ብስርቂ ተሸካሚ መስመር ኤሌክትሪክ ንፃምእ ማይን ፀልማትን ዝተቓልዐት ከተማ መቐለ

ንነበርቲ ከተማ መቐለ ግልጋሎት መስተ ማይ ዝህብ ግድብ ገረብ ሰገን መጋቢ ዝኾነ ማእኸላይ መስመር ኤሌክትሪክ ቮልቴጅ (KO-9) ታሕሳስ 11፣ 2016 ዓ.ም ምሸት ሰዓት 12:00 ብዝበፀሖ ዕንወትን ስርቅን ምቁርራፅ ግልጋሎት ማይን መብራህትን ኣጋጢሙ።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ሓይሊ ኤሌትሪክ ጨንፈር ትግራይ ኣይተ ግርማይ ግደይ ንቴሌቪዥን ትግራይ ኣብ ዝሃብዎ ቃል መንነት እቶም ጎሓሎ ዛጊድ ኣይተፈልጠን። ንኣካዳሚ ኣመራርሓ መለስ ግልጋሎት ዝህብ ዝነበረ ኮምፖክት ትራንስፎርመር መጋቢ HT UG ዝብሃል ኤሌክትሪክ ሽቦ ብምዕናዉ እዉን ግልጋሎት ሓይሊ መብራህቲ ከም ዝተቛረፀ እቶም ሓላፊ ሓቢሮም።

ብተደጋጋሚ ኣብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝበፅሕ ዘሎ ጉሕለት ብኣግኡ ንምክልኻል ኣካላት ፀጥታን ህዝብን ብንቕሓት ኣንፃር እዞም ጒሒላታት ደው እንተዘይሎም ንህዝቢ ኣገልግሎት ምሃብ ትካሎም ከም ዝፅገም ኣይተ ግርማይ ኣገንዚቦም።

ኣብ ትግራይ ጉሕለት መስመራት ኤሌክትሪክን ትራንስፎርመራትን ብተደጋጋመ ዘጋጥም ተርእዮታት ካብ ዝኾን ፀኒሑ ኣሎ። ኣብ መላእ ትግራይ ፅዑቕ ሓለዋ ፀጥታ ብዘይምህላዉ፣ ስእነት ስራሕ፣ ጥምየትን ፋሉልነትን ዘስዓቦ ስርቂ ኣስጋዒ ኣብዝብሃለሉ ደረጃ ከም ዘሎ ነበርቲ ዝተፈላለዩ ከተማታት ትግራይ ከም ዝገለፁ ምፅብፃብና ይዝከር።