ታሪኽ ወያነታት ትግራይ ኣካል ሓበራዊ ውርሻ ህዝቢ ትግራይ እዩ!

ብ ሳሙኤል ኪዳነ

ሓደ ህዝቢ ከም ቀወምቲ ምስክር መንነቱ ክውንኖም ካብ ዝግብእዎ ክብርታቱ ኣብ እዋን ፈተና ፅንዓት፣ ኣብ እዋን ፀገም ፀዋርነት፣ ኣብ እዋን ፀበባ ምብልሓት ዝማሃረሎም ማሕበረሰባዊ ውርሻታት ይርከብዎም። እዞም ውርሻታቱ እዚኦም ድማ ብማሕበረሰባዊ፣ ሃይማኖታዊ፣ ፖልቲካዊ፣ ታሪኻዊ ወዘተ ትሕዝቶታቶም ከም ቀወምቲ መግለፂ ህንፀት መንነቱ ሙኻኖም ይፍለጥ። ብካሊእ ኣገላልፃ ውርሻታቱ እቶም ዝለዓሉ ፀፍሒ መግለፂ ክብርታቱ ኮይኖም ምስ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ፊት ንፊት እንትገጥም ብርትዓ የዕቲሮም ፍናን ንክስምዖ ዝገብርዎ ክብርታቱ እዮም።

ውርሻታቱ ዘክብር ህዝቢ ንኩሉ ነገር ብልኽዖም መልሲ ናይ ምሃብብ ተኽእልኡ ዝዓዘዘ ’ዩ። ኣብ መዋእሉ ብውልቂ ይኹን ብሓባር ዘጋጥምዎ ዝተፈላለዩ ፍፃመታት ማለት እውን እንትሐጎስ፣ እንትሓዝን ይኹን እንትንድር ኩሉ ብልከዑ እዩ ዝገብሮ። ምኽንያቱ ድማ ንዘጋጥምዎ ፍፃመታት ከመይ ዝበለ ግብረ መልሲ ክህብ ከም ዝግብኦ መበገሲ ዝኾንዎ ብሕገ ልቦና ዝፀንዑ ማሕበረሰባዊ ሕጋተታት ስለዘለውዎ።

ህዝቢ ትግራይ ልክዕ ከም ካልኦት ህዝብታት ዓለምና ኣብ ነዊሕ መዋእል ታሪኹ ዘዋህለሎም ታሪኹ፣ መንፈሳዊ እምነቱ፣ ቋንቁኡ፣ ወዘተ ዝገልፀሎም ዕድመ ፀገብ ክብርታት ዝወነነ ህዝቢ እዩ። እዞም መግለፂኡ ዝኾኑ ፀጋታቱ ድማ ካብ ውልድ ወለዶ እናተወራረሱ ዝመፁን ዓንዲ ሕቆ ማሕበረሰባዊ መስተጋብሩ ኮይኖም ዝመፁን ብኽብሪ ናብ ቀፃሊ ወልዶ ዝሓልፉ ተወራረስቲ ውርሻታት እዮም። ካብዞም ውርሻታት እዚኦም ድማ ታሪኽ ሓደ ክፋል ሓባራዊ ውርሻ ህዝቢ ትግራይ እዩ።

ታሪኽ ወያነታት ትግራይ ኣካል ሓበራዊ ውርሻ ህዝቢ ትግራይ እዩ። ኩሎም ወያነታት ትግራይ ሒዞሞ ዝተልዓሉ ዕላማ ክንድምንታይ ኣሳኪዖም፣ እንታይ እንታይ ከ ኣየሳክዑን ምፍታሽን፣ ቅዋም ምሓዝን ናይ ኩሉ ሰብ ሓላፍነት እዩ። ምኽንያቱ ኩሎም እቶም ወያነታት ምስ ዓወቶምን ክሳርኦምን ክንዝኽሮም ግድን ስለዝኾነ። ታሪኽ ዓወትካ እናዘንተኻ ስዕረትካ ከይዝንቶ እናቀበርካ ስለ ዝይተረኽ። ውርሻ ዛንታ ዓወትን ስዕረትን ብመዓረ ተዘንትዮም ምኽንያት መዓወቲካን ምኽንያት መስዓሪካን ፈሊጥካ ንቀፃሊ ወለዶ ክተውርሶ ግድን ስለ ዝኾነ። ብ ዓይኒ ስነ-ታሪኽ ክልቲኦም መዓረ ውርሻታት እዮም።

እዞም ውርሻታት እዚኦም ሎሚ ብሂወት ዘለና ተጋሩ ብመንፈስ ምስ ፍፃመታት እቲ ሕሉፍ ዘመንን ተዋሳእቲ እቲ ፍፃመን ዘተኣሳስሩና ዋሓዝታትና እዮም። እቶም ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ካብ ምምጸእ ንጉሥ ይኩኖ ኣምላክ ጀሚሩ ዝተልዓሉ እምቢታታት ተጋሩ ነናይባዕልቶም ካብን ናብን ወለዶታት ዘላግቡ መላጉም ዝንተኣለማዊ ፍፃመታት ዝሓዙ ዛንታታት እምቢታን ሓርበኝነትን ኣለውዎም። ኣብ ኩሎም ድማ ዓወት ነይሩ ስዕረት እውን ከምኡ። ነዚ እዩ ድማ ኩሎም ኣብ ታሪኽ እዚ ክቡር ህዝቢ እዚ ዝተረኣዩ ኣጋጣምታት-ዓወት ወ ስዕረት፣ ፅጋብ ወ ጥምየት፣ ሓጎስ ወ ሓዘን ውርሻታትና እዮም ንብሎም። ውርሻ እናመረፅካ ጥራሕ ብሕርያ ኣይውረስን። ውርሻ ፅቡቕ ካብ ሕማቕ፣ ዘሕጉስ ካብ ዘጉህይ ኣበላሊፅካ ስለ ዘይርአይ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ንመንነቱ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘየእትው ህዝቢ ምዃኑ ዝፍለጥ ሓቂ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፦

ታሪኸ ህዝቢ ትግራይ ታሪኸ እምቢታን መኸተን እዩ ዝብሃል።

እዚ ዝኾነሉ እንኮ ምኽንያት እውን ህዝቢ ትግራይ ውርሻታት ቐዳሞት ኣያታቱ ዓቂቡን ከይበረዘን ንቐፃሊ ወለዶ ዘመሓላልፍ ክቡር ህዝቢ ስለዝኾነ እዩ። እዚ ህዝቢ እዚ ኣብ መዋእሉ ብሰብ ስራሕን ብተፈጥሮን ዝበፅሕዎ ዝነበሩ ሓደጋታት እናመከተ ከይፀነተ እኳ ደኣስ እናሰሰነን እናገወደን ዝመፀ ህዝቢ እዩ። ምኽንያቱ ድማ ኣብ ሕሉፍ ምንጪ ዓወቱ ዝነበሩ ነጥብታት ዝበለፀ እናገወደ ምኽንያት ስዕረቱ ዝነበሩ ፍፃመታት ድማ ከይድገሙ ክመሃረሎም ከይተኸለሱ እናተወራረሱ ዝመፁ ኣካል ውርሻታቱ እዩ።  

ውርሻታት እዚ ክቡር ህዝቢ እዚ የጋጥምዎ ንዝነበሩ ከም ከመውሒ ዝፀንዑ ማሕለካታት እናነደለ ሓመዱ ልሒሱ ናብ ዝልዓለ ብራኸ ንክወፅእ ሓቦ እናስነቅዎ እዮም መፂኦም፡፡ ትግራዋይ ኣብ መዋዕሉ ብርክት ዝበሉ ከም ህዝቢ ንክፀንት ክገብርዎ ዓብይ ተኽእሎ ዝነበሮም ሰብ ስራሕን ጥፍኣትን ሓደጋታት ተፈጥሮን ኣጋጢሞሞ እዮም፡፡

ዓፀቦ ትግራይ ድሕሪ ሞት ሃፀይ የውሃንስ እናወሰኸ ከም ዝመፀ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ እዋን “ዘመነ ሸ” ድሕሪ ሃፀይ የውሃንስ ብመሪሕነት ሃፀይ ምንሊክ ናብ ትግራይ ዝዘመተ ሠራዊት ሽዋ ዝረከቦ ካብ ምብላዕ ሓሊፉ ደብተራ ፍስሃ ጊዮርጊስ ከም ዝፀሓፉልና “ሰብኣይ ትግራይ ሰብሔ ዐበረ፣ ዓበየ ነኣሰ ሰለብዎ” ብምባል ዝገልፅዎ ሓቅን ካሊእ ንምስመዑ ዝኸብድ ግፍዕታት ኣብ ዝባኑ እንትፍፀምን ኣደዳ እዚ ኩሉ ግፍዕታት ኣብ ዝኾነሉ እዋን እውን ክብርታቱትን ሓድግታቱን ኣይበረዘን። ደምበ ዓደብኡ ንምሕላው ኣብ ዝነብረሉ ከባቢ ብሙኻን መኸትኡ ብምሕያል ውርሻታቱ ኣክቢሩን የሐዲሱን ንቐፃሊ ወለዶ ኣረኪቡ እዩ፡፡ ካብ ሰብ ሰራሕ ሓደጋታት ብተወሳኺ ተፈጥሮ ኣብ ልዕሊኡ ጨኪና ኣብ ኣብ 1880ታት ዝነበረ ክፉአ ዘበን፣ ናይ 1937 ዓ.ም (ጡቕ ጡቕ)፣ ኣብ 1940ን 1941ን ዓ.ም (ኣካሒዳ)፣ ኣብ 1940ታት ዝነበረ ፅዑቅ ወራር ኣንበጣ ከምኡ ድማ ኣብ መፋርቅ 1960ን ኣብ 1977 ዓ.ም ዝነበሩ ከበድቲ ሓደጋታት ድርቒ ስኑ ነኪሱ መኺቱ ንክወፅእን ከም ህዝቢ ህልውንኡ ንከረጋግፅን ዘኽኣልዎ ንዘመናት ካብን ናብን ወለዶታት እናተሰጋገሩ ዝመፁ እምነ ኩርናዕ ኣምር ትግራዋይነቱ ዝኾኑ ውርሻታቱ እዮም።

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ትግራይ ቦኽሪ እናተብሃለ ዝእመነሉ ቐዳማይ ወያነ ብምኽያድ ኣንፃር ስርዓት ኃይለስላሴ ዘቅንዓ መኸተ ኣካይዱ ከም ህዝቢ ህልውንኡ ከውሕስ ክኢሉ እዩ፡፡ ምኽንያት ወቃለሲኡ ካብ ዝነበሩ ዓበይቲ ነጥብታት ድማ ትግራይ ናተይ ትብሎ እናተወራረስ ዝመፀ ክብርታታ ዝብርዝ ፖሊሲታት እቲ ስርዓት ኣብ እንግድዑ ስልዝተፅዓኖ እዩ። ክንድምንታይ ዕዉት ነይሩ፣ እንታይ እንታይ ጉድለታት ነይርዎ፣ ንምንታይ ከምቲ ኣጀማምርኡ ዓወቱ ዓቂቡ ኽቅፅል ዘይከኣለ ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ምዝርራብ ይከኣል ይኽውን ካብ ውርሻ ህዝቢ ትግራይ ግን ክወፅእኣይኽ እልን።

ከም መቀፀልታ እምቢታ ናይቶም ካብ እዋን ምምፃእ ሃፀይ የኩኖ ኣምላክ ጀሚሮም እናተኣሳሰሩ ዝመፁ ቤታውያን ወያነታት ትግራይ ብሙዃን እቲ ብ1967 ዓ.ም ብህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝተጀመረን ብዓወት ዝተዛዘመን ብረታዊ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ ኣካል ውርሻ ሰዓራይነት ትግራይን ህዝባን ኾይኑ ኣብ ታሪኽ ተመዝጊቡ ይርከብ። እዚ ድማ ትማሊ፣ሎሚ፣ፅባሕን ንቐፀልቲ ወለዶ ዝመሓላለፍ ኣካል ውርሻታት ትግራይን ተጋሩን እዩ። ዕላማ፡ቃልሲ ህወሓት ዝመርሖ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ተዓዊቱ  ዶ ኣይተዓወተን? እንታይ የዐዊቱ እንታይ ኣየዐወተን? ወዘተ ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ምዝርራብ ይከኣል። ግድን እውን ክንዘራረበሉ ዝግባእ ዛዕባ እዩ። ይኹን እምበር እቲ ፍፃመ ካብ ውርሻ ህዝቢ ትግራይ ግን ክነውፅኦ ኣይንኽልን።

ስለዚ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝነበሩ ውርሻታቱ እናደመረን ዝያዳ እናገወደን ዝኸይድ ወለዶ ምሰቲ ካብን ናብን ወለዶታት ዘራኽብዎ መላጉም ዘይበታተኽን ውርሻታቱ እናደረዐ እንትኸይድ ዘጋጥምዎ ፈተናታት ብዓወት እናሰገረ ጠፊኡ እንትብልዎ እናደመቀን እናተኾለዐን ይኸይድ እምበር ነበረ ተባሂሉ ኣብ ታሪኽ መምሃሪ ካልኦት ህዝብታት ኣይኸውንን። ብኣንፃሩ ድማ ውርሻታቱ ዘናሽውን እቶም ካብ ውልድ ወለዶ እናተሰጋገሩ ዝመፁ ኣኻል ታሪኹ ዝኾኑ ፍፃመታት ልሒፁ ኣጥፊኡ ከም ብሓድሽ ሀ ኢሉ ክጅምር ዝፅዕር ወለዶ ዕፅኡ ክሳራ እምበር ዝኸስቦ ነገር ኣይክህልዎን።

ስለዚ ውርሻታትና ብምክባር፣ምዕቃብን ንቐፃሊ ወለዶ ብምትሕልላፍን ግቡእና ንዋፃእ።

ውርሻታቱ እናናሸወ ሓድሽ ዛንታ ክተክል ዝብህግ ወለዶ ኣይዕወትን!