ለካቲት 11 ከም ሓደ ህዝባዊ ብዓል ኮይኑ ክቕፅል ዘለዎ፣ መሸቀጢ ሓደ ውድብ ምዃኑ ግን ጠጠው ክብል ኣለዎ!

ብ ዳዊት ካሕሳይ

ብሄራውን ደርባውን ዕላማ ተሓንጊጡ ብ1967 ዓ.ም ዝተወለዐ ቃልሲ ካልኣይ ወያነ ትግራይ፣ ዓፋናይ ውልቀ መላኺ ስርዓት ደርጊ ኣልዩ ብ1983 ዓ.ም ብዓወት ምስተኸምበተ፣ እዚ ኣብ ታሪኽ ብረታዊ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ ካብቶም ነዊሕ ምዕራፍ ዘለዎም ሓደን ዘኹርዕ ስሪሕታት ዝተፈፀመሉን ቃልሲ ወያነ ህዝባዊ ብዓል ኮይኑ ክዝከር ብ1987 ዓ.ም ተወሲኑ ብነጋሪት ጋዜጣ ዕላዊ ከም ዝተገብረን ይፍለጥ።

ለካቲት 11 ህዝባዊ ብዓል እዩ ኣብ ዝብል ብብሂል ብርኪ መካተዒ እኳ እንተዘይኮነ፤ ብትሕዝቶ፥ ዝብዓለሉ ስርዓተን ዕላማን ግን ካብቲ ህዝባዊነትን ዕላማ እቲ ቃልስን ብዝወፀ መንገዲ ሰለ ዝካየድ ህዝባዊ ብዓልነቱ ካብ ሽም ዝዘለለ ኣይኮነን ወይ ድማ ህዝባዊ ብዓል ኣይኮነን ዝብል ክትዕ ምርኣይ ሓድሽ ኣይኮነን። ለካቲት 11 ካብ ታሪኻት ገድሊ ትግራይ ከም ሓደ ምዕራፍ ምጅማር ብሄራዊ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ኮይኑ እናተኸብረ ክቕፅል ዘለዎ እዩ ግን ካብ ከም ብዓል “ሓደ ፖለቲካ ውድብነት ብዝዘለል”፣ ህዝባዊ ብዓል ኮይኑ እናተብዓለ ክቕፅል እንተኾይኑ እዞም ዝስዕቡ ነገራት ክእረሙ ኣለዎም።

  1. ብዓል ዋና እቲ በዓልን ህወሓት ዝብል ኣካል እቲ ቃልሲ ሽምን  

ለካቲት 11 ከመይ ክብዓል ከምዘለዎ፣ መሪሕ ጭርሖታት፣ እንታይነት እቶም ኣብቲ ብዓላት ዝልጠፉ ስእልታት ይኹን ጥቕሲታት ከይተረፈ ተወሲኑ ተልእኾ ዝመሓላለፍ ካብ ቤት ፅሕፈት ህወሓት እዩ። ብምንታይ ምኽንያትን፣ ንምንታይን ከምዚ ከም ዝግበር ክሕተትን እኹል መልሲ ክወሃቦን ኣይርአን። በዚ መሰረት ውን ክሳብ ሀዚ ብዘይካ ብጣዕሚ ውሑዳት ቦታታት፣ ለካቲት 11 ኮር ውዳበ ደገፍቲ ህውሓት ቀጥታ ብዘተሓባብርዎ፥ ወይ መሰረታዊ ጥርናፈ ብተን ሻራውያን ማሕበራት ኣቢሎም እዩ ዝብዓል።

ንኣብነት ናይ ሎሚ ለካቲት 11 መበል 49 ዓመት ምውላዕ ብረታዊ ቓልሲ ካልኣይ ወያነ ትግራይ እንትብዓል፣ ምልክት ናይታ ፖለቲካ ውድብ ህወሓት ተጠቒምካ እዩ ምልላይ ዝግበር ዘሎ። ድሕሪ ዓወት ካብ 1985 ዓ.ም ብዕሊ ዝተመሰረተት ውድብ ህወሓት 31 ዓመታ ድኣ እምበር ብ1967 ዓ.ም ዝተመሰረተት ኣይኮነትን። 

እዚ ተሓሲብሉ ቃልስን ዓወትን ህዝቢ ትግራይ ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ገይርኻ ብምቕራብ፣ ምስቲ ታሪኽ ገድሊን ዓወትን ዘሎ ብሄራዊ፣ መንፈሳውን ስምዒታዊን ምትእስሳር ተጠቒምካ ፖለቲካዊ ረብሓ ንምክሳብ ዝግበር ዓርሱ ዝኽኣለ ናይ ግዕዝይና ስራሕ እዩ።

  • ኣብ ሕድሕድ ብዓል ለካቲት 11 ፖለቲካዊ ውድብ ህወሓት፣ በቲ ናይ ቃልሲ ሽም ብምጥቃም፣ ወለዶ ነቲ ናይ ቃልሲ ዕላማን ንዕኡ ንምዕዋት ዝተሰውኡ ተጋደልቲ ደቂ ህዝቢ ንዘይምኽሓድ ብዝብል ግጉይ ስብከትን ተረኽን ሕዳሰ ቃል ኪዳን ብምክያድ፣ ህዝቢ ነታ ፖለቲካዊት ወድብ ከይክሕድ ይእሰር። ህዝቢ ትግራይ ፖለቲካኡ ካብ ሓንቲ ውድብ “ህወሓት” ወፃኢ ከይሓሰብን፣ እዙይ ንምግባር ዝፅዕር ትግራዋይ ኣብ ልዕሊ ደምን ዓፅምን ስውኣት ክሕደት ዝፈፀመ ኮይኑ ክስመዖን ክረአን ዓብዪ ሚና ተፃዊቱን እናተፃወተን ይርከብ።
  • እዚ ማለት ፅምብል ለካቲት 11 ውድብ ህወሓት ዓወት ብሄራዊ ቃልሲ ህዝቢ መበለፂ ይጥቀመሉ፥ ፖለቲካ ትግራይ ይድስክለሉ፥ ታሪኽ ገድሊ ህዝቢ ትግራይ ይመራሰሐሉ፥ ወለዶ ካብቲ ስሪሒት ገድሊ ከይምሃር፥ ነቲ ክፍተት ከይገግም ይገብርን፥ መፃኢ ትግራይ ዝሓሽ ክገብር ከም ሓደ መባእታ ዘይኮነስ፣ ዕንቅፋት ኮይኑ የገልግልን ‘ዩ ዘሎ።

ስለዚ ለካቲት 11 ፀረ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ብዝኾኑ ዛዕባታትን ተረኽን ተመሊኡን ተሓንጊጡን ምብዓል እንተቐፂሉ፣ ህዝባዊ ሓደጋ እምበር ህዝባዊ ብዓል ዘብል ነገር ስለዘይብሉ፥ ዘይምብዓሉ ከም ዝጠቅም ንዝላዓል ሕቶ ከም መሰረት እዩ ዘገልግል።

ለካቲት 11 ህዝባዊ ብዓል እዩ። ናይ ታሪኽ ዋንነቱ ናብ ህዝቢ ብጭቡጥ ክወርድ ኣለዎ። ህዝባዊ መንግስቲ፣ ሕብረተሰባዊ ትካላት ዋንነት ወሲደን ብኸመይ ክብዓል ከምዘለዎ ትልሚ ሓንፂፀን፥ ነቲ ህዝቢ ብዘለዎ ትርጉም ክብዓል ክፍቀድን ከምኡ ክግብርን ኣለዎ። እዚ ህወሓት ዝብል ቃልሲ ሽም እውን ናብ ህዝባዊ ዋንነቱ ካብ ምምላስ ክጅመር ኣለዎ፣ እቲ ፖለቲካዊ ውድብ ናይ ዓርሱ ሰነ-ሓሳብ ይኹን ካሊእ ባህርያቱ ዝገልፅ ሽም ይሓዝ።

2. ትሕዝቶ ፅምብል ለካቲት 11

ህዝቢ ትግራይ መን፣ መሬት ትግራይ ካበይ ናበይ ምዃኑ፣ ከዐውቶም ዝደሊ ብሄራዊ ጠለባቱ ብግልፂ ኣቐሚጡ ዝወለዖ ቃልሲ፣ እንታይ ብቐፃሊ ክነውሕሶምን ክንሕልዎምን ዘለና መባታእታት ኣለዎ። እንታይ ከ ግጉይ ቅዋማት ነይሮምዎ፤ ድህሪ ዓወት ብረታዊ ቃልሲ ካልኣይ ወያነ እንታይ ሓደጋታት ኣጓኒፎምዎ፣ ወለዶ ብሄራዊ ጠለብ ትግራዋይ ብንፁር ክለልየሉን፣ ቀፃሊ ውሕስና ብዘለዎ መንገዲ ንምጋህድ ዓመታዊ ዝግምግመሉ ዝመኽረሉን፤ ብሄራዊ ረብሃኻ ንምውሓስ ዝግበር ቃልሲ ኣብ ልቦና ተጋሩ ልዑል ስፍራ ክህልዎ ዝገብር ህዝባዊ መድረኽ ኮይኑ ክፅምበል ኣለዋ።

ኣብቲ ብዓል ዝግበሩ ነቲ ናይ ህዝቢ ሕቡር ቃልሲ ብዝዝንትውን ዘንፀባርቑን ትሕዝቶታት ዝተዓጀበ ክኸውን ኣለዎ።  ኣብነት እዞም ዝስዕቡ ጭርሖታት፣ ስያመታትን ኣባህላታትን ክልወጡን ከተርፉን ይግባእ።

ለካቲት 11 ልደት ህወሓት 'ዩ! ዝብል ጭርሖ ህውሓት ሽም ፖለቲካዊ ውድብ ኮይኑ ክሳብ ዝቐፀለ ጌጋ እዩ። ልደት እቲ ናይ ቃልሲ ምንቅስቃስ ምዃኑ ብዘብረህ መልክዑ ክብሃል ይግባእ። ይርድኣኒ እዩ፣ ነዙይ ዝቃወሙ ኣለዉ፣ ልደት ህወሓት ይበልዎ እምበር ልደት ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ክብሃል የብሉን ዝብሉ፣ ኣነ ግን ልደት ብረታዊ ቃልሲ ካልኣይ ወያነ ትግራይ እየ ዝብል ዘለኹ፣ ካብቶም ኣብ `ዘበናዊት` ኢትዮጵያ ዝተኻየዱ ወያነታት ትግራይ ሓደ እዩ እሞ፣ ክዕቀቡ ዘለዎም ክብርታት ዓወት እውን ዝሓቖፈ ስለ ዝኾነ ብውድባዊ ሽም ሸፊንካ ናብ ህዝቢ ምቕራብ ስሕተት እዩ እብል። ብስሩ እውን ህወሓት ብሕጊ ዝቖመ ብ1985 ዓ.ም እዩ።

`ለካቲት 11 ብርሃን ውፁዓት እያ!` ዝብል ጭርሖ ነቲ ናይ ህዝቢ ብሄራዊ ቃልሲ ኣይውክልን፣ ነቲ ናይ ፖለቲካዊ ውድብ ሰነ ሓሳብ እምበር ካብ ህዝቢ ትግራይ ወፃእ ዘለው ውፁዓት ህዝቢታት ኣብ ግምት ዘእተወ ጭርሖ እዩ። ናይ መደብ ቃልሲ ጥራሕ ከም ዝገበርኻ ብዓልኻ ትምስክረሉ ውድባዊ መነፅር ጥራሕ እዩ። እቲ ቃልሲ ግን ብሄራውያን ተቓለስቲ እውን ዝነበርዎ፣ ንኻልኦት ብሄራትን እውን ዝተረፈ እዩ።

`ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ` ዝብል መሰልቸውን መሕረቕን ጭርሖ ህዝቢ ትግራይ ብርክት ዝበሉ ብረታዊ ቃልሲታት ቅድሚ 1967 ዓ.ም ኣካይዱ እዩ። ነዙይ ኣብ ግምት ብዘእተወ ክትካእ ይግባእ ነይሩ።

“ልደት ህዝቢ ትግራይን ኢትዮጵያን“ ዝብል ጭርሖ እውን ህዝቢ ትግራይን ይኹን ኢትዮጵያ ቅድሚ 49 ኣመታት ከም ዘይነበረ ዝገብር፣ መንዓቒኻ ዘረባ እዩ።

ስለዚ ትሕዝቶታት፣ ተረኽ እቲ ብዓል ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ረብሓ ንምርካብ ተዓሊሙ ሰለ ዝካየድ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ፍሉይ ረብሓ ዘምፀአ ከም ዝኾነ ዘምስሉ መደረታት፣ ህዝቢ ትግራይ ቅድሚ ለካቲት 11 በቲ (ፀፍሒ መለክዒ) ብርኪ ክሕበነሉ ዝግባእ ናይ ቃልሲ ታሪኽ ከም ዘይብሉ ዘዘንትው ዛንታታትን፣ ናይቲ ብዓል ፍሉይነት ንምርኣይ ዝወፅእ ወፃኢን እንትረአ፣ ካብ መንገዲ ጥፍኣትና ከይንነቅሕ ተተሊሙ ዝስረሐሉ ከም ዝኾነ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ከም ሕብረተሰብ ውን ካብቲ ሕልሚ ንምንቃሕ ወድዓዊ ሓቂታት ንኽሕድ ከም ዝኾንና ተኾሊዑ እዩ ዝረአ።

ብፍላይ ሀዚ ኣጋጢሙና ምስ ዘሎ ናይ ፀነተ ሓደጋ፥ መሰረታዊ ዕላማኡ ሲሒቱን፣ ዝተልዓለሉ ዕላማ ዘየዐወተ ቃልሲን ንዝክረሉ ምኽንያት ክህሉ የብሉን፣ ብስሩ ካብቶም ካልኦት ብረታዊ ቃልሲታት ከ ብኸመይ ዝፍለ ስለ ዝኾነ እዩ  ክብዓል፣ ዝብል መካተዒ ነጥቢ እውን ከልዕል ኪኢሉ እዩ።

እዚ ካብ ኣመራርሓ ውድብ ህውሓት ‘ውን ከይተረፈ፥ ብሄራውነት (ናሽናሊዝም፡ ፍልስፍና) ንስልቲ ቃልሲ ኢና ተጠቒምናሉ እምበር ብሄራውያን ኣይነበርናን፥ የግዳ ኣንፃር ወፅዓ ማለት ‘ውን ኩሎም ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ውፁዓት ህዝብታት ነፃ ንምውፃእ ኢና ዝተቓለስና ክብሉ ንስልጣኖም መረጋገፂ ኾነ መናደይ ቅቡልነት ገይሮም ከም ዘቕርብዎ ማለት እዩ።

ሀዚ ኣንፃር ፀነተ ዝነካይዶ ዘለና ቃልሲ ካብ ዝተዳኸመሉ ወይ ከምቲ ዝድለ ዘይከደሉ ካብ ንብለሎም ምኽንያታት ሓደ፣ ዕላማኡ ብግቡእ ዘይነፀረን እቲ ሕዱርን ዘይተመለአን ብሄራዊ ቃልሲ ተጋሩ ካብ መቃለሲ ሰነ-ሓሳብ ሓሊፉ ናብ ጫፍ ክወስድን ከብፅሕን ተሊሙ ካብ ፈላም ዝተዳለወ ስለዘይነብረ እዩ። እቲ ተኾሊዑ ዝወፅእን፥ ናብ ዓወት ይግስግስን ዝነበረ ብሄራዊ (ነፃ ሃገር ዝብህግ) ቃልሲ፥ ዓብሊሉ ወፂኡ ነቲ ውድብ ህወሓት ዝቖመትሉ ናይ መደብ ቃልሲ ከይውሕጦ ፖለቲካዊ ዛሕሊ ክዕዋትሉን ኮሊፋቶን እያ። ንህዝቢ ትግራይ ብሽም ይውክለካ እየ እትብሎ ውድብ ህወሓት፥ ብተግባር ግን ንኻልኣይ ግዘ ቃልሱን መስዋእቱን ዓላማኡ ከየሳኸዐ ኮሊፋ ንበለል ከም ዝተርፍ ዝገበረትሉ ህልዊ መርኣያ እዩ።

እቲ ኣብ 1967 ዓ.ም ፈሊሙ ዝነበረ ብሄራውነት ግን ብትኽክል ግዝኣት ትግራይን ህዝባን ለልዩ፥ ረብሓኡ ውሕስ ንምግባር ዝወለዖ ቃልሲ ንምስኻዕ ዝተኸተሎን፥ እናተኸተልናዮ ክንቕፅል ዝግባእ መርሕ ወይ ፍልስፍና እዩ።

ትሕዝቶታት ለካቲት 11 እዙይ ኣብ ምስራፅን፥ ኣብ ምኽባርን ከድህብ ኣለዎ። ምኽንያቱ ኣብ ስሚዒት ናይቲ ቃልሲ ብሄራውነት (ውፍይነት፥ ስሪሒት ተጋድሎ፥ ንህላወ ትግራዋይነት ዝኽፈል ወስን ኣልቦ መስዋእቲ፥ ዓርሰ ምሕደራ፣ ዋና ነብስኻ ምዃን) እንዳሓሰበ ዝስዕስዕ፥ ገንዘብ ዝኸፍል፥ ወርቁ ዝህብ፥ ንሓለዋ “ህውሓት” መመሊሱ ቃልኪዳን ዝኣቱ ህዝቢ፥ ዘይረብሖ ዘሎ ፖለቲካ ደሳዊ ስርዓት ውድብ ህውሓት ከቐፅል ክከላኸል ከም ዝኾነ ብዕሊ ከይተረደአን ብስሚዒት እንዳተታለለን እዩ። እቲ ውድብን ደገፍቱን  ግን ነዚ ብስልቲ እዮም መደባት ሓንፂፆምን ዘርጊሖምን ዘፈፅምዎ።

ኣብ ኣከባብራ ለካቲት 11 ህዝቢ ትግራይ ብዕሊ ክፈልጦ ዘለዎ፣ እቱ ናይ ቃልሲ ምንቅስቃስ “ውዳበ”ን፥ እታ ድሕሪ ዓወት 1983 ዓ.ም ብዕሊ ዝተመሰረተት “ውድብ” ህወሓትን ኣዝዮም ዝተፈላለዩ ምዃኖም እዩ። ህውሓት ከም ፖለቲካዊ ውድብ ብ1967 ዓ.ም ኣይተወልደትን፥ ናይ ህዝቢ ናይ ቃልሲ ምንቅስቃስ እዩ ዝነበረ።

ስለዚ ልደት ብረታዊ ቃልሲ ካልኣይ ወያነ ትግራይ እምበር፥ ልደት ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ኣይኮነን። ነዚ ‘ውን እዩ ህውሓት ዝብል ስያመ ናብ ህዝቢ ይመለስ ዝብል ሕቶ ብተደጋጋሚ ዝልዓል። ሀዚ ህውሓት ብዝብል ሽም እትፅዋዕ ውድብ፣ ናብ ፖለቲካዊ ውድብ ካብ ዝተለወጠትሉ ግዘ ማለት ውን ካብ 1985 ዓ.ም ጀሚራ እያ ልደታ ክተብዕል ዘለዋ። ለካቲት 11 ልደት ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ‘ያ ዝብል ስያመ ህዝቢ ትግራይ ብረታዊ ቃልሲ ብ1967 ዓ.ም ስለ ዘይጀመረን፥ ቅድሚኡ ዝነበረ ዘኹርዑ ታራኻቱ ዝድምስስን፣ ህልዊ ገይሩ ዘይወስድ ስለ ዝኾነን፥ ብብዙሕ መልክዑ ትኽክል ኣይኮነን።

ጥቕልል ብዝበለ መልክዑ እንትረአ፣ ፖለቲካዊ ውዳበ ውድብ ህወሓት፣ ብስነ ሓሳብ ርእዮተ ዓለምን ብተግባርን፥ ካብቲ ናይ ቃልሲ ምንቅስቃስ ውዳበ ህወሓት ተቓራኒን ፀረ ናይቲ ቃልሲ ዕላማታትን ትልሚታትን ምዃኑ ተግባራቱ ኹሎም ዝምስክርዎ እንትኾን፣ ቀፃሊ ሓደጋ ዓርሳ ዝኽኣለት ትግራይ እዩ። ስለዚ ህዝቢና ብሄራዊ ቃልሲ ዝጀመረሉ ዕለት ንኹሉ ናተይነት ብዝህብ መንፈስ፥ ታሪኹ ገድሊታቱ ብመንፅር ረብሓታቱ ዘቐፅል፥ ባህጊ ተጋሩን ትግራይን እናኻዕበተ ንምስጓም ብዘንዘባርቐሉ ትሕዝቶታት ስያመታት ተማሊኡ ከብዕሎ ይግባእ።

ክብርን ሞጎስን ነቶም ንህላወ፥ ሓርነትን ነፃነትን ትግራይ ክቡር ዋጋ ዝኸፈሉ ደቂ ህዝቢ!!