ዘ-ዊክንድ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ

ዘ ዊክንድ ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ስሙይ ስነ ጥበወዊ ኣቤል ተስፋይ፡ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ጥሜት ብሞይኡ ንማሕበረሰብ ዓለም ንምቅላሕ ይሰርሕ ከምዘሎን እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ዝምልከት ሓበሬታ ብሓላፊት USAID ሳማንታ ፓወር መብርሂ ከምዝተውሃቦ ገሊፁ፡፡

ስነ ጥበባዊ ዘ-ዊክንድ ኣብ ትዊተር ገጹ፡ ኩሎም ተኸተልቱ ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ዘጋጥም ዘሎ መስካሕኽሒ ቅልውላው ኣፍልጦ ክፍጥሩን ናይ ገንዘብ ሓገዝ ክገብሩን ፀዊዑ’ሎ፡፡

ውሩይ ስነ ጥበባዊ ዘ- ዊክንድ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ በቲ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ዕንወት ኣዚዩ ከምዝጎሃየ ድሕሪ ምግላፅ በቲ ኵናት ንዝተጎድኡ ተወለድቲ ትግራይ ዝውዕል ሓደ ሚሊዮን ዶላር ዘወፈየ ፈታዊ ህዝቢ ትግራይ እዩ፡፡

ትግራይ ርእዮማ ዘይፈልጡ ወጻእተኛታት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓደጋ ኣትዩ’ሎ ኢሎም ሰብኣዊ ሓገዛት ኣብ ዘተኣኽኽብሉ ዘለዉሉ እዋን ኢትዮጵያውያን ግን ህዝቢ ትግራይ ክጭፍጭፍን ደቂ ኣንስትዮ ክደፍርን ናብ ትግራይ ንዝተበገሰ ወተሃደር ስቡሓት ኣብዑር ኣብሊዖምን መሪቖምን ክልእኹ ሓግዮም።

እዚ ተግባር ዝተዓዘቡ እንኮላይ እቶም ‘ብኢትዮጵያውነትና ንኣምን’ ኢሎም ዝማጎቱ ዝነበሩ ተጋሩ እንከይተረፈ “ብስሩ ምስ ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ዲና ንነብር ኔርና? ዝብሉ ሕቶታት ንገዛእ ርእሶም ክሓቱን “ካብ ደጊም ብሕታዊ ፖለቲካዊ መንገድና ትግራይ ሃገር ጌርካ ምስ ኢትዮጵያውያን ኣብ ምክብባር ዝተመስረተ ጉርብትና ጥራይ’ዩ ዘዋጽአና” ክብሉ ይስምዑ።

ካብኡ ሓሊፎም’ውን እቲ ኣብ ማእኸል ሃገር ናይ ምቕርቃር ስምዒት እንትስምዖ “እኛ እኮ ተዋልደናል ኣንድ ነን ኦርቶዶክስ ነን” እናበለ ዝድልለካ ሓሳዊ መሲሕ ሊሂቅ ኣምሓራ ከይትሰምዖ ብሽርሒ ፖለቲካ ክንደይሻብ ክንውቃዕ ይኣኽለናን ፖለቲካዊ ጸገማትና ብዘላቕነት ዝፍታሕ ብምስረታ ሃገረ ትግራይ ጥራይ’ዩ” ዝብሉ ሓሳባት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያት የንጸባርቑ ኣለዉ።