ዕንወት ትካላት ፋይናንስ ፣ ዕስለ ዒፍ፣ ሞት ብጥምየት፣ ቃፀሎ ገዛውቲ!

ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ትካላት ማይክሮፋይናንስ ዝበፅሐ ዕንወት ካሕሳ ከም ዝሓትት ኮሚሽን መፃረይ ገበናት ምፅናት ዘርኢ ትግራይ ኣፍሊጡ

ብግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተጣየሸ ኮሚሽን መፃረይ ገበናት ምፅናት ዘርኢ ትግራይ  ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዝንቀሳቐሳ  ትካላት ማይክሮፋይናንስ ደደቢትን  አደዳይን ዝበፅሐ ዕንወትን ክሳራን ካሕሳ ከምዝሓትት ኣፍሊጡ ኣሎ፡፡ ኣብ ትግራይ  ኣብ 86 ወረዳታት ፤ ኣብ ህንፃታትን  ኣብያተ ዕዮን  12 ዋና ጨንፈራትን፡  112 ንኡስ ጨንፈራትን  ካብ ዝበፅሐ ከቢድ ዕንወት እቲ  52 ሚኢታዊ ብወራሪ ሓይሊ ሰራዊት ሻዕቢያ ዝተፈፀመ ከምዝኾነ እቲ ኮሚሽን ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ኮሚሸን ኮምፒዩተራትን ማሽናት ሕትመትን ሓዊሱ ብዋናነት እተን ትካላት ዘተኣሳስር መሰረተ ልምዓት ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ብሰራዊት ሻዕቢያን ሰራዊት መንግስቲ ፌደራልን ከምዝዓነወ ንግዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዘቕረቦ ፀብፃብ ገሊጹ። ኣባል ክፍሊ መፅናዕቲ ጉዳያት ፋይናንስ እቲ ኮሚሽንን መምህር ዩኒቨርስቲ መቐለን ዝኾኑ ኣረጋዊ ገብረሚካኤል (ዶ/ር) ከምዝሓበርዎ መብዛሕቲ ዝበፅሐ ዕንወት ብሓይልታት ሰራዊት ሻዕቢያን ሰራዊት መንግስቲ ፌደራልን እዩ ኢሎም፡፡

ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ትግራይ ዝርከባ  ኣብያተ ፅሕፈት ማይክሮፋይናንስ እተን 86 ሚኢታዊ  ‹‹ኣለዋ ኢልካ ንምዝራብ ብዝኸብድ ደረጃ ዓንየን እየን፤›› ዝበሉ ዶክተር ኣረጋዊ ፣ ‹‹እቲ ዝተፈፀመ ጉሕለትን ዕንወትን  66 ሚኢታዊ  ብመሳርሒ ኲናት ዝተሓገዘ ፣ 17 ሚኢታዊ ድማ ኮነ ተባሂሉ ክባራዓ ዝተገበረ እዩ›› ኢሎም።

ብሰንኪ እቲ ኲናት እተን ትካላት ህፃታተን ዓንዩ ፤ ሰነዳተን ጠፊኡን ተቓፂሉን ዝተረፈ ድማ ተወሪሩ ክብሉ ዶክተር ኣረጋዊ ኣብሪሆም፡፡ ኣብ ኩለን ኣብያተ ፅሕፈት እተን ትካላት 74 ሚኢታዊ ብጉሕለት ፤ ዓሰርተ ሚኢታዊ ብምብራዕ ፤ ሸሞንተ ሚኢታዊ ድማ ኮነ ኢልካ ብዘይተፈፀመ ኣጋጣሚ ዝዓነወ (Collateral Damage) ምዃኑ ሓቢሮም፡፡

ብሓፈሻ እተን ትካላት ማይክሮ ፋይናንስ ዝበፅሐን ዕንወት 43 ሚኢታዊ ኮነ ተባሂሉ ብከቢድ ብረት ዝተፈፀመ ደብዳብ ፤ 38 ሚኢታዊ ድማ ከነ ተባሂሉ ብዝተፈፀመ ጉሕለት ዝዓነዋ እየን ኢሎም ዶ/ር ኣረጋዊ፡፡ እተን ትካላት ናብ ንቡር ስራሐን ንክምለሳ ካሕሳ ንክክፈለን  እቲ ኮሚሽን ፃዕሪ ከምዝገብር ድማ ዶ/ር ኣረጋዊ ሓቢሮም፡፡

መን ይኽሓስ ዝብል ብሕጊ ዝውሰን ይኸውን ዝበሉ ዶ/ር ኣረጋዊ ኣብቲ ኲናት ተሳተፍቲ ዝነበሩ ሰራዊት ፌደራል መንግስቲ ፤ ሰራዊት ሻዕቢያ ፤ ዕጡቓት ሓይሊ ኣምሓራ ሕድሕዶም ዝነበሮም ብፅሒት ኣብ ዝገበርናዮ መፅናዕቲ ብምክታትና ብኡኡ ልክዕ ዝረአ ይኸውን ምባሎም ካብ ጋዜጣ ሪፖርተር ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላክት ፡፡

ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ወረዳ ራያ ጨርጨር ልዕሊ 30 ሄክታር መሬት ዘረእቲ ብወራር ዕስለ ዑፍ መሊኡ ከምዝጠፈኣ ምምሕዳር እቲ ወረዳ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ቐረባ እዋን  ኣጋጢሙ ዘሎ ወራር ዕስለ ዑፍ ኣብ ልዕሊ ዝራእቲ ከቢድ ሓደጋ የብፅሕ ከምዘሎ ነበርቲ ወረዳ ራያ ጨርጨር ተዛሪቦም። እቲ ወራር ዕስለ ኣዕዋፍ  ግቡእ ጠመተ እንተዘይተገይርሉ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ናብ ኻልኦት ኸባቢታት ተጋፊሑ ዝኸፈኣ ሓደጋ ከየብፅሕ ስግኣቶም ገሊፆም፡፡

ካብ ክልል ኣምሓራ ከምዝመጸ ዝንገረሉ  ዋጃ እናተብሃለ ዝፅዋዕ ዕስለ ዑፍ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ወረዳ ራያ ጨርጨር ኣብ ልዕሊ ብሕዱር ጠልን ብመስኖን ተዘሪኦም ዝባፅሑ ዝራእቲ መሸላን ዕፉንን  እዩ ከቢድ ሓደጋ የብፅሕ ዘሎ። ካብ ባሕቲ ታሕሰስ ጀሚሩ ከምተረኣየን ካብ ዝሓለፉ 5 መዓልታት ድማ ኣዝዩ ሓደጋ የብፅሕን ከምዘሎ ሓረስቶት እታ ወረዳ ሓቢሮም፡፡

ምሕዳዳር እታ ወረዳ ብወገኑ ዛጊድ ብሕዱር ጠልን መስኖን ተዘሪኡ ንፍርያት በቒዑ ዝነበረ ልዕሊ 30 ሄክታር መሬት ድማ በቲ ዕስለ ዑፍ መሊኡ ከምዝጠፈኣ ሓቢሩ፡፡ ኣብታ ወረዳ ኣብ እዋን ክራማት ዝነበረ ምቁርራፅ ዝናብ ስዒቡ ዘጋጠመ ሓደጋ ድርቂን  እቲ ዕስለ ዑፍ የብፅሖ ዘሎ ሓደጋ ተሓዊስዎ ኣብ ህዝቢ እቲ ኸባቢ ከቢድ ስግኣት ፈጢሩ ከም ዘሎ ካብ ድወት ዝረኸብናዮ ፀብፃብ ይሕብር።

ሓረስቶት ወረዳ ራያ ጨርጨር ብሰንኪ ድርቂ ንከቢድ ሓደጋ ጥምየት ዝተቃልዑ እንትኸውን ካብ ትምህርቲ ዝተረፉ ደቆም ዝበልዖዎ ኣለሻ ሓዲጎምም ይስደዱ ከምዘለው ኣብዚ ሰሙን ምጽብጻብና ዝዝከር እዩ።

ኣብቲ ከባቢ ሎሚ ዘበን ቆውዒ ዝኣተወ ምህርቲ ከምዘየለ ኣመሓዳሪ እቲ ከባቢ እቲ ድርቂ ኣብ እንስሳ ዝከፈአ ጉድኣት ከምዘብጸሐ ሓቢሮም ኔሮም እዮም። ኣብዚ ዓመት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ዝከፈአ ድርቂ ዘጋጠመ ዋላ እንተኾነ  ግብረ መልሲ መንግስቲ ትግራይ ይኹን መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣዝዩ ትሑት ኾይኑ ይርኸብ።

ኣብ ወረዳ ሳሓርቲ ሓሙሽተ ሰባት ብጥሜት ከምዝሞቱ ተፈሊጡ

ኣብ ወረዳ ሳሓርቲ  ልዕሊ 45 ሽሕ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ጥሜት ወዲቑ ከም ዘሎ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር እቲ ወረዳ ኣፍሊጡ። ክሳብ ሐዚ ሓሙሽተ ሰባት ብጥሜት ከምዝሞቱ እውን ኣፍሊጡ።

ዋና ኣማሓዳሪ ወረዳ ሳሓርቲ ኣይተ ዘሚኪኤል ተወልደመድህን ከምዝበልዎ፣ ዳርጋ ፍርቂ ህዝቢ ወረዳ ሰሓርቲ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ጥምየት ከምዝወደቐ  ተዛሪቦም፡፡ በዝሒ ህዝቢ እታ ወረዳ ልዕሊ 99 ሽሕ  ምዃኑ ዝሓበሩ ኣይተ ዘመካኤል ካብዚ እቲ  ልዕሊ 45 ሽሕ ህዝቢ ከቢድ ሓደጋ ጥሜት ኣጋጢሙዎ ከምዘሎን ህፁፅ ሓገዝ ዝጠልብ ምዃኑን ኣፍሊጦም፡፡

ኣብዚ ቐረባ እዋን ሓሙሽተ ሰባት ብጥሜት ከምዝሞቱ ዝሓበሩ ዋና ኣመሓዳሪ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ኣብ ኣፍ ሞት ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡ ብፍላይ ሓሙሽተ ጣብያታት ማርያሞቖ፣ ዓዲሽሻይ፣ ባምባ፣ ማይቃናን እስረትን ህፁፅ ሓገዝ እንተዘይበፂሑለን ብርክት ዝበለ ሰብ ንሞት ክቃላዕ ከምዝኽእል ስግኣቶም ኣቕሚጦም ኣለው፡፡

ብተወሳኺ ኣብ ጣብያታት ማርያሞቖ፣ዓዲሽሻይን ማይቃናን ከቢድ ሕፅረት ዝስተ ማይ ሰብን እንስሳን ኣጋጢሙ ብምህላዉ ህፁፅ ቀረብ ማይ እንተዘይቐሪቡ ሳዕቤኑ ከቢድ ክኾን ከምዝኽእል እቶም ዋና ኣማሓዳሪ ወሲኾም ገሊፆም።

መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላትን ግዱሳት ገበርቲ ሰናይን ቅልጡፍ ስራሕቲ ምድሓን ነብሲ ንክሰርሑ ብስም ህዝብን መንግስትን ወረዳ ሳሓርቲ ፃውዒቶም ኣቕሪቦም ከም ፀብፃብ ሓበሬታን ርክብን ወረዳ ሰሓርቲ።

ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ጥምየት ሳዕቤኑ ከቢድ ክኸውን ከምዝኽእል ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ  ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣጠንቂቖም ምንባሮም ይዝከር፡፡

ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ጥምየት ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑፀሩ ሰባት ህይወቶም ክሓልፍ ከምዝኽእልን ጠምተ ተዋሂቡ ክስረሐሉ ከምዝግባእን ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም ነይሮም።

ኣብ 52 ጣብያታት እቲ ክልል ብጥምየት ሰባት ከምዝሞቱ ኮምሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ትግራይ ቅድሚ ክልተ ቅነ ዕላዊ ገይሩ ምንባሩ ይዝከር፡፡ እቲ ኮምሽን ጥምየት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝልዓለ ጉድኣት ንከይበፅሕ ኣብ ምክልኽል ዝነጥፍ ክልላዊ ኮሚቴ ንምጥያሽ ኣብ ምንቅስቓስ ከምዘሎ ይፍለጥ፡፡

ዓለምለኸ ትካል ገባሪ ሰናይ ስደተኛታት (IOM) ብሰንኪ ኲናት ትግራይ ገዝኦም ዝተቓፀሎምን ዝፈረሶምን 180 ሰባት ሓገዝ ናውቲ ሂቡ

ኣብ ዝተፈላለዩ ጣብያታት ወረዳ ቦራ ቸለና ዝነብሩ መንበሪ ገዘኦም ዝተቓፀሎምን ዝፈረሶምን 180 ነበርቲ ካብ ዓለምለኸ ትካል ገባሪ ሰናይ ስደተኛታት (IOM) ሓገዝ ከም ዝረኸቡ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ጉዳይ ሰራሕተኛ ተጠቃምነትን ተሳትፎን ሕብረተሰብ እቲ ወረዳ ገሊፁ።

ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ገብረ ተካይ ከምዝሓበርዎ፣ ነቶም ፀገም ዝበፅሖም ወገናት ኣብ ሰለስተ ብርኪ ብምምዳብ ቆርቆሮ፣ ምስማርን ካልኦት ናውቲን ብሓገዝ ተበርኪቱሎም እዮም፡፡ 720 ሽሕ ጥረ ቅርሽ እውን ኣካል እቲ ሓገዝ ከም ዝኾነ ገሊፆም ።

ሓገዝ ዝተገበረሎም ወገናት ብግዲኦም ብምኽንያት ኲናት መንበሪ ገዛኦም ዓንዩ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ምንባሮም ብምግላፅ  ፀገሞም ንምፍታሕ እቲ ሓገዝ ዓብዪ ኣበርክቶ ከምዝህልዎ ተዛሪቦም፡፡  ገበርቲ ሰናይ ትካላት መሰረታዊ ፀገማት ሕብረሰብ እናረኣየ ብቐዳምነት ክሰርሓ ድማ ፀዊዖም ክብል  ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ዞባ ደቡብ ትግራይ ሓቢሩሎ።