ሕድሕዳዊ ኲናት ሱዳን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዘስዓቦ ኣድህቦ ዝስኣነ ፀገም

ተጠናኺሩ ይቕፅል ዘሎ ሕድሕዳዊ ዂናት ሱዳናውያን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ተወሳኺ ሓደጋ ሒዙ ከም ዝመፀን ኣዝዩ ይፀልዎም ከምዘሎን ኣብ ሱዳን ዝርከብ ጋዜጠኛ መድሃንየ ግደይ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣብ ዘጋወሖ ትዕዝብቱ ኣመልኪቱ።

ኣብ ሱዳን ከተማ መደኒ ትማሊ ወጋሕታ ፅዕፁዕ ኩናት ድሕሪ ምክያዱ ብፀብለልታ Rapid Support Forces (RSF) ተባሂሎም ዝፍለጡ ኣብ ልዕሊ ማእኸላይ መንግስቲ ዝዓመፁ ሓይልታት ተዛዚሙ ዝበለ እቲ ጋዜጠኛ፣ እታ ከተማ እውን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር እቶም ዕጡቃት ከም እትርከብ ይገልፅ።

መብዛሕትኦም ተጋሩ ነታ ከተማ ለቂቆም ከም ዝወፁን፣ ዝበዝሑ ድማ ናብቲ ዝቐረበ መዕቆቢ ስደተኛታት ተነድባ ዝተፀንበሩ ኾይኖም፣ ዝተረፉ ድማ ናብ ከተማታት ስናርን ገዳርፍን ከም ዝኣተዉ እቲ ጋዜጠኛ ገሊፁ።

ኣብ መደኒ ልዕሊ 500 ዝኾኑ ኣቐዲሞም ካብ ካርቱም ዝተሰደዱ ተጋሩ ኣዕቂሎም ምንባሮም ዘዘኻኽረ መድሃንየ፣ ሕዚ ንመበል ካልኣይ ግዘ ተፈናቂሎም ኣደዳ ስደት ክኾኑ ተገዲዶም ኣለው። ብክልቲኦም ተዋጋእቲ ወገናት ክሳብ ሕዚ ንተጋሩ ፈሊኻ ናይ ምጥቃዕ ተርእዮታት ከም ዘይተዓዘበ እውን ይገልፅ።

ይኹን ድኣ እምበር ብወገን ወታደራት መንግስቲ ” ‘ሓበሻ’ ምስቶም ዓመፅቲ ኮይኖም ይዋጉኡና ኣለዉ” ዝብልዎ ተረኽ እናሰፍሐ ይኸድ ምህላውን ከም ውፅኢቱ ድማ ሓደ ሓደ ወታሃደራት መንግስቲ ሱዳን ተጋሩ ካብ ካልኦት ‘ሓበሻ’ ፈሊኻ ናይዘይ ምርኣይ ፀገም ከምዘለዎም ሓደገኛ ከም ዝገብሮ ትዕዝብቱ የቐምጥ። በዙይ ምኽንያት ኣብ መደኒ ሓበሻ ብዝብል ስያመ ጥራሕ በዝሒ ቁፅሮም ዘይገለፆም ተጋሩ ምስ ካልኦት ‘ሓበሻ’ ተኣሲሮም ፀኒሖም ዳሕራይ ግን ከም ዝተፈትሑ ምርግጋፁ ይሕብር።

ተጋሩ ኣብ ዝነብሩለን ዘለው መዕቆቢ ስደተኛታት ሰፊሕ ራዕዲ ኣሎ ዝበለ እቲ ጋዜጠኛ፣ ካብ ፅንተት ሰጊሩ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ሱዳን ሕሱም ናብራ ዘሕልፍ ዘሎ ስዱድ ህዝቢ ትግራይ ዉግእ ካብ ዝካየደሉ ቦታ ኣስታት 100 ኪሎ ሜትሮ ጥራሕ ሪሒቁ እዩ ዝነብር ዘሎ።

ህፃናት፣ ኣረጋዉያን ሕዱር ሕማም ዘለዎም ተጋሩ መፃኢኦም ሓደገኛ ኣብ ዝኾነሉ ኩነታት ይነብሩ ከም ዘለዉን ”ብጥይት ተዘይሞትና ብሕፅረት ምግብን መድሓኒትን ክንዉዳእ ኢና” ዝብል ስግኣት ኣብቶም ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ተነድባ፣ ኣምራኩባ፣ ሓሸባን ካልኦት መዓስከራትን ብሰፊሑ ከም ዝንበብ እቲ ጋዜጠኛ ትዕዝብቱ ይገልፅ። መራሕቲ ትግራይን ካልኦት ግዱሳትን ኣብ ከቢድ ኩነታት ዘሎ ህዝቦም ከድሕኑ ዝርኣዮ ዘስካሕኽሕ ኩነታት ብምግላፅ ድማ ይምሕፀን።

ብምኽንያት ሕድሕድ ኲናት ሱዳን ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ ሓደ ሰሙን ልዕሊ 250 ሽሕ ሰባት ከም ዝተፈናቐሉ ማዕኸናት ዓለም ዝገለፁ እንትኾን፣ 15 ተጋሩ ድማ ከም ዝሞቱ ማሕበር ተጋሩ ሱዳን ከም ዘፍለጠ ይዝከር።