ትዉልዲ ክኾርዓሉ ዝግባእ ታሪኽ እዩ፡11 ለካቲት!

ብ ገብረሂወት ተስፋ (ጋዜጠኛ)

እወ! ብሄራዊ ብዓልና እዩ!
ትማሊ ምጅማር ቃልሲ ስዕረት ታሪኻዉያን ፀላእትና ኢልና ብዘይ ኣፈላላይ ዘኽበርናዮ ብሄራዊ ብዓል፥ ታሪኽ ናይ ምዕቃብን ጅግንነት በቢ መድረኹ ናይ ምድጋምን ብቕዓት ዝጠለሞ ትዉልዲ ሎሚ ድሕሪ 33 ዓመት ለካቲት ነኽብሮ ዶ ንግደፎ ናብ ዝብል ሕቶ መፂኡ ክመናጨት ዘኽእል ባይታ የብሉን። ምኽንያቱ እዚ ትዉልዲ ኣቦታቱ ተሰዊኦም፥ ተሰንኪሎም፥ ብዝፈጠርዎ ጥጡሕ ባይታ ተማሂሩ፥ ሰልጢኑ፥ ካብ ትሑት ክሳብ እቲ ጫፍ ሳይንስ ተመራሚሩ ዕድመ ኣከል ኮይኑ እዩ።

ሓደ ትዉልዲ ድሕሪ እቲ ናይ ፀበባ ቃልሲ ኣብ ሰላም ተወሊዱ፥ ዓብዩ፥ ተማሂሩ ነብሱ እንድሕር መሪሑ ፓለቲክኡ ክመርሕ ባህሪያዊ እዩ፥ ግዚኡ ክዉንን ግቡእ እዩ። ድሕሪ እዚ ብስንፍንኡ ሕመረት እቲ ቃልሲ ደዉ ኢሉ እንድሕር ተሳዒሩ ንዘበኑን ፖለቲክኡን ዝምጥን ስርዓታዊ ባይታ ናይ ምፍጣር ሓላፍነት ናቱ እዩ። ነቲ ዝተሰወአ ዝሰንከለ፥ ዝደኸመን ኣቡኡ ዝወቅስ በላዒ ሓደራ ካብ ምዃን ሓሊፉ ሽም ክወጸሉ ኣይኽእልን።

ተርእዮታት እዚ ትዉልዲ እዉን ናብዚ ዝኸይድ ዘሎ ይመስል። መስዋእቲ ከፊሎም ስርዓት ዝተኸሉ እናተፃረፈ፥ እናናሸወ ወርቃዊ ታሪኽ ወለዱ እናረገመ ክዉዕል ንዕዘበሉ ግዜ በፂሑ። ጌጋ የለን፥ ብጹኣን እዮም ካብ ዝብል ኣይኮነን። ሽሕን ሚኢትን ፀገማት ኣለዉ፥ ቀፃሊ እዉን ካብ ሽግር ዝነፅህ ዝኾነ ብፁእ ትዉልዲ ምፅባይ ኣይከኣልን።

ንኣብነት
ኮምኒስታዊ ስርዓት ማኦዜዲንግ ቻይና ብኣቆፃፅራ ፈረንጂ ኣብ መወዳእታ 1940ታት ብሓያል ቃልስን መስዋእትን ኮሚንታንግ ንዝብሃል ካፒታሊስታዊ ብሄራዊ ዉድብ ካብ ምድሪ ቻይና ምስ ኣባረሮ ቻይና ናብ ዝገደደ ፀረ ስብኣዉነት እያ ተቐይራ። ብጣዕሚ ጨካን ግን ድማ ተስፋታት ልምዓት ዘርኣየ ክልተ ብልሒ ዘለዎ ስርዓት እዩ ኔሩ ኮምኒስታዊ ስርዓት ማኦዜዱንግ ቻይና። ብዙሓት ሊሂቃት ቻይና በቲ ዝመፀ ሓዱሽ ኮምኒስታዊ ስርዓት ሕጉሳት ኣይነበሩን። ምኽንያቱ ሚሊዮናት ቻይናዉያን ብናይ “ዘይሰርሕ ኣይብላዕ” ጨካን ፖሊሲ እቲ ስርዓት ከም ቆፅሊ ረጊፎም እዮም።

እዚ እንትኾን ቻይናዉያን ደለይቲ ለዉጢ ንማኦ ዜዱንግ ምጥፋእ ኣይተመነዩን ወይ ሌጋሲታት ማኦ ንምድምሳስ ኣይተጓየዩን። እቲ ቀላሲ እቲ ኮምኒስታዊ ስርዓት ማኦ ድሕሪ 27 ናይ ስልጣን ዓመታት ምስ ሞተ ናይ ስልጣን ክፍተት ከይፍጠር ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብቲ ስርዓት ለዉጢ ክመጽእ ብዘይወዓል ሕደር እዮም ናብ ስራሕ ኣትዮም። ሓደሽትን ገስገስትን ሙሁራት ናብ ቅድሚት ብምምጻእ ክፍተታት ማኦ መሊኦም ብርቱዕ ስራሕቱ ድማ ኣቐፀሎም። ማኦ ንኮሚንታንግ ዝባሃል ናይ ሽዑ ብንፅፅር ዴሞክራሲያዊ ግን ድማ ናይ ምዕራባዉያን ተለኣኣኺ ዝብልዎ ስርዓት ዝተወገደሉ ዕለት ግን ብሄራዊ ብዓል ኮይኑ ብዘይካ ኣብ ታይዋን ኣብ መላእ ቻይና ዓመታዊ ይኽበር ኣሎ።

ትማሊ ብዕላማ ቃልስን ዉፅኢት ቃልስን ዝኾነ ሕቶ ኣልዒሉ ዘይፈልጥ ነቒሐ ብሃሊ ትግራዋይ ህዝቢ ትግራይ ኮነ ሊሂቅ ትግራይ ብኾቦሮን ጭራን ዘኽብሮ ዝነበረ በዓል ሕዚ ምስ ሰባት እናተኣሳሰረ 11 ለካቲት ዓይንኺ ንሓመድ ክብል ይስማዕ ኣሎ። እሞ እቲ ሓቂ ናብዚ ገጽ እዩ!!

1) 11 ለካቲት ማለት ህዝቢ ትግራይ ንልዕሊ 100 ዓመት ብኣርዑት ገዛእቲ ሽዋ ተረጊፁ ዝነበረሉ ግዜ ፈንፂሑ እቲ ያታዊ መንነታዊ ክብሩ ዳግም ብቕልፅሙ ዝተጎናፀፈሉ ዓወት ንኽምዝገብ መባእታ ዝኾነት ናይ ዉሳነ ዕለት ስለ ዝኾነት ደሚቓ ክትክበር ኣለዋ (ናብ ሕቶ ዘእቱ የብሉን)።

2) 11 ለካቲት ማለት ናይ ሓደ ዉድብ ወይ ጉጅለ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝወለዐሉ ዘይኮነስ፥ መሓላ እቶም ምእንተ ህዝቦምን ዓዶምን ዝወደቑ ስሙያት ሰማእታት ስለ ዝኾነት ግድን እዩ ክትክበር።

3) ንበዓል ዓውት ዉግእ ዓድዋ ክነብዕል ክንሸባሸብ፥ ን11 ለካቲት ግን ኣይናትናን ዝዓነቱ፥ ኣኽሲሩና እዩ ዝብል ሰብ ምልክት ቅልዉላዉ ህንጸት ወለዶ እምበር ካብ ዓሚቕ ትንታነን ፍልጠትን ዝነቅል ኣይኮነን።

4) 11 ለካቲት ብዝተወለዐ ቃልሲ ከሲርና እምበር ኣይከሰብናን ዝብል ብምንታይ ስነ ሞገት እዩ? ናይ ሓደ ተቓላሲ ህዝቢ ዉፅኢት ቃልሱ ዝልካዕ ክሳብ መዓዝ እንተፀኒሑ እዩ? ምኽንያቱ ብዘይካ እቶም ትግራይ ናፃ ምስ ወፀት `ደጊም ይኣኽለና` ዝበሉ ተጋደልቲ፣ ድሕሪኡ ቃልሲ ተጋሩ ትግራይ ሰጊሩ ኢትዮጵያ ሓራ እንተዉፅእ ኢትዮጵያ ኣይተድልየናን፥ ትግራይ እኽልቲ እያ ንዓና ኢሉ ዝሞገተ ሊሂቅ ኣይነበረን።

ኩሉ ኣብ ዝሕሾ ነጊዱ፥ ኣብ ዝመረፆ ዩኒቨርሲቲ ተማሂሩ፥ ኣምሓርኛ ተለማሚዱ “11 ለካቲት ብርሃን ዉፁዓት እያ” እናበለ እዩ ይጭርሕ ኔሩ። ኣርዑት ጭቆና ከዉርዱ፥ ፋሽሽታዊ ስርዓት ከውግዱ እሞ ድሕሪኡ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ክትከልን ልምዓት ክረጋገጽ እዩ፥ ንማዕርነታዊ ሓድነት ህዝብታት እዩ ተሰዊኡ እንትበሃል ዝዕልል ዝነበረ ሊሂቅ ብስርዓት ምስ ተመሃረ ታሪኹ ክንዲ ዝሰርሕ እዚኣ ናቶም እዚኣ ናትና ናብ ዝብል ወቓሳይ ደንበ ተዳጒኑ ዝተርፍ ወድመን እየ ክብል እዩ።

ሰናይ ቀደሙ እቶም ንደደቢት ዝወፁ ጀጋኑ ዝወሰድዎ ዕማም መስዋእቲ ከፊሎም ስርዓት ከወግዱ እምበር ልምዓትን ዴሞክራስን ባዕልና ክነረጋግፆ ኢና ኢሎም ኣይተመፃብዑን። ዕላመኦም ኣዐዊቶም መስዋእቲ ከፊሎም ስርዓት ኣወጊዶም። ሃገረ መንግስቲ ተኺሎም ምኽንያቱ ዕላማ ቃልሶም ንሱ ስለ ዝነበረ። ብዘይካ ውሑዳት ተጋደልቲ ንኢትዮጵያ ኣይንግስግስን ዝበሉ፣ ካልእ ልሂቅ ኢትያዊነት ጥዒሙካ ካብ ጅማ ክሳብ ባህርዳር፥ ካብ ጅግጅጋ ክሳብ ሃሮማያ፥ ካብ ኣሶሳ ክሳብ ኣዋሳ እናዞርካ ክትመሃር፥ ክትሽቅል፥ ክትነግድ ኩሉ ናትካ መሲሉካ ክትዕንድር 30 ዓመት ምስ ሓምበጥካ ብስንፍናኻን ወቓሳይ ፖልቲካኻን ሓቒፍካ እንተዘይትኣቱ እዩ ዝገርም። ስለዚ ደቂ ደደቢት ብደሞምን ዓፅሞምን ታሪኽ ዝቐየሩ ጀጋኑ ስለ ዝኾኑ ዝንተኣለም ብሽም 11 ለካቲት ክዝከሩ ይግባእ።

ን32 ዓመት “ለካቲት ኣዴና፥ ለካቲት ብርሃን ዉፁዓት እያ፥ ወዘተ ዝበለ ትዉልዲ ኣብ 2016 ዓ.ም ተላዒሉ ለካቲት ኣይበዓለይን እንትብል ከመይ ዝበለ መገረሚ እዩ። ኣብ ክንዲ ሽግሩ ፈቲሹ ንዉሽጡ ዝርኢ እሞ ዘመናዊን ስልጡንን ፍታሕ ዝናዲ፥ ብፀላእቱ ዝተደምሰሶ ዉሒድዎስ እንኮላይ ባዕሉ ክድምስስ፥ ወርቃዊ መስዋእትን ዓወትን ወለዱ ብደዎም ክጠልም ዝህንደድ ኣካል ትዉልዲ ከመይ ተፈጢሩ ክትብል ይደፍኣካ።

ብዙሕ ሰብ ናይ ህወሓት ምስረታ ዕለት እዩ፣ “ልደት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ” ይበሃል እዩ፥ ብዝብል ክዋጠጡ ንዕዘብ። እዙ ብናተይ ምልከታ ካድረታትን ሰበስልጣንን ህወሓት ንናይ ባዕሎም ፕሮፖጋንዳ ክብሉ ነቲ ታሪኽ እንተበላሽዉዎ ብናታቶም ጌጋ ተደፊእና ኣብ ታሪኽና ክንሸማገል ዝገብሩ እዮም ኢለ እየ ዝሓስብ። ነዞም እዚ ቃልሲ ኣሚኖም ትግራይ ካብ ፀላእቲ ከድሕኑ ዝተሰዉኡ ጀጋኑ ሲ ከመይ ኣይታሪኽናን ክንብሎም ንኽእል። ዕላማ ቃልሶምን ዉፅኢቱን ግልፂ እዩ።

ምስ መዓልቲ ሰማእታት ዘተኣሳስርዎ እዉን ኣለዉ። መዓልቲ ሰማእታት እኮ ብስምምዕ መዓልቲ ተቖሪፅሉ ዝኽበር ማዓልቲ እምበር ኩነታዊ ፍሉይ ፍፃመ ኣይኮነን። ደብዳብ ሓዉዜን ሲቪላት እዩ ቀቲሉ፥ ኣብኡ ደሪብና ሰማእታት ንዘክር ዝብል እምበር ነቶም ጀጋኑ ሰማእታት ብፍሉይ ዝዝከር ኣይኮነን። ንሱ እዉን እንተኾነ ግቡእ እዩ።

ኩሉ ታሪኽ ብዉፅኢት ጥራሕ ክልካዕ ኣለዎ ኢለ ዋላ እንተዘይኣመንኩ ብዉፅኢት እዉን ግን ክንዲ 11 ለካቲት ብዕዉት መንገዲ ዝተወደአ ቃልሲ ዛጊድ ሃልዩና ኣይፈልጥን። ሕዚ ብስንፍና ንድሕሪት ዝተመለሰ ከም ዘሎ ኮይኑ ኣብዚ 27 ዓመት ኣብ ትግራይ ዝመፀ ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ለዉጢ ቀሊል እዩ ዝብል እምነት የብለይን። እንተነኣሰ እዚ ኹሉ መዓት ኣብ ርእስና ወሪዱ ዝኸፈልና ኩሉ ከፊልና ከምዚ ኢልና ክንርከብ ዝገበረና እቲ ሕሉፍ ዝተፈጠረ ዓቕሚ እዩ ኢለ እየ ዝኣምን። ካብዚ ወፃኢ እቲ ናይ ቅድሚ 49 ዓመት ምጅማር ቃልሲ ኣይመድለየናን ኔሩ፥ ደርጊ ዝገበረ ምገበረና ይሓይሽ ኔሩ ዝብል ሰብ ክንዕዘብ ኢና ማለት እዩ።

ህወሓት ኣብቲ ህሞት ከም ዉድብ ዘይኮነትስ ከም ሓንቲ መሪሕ መቃለሲት መድረኽ ህዝቢ ትግራይ ተጌራ እያ ትዉሰድ ኔራ ዝብል እምነት እዩ ዘለኒ። ብፖሊሲን ስትራተጂን ምስ ካልኦት ዉድባት ኣብ ነፃ መድረኽ ተወዳዲራ ናብ መሪሕ ዝመፀት ኣይኮነትን። ብርግጽ ብሓይሊ ብረት ዝወዳደራኣ ዉድባት ኔረን ግን ናብ ልቢ ህዝቢ ኣትያ ቃልሲ ኣንፃር ወፅዓ ዝመረሐት ንሳ ኔራ። ኣብዞም ዝሓለፉ ከባቢ 45 ዓመታት ህወሓት ዝመርሓቶ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ እንታይ ኣምፂኡልና እዩ ኢሉ ናብ ሕቶ ምኽባርን ዘይምኽባርን ዘእተወ ሰብ ኣይነበረን ምባል ይኽእል እየ።

ድሕሪ ኲናት ግን ከምዚ ዝበሉ ሰጋእ መጋኣት ይረኣዩ ኣለዉ። ንምንታይ ሽግር ትማሊ ዘይኮነስ ተስፋ ሎምን ፅባሕን ናይ ምስኣን ተርእዮ እዩ። ኣብ ቅልዉላዉ ዓርስኻ ናይ ምፅላእ ፀላዕላዕታ ካብ ምዃን ሓሊፉ ናይ 11 ለካቲት ፀገም ኮይኑ ዝብል ሰብ ንባዕሉ ምርኣይ ዝኣበዮ መሳበቢ መሲሉ ይረኣየኒ። እዚ ምልክት ዓርሰ ምጽላእ መሲሉ እዩ ዝረአየኒ፥ ብገለ ግዚያዊ ፖሊቲካዊ ኮነ ማሕበራዊ ድፍኢታት ካብ ባዕልኻ ምህዳም፥ መጋበርያ ሽርሒ ካልኦት ክትከዉን፥ ግዳይ ዉሽጣዊ ሕመቓት ኮይንካ ርጡብ መንነታዊ ዓምንዲ ከይህልወካ ናይ ምግባር ርኡይ ጸገም እዩ። ከም ህዝቢ ሓደ ዝገብርዎ ብሄራዊ ክብርታቱ ናይ ምጥፋእ ከቢድ ሓደጋ እዩ። እዚ እንትበሃል ኣብ ዝኾነ ታሪኻዊ ኩነት ምሉእ ዓወት ዝባሃል የለን፥ ዓድታት ከም ብሄራዊ ክብርን ዝኽርን ዝወስድዎ ጸገም ዘይተራአየሉ ብፁእ ታሪኽ ስለ ዝሰርሑ ኣይኮነን። ካብ ሕማቑን ፅቡቕን ክመሃር ግን ድማ እቲ መደላድል ዝኾነ ናይ መስዋእቲ ትዉልድን ስርሒታቱን ብዝግባእ ክወራረስ ዘኽእል ዕድል ናይ ምፍጣር ከይዲ እዩ። ኩሎም ታሪኻት ሓደ ህዝቢ ክበዓሉ ኣይኽእሉን፥ ከም 11 ለካቲት ዝበሉ ተጋሩ ነጥበ መቕይሮ ታሪኽ ግን ካብ ዝኾነ በዓል ንላዕሊ ክዝከሩ ዘለዎም እዮም።

መጠቓለሊ
ብሄራዊ በዓላት ብዝተፈላለዩ መንገዱታት ክኽበሩ ንዕዘብ:

1) ከይርሳዕ ግን ድማ ከይድገም ዝብልዎ በሰላ ዘትረፈ ታሪኽ እዩ። እዚ ብቐጥታ ምስ መዓልቲ ሰማእታት፥ ወይ መሰል ጨፍጫፋት እንዝክረሉ መዓልቲ እዩ። ዜጋታት ዳግም ከምኡ ዓይነት ሽግር ከይገጥሞም ኩሉሻዕ ክዝክርዎ፥ ምንጪ ሕራንኦም ኮይኑ ክመሃርሉን ክጥንቀቕሉን ዝዓለመ ዓመታዊ ዝኽሪ እዩ። ሩዋንዳዉያን ንኣብነት ጀኖሳይድ ዝተፈጸመሎም ዕለት ዓመታዊ ከም ሓደ ብሄራዊ መዓልቲ ዝዝክርዎ ናይዚ ኣብነት እዩ። እዚ ዕለት ስለ ዝፈትዉዎ ወይ ፅቡቕ ስለ ዝኾነ ኣይኮነን፥ ግን መዓልቲ ሕራነኦም እዩ።

2) ዜጋታት ዝኾርዕሎም ጅግንነታዊ ስርሒት ተፈፂሙ ንህዝብን ዓድን መዋፅኦ ዝኾነ መንገዲ ኣትሒዙ ዝባሃል ዉሳነ ዝሓለፈሉ ክኾን ይኽእል እዩ። ብኣና ህልዉ ኩነታት 11 ለካቲት ብቐጥታ ኣብዚ ትኣቱ ማለት እዩ። ህዝቢ ምእንተ ክብሩን ሓርነቱን ሓበራዊ ዋጋ ከፊሉ መፂኡ ዝባሃል ብዙሓት መሰል ቃልስታት ዝዝከርሉ ብሄራዊ በዓል እዩ። ከም ህዝቢ ምንጪ ኩርዓትን ፍልፍል ሓበራዊ ባህግን ተገይሩ እዩ ዝዉሰድ።

3) ማሕበራዊ ፥ ሃይማኖታዊ ኮነ ባህላዊ ክብርታት ንምዕቃብ ዓመታዊ ዝኽበሩ በዓላት እዉን ኣለዉ። እዚኦም ኣብዘሓ ባህሊ እናዓቀብካ ሓበራዊ ሓጎስ ናይ ምስትምቓር ስርዓተ በዓል ዝያዳ ይንፀባረቐሎም። መብዛሕትኡ ሓደ ማሕበረሰብ ካብ ካሊእ ማሕበረሰብ ዝፍለየሉ ባህልን ጸጋን ኮይኑ መንነታዊ ፅባቐታት ንምንፅብራቕ ይጥቀመሉ።

እዚኦም ሰለስቲኦም ወይ እዉን ካብኡ ንላዕሊ ዝኾኑ ኣካል ማሕበረሰባዊ ዝኽርታትን በዓላትን ሓደ ነቲ ካሊእ ኣይትከኦን። ብዙሕ ሰብ “መዓልቲ ሰማእታት ጥራሕ ኣኽቢርና፥ 11 ለካቲት ምኽባር ኣየድልን’ ክብል ስለ ዝስማዕ። ካብ ወርቃዊ ታሪኻትና ክንሃድም እንተዘይኮይኑ ክተኸኽኡ ዘኽእሎም ተዛምዶ ታሪኽ የለን።