ኣብ ኣፍ ሞት ኰይንኻ ዶ ሰረት ሞትኻ ይኽበር?

ብ መልኣኩ ሃይሉ

መነፅር ወድዓዊ ህላወ ሕብረተ-ሰብ ብሰለስተ ባእታታት ምግላጽ ይከኣል። እቲ ቀዳሚ ባእታ ባዕሉ እቲ ሕብረት ሰብ እንትኸውን ከይዲ ህላወ እቲ ሕብረት ዝገርሕ ልሂቅን መቓን ኣተሓሳስባ ምስ ዕለታዊ ናብራ እቱ ሕብረት ኣወሃህዱ ዝገልጽ ባእታን (ካልቸር) ድማ ካልኣይን ሳልሳይን እዮም።

ኣብዚ ዘለናዮ ዘመናዊ ዓለም ቐፃሊ ውሕስና ህላወ ሓደ ሕብረተ ሰብ ዋላ’ኳ ብ ናይ ሕድ ሕዶም ወድዓዊ ህላወን ጥንካረን ዝውሰን እንተኾነ፤ ልሂቅ እቱ ሕብረተሰብ ግን ዝለዓለ ግደ ከም ዘለዎ  ዘማትእ ኣይኰነን። ምኽንያቱ ከይዲ ህላወ ሕብረተሰብ ዝቕፅል ብዓብላሊ ኣተሓሳስባ እቲ ዝመርሕ ልሂቅ ስለ ዝግራሕ እዩ።

ቀንዲ ዛዕባ ብሓፈሻ እንትርአ ኣብዚ ሐዚ እዋን ከም ሕብረተሰብ ኣብ ከይዲ ፍሽለት (ብርቱዕ ውድቀት፣ ናብ ጥፍኣት ዝተቓረበ ከይዲ ህላወ) ንርከብ። ማለት እውን ከም ውልቀ ይኹን ከም ሕብረተሰብ ብ ስነ ልቦናዊ ቅልውላው፥ ማሕበራዊ ቀውሲ፥ ቑጠባዊ ድቀት፥ ፖለቲካዊ ድስካለ ተሸምምና ኣለና።

እዚ ከይዲ ፍሽለት ኣብ ሓፂር እዋን ዝተጀመረ ኣይኰነን። ካበይ ድኣ ጀምርና ንቑፀር? እንትብሃል እውን ኣፀጋሚ እዩ ዝኸውን። ግን ድማ እቲ ዘለናዮ ክውንነት ንኹሉ ዘርከበሉ ኣብዚ ኣርባዕተ ዓመት ብዝተኻየደ መስካሕክሒ ኲናትን ህልቅትን እዩ። እዚ ዝኾን ዘሎ ዓብላሊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ልሂቃን ዓድና ነቲ ሕብረተሰብ ምስ ናብራኡ እናገርሑ ዝፀንሑን ሐዚ እውን ኣብ ዘለዉሉን እዩ።

ኣብዛ ወቕቲ ድማ “ለካትት 11 ልደት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ” ብዝብል ሽም ህዝባዊ ብዓል እናተኸበረ ይርከብ። እዚ ህዝባዊ ብዓል ዝኽበር ዘሎ ነቲ ልሂቅ ዝፈጠረ ውዳበ (ህወሓት) ዝተወለደሉ ስለ ዝኾነ እዩ። ህወሓት ድማ ክሳብ ሐዚ እናመርሐ ናይ ዝርከብ ልሂቅ ወላዲ፥ መምህር፥ ዕላዊ መፀውዒ ሽም እዩ። ኣበዚ ብርኪ ህላወ ንክንበፅሕ ዝገበረ ልሂቃዊ ኣተሓሳስባን ውዳበን ብመልክዕ ህዝባዊ ብዓል ምኽባር ንክትሞት ባዕላዊ ውሳነ ምግባር እዩ፡፡ ምኽንያቱ ናይዚ ኹሉ ዘለናዮ ፍሽለት መበገሲኡ ኣብ 60ታት ዝቦቐለ ፖለቲካ ስለ ዝኾነ እዩ።

ቅድሚኡ ፅቡቕ ወይ ዝሓሸ ነይሩ ማለት ግን ኣይኰነን። እቲ ንጉሳዊ ፖለቲካ ኢትዮጵያ (ዝተኣለየሉን) ድሕሪ ምእላዩ ዝተተኸለ ዴሳዊ ፖለቲካ (ናይ በረኸኛታት ይኹን ኣብ ስልጣን ዝነበሩ) ምስቲ ወድዓዊ ህልውና ማሕበረሰብን ስነልቦናኡን ቑጠባዊ መሰረቱን ፍፁም ዘኢይሰማማዕ ተቓርኖ እዩ ፈጥሩ። ብቕደም ስዓብ ቃልሲ ኣንፃር ግዝኣት ሃፀይ ኢትዮጵያ ይኹን መስፍናዊ ስርዓት ቓልሲ ዝተጀመረ ኣብ ዓድና ብደቂ ብሔርና እዩ ነይሩ።

ብተወሳኺ ድማ እታ ግዝኣት ሃፀይ ዝቖመትሎም ህልውናኣዊ ሰረታት (existential foundations) ካባና ካብ ዓድና ካብ ብሔርና እዮም ዝምንጭዉ። እቲ ሓቂ ከምዚ እናሃለወ ግን እቶም ቃልሲ ጀመርቲ እይና በሃልቲ ደቂ ዓድና ምስቶም ክብርታት (ህልውናዊ ሰረታት) እታ ብሔርና እዮም ብቐጥታ ተላትሞም።

ኣብ ዕድመ ቑልዕነቶም እቲ ብግዜኡ ከም ፋሽን ዝውሰድ ዝነበረ ናይ ዓመፅ ምንቅስቓስ ተሳቲፎም፥ ኣብ ፃዕዳ ኣእምሮኦም ዴሳዊ ነገረ ቁሳዊ ወ መስዋእታዊ ፍልስፍና ኣንቢቦም፣ ብቐጥታ ካብ መበቆላዊ ክብርታቶም እናረሓቑ ብማሌኣዊ ክብርታት ተጠመቑ። ዝተመጣጠነ ፍልጠትን ንባብን ዘይረኸበ ኣእምሮ መንእሰይ ቀዲሙ ዝኣንበቦ ኩሉ ሓቂ እናመሰሎ ስለ ዝናበረሉ፤ እቶም ደቂ ዓድና እውን ካብ 17-30 ዓመታት ተቓሊሶም ድሕሪኡ ተዓዊትና ኢሎም ስልጣን እንትሕዙ እውን ነቲ ሕብረተ-ሰብን ናብራ ኣተሓሳስባኡን በቲ ኣብ ቑልዕነቶም ዘንበቡዎ ማሌኣዊ ፍልስፍና ዝተቓነየ እዩ ነይሩ።

ነይሩ ጥራሕ ዘኢኰነ ምስረታን ህንፀትን ሃገረ መንግስቲ ዘካየድሉ መቓን ኣተሓሳስባ እውን ንሱ ባዕሉ እዩ። ክሳብ ሐዚ ዓመታት ዝንምርሐሉ ዘለና ልሂቃዊ መዋቕርና እውን ንሱ እዩ። ብብረት መንዚዐ ስልጣን ሒዘ ኢልካ እናኣመንካ እሞ ድማ ብማሌኣዊ ዴስነት እናተመራሕካ፥ ዲሞክራሲ ዶ ልዕልና ሕጊ ዶ፥ ሰብኣውነት ወ ሓርነት፣ ናጽነት ዶ ፣ ወለዶኣዊ ምትኽኻእ ዶ . . . እዚኦም ኩሎም ኣይይሰርሑን። ክሰርሑ እውን ኣይከኣሉን።

ካብኡ ድማ ናይ ባዕሎም ሓደ ወለዶ ብኲናት ኣብሊዖም ተዓዊትና ኢሎም። ቀፂሉ ዘሎ ወለዶ ብሕሽክርናን ኩናትን ኣብሊዖም ናብ “ልምዓት” ንግስግስ እይና እይሎም። ድሕርኡ ብምቕፃል ብዂናት ዝተፈጠራ ፍፁም ዘኢይቃደዋ (ውሽጣውን ደጋውን) ሃገረ መንግስታት መስሪትና እሎም በብፊናኦም እኳ ክጉዓዙ ኣይከኣሉን። ምኽንያቱ ብቑልዕነቶም (ዕድመ ንእስነቶም) ዝቐረፅዎ ኣተሓሳስባ ምስቲ ነባራዊ ወድዓዊ ኩነት ብሔርን ዓሌታትን እዚ ዞባ ክሳነየሎም ኣይከኣለን።

እቲ ዝመረፅዎ መንገዲ ለ ተቓርኖ ዝዓብለሎ ኰይኑ ካልኦት ተቓርኖታት ዘብዝሕ ክውንነት ኰይኑ። ፌደራሊዝምን ብሄራውነትን፣ ምስርታ ሃገርን ህንጸት ብሔርን፣ ቁሳዊን መንፈሳውን ባህሊ (ካልቸር)፣ ዜግነትን መንነትን ወዘተረፈ ድማ እቶም ዓበይቲ ተቓርኖታት እዮም፡፡ ከይዱ ከይዱ ድማ (እቲ ዝለዓለ ውፅእቱ) ንቲ መቦቆላዊ ብሔር እናፅነቶ ይርከብ፡፡

ኣብ ክልተ መቒልካ፣ ነንባዕሉ ኣታኹስካ (ኣቃቲልካ)፣ ፍፁም ክፅላላእ ክትዓፃፀው ገይርካ፣ ወለዶታት ክስደዱን ሲሳይ ባሕሪ ዓሳ ክኾኑ ገይርካ፣ ምስ ተፈጥሮኣዊ ጉርብትናኡ ስኹር ፅልኢት ፈጢርካ፣ ዕፅዋን ክባን ኣለማሚድካ፣ ንከኢይነቅሕ እውን ጭቆናዊ መግዛእቲ ዘለማምድ ስርዓተ ትምህርቲን ተረኽን ቀርፂካ … ወዘተ ብምፍላጥ ይኹን (ብዘኢምፍላጥ) ኣብ ውሽጢ 30 ዓመታት ኣብ ዘሎ እዋን ክልተ ወለዶታት እታ ብሄር ንኽበርሱ ተገይሩ እዩ።

ሓደ ብሔር ክልተን ልዕልኡን ወለዶታት ብተኸታታሊ እንተበሪሶሞ ድማ ሰኒፉ ደኺሙ ዘኢኰነሲ ደቒቑ/ድቀት/collapse ገይሩ እዩ ዝበሃል። ክልዓል ድዩ ኣይይልዓልን እውን ብጣዕሚ ኣስጋኢ እዩ። ናይቲ ዘበናት ዝኣቑፀረ ስልጣነ እታ ብሄር እውን ኣብዚ ከብቅዐሉ ዝኽእል ተኾኖቱ ሰፊሕ እዩ።

እቲ ብጣዕሚ ዘስግእ እዚ ናይ መወዳእታ ድቀት ክውን ክገብሮ ዝኽእል ድማ እቶም ነቲ ድቀት ንክመፅእ ምኽንያት ዝኾኑ ሰባት ምስ ድቑቕ ኣተሓሳስባኦም ሐዚ ለ ክንመርሕ እይና ብምባል ኣብቲ ጫፍ መሪሕነት ምህላዎምን እዚ ስነ ልቦናዊ ቅልውላው፥ ማሕበራዊ ቀውሲ፥ ቑጠባዊ ድቀትን ፖለቲካዊ ድስካለን ዘስዓበ ልሂቃዊ ኣተሓሳስባ ዝተጀመረሉ ዕለት (ልደት ህወሓት) ከም “ህዝባዊ ብዓል” ንክኽበር ምግባርን እዩ፡፡ ስለዚ ልደት ህወሓት ከም ህዝባዊ ብዓል ምኽባር ማለት ኣብ ኣፍ ሞት ኰይንኻ መንቀሊ ሞትኻ ብምስትምቓር ብዓርሰ ፈቓደ ንክትሞት ምድላው ምግባር ማለት እዩ።