ቃልሲ ብዘላቒ ውፅኢቱ `በር ኣካል ታሪኽና ስለ ዝኾነ ጥራሕ ኣይኽበርን

ብ ብሩኽ ረዳ

ምጅማር ዕጥቃዊ ቃልሲ 11 ለካቲት ዝኽበረሉ ምኽንያት የለን። ቃልሲ ብዘላቒ ውፅኢቱ እምበር ታሪኻዊ ኣካል ሓደ ሕብረተሰብ ስለ ዝኾነ ጥራሕ እንዳተኸበረ ዝነብር እዩ ማለት ኣይኮነን። ብስሩ ግን ለካቲት 11 ሕማቕ ሳዕቤን ዘኸተለ እዩ።

ኣገዳስነት ታሪኽ

ታሪኽ ማለት፣ ኣሰር ተገባራት ደቂ ሰብ እዩ። ታሪኽ ሓደ ሕብረተሰብ ድማ ፍሉይ ኣሰር እቲ ሕብረተሰብ ጥራሕ እዩ። ታሪኹ ዘይዝክር ሕብረተሰብ፣ ፀገም ምርሳዕ ከም ዘለዎ ሒንጦ እዩ ዝቑፀር። ትማሊ ውዑይ መቕሎ ነኺኡ ኢዱ ዝተቓፀለ ሒንጦ፣ ኢዱ ኸመይ ከም ዝተቓፀለ ወይ ዝረሰነ መቕሎ ከመይ ከም ዘቃፅል እንተረሲዑ፣ መሊሱ መላሊሱ ብዝረሰነ መቕሎ ክቃፀል እዩ። ታሪኹ ብግቡኡ ዘይፈልጥ ሕብረተሰብ እውን፣ ብኸመይ ናብዚ ራህዋ ወይ ናብዚ መከራ ከም ዝበፅሐ ኣይርድኦን። እቲ ሕዚ ዘለዎ ኹነታት ን ዘልኣለም ዝነበረ መሲሉ እዩ ዝስመዖ።

ጅግንነት ወለዱ ዘይፈልጥ ፈራሕ ሕብረተሰብ፣ ፍርሓት ተፈጥሮኣዊ ዕፅኡ ይመስሎ። ጥንታዊ ስልጣንኡ ብግቡእ ዘይተረደአ ሕብረተሰብ፣ ድሕረት ልሙድ ይመስሎ። ራህዋ ዝመልኦም ሕሉፋት ዓመታት ዝረሰዐ ሕብረተሰብ፣ ድሕረ ባይትኡ ጥምየትን ዓፀቦን ስለ ዝመስሎ ንቐፃልይ ወለዶ ጥምየትን ዓፀቦን እንተውርሰ ስኽፍ ኣይብሎን። ናይ ሎማዓንቲ ናብርኡ፣ ውፅኢት ስንፍና ትማሊ ወይ ጉብዝንኡ ምዃኑ ስለ ዘይበርሃሉ፣ ተፈጥሮ ዝበደለቶ፣ ኣምላኽ ዝረገሞ ይመስሎ። ምችዉ ስርዓት ከም ዝነብሮ ዘይፈልጥ ሕብረተስብ፣ ነዚ ሕዚ ዝኹርኩሖ ስርዓት ከም ውድቀት ኣይሪኦን፣ ክኣልዮ እውን ኣይፍትንን። ብሓፂሩ፣ ታሪኹ ዘይዝክር ሕብረተሰብ፣ ጌጋታቱ ንኽደግም ኣብ ዓርሱ ዝፈረደ እዩ።

ህዝቢ ትግራይ፣ ታሪኽ ኣሽሓት ዓመታት ዝወነነ እዩ። ካብ እዞም ታሪኻቱ እቲ ሓደ ድማ 11 ለካቲት እዩ። 11 ለካቲት እውን ከም ታሪኽ መጠን ክዝከር፣ ክስነድ ኣለዎ። ከም ሕብረተሰብ ዝተጋገናዮም ጌጋታት ክንመሃረሎም ዝተገበሩ ቅያታት ክንሕበነሎምን ክነማዕብሎምን  ምእንቲ፣ ግመ ብዘይሸፈኖ መነፅር ን ታሪኽ 11 ለካቲት መሊስና ክንጥምቶ ኣለና።   

ሓደገኝነት ታሪካዊ ክለሳ

ብርግፅ፣ ታሪኽ ከም ዝነበሮ መሊሱ ኣይደግምን። ኣብቲ ዝርዝር ክስተት፣ ናይ ሕዚን ናይ ቐደምን ኹነታት ብዙሕ ኣፈላላይ ክህልዎም እዩ። ኣብቲ እዋን ዝነበረ ደርጃ ኣተሓሳስባ፣ ዕብየት ቴክኖሎጂ፣ ናይ መራሕቲን ናይ ፀላእቲን ዓቕምን ኣስላልፋን፣ ካብ ወዲ ሳብ ቑፅፅር ወፃኢ ዝኾኑ ተፈጥሮኣዊ ኹነታት ስለ ዝፋላለዩ፣ ፀገምካ ንምፍታሕ ቕድሚ 50 ዓመት ብዝኸድካዮ ሜላን ናውቲን ናይ ሕዚ ፀገምካ ንምፍታሕ ኣይሕሰብን።

ዓለም፣ ዓርሱ ብዝገንሕ ድሮን እንዳተፃፈዐት፣ እስኻ ብክላሽን ክትዋጋእ ምፍታን ዓርሰ ቕትለት ካብ ምፍፃም ዝተፈለየ ኣይኾነን። ብተወሳኺ፣ ታሪኽካ ምዝካር እውን እንተኾነ፣ ነቶም  ዝነበረ ኹነታት ከም ዝነበሩዎ ምግምጋምን ካብኦም ክትማሃሮ ትኽእል ሙህሮ ምውሳድን እዩ ምበር፣ ብ ናይ ሎማዓንቲ መነፀር ንትማሊ ምጥማት ማለት ኣይኮነን። ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ከለኻ ንዝፈፀምካዮም ጌጋታት፣ ወዲ 50 ዓመት ምስ ኮንካ ክትቕፀዐሎም ከም ዘይትኽእል ማለት እዩ። እዙይ፣ ብየዋህነት፣ ብዘይፍላጥ፣ ታሪኽ ክዛባዕ ይግበር ኣሎ ማለት እዩ።

ኾነ ኢልካ፣ ብፍላጥ ህዝቢ ንምድንጋር ተባሂሉ እውን ግን ታሪኽ ይዛባዕ እዩ።  ግጉይ መበገሲ፣ ናብ ግጉይ መደምደምታ እዩ ዘምርሕ። ስለዚ ዝነበሩ ጭብጥታት ብምድምሳስ ወይ ዘይነበሩ ርትዒታት ብምውሳኽ፣ ሕሉፍ ታሪኽ ኣዛቢዕኻ ነዚ ሕዚ ዘሎ ወድዓዊ ኹነት ምቁፅፃር ይካኣል እዩ። ገዛኢ ውድብ ህወሓት ድማ፣ ናይ ባዕሉ ውድባዊ ረብሓ ንምቕፃል ክብል፣ ታሪኽ 11 ለካቲት ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ነቶም ቕድሚ 11 ለካቲት ዝነበሩ ታሪኻት ትግራይ እውን ኾነ ኢሉ ኣዛቢዕዎም እዩ። ኣብዚ ኽልተ ዓበይቲ ኣብነታት ምጥቃስ እኹል እዩ።

1.     “11 ለካቲት ምጅማር ብረታዊ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ” ኢሉ ዓመት ዓመት ብዘይሕንከት ብምጭራሕ ታሪኻዊ ምጭብርባር ይፍፅም እዩ። እቲ ሓቀኛ ታሪኽ ግን እሱ ኣይኮነን። ህዝቢ ትግራይ፣ ዘመናት ዘቑፀረ ብዙሕ ታሪኻዊ ብረታዊ ቓልስታት ዘለዎ ሕብረተሰብ እዩ። ቕድሚ 11 ለካቲት 1967 ዓ.ም፣ ብቐረባ ዘበን እንተዘኪርና እኳስ ብረታዊ ቃልስታት ህዝቢ ትግራይ ዂናት ጉንደት ብ 1875 ዓ.ም፣ ዂናት ጉራዕ ብ 1876 ዓ.ም፣ ዂናት ሰሓቲት ብ 1880 ዓ.ም፣ ዂናት መተማ ብ 1881 ዓ.ም፣ ዂናት ኣይለት፣ ዶግዓሊ ብ 1887 ዓ.ም፣ ዂናት ዓድዋ ብ 1888 ዓ.ም፣ ዂናት ኣምባ ኣላጀ ብ 1895 ዓ.ም፣ ዂናት መቐለ፣ ዓድዋ ብ 1896 ዓ.ም ፣ ምጅማር ቐዳማይ ወያነ ብ 1934 ዓ.ም፣ ወዘተ ዘካትት እዩ።

2.     “11 ለካቲት ልደት ህዝቢ ትግራይ” ኢሉ ዓመት ዓመት ብዘይሕንከት ብምጭራሕ ታሪኻዊ ምጭብርባር ይፍፅም እዩ። እቲ ሓቀኛ ታሪኽ ግን እሱ ኣይኮነን። ወናኒ ስልጣነታት ይሓ ፣ ደኣማት፣ ኣኽሱም፣ ወዘተ ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ፣ ወዲ 49 ዓመት `ጎልማሳ` ዘይኾነስ ናይ ኣሻሓት ዕድመ ዘለዎ ጥንታዊ ሕብረተሰብ እዩ።  11 ለካቲት ልደት ውድብ ህወሓት እምበር ልደት ህዝቢ ትግራይ ኣይኮነን። ህዝቢ ንውድብ ክፈጥር እምበር፣ ውድብ ንህዝቢ ክፈጥር ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን። ዋላ እዚ መደንፀዊ ዝኾነ ዕብዳን ከም ጥዑይ ሓሳብ ንቀበሎ እሞ፣ ውድብ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ፈጢሩዎ ንበል። ንውድብ ህወሓት ኸ መን ፈጠሮ? ትግራዋይ ዘይኾነ ኻልእ ህዝቢ፣ እወ ዶ? እዙይ እንተኾንይኑ ድማ፣ ውድብ ህወሓት ካብ ግዳም መፂኡ ዝተፀዓነና ባዕዳዊ ዱሩዕቶ እዩ መደምደምታና ክኸውን።

ለካቲት ክዝከር እምበር ክባዓል የብሉን

ነዞም ልዕል ኢሎም ዝተጠቐሱ ስነ- ሞጎታት ካብ ኣልዐልና፣ “11 ለካቲት ንምንታይ በብዓመቱ ነብይኑ ተፈልዩ ይኽበር፣ ዝብል ሕቶ ክነልዕል ግድን እዩ።

ሓደ ሕብረተሰብ፣ ንታሪኹ ክስንዶን ክዝክሮን ክማሃረሉን ግድን ኾይኑ፣ ንኹሉ ታሪኻዊ ተግባሩ ከብዕሎ ኣለዎ ማለት ግን ኣይኮነንን። ሓደ ታሪኻዊ ተግባር ወይ ክስተተ ክብዓል እንተኾይኑ፣ እንተስ ብዓይነቱ፣ እንተስ ብዘምፅኦ ረብሓ፣ እንተስ ብነጥቢ መቐይሮነቱ ኣዝዩ ፍልይ ዝበለ ተግባር ክኾን ኣለዎ። ኣብ ነዊሕ ታሪኹ ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝፈፀሞም ተግባራት እቲ ሓደ 11 ለካቲት እዩ። ኾይኑ ግን፣ እንታይ ዝተፈለየ ረብሓ ስለ ዘለዎ እዩ 11 ለካቲት ንበይኑ ተፈልዩ ዝብዓል? ብሱሩ ኸ ክብዓል ኣለዎ ዶ? እስኪ ንፈትሾ።

11 ለካቲት፣ ህዝቢ ትግራይ ብውሕድ ቑፅሪ ሰብ፣ ብውሕድን ብትሑትን ኣፃዋር፣ ብዓብዪ ሕራነን ጅግንነት ግን ድማ ብዓብዪ ዕንወትን ክሳራን ኣንፃር ፀላእቱ ተዃሺሑ ብዓወት ካብ ዝዛዘሞም ብዙሓት ብረታዊ ቓልሲታት እቲ ሓደ እዩ። 11 ለካቲት ዘፍረየቶም መራሕቲ፣ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ዝወሰኑዎም ውሳነታት ድማ ንትግራይ ካብ ዝነበረቶ ብዝበለፀ ጎዲእዋ እምበር ኣይጠቐምዋን። ካብ እዞም ጎዳእቲ ውሳነታት፣ ዓበይቲ ዓበይቶም ንምጥቃስ ዝኣክል:

1.     ክልል ትግራይ፣ ብፈደራልዊ ምድልዳል ተቆርሚማ ተሸርሚማ፣ ታሪኻዊ ግዝኣታ ተመንጢላ፣ ቕድሚ 11 ለካቲት ካብ ዝነበራ ስፍሓት ዝነኣሰት እያ ኾይና። እዚ ሕዚ ዝቕፅል ዘሎ ፅንተታዊ ዂናት ድማ፣ ዝባኣሰ ቑንጣሮ ጌሩዋ።

2.     ናፅነት ዝገበኦ ህዝቢ፣ ሕልፊ ዝተቓለሰሉን ዋጋ ዝኸፈለሉን ብሄራዊ ባህጉ ተጨውዩ ኣብ ሃፅያዊት ኢትዮጵያ ክልል ኾይኑ ንኽቕፅል ክፍረደሉ ኸሎ፣ ከም ብዓል ኣሉላ ኣባ ነጋን ሃፀይ ዮሃንስን ዝኣምሰሉ ጀጋኑ ኣቦታቱ ብደሞም ዝዓቀቡዎ ታሪኻዊ ባሕሩ እውን ተመንጢሉ እዩ። 

3.     ሓደ ኮይኖም ዘይፈልጡ፣ ዘይቃደዉ ሕብረተሰባት ሓደ ቋንቋ ብምዝራቦም ጥራሕ ናብ ሓደ ክልል ክፅንበሩ ብምግባር፣ ብ በዝሒ ህዝቦም ጥራሕ ዲሞክራሲያዊ ዓብላሊነት ክህልዎም ዝገበሩ መራሕቲ፣ ፍርያት 11 ለካቲት እዮም።

4.     ገዛኢ ውድብ ህወሓት፣ መሪሕ ኢህወዴግ እንከሎ ብግብኡ ስለ ዘይተተግበረ እምበር፣ እቲ ዝምከሐሎ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ፓርላማ ኣጀንዳ ከትሕዝ ዘይኽእል ርሙስ ውሑዳን ክኾን ዝፈረዱሉ መራሕቲ፣ ፍርያት 11 ለካቲት እዮም።

5.     ካብ መሳፍንትን ንጉሳትን ሓራ ኣውፂእናካ ኢሎም ዝጃሃሩ፣ ባዓላቶም ግን ሓደሽቲ መሳፍንቲታት ኾይኖም፣ መማረፂ ፖለቲካ ምሕሳብ ነውሪ ጌሮም፣ ህዝቢ ብጥርናፈን ብሴፍቲ ኔት ቖሪኖም፣ ህዝቢ ትግራይ ባዕሉ ብዝይመረፆም እሳቶም ብዝመደቡሉ ኣመሓደርቲ ሰንሰን ኣቢሎም፣ኢኮኖምያዊ ዕብየት ከየምፅእ ጎሮሩኡ ሓኒቖም፣ ገሊኡ ዓዱ ሓዲጉ ክስደድ ገሊኡ ኽሳዱ ኣድኒኑ፣ ኣፉ ዓቢሱ ክነብር ዝገበሩዎ መራሕቲ፣ ፍርያት 11 ለካቲት እዮም።

መደምደምታ።

እዚኦምን ኸምዚኦምን ዝኣምሰሉ ጭብጢታት ኣብ ግምት ብምእታው፣ 11 ለካቲት ከም ሓደ ታሪኻዊ ክስተት ህዝቢ ትግራይ፣ ወለዶ ክፈልጦን ክማሃረሉን ምእንቲ በግቡእ ተሰኒዱ ክዕቀብን ክዝከርን ኣለዎ እምበሪ፣ ዓመት ዓመት ዝብዓለሉ ኣዕጋቢ ምኽንያት ግን የለን።