይሮም።

ናይ እቶም ኣብዝሓ ወታደራዊ መራሕቲ ድጋፍ ዝረአዩ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ፣ እቲ ነዚ ስምምዕነት ነፂግና ናብ በረኻ ንውፃእ ዝብል ዝነበረ መርገፂኦም እናገደፉ ናብ ናይ ጌታቸው ረዳ ወገን ምዝንባል ጀሚሮም። እቶም ቀደሙ እውን እቲ ስምምዕነት ጌጋ እዩ ዝብሉ ዝነበሩ ፅኑዕ እምነት ዝነበሮም ድማ ምስ ኣለም ገብረዋህድ ወጊኖም።

እዚ ኣፈላላይ ሒዞም፣ እቲ ተደራዳሪ ጉጅለ ንኣይተ ኣለም ገብረዋህድ እሙናት ዝበሃሉ ሰባት ያለም ፀጋይ፣ በየነ መክሩ፣ መረሳ ፀሃየ ተወሲኾምዎ፣ ወካሊ ትግራይ ተገይሩ በቲ ዝንበረ ቤት ምኽሪ ሕጋዊ ሰውነት ተዋሂብዎ ክፀድቅ ተገይሩ። ድሓር በየነ መክሩ እውን ምስ ጌታቸው ረዳ ካብ ዝወገኑ ሓደ ኮይኑ።

ድሕሪ እዙይ ኣብ ዝግበሩ ኣኼባታት ማእኸላይ ኮሚቴ ምድምማፅን ምስናይን ጠፊኡ። ምጥርጣር ጥራይ ኮይኑ። ማእኸላይ ኮሚቴ ምስናይ እንትኣቢ ሌ/ጀ ታደሰ ወረደ፣ ሌ/ጀ ፍስሃ- ማንጁስ፣ ሌ/ጀ ዮሃንስ -መዲድ ዝርከቡዎም ወታደራዊ ኣዘዝቲ ፀዊዖም ሱቅ የብሉዎም። ኣብ ማእኸላይ ኮሚቴ ኣብላጫ ድምፅን ተሰማዕነትን ዝየበሮ ኣይተ ኣለም ገብረዋህድ ቁፅሩ እናመንመነ እናቐነሰ ውሑድ ድምፂ ምስላፍ ጀሚሩ።

ኣብ መፈለምታ መስከረም 2016 ዓ.ም ”ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ብመንግስቲ ፌዴራል ፈሪሱ እዩ፣ ናብ ቅድሚ ፕሪቶሪያ ዝነበረናዮ ተመሊስና ኢና፣ ግዝያዊ ምምሕዳር ይፍረስ” ዝብል ጭቡጥ ትሕዝቶ ዘለዎ ሰነድ ብእኒ ኣይተ ኣለም ተዳልዩ ማእኸላይ ኮሚቴ ኣኪቦም። እቲ ሓሳብ ብኣብዝሓ ድምፂ ወዲቑ፣ እቲ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ንኽፍፀም ንቃለስ፣ ሰላማዊ ቃልሲ እዩ ዘዋፅአና ኢሎም ደብረፅዮንን ጌታቸውን መግለፂ ሂቦም።

ኣብ ማእኸላይ ኮሚቴ ተሰማዕነት እናሰኣነ ዝመፅአ ጉጅለ ኣለም ገብረዋህድ ላዕለዎት ካድረታት ሒዙ ነቲ ናይ ማእኸላይ ኮሚቴ ውሳነ ከፍርስ ህፁፅ ኣኼባ ብምፅዋዕ ፈቲኑ። ኣባላት ጉጅለ ግዚያዊ ምምሕዳር ህወሓት ድማ ካድረ ከይእክብ ከልኪሎምዎ። ብዝኾነ ክሳብ ሕዚ ዘሎ ውጥጥን ኣፈላላይን መራሕቲ ህወሓት መበገሲ ካብ ዝኾነት ሓንቲ ምኽንያት እዚኣ እያ፣ ካልኦት እውን ይህልዉ።