ደደቢት ወሪድና እንታይ ኣምፂእና?

  ብ ኣስራት ኣብርሃም

ቅድሚ `ዝኽሪ ለካቲት 11 ይከበርዶ፣ ኣይከበር` ምባልና ሓደ መሰረታዊ ሕቶ ኣልዒልና መልሲ ክንረክብ ኣለና። ከምቲ ዮሰፍ ገብረህይወት ዝበሃል ተማራማሪ ታሪኽን ፖለቲካን “ሳሕል ወሪድና እንታይ ኣምፂና?” ዝበሎ ፣ ንሕና እውን “ደደቢት ወሪድና እንታይ ኣምፂእና?” ዝብል ሕቶ ክነልዕል፣ ትርፉን ኪሳርኡን ክንግምግም ዘለና መሲሉ እስመዐኒ።

ህወሓት ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝጀመርና ጭቆና ስለ ዝነበረ እዩ ክብሉ ይስማዕ እዩ። ናይ መን ጭቆና? ዝብል ሕቶ እንተልዒልና ናይቲ ኣብ ሸዋ ዝነበረ ፊውዳላዊ ስርዓት እዩ ዝኸውን፤ እቲ ስርዓት ንሱ ድማ መስረትቲ ህወሓት ቅድሚ በረኻ ምዃዶም ብወታደራዊ ዕልዋ ተወጊዱ ነይሩ እዩ። እቲ ወታደራዊ ዕልዋ ዝገበረ ሓይሊ ዝመስረቶ ስርዓት ደርጊ ድማ እግሪ ዘይተኸለ፣ ህዝቢ ትግራይ እውን ናይቲ ስርዓት እንታይ ምዃኑ ከይፈለጠ እዮም ንሶም ቀዲሞም በረኻ ወፂኦም። ስለዚ እቲ ህዝቢ ትግራይ ዝጭቁን ዝነበረ መስፍናዊ ስርዓት ተገርሲሱ፤ እቲ ሓዱሽ ናይ ደርጊ ስርዓት ገና እግሩ ከይተኸለ መስረትቲ ህወሓት ዕጥቃዊ ቃልሲ ምጅማሮም ግልፂ እዩ ማለት እዩ።

ምናልባት ቅድም ኢሉ ኣብቲ ከባቢና ዝተፈላለዩ ሓይሊታት ንኣብነት ሓይሊት ኤርትራ (ጀበሀን ሻዕቢያን)፣ ግገሓት፣ ኢህኣፓን ኢድዩን ብዝተፈላለየ ናይ ባዕሎም ዕላማታት ዕጥቃዊ ቃልሲ ጀሚሮም ስለ ዝነበሩ ከምቲ ብዝመኑ ዝነበረ ፋሽን ስለ ዝቃለስሉ ዕላማታት ኣፅርዮም ከይተንተኑ፤ ምናልባት እውን ከምቲ ሓደ ሓደ ተጋደልቲ ዝነበሩ ከይተረፈ ዝብልዎ ብናይ ኤርትራ ሓይሊታት ድፍኢት ብፍላይ ብናይ ሻዕቢያ መሓውር ስለላ ዝተጠንሰሰ ጉጅለ ክኸውን ይኽእል እዩ። ሻዕቢያ ምስ ኢህአፓ ሓቢሩ ኣብ ልሰረሐሉ እዋን፣ ጀበሀ ድማ ንግገሓት (ተጋድሎ ገድሊ ሓርነት ትግራይ) ይድግፍ ስለዝነበረ፣ ሻዕቢያ ብልጫ ከይውሰዶ ብምስጋእ መስረትቲ ህወሓት ናይ ምትእኽኽብን ምወዳብን ዕማማት ከሳልጥ ገይሩዎ እዩ፤ ብፍላይ ናይ ተጋዳላይ ሙሴን ጃማይካን ልእኽቶ ብዕምቆት ክንድህስስ እንተለና ዝህበና ስእሊ እዚ እዩ።

ካልኣይ እቲ ንቓልሲ ሒዘሞ ዝተለዓሉ ኣጀንዳ ክንርኢይ እንከለና፣ በቢግዚኡ ዝቀየየር እኳ እንተነበረ ብመስረቱ ግና መብዛሕትኡ ናይ ትግራይ ኣጀንዳ ዘይነበሮ እዩ ነይሩ። ብሓደ ወገን ግገሓት ፀቢብ ተገንፃሊ ሓይሊ እዩ ነይሩ ኢሎም ክኸስዎ ትስምዕ ኢኻ፤ ነዚ እውን ክንወሃድ ኣለና ኢሎም፤ ሕቶ ውህደት ኣቕሪቦም ምስተወሃዱ ለይቲ ኣብ ዘገልባ ዝበሃል ቦታ እቲ ናይ ግገሓት መሪሕነት ቐንፂሎም፣ እቲ ዝተረፈ ተጋዳላይ ድማ ምስኦም ክጋደል ዝኽእል ክጋደል፣ ስደት ዝደሊ እውን ክስደድ፣ ናብ ቤተሰቡ ናብ ዓዱ ክኸይድ ዝደሊ እውን ከምኡ ፈቒዶም፣ ንሙሩኽ ዝህብዎ ዝነበሩ ዕድል ሂቦም በቲኖሞ እዮም። ብኻሊእ ገፅ ድማ ንመስል ዓርሰ ውሳነ ኢና ንቃለስ ዘለና ክብሉ እውን ትሰምዕ ኢኻ። እዚ መስል ዓርሰ ውሳነ ዝብልዎ ኣምር ግና ከመይ ከም ዝፍፀም እውን ብዙሕ ሓሲቦምሉ ዝፈልጡ ነገር ኣይነበረን። ብመሰረቱ እውን ካብ ፖለቲካዊ ሃልኪ ምውዓል ሓሊፎም ከም ዕላማ ሒዞም ዝተቓለስሉ ጉዳይ ኣይነበረን።

መራሕቲ ህወሓት ትግራዋይ ብሄራዊነት ከም ስልቲ ኢና ንቓልሲ መለዓሊ ተጠቒምናሉ እምበር ናትና ዕላማ ዴሞክራሲያዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ኣብ ምህናፅ ኢና ንኣምን ነይርና እዮም ዝብሉ። ኣባዛ ሓቂ እዚኣ ኣረጋዊ በርሀ፤ ኣባይ ፀሃየ፤ ስብሓት ነጋ ይኹን መለስ ዜናዊ ኣፈላላይ የብሎምን። ስለዚ ኣብዚ ነጥቢ እዚ ክሕደት ወይ ምጭብርባር ኣሎ ማለት እዩ። ህዝቢ ቃልሰይ እዩ ኢሉ ክቃለስ መስዋእቲ ክኸፍል፣ ክድግፈካ፣ ምሳኻ ክቃለስ ምእንቲ ኢልካ ብውሽጥኻ ዘይትኣምነሉ ዕላማ እናነገርካ ምስላፍ ዓብይ ክሕደት እዩ።

ካብኡ ሓሊፎም መራሕቲ ህወሓት ዘዕወተና ትግራዋይነት ኣይኮነን፤ ዕላማና እዩ ኣብዚ ክንበፅሕ ገይሩና ኢሎም እንትዛረቡ እውን ንሰምዕ ኢና። ንኣብነት ኣቦይ ስብሓት ኣፍታ ፈላመይቲ ዋዕላ ዓለምለኸ ምሁራት ተጋሩ ኣኼባ እዚኣ ባዕላ ከም ዝተዛረብዋ ኣብኡ ዝነበሩ ዝዝክርዎ እዩ። ርግፅ እዩ፤ እታ ዕላማ ንሳ ሒዞም ናብ ኣሩሲ ወይ ሃረር ከይዶም እንተዝኾኑ ምተዓወቱ ዶ ዝብል ሕቶ ይፅነሓልና፤ ብርሃነመስቀል ረዳ ዓሲምባ ከለዎ፣ ሰሜን ሸዋ ከይዱ ሸፊቱ እንታይ ከም ዝረኸበ ታሪኽ ዝነግረና ነገር ኣሎ።

ሳልሳይ ጉዳይ ኤርትራ ዝሪእሉ መንገዲ ረብሓ ትግራይን ተጋሩን ኣብ ግምት ዘይኣእተወ፣ ናይ ተለኣኣኺን ጉዳይ መፈፀሚን ግደ ዝነበሮ እዩ። ኣብዚ ነጥቢ እዚ እቲ ኣዝዩ ዝገርም ነገር ሓደ ወገን ሃፀይ ምኒልክ ተጋሩ ኣብ ክልተ ክንኽፈል ገይሩና እናበሉ ጣዕሳ ዝመስል ነገር እናተዛረቡ ትሰምዕ ኢኻ፤ ብኻሊእ ገፅ ድማ እቲ ናይ ምኒልክ ዕላማ ብ ዝለዓለ ደረጃ ክፍፀም ቃልሲ እንትገብሩ ኢኻ እትርኢይ።

ሃፀይ ምኒልክ መረብ ምላሽ ዘሎ መሬት ዓዲቦናን ባሕሪናን ንጥልየን ኮነ ኢሉ ከም ዝሸጦ፣ ተጋሩ ኣብ ክልተ ብምኽፋል ከም ዘዳኸመናን፣ ፖለቲካ ብበዝሒ ህዝቢን ብኢኮኖሚን ናብ ትርጉም ዝይኣብሉ ደረጃ ከም ዝወረደና፣ ትግራይ ናይ መልከኣ ምድራዊ እሱር ክትኸውን ከም ዝገበራ ይፍለጥ እዩ። እተኾነ ግና እዚ ጉዳይ እዚ ዳሕራይ ብዘበን ንጉሰ ነገስት ሃይለስላሴ ኢትዮጵያ ብዘይባሕሪ በሪ ዘትርፍ፣ ነቲ ኻሊእ ኢትዮጵያዊ እውን ጉድኣት ዘምፅእ ምዃኑ ስለ ዝተረድኡ ሓያል ዲፕሎማሲያዊ ፃዕሪ ገይሮም፤ ድልየት ኤርትራውያን እውን ተሓዊስዎ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ በምሕዋስ እቲ ቅድም ኢሉ ብምኒሊክ ተፈፂሙ ዝነበረ ታሪካዊ ስሕተት ኣሪሞሞ ነይሮም እዮም።

ስለዚ ህወሓት ካብ ሻዕቢያ ቀጥታ ተቐቢሉ፣ ጉዳይ ኤርትራ ናይ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሕቶ እዩ ምባሉ፣ ዓብይ ናይ ታሪኽ ስሕተት ፈፂሙ፤ ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ኣይነበረትን ዝብል ፖለቲካ የሰጉም ነይሩ። ህወሓት ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዝነበሮ መርገፂ ሐዚ እውን ዘለዎ ቅዋም ኣብ ልዕሊ ወለድናን ታሪኽናን ዝፈፀሞ እቲ ዝዓበየ ጥልመት ይገብሮ እዩ። ነዚ እውን እዩ፤ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ናይ ኣሉላ ሓውልቲ ምስ ሻዕቢያ ኮይኑ ብመድፍዕ ዘፍረሶ። ህወሓት ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ፈፂምካ ዘይትፅበዮ ኣዝዩ ነዊሕ ርሕቐት እዩ ተጓዒዙ። ሻዕቢያ ኣብ በረኻታትን ሳሕልን ተሸጒጡ ይነብር ስለ ዝነበረ መራሕቲ ህወሓት እኽሊ ካብ ትግራይ እናሸመቱ ካብ ህዝቢ እውን እናዋፅኡ ብኣድግን በቕሊን የብፅሕሉ ነይሮም። እዚ ሓቂ እዚ ስብሓት ነጋ ኣብ ሓደ መፂሔት ምስክርነት ዝሃበሉ እዩ፤ ሐዚ እውን ብህይወት ስለ ዘሎ እንተተሓቲቱ ዝኽሕዶ ነገር ኣይመስለንን።

ካልኣይ ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ክልተ ሓይልታት ኣብ መንጎ ጀበሃን ሻዕቢያን ጎንፂ ኣብ ዝተለዓለሉ እዋን ንሻዕቢያ ብምውጋን ጀብሃ ኣብ ምጥፋእ ዓቢይ እጃም ተፃዊቶም እዮም። ከምውፅኢቱ ድማ ሜዳ ኤርትራ ብሻዕቢያ ጥራሕ ክበሓት፤ ሻዕቢያ ኣብቲ ከባቢ ጎብለል ሓይሊ ኮይኑ ክወፅእ ኣብ ምግባር ዓብይ እጃም ተፃዊቶም። ኣብ መንጎ እቶም ክልተ ሓይልታት ኤርትራ ዝነበረ ጎንፂ ተበሊፆም ረብሐኦም ክንዲ ዘደንፍዑ፣ ንጀብሃ መሐለዊ ሓይሊ ሚዛን ክንዲ ዝገብርዎ ንጀብሃ ብምጥፋእ ንባዕሎም ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ትሕቲ ተፅዕኖ ፖለቲካዊ ሻዕቢያ ክወድቁ ገይሮም እዮም።

ሳልሳይ ሻዕቢያ ኣብ ጎቦታት ሳሕል ተወሲኑ ይነብር ስለ ዝነበረ ሓደሽቲ ተዓለምቲ ናይ ምርካብ ፀገማት ነይሮሞ እዮም። መራሕቲ ህወሓት ድማ ካብ ትግራይ መናእሰይ እናመልመሉ፣ ኣብ ኤርትራ ብሻዕቢያ ወታደራዊ ስልጠና ክወሃበኩም እዩ እናበሉ ብኣሻሓት ዝቑፀሩ መላምል ደቂ ህዝቢ ኣብ ሳሕልን ናቕፋን ድፋዕ ሻዕቢያ ንክሕልዉ፣ ኣብኡ መዝሐሊ ዓረር ክኾኑ፣ ዘይግባእ መስዋዕቲ ክኸፍሉ ይገብሩ ነይሮም። ካብኡ ሓሊፎም ድማ ደርጊ ሻዕቢያ ካብ ጎቦታት ሳሕል መሊኡ ንምፅራግ ኣብ ዝወፈረሉ ሰዓት ሰራዊቶም ብሙሉኡ ሒዞም ናብ ሳሕል ብምኻድ ሻዕቢያ ብመስዋእቲ ደቂ ህዝቢ ትግራይ ካብ መሊእኻ ምጥፋእ ክድሕን ገይሮም እዮም። ሻዕቢያ ብኣንፃሩ እዚ ኹሉ እናተገበረሉ ዘሰጉሞ ዝነበረ ፖለቲካ ኹሉ ኣንፃር ተጋሩን ትግራዋይነትን እዩ ነይሩ። እንዳ ህወሓት እዚ ኹሉ እናረኣዩ ቅንጭ ዝብሎም ጉዳይ ኣይነበረን። ንምንታይ?

ብዙሕ ከይፀንሑ ድርቂ 1977 ዓ.ም ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ድማ፣ ንሻዕቢያ እቲ ዘልመድዎ ተለኣኣኻይነት ስለ ዝቐነስሉ፣ ህዝቢ ትግራይ ናብ ሱዳን ከይዱ ሓገዝ ከይረክብ፣ ሓገዝ ዝፀዓና መኻይን እውን ከይሓልፋ ገይሩ ህዝብና ብጥሜት ክሃልቕ ገይሩ እዩ። መራሕቲ ህወሓት እዚ እውን ትምህርቲ ክኾኖም ኣይከኣለን። ሻዕቢያ ስጂን ዓቕምን እንተረኺቡ እንታይ ክገብር ከም ዝኽእል ሓደ ዓብዪ ኣብነት እዩ ነይሩ። ህወሓት ምስቲ እዚ ዝፈፀመ ሓይሊ ሻዕቢያ ምሕዝነትነቶም ቐፂሉ፤ ኩሎም በቢ መንገዶም ኣብ ዓወት በፂሖም። ህወሓት ኢትዮጵያ ክመርሕ እየ ኢሉ ኣብ ቤተ መንግስቲ 4 ኪሎ ተቐሚጡ። ብዙሓት ኢትዮጵያውያን፣ ናይ ኣሜሪካ ዲፕሎማሲኛታት እውን ከይተረፈ ናይ ኤርትራ ጉዳይ ብደንቢ ክረአይ ኣለዎ፤ ሃገር ባሕሪ በሪ ዘይኣብላ ክትተርፍ የብላን ክብልዎም እንተለዉ፣ ምንም ዓይነት ውዕሊ ይኹን ስምምዕነት ከይገበሩ ሻዕቢያ  ዝደልዮ ነገር ኹሉ ሒዙ ክግንፀል ገበርዎ።

ካብ መፈለምትኡ ናይ ባዕሎም ፀቢብ ጉጅለ ረብሓ እምበር ናይ ህዝቢ ትግራይ ዝበሃል ኣጀንዳ ነይሩዎም ስለ ዘይፈልጥ ብዙሕ ዘይክገርም ይኽእል እዩ። ኣብቲ ኣብ ቀረባ መዓልቲ ኣብ ዝነበረ ዝኽሪ መስዋዕትነት ሓየሎም ኣርኣያ ወዲ ወረደ ዝተዛረቦ ነገር ናይ ህዝቢ ትግራይ ዝበሃል ኣጀንዳ ከም ዘይነበሮም ሓደ መርኣያ እዩ። ወዲ ወረደ እንታይ ይዛረብ ከም ዘሎ ዋላ ሐዚ ዝተረድኦ ኣይመስልን፤ እቲ ተዛሪብዎ ዝተበሃለ ነገር እዚ እዩ፦

“ኣብ መጀመርያታት እቲ ቃልሲ ኣነ፣ ፃድቃንን ሓየሎምን ካልኦት ብዙሓት ተጋደልትን ኣብ ዝነበርናላ ሓይሊ ገለ መዓልቲ ክትዓት ነካይድ ኔርና። ሓደ እዋን እሳተ ጎመራ ኣብ ማእኸል መቐለ ዶ ወይስ ኣብ ቤጂንግ እንተነቶገ ይሓይሽ ኢልና ክትዕ ጌርና። ሽዑ “ኣብ መቐለ እንተነቶገ ይሓይሽ ፤ ምኽንያቱ ብዙሓት ሸቃሎ ኣብ መቐለ ከይኾነስ ኣብ ቤጂንግ ስለ ዘለው ዝብል ጉጅለ ስዒሩ“ ክብል ይዝክር።

ኣምባሳደር ኣሳምነው ወንድሙ እውን ከምኡ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ናይ ዶ/ር ዳንኤል ተኽሉ ምረቓ መፅሓፍ ኣብ ዝገበሮ ዘረባ ባህሪን ተልእኾን መሪሕነት ህወሓት ቁልጭ ኣቢሉ ዘርኢይ እዩ። `ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተዳለወ ሓደ ናይ ተመሃሮ መፅሓፍ ደብተራ ፍሰሀ ጊዮርጊስ ካብ ምፅዋዕ ተላዒሎም ብመርከብ ናብ ጥልያን ከይዶም ዝብል ምንባብ ኣትዩ ነይሩ፤ እዚ ምንባብ እዚ ክወፅእ ኣለዎ ተባሂሉ ንምንታይ ተተባህለ ኣብ ርእሲ እቶም ተምሃሮ ምፅዋዕ ናትና ድዩ ነይሩ ኢሎም ሕቶ ከልዕሉ ይገብሮም እዩ ዝብል እዩ ነይሩ እቲ መልሲ . . .` ክብል ይዝክር። ብሓቂ ግና እቲ እዚ ዝበለ ኣካል ናይ ኤርትራ ሓይሊ ድዩ ነይሩ ወይስ ናይ ትግራይ ዝብል ሕቶ ክተልዕል ዝገብር እዩ።

ኣብ ስልጣን ምስ በፅሑ፣ ሻዕቢያ ወታደራዊ ታዕሊም ብብሄራዊ ግልጋሎት ስም እንተካይድ፣ እንዳ ህወሓት ድማ ሰራዊቶም ይብትኑ ነይሮም። ሻዕቢያ በቲ ዝተገበረሉ ሓለፉ ኹሉ ስለ ዘይዓገበ ባድመ፣ ፆረናን ዛላምበሳን ብምውራር ካሊእ መዓትን መከራን ንህዝብና ሒዙሉ መፀ። እቲ ወራር ኢትዮጵያውያን ኹሎም ሆ ኢሎም ተላዒሎም ዘሚቶም ቀልቢሶሞ ነይሮም። እንደገና እቲ ተረኺቡ ዝነበረ ዓወት ንምቕልባስ እቲ ብዓወት ዝግስግስ ዝነበረ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንድሕሪት ክምለስ ብምግባር ናብ ኣልጀሪስ ከይዶም ውዕሊ ኣልጀርስ ብምፍፃም ሻዕቢያ ካብቲ ገጢምዎ ዝነበረ ስዕረት ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ትግራይ ተወሳኺ መሬት ዝረኽበሉ፤ ኢትዮጵያውያን ድማ ዳግም መሰል ባሕሪ በሪ ክሓቱ ዘይኽእልሉ ኩነታት ፈጠሩ።

ኣብ ዘ ሄግ ወሲዶም ይግባይ ዘይኣብሉ ዳኝነት ክህልው ገይሮም ባድመን ፍርቂ ኢሮብን ኣረኪቦም መፁ። እዚ እውን ሰላም ክፈጥር ስለ ዘይከኣለ ትግራይ ንኣስታት 20 ዓመታት ኣብ ናይ ኢኮኖሚን ወታደራዊን ዕፃዋን ክባን ኣትያ ክትነብር ገበርዋ። ካብ ናይ ፌዴራል ስልጣን ዝእለዩ ዘለዉ ምዃኖም ምስፈለጡ ድማ፤ ኢሳያስ ኣፈወርቂ እንተተዓረቐና ኢሎም ኣብ ኢህወዴግ ስራሕ ፈፃሚ እቲ ባደመ እውን ፍርቂ ኢሮብ እውን ንኤርትራ ይወሃብ ኢሎም ኣወሲኖም ንመቐለ ሃደሙ። እቲ ናይ መወዳታ ውሳነኦም ከምኡ እንተነይሩ ንምንታይ ድኣ 20 ዓመት ዝኣክል ህዝቢ ክሳቐይ ተገይሩ ንዝብል ሕቶ መልሲ የብሎምን።

ህወሓት ብቃልሲ ህዝቢ ትግራይ፣ ብመስዋእቲ መላምል መናእሰይ ተጋሩ ዋላ ናብ ስልጣን እንተመፀ፣ መሬት ትግራይ ቆሪሱ ቆራሪሱ መውፅኢ ጎጆ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን እዩ ገይሩዎ። ተሓላቒን ተጣባቒን መሰል ብሄር ብሄረሰባት ኮይኑ፤ ክልል ግበረና ዘይበልዎ ካብ ትግራይን ካብ ኣምሓራን ኣዋፂኡ ኣርሆ፣ ኣፍዴራ፣ ሽኸት በራሕለ ወዘተ ኣግዚሙ ዓፋር ዝበሃል ክልል ፈጠሩ። ንባዕሎም ከም ሓደ ህዝቢ ዘይሓስቡ ዝነበሩ ጎንደር፣ ጎጃም፣ ወሎ፣ ሸዋ ከምኡ እውን ኣገውን ቅማትን ከይተረፈ ኣብ ሓደ ጨፍሊቑ ኣዝዩ ሰፊሕ ዝኾነ ኣምሓራ ዝበሃል ክልል ክፈጥር ክኢሉ እዩ። እቲ ናብ ኣምሓራ ዝኸለሎ ዋግ ሕምራ ኣገው ከም ህዝቢ ኢሮብን ኩናማን ናይ ባዕሉ ምምሕዳር ሒዙ ናብ ትግራይ ዘይተጠቓለለሉ ምኽንያት ኣይፍለጥን። ከምኡ እውን ኣዝዮም ግዙፍ ዝኾኑ ኦሮሚያን ደቡብን ዝበሃሉ ክልላት ብምፍጣር፣ ካብ ዓፋርን ሱማሌን እውን ዝነኣሰት ቁንጣር ትግራይ፣ ብጂኦግራፊ ዕፅዋን ክባን ዝኣተወት ትግራይ ፈጢሮም።

ካብኡ ሓሊፎም ድማ ንስም ፌዴራላዊ ስርዓት ተኺልና ኢሎም፤ ብተግባር ግና ኹሉ ስልጣን ንፌዴራል ንግስቲ ዝህብ፣ ንትግራይ ብኹሉ መንገዲ ንኡሳን (ማይኖሪቲ) ዝገብር ሕገ መንግስቲ ቐሪፆም፤ ሓያል ኢኮኖሚን ሰራዊቲን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሃኒፆም እቲ ሐዚ በፂሑና ዘሎ ፅንተት ይኹን ዕፅዋን ክባን፣ ሕልቂት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሲቪላውያን ተጋሩ ኣዋሊዶም እዮም። በቲ ዝተጎዓዝዎ ስሑት መንገዲ ሐዚ ህዝቢ ትግራይ ብኢኮኖሚ ንድሕሪት 100 ዓመት ተመሊሱ፤ መብዛሕትኡ ህዝቢ ተፈናቒሉን ተረዳኢን ኮይኑ፤ መሬት ትግራይ ካብ ዝኾነ ታሪኻዊ እዋን ንላዕሊ ብዝኸፍአ ኹነታት ተቖራሚሙ ብዝተፈላለዩ ወረርቲ ሓይልታት ኣብ ዝተተሓዘሉ ኩነታ ኢና ዘለና።

ካብ ኹሉ ንላዕኢ ኣዝዩ ዝገርመኒ ነገር ድማ ህወሓት ውዕለታ ዝወዓለሎም ሓይልታት ይኹኑ ውልቀ ሰባት ናብ ደመኛ ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ዝቕየርሉ ምኽንያት በስፍሓትን ብዕምቆትን ዋላ እኳ ክፅናዕ ዘለዎ ጉዳይ እንተኾነ ካብቲ ህወሓት ካብ ህዝቢ ትግራይ ቦቒሉ ረብሓ ትግራይን ተጋሩን ዘይግደስ ብምዃኑ እቶም መሓዛ ዝገብሮም ሓይልታት ይኹኑ ውልቀ ሰባት እውን ከምኡ ዝበለ ባህሪይ ከማዕብሉ ገይሩዎም ክኸውን ይኽእል እዩ። እቶም ተጋሩ ኾይኖም ብባንዳነት ተሰሊፎም ኣንፃር ረብሓ ትግራይን ተጋሩን ዝተሰለፉ ውልቀ ሰባት እንተርኢና እውን ዳርጋ ኹሎም ኣባላት ህወሓት ዝነበሩ እዮም፤ እዚ እውን ካሊእ ዝገርም ነገር እዩ።

ህዝቢ ትግራይ ኣብ መዋእሉ ብዙሓት ናይ ደገን ናይ ውሻጠን ፀላእቲ ገጢመሞ ይፈልጡ እዮም። ከም ህወሓት ዝበለ ን50 ዓመታት ዝኣክል ቸቸ ዝበሎ ደመኛ ፀላኢ ግና ገጢምዎ ኣይፈልጥን እዩ። ኣብ ልዕሊ ትግራይን ተጋሩን ዝወረደ መከራ ምስቶም ቅድሚ ሐዚ  ከም ህዝቢ ዝገጠሙና ናይ ህላወ ሓደጋታት ወራር ጉዲት፣ ፀንተት ደቂቀ እስጢፋኖስ ንጉስ ዘርኣ ያእቆብ፣ ወራር መሓመድ ግራይ፣ ወራር ምኒሊክ ይኹን ጥልያን፣ ስርዓት ሃፀይ ሃይለስላሰ ይኹን ደርጊ ዘብፅሑልና በሰላታት እንትነፃፀር፣ እዚ ሐዚ ብሰንኪ ፈፃምነትን ሕመቕን ህወሓት ከም ህዝቢ ገጢሙና ዘሎ መከራ ኣዝዩ ሰፊሕን ዕምቆት ዘለዎን እዩ።

ስለዚ ደደቢት ወሪድና እንታይ ኣምፂና እንተይልና እዞም ልዕል ኢሎም ተዘርዚሮም ዘለዉ መከራታት እዮም። ብቃልሲ ተጋሩ ናይ ፀላእትና መሳርሒ ዝኾነ ፈረስ ትሮይ (Trojan Horse) ኢና ኣዋሊድና። ኣብዚ ቃልሲ እዚ ወለድናን ኣሕዋትናን ስለ ዝተዋግኡ ወይ መስዋእቲ ስለ ዝኸፈሉ እቲ ወፅኢቱ ክቕይሮ ኣይክእልን። ከምኡ እንተኾይኑማ ኣብ ኲናት ዓድዋ እውን እኮ ነቲ ደመኛ ፀላኢና ንጉስ ምኒልክ ሓጊዝና ተዋጊኢና፣ መስዋእቲ ከፊልና ሓይሊ ሸዋ ተጠናኺሩ ክወፅእ፣ ከም ውፅኢቱ ድማ ንልዕሊ 150 ዓመታት ክገዘአና ገይርና ኢና። ብሓቂ ግና ኣብ ዓድዋ ጥልያን ስዒሩ እንተዝኸውን ነይሩ፤ ተጋሩ ዕጫናዶ ከምቲ ሐዚ ዘለዎ ምኾነ ነይሩ ዘብል ካልእ ሕቶ ክተልዕል ዝገብር እዩ።

ሰላም!