ኣንፈት ስብሓትን ሓደጋታቱን …

ብ ተኽሊት ገብረመስቀል

መእተዊ

ዘረባ ስብሓት ብዙሕ ሰብ ኣቅሊሉ ይርእዮ ከም ዘሎ ተሰሚዑኒ፡፡ ናይ ሓደ ሓደ እኳ ኣጀንዳ ንዘይምግባር ዝዓለመ ክኮውን ከም ዝኽእል እግምት እየ፡፡ እርድአኒ እዩ፡፡

እንተኾነ ግና ን ስብሓት ካብ ኣጀንዳ ወፃኢ ምግባር ዝክኣል ዋላ እኳ እንተዝኸውን ዝጠቅም ኣይመስለንን፡፡ እቲ ቃለመሕተት ወ ወግዒ ብቀንዱ ንዓና ነቲ ካብ ህወሓት ወፃኢ ዘሎ እንተይኮነ ነቶም ሓዊ ጨቢጦም ዘኒአዉ ኣካላት እዩ፡፡ ንሕና ሸፈንናዮ ንሶም በቢ ሰርክሎም ክሰምዕዎ እዮም፡፡ ስለዚ ሸፊንካ ዝሽፈን ስለ ዘይኮነ፥ ኣብ ምምካን እቲ ሓሳብን ባህጊን እንተንነጥፍ ብሃላይ እየ፡፡ ብካሊእ ኣባሃላ ን ስብሓት ‘ኢግኖር’ እንተገበርናዮ፡ እቲ ክውንነት ግን ከምኡ ኣይኮነን፡፡ እቲ ክውንነት ሓደ ሕመቕ ፖለቲካ ትግራይ ፖለቲካ ስብሓት ምኳኑ እዩ፡፡ ብምኳኑ፡ ኣብ ምምካን ክንነጥፍ ስለዘለና ገለ ክብል እሞ ሓፈሻዊ መልአኽቲ፣ ጌግኡን ልክዕን፣ ዕላማ እቲ ቃለመሕተትን ኣንፈት ስብሓት ኢሉ እውን እንታይ ክንገብር ዝብል መዋፅኦ እውን ክፍትን እየ፡፡

፩. መልአኽቲ ስብሓት ብሓፂሩ …

ሀ) መግለፂ ዓወት ህወሓት ሕገመንግስቲ ምኳኑ፤ ካብዚ ድማ ኣብታ ህንፀተ ግዝኣተ-ብሄር(ሃገረ መንግስቲ ምኳና)፡፡

ለ) እቲ መበገሲ ኩናት ካብዛ መሰል ብሄር-ብሄረሰብ (ንሱ ክራይ ኣካብነት ዝብላ) እትብገስ ምኳና የስምረሉ፡፡ እቲ ሕገመንግስቲ ነቶም ብሄሮም ከዕብልል ዝደልዩ ዓበይቲ ወ መዋቕራዊ ማእከላት ዝወነኑ(ብዝበለፀ፡ ኣብ መፅሓፈይ ‘ሕቶ ትግራይ’ ይርከብ) ፀላኢ ኮይኑ ማለቱ እዩ፡፡

ሐ) ውዕሊ ፕሪቶርያ ንህወሓት ይኹን ን’ብልጽግና’ ናይ ምንሳሓብ ፖለቲካ ምኳኑ ስብሓት ይዛረብ፡፡ መለክዒኡ ሃለዋት ህወሓት ስለዝኾነ ድማ ውዕሊ ፕሪቶርያ ‘A’ እዩ ዝብል ቃል ብቃል ዝበሎ እዩ፡፡ ውዕሊ ፕሪቶርያ ግዜ መግዚኢ ምኳኑ ብግልፂ ኣቐሚጡ፡፡ ስለዚ እቲ ግጥም ይቅፅል እዩ ዘሎ ፡፡

መ) ህወሓት ብኣሜሪካ፣ ብኣብይን ብ ግ.መ.ት ክትፈርስ ተኸቢባ ከምዘላ፡ ነዚ ድማ ትምክት ከምዘላ፡፡

ረ) ድፋዕ ሃለዋት ህወሓት ካድረ፣ ሰራዊት፣ ቁፅፅር ኮሚሽን ህወሓትን ምኳኖም ኣቐሚጡ፡፡

ሰ) ፖለቲካ ኢትዮጵያ ሐዚ እውን መዋፅእኡ ፕሮግራም ህወሓት ምኳኑን ነዚ ድማ ህወሓት ክሳብ መወዳእታ ክትቃለስ ከምዘለዋ፡፡ ነዚ ዝድግፉ ፌድራሊስታውያን ከምዘለዉ፡፡ መወዳእትኡ ድማ እዚኣ ከም እትስዕር ይዛረብ ኣይተ ስብሓት፡፡

ሸ) ጉጅለ ደጀን (ግ.ም.ት) ተወቂዑ፡ ጉጅለ ሓወልቲ (ጉጅለ ቤት ፅሕፈት ህወሓት) ክሕገዝ ከምዘለዎን እኒ ኣለም ጀጋኑ ተቃለስቲ ምኳኖምን ኣእንፊቱ፡፡

ቀ) ኣብ ትግራይ ክልተ ማእኸል ፖለቲካ ከምዘሎ፡ መቐለን ኣክሱምን/ዓድዋን፡፡ እዙይ ዋላ እውን ከምኡ ንምባል ዘኽእል መዋቅራዊ ምኽንያት ይሃሉ ሓሳብ ስብሓት ኣዝዩ ሓደገኛ ሻጥር ዝሓዘለ እዩ ዝመስለኒ፡፡ ብፍላይ ምስ ፊደል በ ዘሎ ኩናት ‘ከባቢ’ ክልዓል ይኽእል ዝበሎ ምርኣይ ይክኣል፡፡ ኣይተ ስብሓት ዝብል ዘሎ፡ ዋላ እውን ካብ ፖለቲካ መቐለ እንተተባረርና ኣብ ኣክሱም/ዓድዋ ኮይንና ክንቃለስ ኢና ዝብል ኣዝዩ ሓደገኛ መልአኽቲ ዘለዎ እዩ፡፡

በ) ፖለቲካ ትግራይ መወዳእትኡ ናብ ናይ ከባቢ ኩናት እውን ክጉዕዝ ከምዝኽእል ከም ሓደ ሴናርዮ ኣእንፊቱ፡፡ እዙይ ምስቲ ዓውዲ እቲ ቃለ መሕተት እንተተተሓሒዙ ካብቶም ሓደገኛ መልአኽቲን ኣንፈትን ሓደ ቀንዲ እዩ፡፡

ተ) ሐዚ ዓብላሊ ሓይሊ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ እቲ ማእኸላይ ምብራቅ(Islamic culture) ምኳኑ እሞ፤ ኢሳያስ ድማ ናቶም ምኳኑን ጉጀለ ኣለም ድማ መወዳእታ ድፍዑ ናብ ሻዕብያ(ብፃይ ኢሳያስ is a big talk) ከምዝኾነ ኣእንፊቱ፡፡

2. ጌጋን ልክዕን ስብሓት

2.ሀ ልክዕነት ስብሓት

ስብሓት ኣብ መበገሲ እቲ ኩናት እቲ ህወሓት ዘምፅኦ ናይ ብሄር ብሄረ ሰብ መሰላት ነቶም ወነንቲ እታ ዓዲ ኢና ዝብሉ ዓበይቲ ብሄራት ፀላኢኦም ኮይኑ ከምዝተረኸበ ዝገለፆ ሓቁ እዩ፡፡ ኣብዙይ ካብ ሴንቲሜንታል ገለፃታት ወፃኢ ዋላ ሓደ ሙሁር ኣብዚ ዛዕባ ከም ስብሓት ዝተረድኦ ኣይራኣኹን፡፡

ስብሓት ስምምዕ ፕሪቶርያ መዐደጊ ግዜ ምኳኑ፣ ህወሓት ሐዚ ከቢቦማ ዘለዉ ፀላእቲ ኣሜሪካ፣ ኣብይን ግምትን እዮም ዝበሎ እውን ልክዕ እዩ፡፡ እዙይ እውን መብዛሕትኡ ሰብና ዝተገንዘቦ ኣይመሰለንን፡፡ ግምትን ህወሓትን ኣብ ሓደ ሰልፊ ከምዝኾኑ ወይ ድማ ዘይፈላለዩ ገይሩ ክቆፅሮም ንርኢ፡፡ ኣብዙይ ስብሓት ንፁር እዩ፡፡

ብዙሕ ሰብና ግና፥ክሳብ ሐዚ ኩሎም ሓደ እዮም እዩ ዝበለካ፡፡ ስብሓት ንህወሓት ተሸኪምዋ ዘሎ ካድረን ሰራዊትን ምኳኑን ብግልፂ ኣቐሚጡ እዩ፡፡ እዙይ እውን ስብሓት ካብ ብዙሓት ብዝበለፀ ስለ ህወሓት ዓሚዩቕ ርድኢት ከምዘለዎ እየ ተረዲአ፡፡ ህወሓት ኣብ መወዳእታ ዝኸደሎም ስትራቴጂያዊ ድፋዓት ዘቀመጦም እውን ካብ ልክዕ ንላዕሊ እዮም፡፡

ስብሓት ሓደ ብጣዕሚ trivial ዝኾነ ጉዳይ ናብ ወግዒ ኣምጺኡ፡፡ ንሱ ድማ ፒፒ ንመቐለ ወ ኣክሱም ፌድራል ሲቲ ክገብሮ ኢሉ ነይሩ ዝብል ከም ዓብዪ ጉዳይ ዝመፅእ ኣይነበረን፡፡ ምትሕሓዝ ዘለዎ ጉዳይ ኮለ ኣይነበረን፡፡ ናብቲ ዓውዲ እንትመፅእ Civil within and in between ከጋጥም ይኽእል ዝበሎ ዝናዓቕ ኣይመስለንን፡፡ በዚ መሰረት እቲ ግጥም እናኸረረ እንተቀፂሉ ነናብ ከባቢና ዝብልዎ ከምዝሽጎጡ ብዘየማትእ ይናገር ኣሎ፡፡

ኣብ መወዳእታ ኣብ ኣሰላልፋ እዚ ዞባ ኣመልኪቱ ህወሓት ኣብ ራሽያ ወ ቻይና ብርሑቁ ሳውዲ ተደሪኽኻ ናብ ሻዕብያ ዝዝርጋሕ ገመድ ከምዝሕዝ ስብሓት ዝነገረና ልክዕ ምኳኑ ምግንዛብ የድሊ።

2.ለ ጌጋ ስብሓት

ኣቦይ ስብሓት ኣብ ቁፅሪ ሓደ ብዓይኒ ህወሓት ርእይዎ እምበር እቲ ህወሓት ኣብ ህንፀተ ግዝኣተ-ብሄር (ሃገረ-መንግስቲ) ዘምፅኦ ሓሳብ ኣብ ፍልስፍና እቲ ዓውዲ (ብሄራውነት) ውዳቕ ዝብሃል ሓሳብ እዩ። እዚ ሓሳብ ‘ሕቶ ትግራይ’ ኣብ ዝብል መፅሓፈይ እውን ብሰፊሑ ክርኦ ፈቲነ እየ። ንኩሉ መንነት ዝውግን ወይ ኣብ መንነት መንጓዊ state ኣሎ ኢሉ ዝኣምን ሓላማይ ፍልስፍና እዩ፡፡ ስብሓት ይኹን እኒ መለስ ነዚ ጉዳይ ዝርድእዎን ዝፈልጥዎን ዝነበሩ እውን ኣይመስለንን፡፡ ንዕኡ እውን እዩ ፌደራሊስት እየ ዝብል ዝነበረ ስብኣይ ሚልንየም ከኽብርን ኣምሓራይ ዝዋሓጦን፡፡ ቀስ እናበለ እየ ዝበልዐካ እዩ፡፡

ስብሓት ዝተጋገዮ ካሊእ ነጥቢ ብሄር ብሄረ ሰባት ንህወሓት ይፅበዩ ኣለዉ ዝብል እዩ፡፡ እዙይ ሕልሚ ደርሆ ምባል ይቐልል፡፡

ሳልሳይ ነጥቢ፥ መጠመቲ መነፀሩ እውን ግዜ ዝሓለፎ Class based ቃልሲ ጥራሕ እዩ፡፡ ንዕኡ እዩ ህወሓት ጥራይ እዩ ዘኒአ ዝብል፡፡ Nationalism as a powerful Ideology ምኳኑ እኳ ገና ኣይበረሀሉን፡፡

3. ስብሓት ስለ ምንታይ ሐዚ መጺኡ?

ስብሓት ኣብ ታሪኽ ክፍፍል ህወሓት ዝመፅእ ኣብ ወሳናይ ምዕራፍ እዩ፡፡ እቲ ግጥም እንትበልሕ እዩ ዝመፅእ፡፡ እቲ ናይ ሐዚ ኣመፃፅእኡ እውን ካብዚ ዝፍለ ኣይኮነን፡፡ እታ ፍሕሶ ንጉጅለ ኣለም ኣበይ ከፅንዑ ከምዘለዎም ነጊሩዎም ኣሎ፡፡ ማሕበራዊ መሰረት ህወሓት ጉባኤ እዩ፡ ጉባኤ በሉ እያ፡፡ ምምፃእ ስብሓት ጥንካረ ዶ ድኽመት እኒ ኣለም የርኢ? ድኹም ፖዚሽን ዘርኢ ዋላ ይኹን ‘ሰርቫይቭ’ ከምዝገበሩ ግን የእንፍት ኣሎ።

4. ተጋሩ እንታይ ንግበር?

ሀ. መዕልቦ ዕላማ ብዓይኒ ህወሓት እንትልካዕ ዓወት ህወሓት እቲ ሕገ መንግስቲ ነቲ ሃገር (State) ካብ መንነት ወፃኢ ዝገብር ማርክሳዊ ሓሳብ ምክታሉ እዩ፡፡ ስብሓት መዕለቢት ዓወት ዝብላ እዚኣ እያ፡፡ ሕመረት ወይ ‘ውሽጢን ልጥን’ እዛ ፍልስፍና ክዓ፡ ኹሎም መንነታት ኣጥፊኡ ርእሰማላዊ መንነት ምፍጣር እያ፡፡ እዚኣ ክዓ ኣንፃር መንነታውያን ተጋሩ፣ ኦሮሞ፣ ኣምሓራን እያ፡፡ ኣንፃርና እያ፡፡

ስብሓት ስለ ትግራይ እንትሕተት ህወሓት ብሕታዊት ፖለቲካዊ ውዳበ ኢትዮጵያ ምኳና ይምልስ ነይሩ፡፡ እዙይ ቃልሲ ህወሓት መዕለቢኡን መወዳእትኡን ካብቶም ሴናርዮታት ዝበሎም ምምላስ ፌደሬሽንን ትፅቢት ብሄር ብሄረሰባትን ኣታሓሑዝዋ፡፡ ስለዚ ዕላማ ህወሓት ትግራይን ትግራዋይነት ተጠቂምካ ኣንፃር መንነት ተሰለፊካ ኩሎም መንነታውያን ሓይሊታት ምጥፋእ ይኸውን፡፡ እዚኣ ወሳኒት እያ፡፡ ንንሕዞ ስትራቴጂ ይኹን ስልቲ ወሳኒት እያ፡፡

ለ. ባይታ ምግንዛብ ስብሓት ዝብለና ዘሎ፡ ጉጀለ ሓወልቲ ምስ ሚድል ኢስት (ሳውዲ) ተፀጊዕና፣ ምስ ብፃይ ኢሳያስ ኮይንና ኣንፃር ኣሜሪካ፣ ኣብይ፣ ጉጅለ ኩሎም መንነታውያን ሓይሊታት (ኣንፃር ተጋሩ፣ ኦሮሞ፣ ኣምሓራ) ክንገጥም ኢና እዩ ዝብለና ዘሎ፡፡

ካልኤቲ “CIA ዘምፀአልና ኣይንቅበልን” ዝብል ጥፍኣት ዝተሰከመ እዩ፡፡ እዚ ሰልፊ ኣንፃር ኣሜሪካ፤ ንትግራይ እንታይ ኣምፂኡላ ኩልና እንፈልጦ እዩሞ ዑዕ ክንብሎ ዝግበአና ፃውዒት ጥፍኣት እዩ፡፡

ሐ. ቀፀላይ ሓደግኡ ህወሓት ንስምምዕ ፕሪቶርያ ከም መዐደጊ ግዜ ዝርእዮ ምኳኑ እዩ ብግልጺ ተነጊሩና ኣሎ፡፡ ብዝኾነ ትኣምር ጉጀለ ሓወልቲ ኣብ ትግራይ ሲዒሩ ስልጣን ሒዙ ዝፀንሕ እንተኾይኑ ሓደጋ ስልጣን ኣራት ኪሎ ስለዝኾነ ንዕኡ ምዕጋት ኣገዳሲ ይኸውን፡፡ ንዕግታ ህወሓት ክብሃል ድማ ተጋሩን ትግራይ ዝሓወያሉ ዕድል ሙሉእ ዕፅዋ ትኸውን፡፡ ካብኡ እንተሓሊፉ ክዓ፡ ናብ ዳግም ኩናት ክሰጋገር ተኽእሎ ይህልዎ፡፡

መደምደምታ

ዕላማ ህወሓት ንኹሎም ብሄራውያን ሓይሊታት ሓደጋ ከም ዝኾነ ሓደ ነጥቢ እዩ፡፡ እቲ ካልኣይ ኣሰላልፋ ዓለም ጉጅለታት ህወሓትን እውን ርኢና ኢና፣ ስለዚ እቲ ግጥም ኣንፃር ኣሜሪካ ምኳኑ ምሓዝ የድሊ፡፡ ሳዕቤና ስለዘይጠፈአና ፈተና ፀላእና ምስ እዚ ሓይሊ ዝተሰለፈ ክንሕግዝ ጥራይ ኢና እንኽእል፡፡

ብሰንኪ ህላወ ህወሓት (እቲ ሓሳብ ዝተሸከመ ቤት ፅሕፈት ህወሓት) ትግራይ ብቀፃሊ እትኸፍሎ ዋጋ እውን ካብ ሙሉእ ዕፅዋ ክሳብ ኩናት ምኳኑ ርኢና ኣለና፡፡ … ኣነ ወሲነ ዝሓደርኩ እየ ፡፡ ህወሓት ክእለ ኣለዎ፡፡ ብውሽጢ ይኹን ብደገ ብዙሕ ዘግድሽ ኣይኮነን፡፡ ሓደ ግዜ ክውገድ እንተተስማዕሚዕኻ፡ ኣብ ስልቲ ዋላ ምስ ሰይጣን ዝብሃል ኣብ ስልቲ ዝሰርሕ ሓሳብ ምኳኑ ምግንዛቡ እውን ረባሓይ ይኸውን፡፡ Strictly and theoretically speaking, ህወሓት ኣንፃር መንነት እዩ እሞ መንነታውያን ልብና ይቁረፀልና እብል፡፡

ሰላም!

መብርሂ፥ እዙይ ፅሑፍ ናይቲ ፀሓፋይ መትከል ጥራሕ እዩ ዘንፀባርቕ፣ ያበለ ሚዲያ ሓሳብ ናይ ምግላፅ መሰል ንኽረጋገፅ ዕድል እዩ ዝህብ።