ሸቐጥ፣ በለፀን ውድባዊ ፕሮፖጋንዳን ጠጠው ይበል፣ ታሪኽ 11 ለካቲት ግን ክኽበር ዝግብኦ ብሄራዊ በዓልና እዩ!

ብ ፈታዊ ለውጢ

ቅድሚ 11 ለካቲት 1967 ዓ.ም ዝተፈላለዩ ቃልስታትን ምንቅስቓሳትን ዋላ እኳ እንተነበሩ እቲ ክሳብ 1983 ዓ.ም ኣብ ዓወት ዝበፅሐ ቃልሲ ግን ውድብ ህውሓት ዝመርሐቶ ቃልሲ እዩ። እዚ ቃልሲ እዚ ንምጅማር ድማ ዝተፈላለዩ ግዱሳት ተጋሩ 11 ለካቲት 1967 ዓ.ም ናብ ደደቢት ወሪዶም ዕጥቃዊ ቃልሲ ጀሚሮም  እዮም። ድሕሪ እዚ ድማ 17 ዓመት ከቢድ ብረታዊ ቃልሲ ተኻይዱ እቲ ኣምባገነናዊ ስርዓት ዝነበረ ስርዓት ደርጊ ክወድቕ ክኢሉ እዩ።

ድሕሪ ውድቀት ደርጊ ትግራይ ኣይተረበሐትን፥ ሰማእታትና መሸቀጢ ኮይኖም፥ ኣብ ኢትዮጵያ እትበሃል ኢምፓየር ኣቲና ኣብ መወዳእታ ተበሊዕና፥ ብሽም ቃልሲ ቡዙሓት ሰሪቖም ተረቢሖም እምበር ህዝብና ኣይተረበሐን ዝብሉን ካልኦትን መረረታት ብምልዓል ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዘለዎም ተቓውሞ ከምኡ እውን ፅልኢ ብዙሓት እዮም። እዚ ተቓውሞ፣ ኣብ ገሊኡ ድማ ናብ ፅልኢ ዝዓበየ ከይዱ ከይዱ ምስ ህውሓት ዝተተሓሓዘ ኹሉ ንክፅላእ ዝግበር ምንቅስቓስ ንርኢ ኣለና። እዚ ግን ልክዕ ኣይኮነን። ልክዕ ኣይኮነን ጥራሕ ዘይኮነስ ርትዓዊ ዘይኮነ “ምፍሗቕ ታሪኽ” እዩ ኢለ ይኣምን።

ድሕሪ ውድቀት ደርጊ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዙሓት ፀገማት በፂሖምን ይበፅሑን ኣለው እዮም። ብኣንፃሩ እውን ትግራይ ቅድሚ ስርዓት ደርግን ድሕሪ ስርዓት ደርግን ዓብይ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራውን ፖለቲካውን ለውጥታት ኣርእያ እያ። እዚ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። ስለዚ ፀገማት እውን፥ ለውጥታት እውን ኣለው ማለት እዩ። ኣወንታውን ኣሉታውን ለውጥታት ኣለው ኢለ እወስድ።

ታሪኽ ናይ ዝኾነ እዋን ፍፃመ እዩ። ዝኾነ ይኹን ፍፃመ (ድርጊት) ድማ ብውልቀ ሰባት ኮነ ብጉጅለ ክሕከኽ ኣይኽእልን። መናእሰይ ተጋሩ ናብ ደደቢት ወሪዶም ዝጀመርዎ ቃልሲ ይሕመቕ ይፀብቕ ታሪኽና እዩ። ንልዕሊ 17 ዓመት (ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመት ዝነበረ ውግእ እኳ ሰልችዩና ነይሩ) ከይተሓለሉ ብተስፋ እዮም ተቓሊሶም። ሙሉእ ንእስነቶም ድማ ገቢሮም። ዝሰርሕ ሰብ ስለዝጋገ ድማ ኣብ 17 ዓመት ቃልሲ ብዙሓት ጌጋታት ተሰሪሖም እዮም። ኮይኑ ግን ኣብ ኣፍሪካ ዝፍራሕ ዝነበረ ሓይሊ ደምሲሶም እዮም።

ነዚ ዓብይ ወታደራዊ ሓይሊ ዝደምሰሰ ወለዶ ቃልሲ ዝጀመረሉ ዕለት እንተዘያኣኽቢርካ ድኣ ንመን ኢኻ ክተኽብር? ኩላትና ናይ ቀዳማይ ወያነ ቃልሲ ዝተጀመረሉ ዕለት እናበልና ንዝክር ኢና። ቃልሲ ቀዳማይ ወያነ ግን ዕውት እኳ እንተዘይነበረ፣ ኮይኑ ግን ቃልሲ ኻልኣይ ወያነ ክጅመር መንፀፍ ዝኾነ፣ ሕራነ ዘለዓለ እዩ። ነዚ ድማ ኣዝየ የኽብሮ፣ ብዙሓት እውን ይዝክርዎ እዮም። ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመት ድማ እቲ ሕዚ ንለካቲት 11 ክኽበር የብሉን ዝብል ዘሎ መንእሰይ ብዝሓሸ መልክዑ ክዝክሮ ሪኢና ኢና። ልክዕ ድማ እዩ።

ግን ተጀሚሩ ዘይተዓወተ ወያነነት እናኽበርካ፤ 17 ዓመት ሙሉው ደርጊ ናይ ዝደምሰሰ ወለዶ  ቃልሲ ዝጀመረሉ ዕለት ኣይተስምዑኒ፣ ኣይተርእዩኒ እንተይልካ ዘይነጸረ ነገር ኣሎ፣ ደንገርገር ኣሎ ብዝብል እየ ዝወስዶ። ወይ ክዓ እቲ ጉዳይ በቲ ሓፈሻዊ ታሪኻዊ መልክዑ እንተይኮነስ ብውልቀ ሰባትን ወይ ድማ ብሓደ ውድብን ይርአ ኣሎ ማለት እዩ። እዙይ ድማ ዋላ እኳ ገለ ሓላፍነት ዘይስምዖም መሪሕነት እቲ ገዛኢ ውድብ ንግዚኡ ክጥቀምሉ እንተኽኣሉ፣ ብነዊሕ ግዘ ግን ኣብ ልዕሊ ታሪኽ ህዝቢ ምቕላድ፣ እቲ ነፃጋይ ድማ ዓርሱ ከም ምኽሓድ እየ ዝቖፅሮ።

ታሪኽ ልዕሊ ውልቀ ሰባትን ውድብን እዩ ክረአ ዘለዎ። ታሪኽ ሕሉፍ ወለዶ ታሪኽና እዩ። እቲ ብውዳበ ዝመርሕ ዝነበረ ፓርቲ ኾነ፣ ኣብኡ ዝነበሩ ውልቀ ሰባት ከም ኣብ ሓደ ልበ-ወለድ ንረኽቦ ገፀ ባህሪ ጌርና ወሲድና፣ እቲ ክዋነ ግን በቲ ዝነበረ ኣተሓሳስባ፣ ሕቶ፣ ምንቅስቓስ፣ ወዘተ እቲ ማሕበረሰብ ስለ ዝገልፅ ኣካል ብዙሕ እዩ። ታሪኽ ዝድምስስ ወለዶ ታሪኽ ሰሪሑ ሃገር ክሃንፅ ኣይኽእልን። ኣረጋዊ በርሀ ካብቶም ቃልሲ ዝጀመሩ ሓደ እዩ። ኣረጋዊ በርሀ በቲ ናይ ሐዚ ተግባሩ ኢኻ ክትወቕሶ እትኽእል እምበር ናይ 1967 ዓ.ም ዝሰርሖ ታሪኽ ክትሓኮ ኣይትኽእልን። ታሪኽ ስለ ዝኾነ እውን ኩሉ ግዘ ቃልሲ ዘጀመረ ተባሂሉ ሽሙ ይፅዋዕ ፎቱኡ ይረአ ኣሎ። ናይ ታሪኽ ጥንኩርን ድኹምን ጎንታት ምውፃእን ምቕማጥን ንቡር እዩ፣ ከም ሓደ ዓብይ ተጓንፎ ታሪኽ ኣይንዝክሮን ምባል ግን ንኻልእ ቃልሲ መበገሲ ስንቂ ከይትረክብ፣ እቲ ዳሕራይ ዝስሓትካዮ ድማ ክትርስዕ ስለ ዝገብር ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ የመዝን እብል።

እንተኽዕነ ግን ክእረሙ ኣለዎም ዝብሎም ነጥብታት ኣለዉ። እቲ ሓደን ቀንድን ህውሓት ብሽም ሰማእታት እትሽቅጦ ናይ ፕሮፖጋንዳ ወፍሪ ጠጠው ክብል ኣለዎ። እቲ ቅድሚ 11 ለካቲት 1967 ዓ.ም ቃልሲ ከም ዘይነበረ ጌርካ ናይ ህውሓት ታሪኽ ጥራሕ ክጎልህ ንምግባር ዝኽየድ ግብዝናዊ መንገዲ እውን ካብ ስስዐን ዕሽነትን ወፃኢ መግለፂ የብሉን እሞ ክእረም ይግባእ። ምስ ለካቲት 11 ተተሓሒዙ ዝዝርግሑ ዝኣረጉ ናይ በለፅ ጭርሖታትን እውን ካብ ኣደባባይን ሚዲያን ክርሕቑ ኣለዎም። ትርጉም ብዘለዎ፣ ሓቂ ዝገልፁ፣ ንዘበኑ ብዝስማዕምዑ መልእኽታት ክትክኡ ግድን እዩ።