ታሪኽ ለካቲት 11 ካብቲ ንቲ ውፅኢት ብሄራዊ ተጋድሎ ጨውዩ ዘመራስሐ ማሌሊታዊ ሓይሊ ነፂልካ ምርኣይ የድሊ

ብ ኪሮስ ሃይለስላሰ

11 ለካቲት ኣብ ታሪኽ ትግራይ ድሙቕ ቦታ ዘለዋ ዕለት እያ። ፋይዳ እዛ ብሄራዊ ቃልሲ ዘብሰረት ክብርቲ ዕለት ንምርዳእ እቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ናይ ዘበናት ብሄራዊ እህህታን ወፅዓን ምስትንታን የድሊ። ትግራይ ካብ ውድቀት ሃፀይ ዮሃንስ ኣትሒዙ ዝገጠማ ጉዕዞ ቁልቁለት ህዝባ ኣብ መሰከፊ ብሄራዊ ሕስረት ወዲቑ፥ ድኽነትን ድንቁርናን ነጊሱሉ ካብ ዘበናዊነትን ስልጣነን ተገሊሉ ዝነበረሉ ኩነታት ብናይ ታሪኽ መነፅር ንግንዘቦ ሓቂ እዩ።

ብደቡብ ኣንፈት ሽዋዊት ኢትዮጵያ ብሰሜን ድማ ቦኽሪ ግዝኣት ጥልያን ዝኾነት ኤርትራ ንትግራይ ከቢበን ኣብ ፍፁም ተነፅሎ ዘእተዋሉ ን ትግረዋይ ኣብ ተስፋ ዘይብሉ ዘበነ ፀልማት ዝነበረሉን መዋእል ነይሩ። ፎቐድኡ ተበቲኑ ሓሰረ መከርኡ ዝበልዕን ሽማሽም ተውሂቡዎ ዝጥቃዕን ዝነበረ ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ንምውፃእ ንሓድ ሓደ ሕሩራት መራሕቱ ስዒቡ ካብዚ ንምውፃእ ካብ ምቅላስ ዓዲ ኣይወዓለን።

እንትሰዓር ከም ህዝቢ ሓበራዊ ብሄራዊ ጓሂን ኒሕን ተኻፊሉ ርሱን ቃልሱ ደጒሉ መዓልቲ ይፅበ። ካብ ዓመፅ ወያነ ክሳብ ናይ ሱሳታት ብተምሃሮ ዝምርሑ ዕጥቃዊ ቃልሲታት ዝጅምር ዝነበሩ ዓመታት ዝነበረ ብሄራዊ ስምዒት ተጋሩ እዚ እዩ።

ሓደ ካብቶም ቃልስታት ዝኾነ 11 ለካቲት ዝተወልዐ ዕጥቃዊ ቃልሲ ብዚ ታሪኻዊ ዓውዲ ክረአ ኣለዎ። ትርጉም እዚ ታሪኻዊ ዕለት ካብቲ ንቲ ቃልሲ ግሁድ ዝገበሩዎ ብሄራዊ ባህግታት ነፂልካ ዝርአ ኣይኮነን። እንተነኣሰ ካብ ብሄራዊ ዕብለላ ኣምሓራ ነፃ ምውፃእን ትግራይ ዝነበራ ታሪኻዊ ልዕልናን ንምምላስ ዕላማ ሒዙ ዝተበገሰ ቃልሲ ዝተወልዐሉ ዕለት ምዃኑ ክሰሓት የብሉን።

ድሕሪ ምጅማር እቱ ቃልሲ ነቲ ውዳበ ዝተቖፃፀረ መሪሕነት ነዞም ብሄራዊ ዕላማታት ናብ ስልቲነት ኣውሪዱ ብኣድማሳዊ ዝኾነ ዴሳዊ ፖለቲካዊ ዕላማታት ክትክኡ ምግባሩ ንድሙቕነትን ድሕረ ባይታን እቲ ቃልሲ ኣየህስሶን።

ለካቲት 11 ታሪኽ ቃልሲ እዩ። ንኣሻሓት ብሄራዊያን ተቓለስቲ ዘሰለፈ ለካቲት 11 ዝተወለዐ ቃልሲ ብናይ 17 ዓመት ከቢድ መስዋእትነት ብወታደራዊ ልዕልና ተጋሩ ተኸምቢቱ። ብድሕሪኡ ዝመፀ ታሪኽ ሰላማዊ መድረኽ ቃልሲ ሓድሽ ናይ ታሪኽ ምዕራፍ እዩ። እቲ ዓወት ክንዝክሮምን ክነኽብሮምን ዝግብአና ክብርታት ዝመለሰ ምኳኑ ኣይከሓድን።

ቅድሚ ኲሉ ንሚኢቲ ዓመት ዝፀንሐ ጉዕዞ ቁልቁለትን ሕስረትን ተጋሩ ዝቐልበሰ ሓበራዊ ቅያ ዝተሰርሐሉ ታሪኽ ምዃኑ እዩ። እዚ ግዙፍ ዓወት እንትዝከር እቲ ቃልሲ ዝተጀመረሉ ዕለት 11 ለካቲት ዝነበራ ታሪኻዊ ግደ ምዝንጋዕ ኣይከኣልን። እቲ ዓወት ዘምፅኦ ትእምርተ ጅግንነትን ወታደራዊ ልዕልናን ንዓርሱ ፍልፍል ኩርዓት ተጋሩ ምዃኑ ከም ዘሎ ኮይኑ ብሳላ እቲ ቃልሲ ዝተፈጠሩ ዕድላት ውን ቀለልቲ ኣይነበሩን።

ብግቡእ እንተንጥቀመሉ እቲ ዝተፈጠረ ልዕልና ትግራይ ማእከል ዕቤትን ዲሞክራሲን ንምግባር መኽኣለ ነይሩ። መሰል ዓርሰ ውሳነ መሰረት ብምግባር ትግራይ ልኡላውነታ ብሓጺር ግዜ ወይ ብከይዲ ተረጋግፀሉ ዕድል ውን ከፊቱ ነይሩ እዩ። እዚኦም ዘይምግሃዶም ነዞም ዕድላት ዝሓንሸሸን ንቲ ታሪኽ ቃልሲን መስዋእትነትን ተጋሩ ተበሊፁ ኣብ ስልጣን ዝፀንሐ ገዛኢ ጉጅለ ህወሓት ተሓታቲ ይኸውን እምበር ንድምቀት 11 ለካቲት ኣየህስሶን።

ምልዋጥ ስርዓት ደርጊ ስዒቡ ዝተረጋገፀ እቲ ንኡስ መሰል ብቋንቋኻ ናይ ምዝራብ፥ምምሃርን ምምርማርን መሰል ውን እንተኾነ ግን ብዘይ እቲ 11 ለካቲት ዝፈለመ ታሪኽ ዓወት ክሕሰብ ዝከኣል ኣይኮነን።

ካልእ ድማ ካብዚ ሎሚ ዘጋጠመና ጽንተት ዝፈጠሮ ኣንፀርፅሮት ከም ውፅኢት ለካቲት 11 ቆፂርካ ነቲ ታሪኽ ትርጉም ክስእን ምግባር ካብ ምኽንያታውነት ዝረሓቐ ይመስል። ብፈለማ ደረጃ ኣብ ሞንጎ 11 ለካቲትን እቲ ፅንተትን ዘሎ ናይ ጠንቂን ሳዕቤንን ሰንሰለት ኣዝዩ ዝረሓቐ እዩ።

ልዕል ኢልና ከምዝተቐስናዮ እቲ ዓወት ዝፈጠሮም ንትግራይ ከበርኹ ዝኽእሉ ዝነበሩ ፍረታት እቲ ዓወት ዝኾኑ ዕድላት ብዙሓት እዮም። እዞም ዕድላት ተጠቒምካ ንትግራይ ዘላቒ ውሕስና ዝህብ ፖለቲካዊ ስርዓት ምትካል ምኽኣል ሕርያ ናይ ፖለቲካዊ ማሕበረሰብን መሪሕነትን ተጋሩ እዩ ነይሩ። ነቲ ዓወት ብምብኻን ኢትዮጵያ ካብ ዝቐደመ ታሪኻ ዚያዳ ክትሕይልን ንትግራይ ትጭፍልቐሉ ጭዋዳኣ ክተተርንዕን ዝገብር ስጉምቲ ዝገበረ ገዛኢ ካብዚ ወፃኢ ካልእ ኣማራፂ ስለዘይነበሮ ኣይኮነን።

ስለዚ ንፅንተትና መሰረታዊ ምኽንያት ዝተነፀፈ እዚ ፖለቲካዊ ሕርያ እንትውሰድ እዩ። ንሱ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብዚ ዘለናዮ ጀኖሳይድ ንክንወድቕ ዝገበሩ ናይ ቀረባ ምኽንያታት ክንዝንግዕ ንህወሓት ብጥፍኣቱ ልክዕ ፖለቲካዊ ተሓታቲ ከይኸውን ዝገብር እዩ። ብካልእ ኣበሃህላ ንቲ ኣቲናዮ ዘለና ኩነታት ንክንኣቱ ህወሓት ከም ገዛኢ ውድብ ዝነበሮ ኣስተዋፅኦ ንናይ ታሪኽ ተሓታትነት ጥራሕ ምውራድ እዩ።

ስለዚ ታሪኽ ለካቲት 11 ካብቲ ንቲ ውጽኢት ብሄራዊ ተጋድሎ ጨውዩ ዘመራስሐ ማለሊታዊ ሓይሊ ነፂልካ ምርኣይ የድሊ። ወለዶና ገጢሙዎ ንዘሎ ብሄራዊ ቃልሲን ፈተናን ዝዳረገ ፖለቲካዊ ጥፍኣት ብግቡእ ነፂርካ ንምቅላስ እንተተደልዩ እቲ ቃልሲ ካብ ገዛኢ ውድብ ህወሓት ምፍላይ ግድን እዩ። እዚ ታሪኽ ጅግንነት ከም መሳርሒ ፕሮፓጋንዳ፥ መርከቢ ቅቡልነትን መፅንዒ ስልጣንን ንምግባር ንዝሽቅጠሉ ዘሎ ህወሓት ብዕውት ምፍሻል ዝከኣል ውን ብዚ መንገዲ ጥራሕ እዩ።

ታሪኽ ዓወት ተጋሩ ንሓደ ገዛኢ ውድብ ምሽላምን ንባዕልኻ ምህዳምን ከም ስልቲ ይኹን ስትራተጂ ልክዕ ኣይኮነን።