ተኲሱ ንዝሳሓተካ ዶ ይምለኽ፣ ለካቲት 11 ብብርኪ ብሄራዊ ብዓል ዝኽበረሉ ምኽንያት የለን!

ብ ተኽሊት ገብረመስቀል

ለካቲት 11 ብብርኪ ብሄራዊ ብዓል ዝኽበረሉ ዋላ ሓደ ምኽንያት የለን ዝብል ሞጎት ሒዘ እየ መፂኤ። እቲ ምኽንያት ድማ፥ እቲ ብዓል ናይ ሓደ ዉዱብ ስለዝኾነ፣ ገና ኣብ ብርኪ መሳርሒ ፖለቲካ ዘሎ ናብ ታሪኽ ዝተሳገረ ሃፍቲ ኣይኮነን። ብመንፅር ክብረ ብዓል ዉዱብ እውን ናይ ምኽባር መሰል እኳ እንተሃለዎ ህዝቢ ግን ቅቡል ገይሩ ክወስዶ የብሉን። ምኽንያቱ ድማ ዋላ እውን ለካቲት ናብቶም ቀንዲ ሽቶታቱ ክሕንበብ እንተሎ ዝተጥጠብጠቡ ረብሓታት ኣይብሉን ማለት እንተዘይኮነ፤ ብኣንፃር ሒዝዎም ዝተልዓለ ፍልስፍናን ጭቡጥ ውፂኢታቱን ግን ንተጋሩ ዝረብሖ ረብሓ ዳርጋ የለን ምባል ንኽእል ኢና።

1. ዉዱባዊ ውልደት እዩ

ለካቲት 11 ናይ ሐዚ ህወሓት (ሽዑ ተሓህት) ብረታዊ ቃልሲ ሀ ኢሉ ዝጀመረሉ፣ ዝተወለደሉ ዕለት እዩ።

2. ፈላማይ ብረታዊ ቃልሲ ድዩ?

ኣብ ትግራይ እቲ ቅድሚ 1960ታት ዝነበረ ገዲፍና ውዱባዊ ውልደት 1960ታት ንርአ። ሽዑ ስለ ትግራይ የግድሰና እዩ ዝብሉ ሓይልታት ብንኡሱ ሰለስተ ዉዱባት ነይረን እየን። እዘን ዉዱባት ግገሓት፣ ህወሓትን ጠርናፊት (ድሓር ናብ ኢድዩ ዝተጠመረ) ነይሮም። ካብዚኦም ንብረታዊ ቃልሲ ቀዲሙ ብረት ዘልዐለ ግገሓት እዩ ነይሩ። በመነፅር ረብሓ ትግራይ እውን እቲ ሽዑ ኣትሒዙ መዋቅር ኢትዮጵያ መጥፍኢ ተጋሩ ምኳኑ ‘ተንቲኑ’ መዋቅራዊ ፍታሕ ዘቀመጠ እዩ ነይሩ። እዙይ ድሕሪ 50 ዓመታት ተጋሩ ብዓይኖም ሪአምዎ። ስለዚ ብቀደምትነትን ብመንፅር ረብሓ ትግራይ ቀዲሙ ክጥቀስ ዝኽእል ግገሓት እዩ ነይሩ። ግ.ገ.ሓ.ት ኣብ 1965 ዓ.ም ብሕቡእ ንናፅነት (ሃገርነት) ትግራይ ይቃለስ ምንባሩ እውን ካብ እኒ ገብሩ ኣስራት (2007)፣ ኣረጋዊ በርሀ (2008) ጀሚርካ ክሳብ Jhon Young ዝመስከርሉ ነጥቢ እዩ። ህወሓት ድሕሪ ግገሓት ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝወፀ እዩ ነይሩ። ስለዚ ቃልሲ ህወሓት ካብ ልደት ብረታዊ ቃልሲ ሓሊፉ ልደት ቃልሲ ትግራይ ዝብል ሓደ ዓብዪ ህዝቢ ዘዋርድ ምዝባዕ ታሪኽ እዩ።

ኣብዙይ ህወሓት ብዙሕ ኣሰሊፉ ናይ ትግራይ ዉዱብ ኮይኑ ‘ታሪኽ’ ሰሪሑ እዩ እሞ ኣካል ታሪኽና ገይርና ክንወስዶ ኣለና ዝብል ሕቶ ክልዓል ይኽእል እዩ። እንተኾነ ግና፤ ለካቲት 11 ይኹን ፍፃመታት ህወሓት `ታሪኽ ኣይኮኑን` ዝብል ሞጎት ኣለኒ።

3. ለካቲት 11 ታሪኽ ድዩ?

እዚ ሕቶ ለካቲት 11 ከም ህዝቢ ዝኽበር ድዩ ኣይኮነን? እቲ ብዓል ከ ናይ ህዝቢ ድዩ ወይስ ናይቲ ውዱብ ? ናይ ህዝቢ ዝብሃል ማዓዝ እዩ? ዝብል ንምምላስ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነጥቢ እዩ። ሓደ ፍፃመ ታሪኽ ድዩ ኣይኮነን ክብሃል ክንደይ ዓመት ክቁፅር ወይ ክሕልፍ ኣለዎ? ኣብ ትምህርቲ ታሪኽ (history) ዓብዪ ክትዕ የልዕል እዩ። እቲ ክትዕ ድማ በቢ ኣጠማምታ ዝተፈላለየ መልሲ እንትርከቦ ንረክብ ኢና። ሙሁራት ታሪኽ እውን ዝስማዕምዕሉ ነጥቢ ኣይኮነን ማለት እዩ። ነዚ ከብርሁልና ዝነበሮም፥ ሙሁራት ታሪኽ ‘ወለዶና’ እዮም ነይሮም። ግን ሱቅ ስለ ዝበሉ ንሕና ሃሰስ ክንብል ግድን ኮይኑ።

ዝኾነ ፍፃመ፡ ታሪኽ ክብሃል እንተኾይኑ መለኪዒ ግዜኡ እንታይ እዩ? ነዚ ሕቶ ንምምላስ እቲ ቀንዲ መበገሲ ዕላማ መፅናዕቲ ታሪኽ እዩ። እዙይ ክዓ ታሪኽ ብሙሁራት ካብ ፖለቲካ ተነፃፃሪ ናፅነት ሓልዮም ኣወንታዊ ወ ኡሉታዊ ጎኒታቱ ክፅናዕ ኣለዎ ዝብል መበገሲ ኣሎዎ። በዚ መሰረት ብዙሓት ሓሳባት ክቀርቡ ንረክብ፡፡

ሓደ፡ ታሪኽ ኩሉ ሑሉፍ እዩ ዝብል ኮይኑ እታ ዝፅሕፋ ዘለኹ እውን ድሕሪ ሰከንድታት ታሪኽ ይኸውን እዩ ይብል፡፡ እዚ ሓሳብ ከምቲ ነበር ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ Harold Wilson ኢልዎ ዝብሃል “A week is a long time in politics” ብዙሕ ግዜ ፖለቲከኛታት ዝምዝምዝዎ ዘረባ እዩ። ነቲ ቀንዲ ዕላማ ንፅፅራዊ ናፅነት ዝወነነ መፅናዕቲ ታሪኽ እውን ዝጎሲ ኮይኑ እዩ እዮም ዝብልዎ፡፡

ካልኣይ፥ ሰነዳት እቲ ፍፃመ ንህዝቢ ግልፂ ካብ ዝኾንሉ እዩ ታሪኽ ዝኸውን ዝብል ሓሳብ እዩ።

ሳልሳይ፥ ቅድሚ ዓበይቲ ፍፃመታት ዝነበሩ እምበር ድሕሪኡ ዘሎ ህልው ፖለቲካ እዩ ይብሉ።

ራብዓይ፥ ውፅኢት እቲ ፍፃመ ኣማዕዲኻ ክሳብ ዝረአየሉ ዓማውቲ እዩ(ካብ 30-150 ዓማውቲ) ክኾውን ዝብል እውን ኣሎ።

ኣብዙይ ሃብታሙ ኣለባቸው (2009) ሙሁራን ኢትዮጵያ ነዚ ጉዳይ ኣልዒሎም ዘቀመጥዎ ኣይረኸብኩን ይብል እሞ፤ ንሓደ ኣትኪንስ ዝብሃል ሙሁር ጠቂሱ ሓደ ፍፃመ ታሪኽ ክብሃል እንተኮይኑ 50 ዓመት ክሕልፍ ኣለዎ ዝብል ከም መበገሲ ይወስድ።

ካብዚኦም እቲ ዝሓሸ ሓሳብ ኣየናይ እዩ?

መን እዩ ዝሓሸ ዝብል ንርሱን ክትዕ ሙሁራት እቲ ዓውዲ ገዲፍና፤ ንኹሉ ሰብ ግልፂ ስንፍና ዘርኢ ግና እቲ ቀዳማይ ኣብ Historical time ዝድረኽ ሓሳብ ይመስለኒ። ሓንቲ ሰኮንድ እንተሓሊፍዋ ታሪኽ እያ ዝብል ንታሪኽን ቅርሲን መሳርሒ ፖለቲካ ዝገብር ሓሳብ እዩ። መሳርሒ ጭቆና ናይ ምኳን ዕድል ዘለዎ ከምቲ እኒ Harold Wilson ሓደ ሰሙን ንፖለቲካ ነዊሕ እዩ ዝበልዎ እዩ።

ለካቲት 11 ታሪኽ ዶ ፖለቲካ?

ፍፃመ ለካቲት 11 ብህወሓት ዝተጀመረ ቃልሲ እዩ ነይሩ። ህወሓት ሐዚ ቀንዲ (ብባዕሎም መሪሕ) ፖለቲካዊ ሓይሊ ትግራይ እዩ። ስለዚ ፍፃመ ለካቲት 11 ብመንፅር እቶም ላዕሊ ዝጠቃቀስኩዎም ሓሳባት ታሪኽ ክኾውን ዝኽእል በቲ ቀዳማይ ሓሳብ ጥራይ እዩ። 11 ለካቲት 49 ዓመት ስለዝገበረ ጥራይ። እዚ Historical time ከም መለክዒ ዝጥቀም መን ስለ ምንታይ ክጥቀመሉ ጉዳዩ ኣይኮነን። ንፖለቲካዊ ምዝመዛ እውን ኢዱ ዝሃበ እዩ።

በቶም ካልኦት ረቛሒታት ግን ፍፃመ ለካቲት ወ ፍፃመታት ህወሓት ታሪኽ እዩ ምባል ኣይክኣልን። እቲ ምንታይ ኹሉ ዶኩሜንት ንመፅናዕቲ ክፍቲ ኣይኮነን፤ ድሕሪኡ ዝተፈፀመ ዓብዪ ፍፃመ የለን። ህወሓት ሓሊፉ 50 ልዕሊኡን እዩ ኣየቁፀረን ዘምፅኦ ሳዕቤን እውን ኣማዕዲኻ ኣይርአን። በዚ መንፅር ፍፃመ ለካቲት 11 ፖለቲካ እምበር ታሪኽ እዩ ንምባል ኣይክኣልን፡፡ ስለዚ ህወሓት ክሳብ ብሂወት ዘሎ፤ ፍፃመ ለካቲትን ህወሓትን ፖለቲካ እምበር ታሪኽ እዮም ንምባል ኣይንኽእልን፡፡ 

4. ብተግባር ኸ!

ብሕተት (ምብሓት)፥ መግለፂ ፓለቲካ ዶ ታሪኽ? ኣብ ላዕሊ ብመለክዒ ታሪኽ ፍፃመ ለካቲት ሐዚ ታሪክ እንተይኮነ ፖለቲካ እዩ ኢልና ደምዲምና ኢና። ግን ክዓ፥ ኣብ ባይታ ዘሎ ጭቡጥ ባይታ ኸ ከመይ ኣሎ ምምርማር የድልየና እዩ፡፡

ኮሚኒስታውያን ታሪኽ ብቀንዱ ዝሪእዎ ካብ መደባዊ ትንተና እዩ። ናይ ሕሉፍ ይኹን ናይ ሐዚ፡ ኩሉ ብመዳይ መደብ ይትንትንዎ፡፡ በዚ መነፅር ክዓ ናይ ዓወት ታሪኽ ዝጅመር እቲ ሸቃላይ መደብ ኣብ ልዕሊ እቲ መዝማዚ ወይ ገዛኢ መደብ (ብርዥዋ) ዓሚፁ ምልኪ ሸቃላይ ዝተሰከመ መንግስቲ እንትትከል እዩ ይብሉ፡፡ ስለዚ ቅድሚ ወያነ ሸቃላይ ዘሎ ታሪኽ ናይ ውርደት ወይ ዘይውጋዕ ታሪኽ ገይሮም ይቆፅርዎ።

ህወሓት ንታሪኽ ስልጣነ ኣክሱም፣ ንታሪኽ ንጉሰ ነገስታት ከመይ ዝትንትንዎ ይመስለኩም? ኣብ ሓደ ፅሑፍ ማለሊት (ናይ MLLT) ስልጣነ ኣኽሱም ስልጣነ ስርዓተ ባርያ ኢሉ ክትንትኖ ምስ ረአኹ ከነው እየ ዝበልኩ። ገሪሙኒ ክሳብ ክንድኡ ድዩ እየ ኢለ። ብሓቂ እውን ደንጊፀ። ኣለምሰገድ ኣባይ (1998) ህወሓት ስለ ምንታይ እያ ካብ ሕሉፍ ታሪኽ ትግራይ ናይ ኣሉላ ጥራሕ ክተድምቅ ዝትርአ? ዝብል ሕቶ ሓቲቱ ክምልሶ ንረኽቦ። እቲ መልሲ፣ ጉዳይ ኣሉላ ንስለ ብራኸ ስነ ልቦና ሚሊታሪ እዩ ድማ ይብለና።

ህወሓት ብኸይዲ ናብ ሓዱሽ ገዛኢ ደርቢ(New class) ከም ዝተቐየረ ብዙሕ ግዜ ዝተወግዖ እዩ፡፡ ሓዱሽ ገዛኢ ደርቢነት ዝብሕቶም ነገራት ኣለዉዎ፡፡ ሓደ ሓንጎል ህዝቢ እዩ፡፡ ነዚ ክዓ ብ ብሕተት ታሪኽን ተረኽን፣ መንግስቲ፣ ሚድያን ይቆጻፀር። ካልኣይ፤ ኢኮኖሚ እዩ፡፡ ነዚ እውን ኩሉ ብቀጥታን ብተዘዋዋሪን ካብ ኢዱ ዘይወጽእ ይገብሮ፡፡

ንሐዚ ኣብ ታሪኽን ተረኽን ነትኩር። ኣብ ትግራይ ታሪኽን ተረኽን እቲ ብሕተት ማለሊት ብገፊሑ ዝተረጋገፀሉ ዓውዲ እዩ፡፡ ነዚ ድማ መንግስቲን ሚድያን ይጥቀም፡፡ ብመንግስቲ ገይሩ ኣዋጅ የውፅእ፡፡ እቲ ኣዋጅ ድማ መዝሙር ህወሓት ኣብ መንግስቲ መስመር እዩ ሓይልና፤ ህዝቢ እዩ ሓይልና ይዝምር፡፡ ህዝቢ ንባዕሉ ህዝቢ እዩ ሓይልና ዝብል መዝሙር ተሰሚዑ ኣይፈልጥን መቸም፡፡ ፖለቲካዊ ውዳበ ዝዝምሮ መዝሙር እዩ ናይ ህዝቢ ተገይሩ፡፡ ባንዴራ እውን ከምኡ፣ ማዓልቲ ውልደቱ ውልደተ ታሪኽ ህዝቢ ገይሩ የውፅእ፡፡

ሻዕብያ ብቀንዱ ኣብ ሃናፂ ብሄራዊነት ዘትኩር እዩ ነይሩ፡፡ እቲ ዕላምኡ ምስረታ ሃገር ስለ ዝነበረ ኣብቲ ብሄርነትን ህንፀት ዓዲን ከትኩር ናይ ባዕሉ ተራ ኣለዎ፡፡ ኣብ ውሽጢ ህግሓኤ ዝነበረ ስቱር ኮሚኒስታዊ ውዱብ (ኤማሰ) እውን ተርኡ ኣብ ውዳበ ሰራዊት ዘተኮረ እዩ ነይሩ፡፡ ስለዙይ ድማ እዩ ኣብ ትካላዊ ትረኻታቱ ከም ማሌሊት ኹሉ ብሓታይ ዘይገበሮ፡፡ ሻዕብያ ሃገር ዝኣክል መስሪቱ ታሪኽን ተረኹን ካብ ቅድመ ሻዕብያ እዩ ዘብግሶ፡፡ ባንዴራ ሰውራን ሃገርን ነኒ በይኑ እዩ፡፡ መዝሙር ሰውራን ሃገርን ነኒበይኑ እዩ፡፡ ንቡር ምፍላጥ ይብሃል እዚ፡፡

ህወሓት ኣብ ሰለስቲኤን ነተን ኣብ በረኻ ዝነበራ በቀጥታ እዩ ትካላት መንግስቲ ተጠቒሙ ናይ ህዝቢ ገይሩዎን፡፡ ስለምንታይ?

ትካላዊ ምልኪ እቲ ዝኸበደ ምልኪ እዩ፡፡ ኣእምሮኻ ብታሪኽን ተረኽን ተጨቂኑ እናሃለወ፡ ብውልቀ ናፃ ክኾውን እየ እንተበልካ ተሓፂብካ ናብ ጭቃ እዩ ዝኾውነካ፡፡ ሓዱሽ ገዛእቲ መደብ ዝፈልዮም እውን ዘመን ዝሃቦም በረከት ተጠቂሞም ኣብ ኣእምሮ ደቂ ሰባት ራዕዲን ሙሉእ ብሕተት ስለዝብህጉ እዩ፡፡ ሙሉእ ዝኾነ ጨቆና ወይ ቁፅፅር ክህልወካ  እቲ ዝዓበየ መሳርሒ ድማ ትካላዊ ምልኪ እዩ፡፡ እንዳ ማለሊት ነዚኣ ብጣዕሚ ዝተጠቀሙላ ሜላ እያ፡፡ ታሪኽን ተረኽን እቲ ቀንዲ መግለፂ ትካላዊ ምልኪ ስለዝኾነ ብውልቀ ነቂሐ እየ እንተበልካ እውን ነዚ ቅርፀ ጨቖና እንተዘይተረዲኢኻ ፅቡቅ ዘለኻ እዩ ዝመስለካ፡፡ ኣብዙይ እዩ እምብኣር እቲ ፀገም ዝፍጠር ዘሎ፡፡ ንህወሓት ዝቋወም ዝነበረ ወለዶ እውን ብሕድሕድ ተግባራት እናቆዘመ ፀኒሑ፥ ኣብ ጉጅላዊ ተረኻቶም ግና ሓቢሩ ክስዕስዕ ትሪእዮ፡፡ ናይዚ ኹሉ ምሽጢር ኣብ ትካላዊ ምልክነት ዘሎ ፅዕነት እዩ፡፡ እሞ ፅቡቅ ኣለኹ እንተበልካ እውን ብኣና ዝፍረድ ኣይኮነን፡፡ ብዙሕ ተፃዒኑና እዩ ፀኒሑ፡፡ ካብ ሐዚ ግና፤ ይኾኖ ክብሃል እዩ ዝግባእ፡፡

5. ብመንፅር ዕላማ ለካቲት?

ፍልስፍና ለካቲት እንተዝዕወት፤ ተጋሩ ዝብሃሉ የለዉን፡፡ ዝሃለና ሳላ እቲ ዕላማ Void abinitio ኮይኑ እዩ፡፡ከመይ? ንምንታይ? ዕላማ ለካቲት፥ ኩሎም ብሄራት ኣጥፊእኻ ‘ሓደ ርእሰማላዊ መንነት’ ምፍጣር እዩ ነይሩ፡፡ ዕላማ ለካቲት ዉሑዳት ‘ፈላስፋታት’ ማለሊት ጥራይ እዮም ዝፈልጥዎ ኢለ እኣምን ነይረ፡፡ ኣብ 2014 ዓ.ም ጋዜጣ ወይን ሒዝዎ ዝወፀ ቃለ መሕተት ኣይተ ኣለም ገብረዋሂድ ግና ኣገሪሙኒ፡፡ ኣይተ ኣለም ንቲ ቀንዲ ዕላማ ማሌሊት ዝመሳሰል ቃለ መሕተትን ርድኢትን ተገንዚበሎም፡፡ ብርግፅ ንጹር ርድኢት ኣይኮነን፤ ካብ ናይ ካድረ ዶኩሜንታት መለስ ዝተረኸበ እዩ ዝመስል፡፡

እቲ ካሊእ ካድረ ግና፤ ክሳብ ዕላማኻ እተሳኽዕ ኣብ ዘሎ መንገዲ ዝግበሩ ነገራት እዩ ኸም ዕላማ እንትቆፅሮም ዝርአ፡፡ ንዕኡ እዩ እንታይ ከፊኡካ እዩ ብቋንቋኻ ተማሂርካ፣ ተማሓዲርካ፣ መንግስቲ መስሪትካ ዝብለካ፡፡ እዙይ እቶም ፈላስፋታት እቲ ዝዓበደ ሓሳብ(ፉፁም ካብ ወሰን ክኸድ ኣይክእሊን) ዝብልዎ ድማ እቲ ካድረ Sentimental ብሄርተኛ ምኳኑ ስለዝፈልጡ እዩ፡፡  እቲ ኣብ ኣኼባን ብምሽጢር ዝብሃልዎ እዩ ዕላማ ለካቲት ዝመስሎ፡፡ ኣብዚ ትግራዋይነት እቲ ቀንዲ ስልታዊ ማሕበራዊ ሰረት ነይሩ፡፡ ስለዚ ዕላማ ለካቲት ትግራዋይነት ተጠቀቒምካ ትግራዋይነት ምጥፋእ ነይሩ ማለት እዩ፡፡ ተጋሩ ዝሃለውና፤ ዕላማ ለካቲት ኣብ ሓፂር እዋን ስለዘይተዓወተ ጥራይ እዩ፡፡ ስለዚ፤ ለካቲት ኣዴና ምባል ተኲሱ ዝሰሓተካ ሰብ ምምላኽ ማለት እዩ፡፡

6. ኣበርክቶ ለካቲት፥ ኣብ ዝበፀሐና ፅንተት?

መዕለቢ ለካቲት ምናልባት ብመለክዒ ተረኽ እንተይኮነ፡ ብቀጥ ዝበለ ፖለቲካ እንተሪኢናዮ ዕስራ ጉንቦት እዩ፡፡ እቲ መዕለቢ ዕላማ እውን ኣብ ቁፅሪ ሓሙሽተ ዝጠቀስናዮ ምፍጣር ርእሰማላዊ መንነት እዩ ነይሩ፡፡ ነዚ `ሱሳይድ ቦንቦር` ዝኾነ ሓሳብ ሓደ ወታደራዊ ሰረት የድሊ ነይሩ፡፡ ንሱ ድማ ትግራይ ትመልኦ ነይራ፡፡

ስለዚ ዕላማ ህወሓት ዝኾነ፡ ኣዲስ ኣበባ ዝማእኸሉ ‘ርእሰማላዊ መንነት’ ንምፍጣር ልምዓትን ዕብየትን ግድን ስለ ዝነበረ ትግራይ ወታደር ክትኾውን ነይሩዋ፡፡ ምኽንያቱ ወሰን እያ፣ ቁሩብ እያ፣ ስለዚ ሓሳብ ሒዛ ኸይዳ ኣብ ማእኸል ብዲሞክራሲ ስለዘይትስዕር (ስለ ዘይትዕብልል) ወታደር ክትኾውን ተገዲዳ፡፡ እዚ ዕላማ ህንፀት ርእሰማላዊ መንነት ድማ ኣንፃር ኩሎም ቢሄራት ኢትዮጵያ ብፍላይ እቶም ማእኸል (ኦሮ-ማራ) ኮይኑ ተረኺቡ፡፡ ምኽንያቱ ንሶም እታ ዓዲ ብምስልና ክንሃንፃ ንኽእል ኢና ዝብል እምነት ኢሉ እውን ተኽእሎ ኣለዎም፡፡ ኣንፃር እቲ እናሓለዎቶ ዝነበረ መሳርሒ ርእሰማላዊ መንነት ዝኾነ ዓብዪ ኢኮኖሚን ዲፕሎማሲን ክትገጥም ግድን ኾና፡፡ ኣብ ኸምዚ ኹነታት ክዓ እቲ ዝኸውን ግጥም ኣዝዩ ሰፊሕን ዓሚዩቕን ክኸውን ነይርዎ፡፡ ኣብዚ እቲ ዝገርም ክዓ ሐዚ እውን ንሓለዋ እቲ ርእሰማላዊ መንነት ምኳኑ እዩ፡፡

መደምደምታ

ለካቲት 11 ብሄራዊ ብዓል ዝኾነሉ ዋላ ሓደ ምኽንያት የለን፡፡ ሓደ ናይ ዉዱብ እዩ፤ ካልኣይ ፈላማይ ብረታዊ ቃልሲ ኣይኮነን፣ ሳልሳይ ከም ሓደ ኣካል ታሪኽና ንውሰዶ ከይብሃል ድማ ገና ናብ ታሪኽነት ኣይተሰጋገረን ጥራይ እንተይኮነ ህልዉ ፖለቲካ ትግራይ ዝውስን ዘሎ ዉዳበ ዝተወለደሉ ስለዝኾነ መሳርሒ ፖለቲካ እዩ፡፡ ነዚ እውን ብሓሳብ ይኹን ብተግባር ኣእምሮ ህዝቢ ንምውናንን ንምጭቋንን ክንደየናይ ከምዝኸደ ሪኢናዮ ኢና፡፡ ብዕላማ ስትራቴጂካዊ ዕንቅፋት እዩ፡፡ ኣብዙይ ናብቲ ዕላማ ኣብ ዝኽየደሉ እዋን ዝተረኸቡ ርፍራፍ ረብሓታት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም፡፡ ብተግባር ክዓ እቲ ጉዕዞ ንፅንተት ኣመቻችዩ ሪኢና ኢና፡፡ ስለዚ ብሄራዊ ብዓል ተጋሩ ዝኾነሉ ዋላ ሓደ ምኽንያት የለን ዝብል ፅኑዕ እምነት ኣለኒ፡፡

ኣብዙይ፤ ለካቲት 11 ብዉዱብ ክኽበር ኣይኾውንን ኣይብልን፡፡ መሰል ስለዝኾነ፡፡ ኾይኑ ግና፤ ከም እምነተይ እዚ ውዳበ ዕላምኡ ስትራቴጂካዊ ዕንቅፋት ብሄራዊ ረብሓ ትግራይ ስለዝኾነ እቲ ዉዳበ እውን ብሄራዊ ልቢ እንተብቂሉ ብባዕሉ ክሓፍር ዝግባእ እዩ እብል፡፡

ሰላም ንኹልና!