ምንጪ ጄኖሳይድ ትግራይን ኩነታት ዲፕሎማሲን

ምንጪ ጄኖሳይድ ትግራይን ኩነታት ዲፕሎማሲን : ዲያስፖራ ትግራይ ካብ ሳዕስዒትን ዋዕዋዕን ፈኸራን ጸረ ህዝቢ ዘለፋን ርሒቑ ብሱል ኣካይዳ የድልዮ!!

ኣብ ሞንጎ ህዝቢን ጠላማት ልሂቃንን ዘሎ ፍልልይ ርዱእ ብምዃኑ ንዝኾነ ህዝቢ ምጽላእን ምንሻውን ኣንፈት ቅኑዕ ቃልሲ ኣይኮነን:: ግዳ ቀንዲ ማዕከል ጄኖሳይድ ትግራይ ሲሶ መሬት ትግራይ ንምዝማት ተባሂሉ ንዝሓለፉ 3 ዓመታት ዝተገብረ ሽርሒ ልሂቃን ዓዲ 3 ብፍላይ ብኣዴን ምዃኑ ምፍላጥ የድሊ:: ህግደፍ ደንባርውን ኣብ ዘይምልከቶ ኩናት ኣትዩ ይሕንብስ ኣሎ:: በዓል ደመቀ መኮንን ንወራር መሬትን ጄኖሳይድን ትግራይ ንምሽፋን ንጉዳይ ትግራይን ህዝባን ጉዳይ ህወሓት ከምስሉ : ህወሓት :-

  1. ኣብ ምውዳቕ ደርግ ናይ ኣምሓራ መሬት ወልቃይትን ራያን መንዚዑ
  2. ንስሜን ዕዝ ብምጭፍጫፍ ኩናት ጀሚሩ
  3. ንኤሪትራን ኢትዮጵያን ወሪሩ ብምፍራስ ምንጪ ስደተይና ክገብረን ይድሊ
  4. ትግራይ ክግንጽል ይድሊ
  5. ኮሚዩኒስት ስለ ዝኾነ ውልቃዊ ሃብቲ ኮነ privatization ይቃወም : ወዘተ : ኢሎም ብሓሶት ንምኽሳስ ናብ ምዕራባውያን ልዑኻት ክሰዱ ይዳለዉ ኣለዉ::

መኸተ ዲያስፖራ ትግራይ ንዘን ናይ ሓሶት ክስታት ንምብርዓን ሓቂ ሒዙ ንዝምልከቶም ሓለፍቲ ሃገራት ምዕራብ ከብጽሕ ኣለዎ::

  1. ቅድሚ ምውዳቕ ደርግ ብሄር መሰረት ዝገበረ ምሕደራ ኣይነበረን:: ዋላ ብቲ ዝብሉዎ ከይድናውን ወልቃይትን ራያን ቅድሚ 1940ታት ኣካል በጌምድርን ወሎን ኣይነበራን (መረዳእታ ዝደሊ ንዛ ዝጠቃዕኩዋ ናይ 19 ክ/ዘበን መጽሓፍ ደልዩ የንብብ):: ግዳ ኣብ 1940ታት ካብ ትግራይ ተወሲደን ክፋለን ድማ ምስ ምምስራት ብሄራት መሰረት ዝገበረ ፌድሬሽን ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ተመሊሱ ጸኒሑ:: ሕጂ ዝግበር ዘሎ ንተን ናብ ትግራይ ዝተመልሳ ክፋላት ካብ ትግራይ መሊስካ ንምምንጣል እዩ:: ናይዚ ውጽኢትውን ዕጡቓት ክልል ኣምሓራ 1.2 ሚልዮን ህዝቢ ቀቲሎምን ኣፈናቒሎምን ሓዲሽ ህዝቢ ኣብ ምስፋር ይርከቡ:: ናይዚ መፍትሕ ዕጡቕ ክልል ኣምሓራ ወጺኡ ምሕደራ ትግራይ ተመሊሱ ዝተፋናቐለ ህዝቢ ምምላስ ጥራሕ እዩ::.
  2. ንዝሓለፉ 3 ዓመታት ዝተገብረ ሽርሒ ንትግራይ : ንቲ ስሜን ዕዚውን ተጠቒምካ ብሰራዊታት ኢትዮጵያን ኤሪትራን ዕጡቕ ኣምሓራን ብምኽባብ ንምጭፍላቕ ብምንባሩ : ወራር ቅድሚ ምፍጻሙ እቲ ዕዚ ብሓይሊ ትግራይ ክማረኽ ተገይሩ ጸኒሑውን ምስ 1ሽሕ ሓለፍቱ ተፈኒዩ እንበር ” ከምቲ ጋንታ ደመቀ መኮንን ዝብሉዎ ኣይተረሸነን::.
  3. ሓይሊ ትግራይ ንቲ ካብ ኤሪትራን ኢትዮጵያን ክልል ኣምሓራን ዝመጽኦ ክባ ክምክት ደኣ ተቓሊሱን ይቃለስ ኣሎን እንበሪ : ንኤሪትራን ኢትዮጵያን ወሪሩ ብምፍራስ ምንጪ ስደተይና ክገብረን ኣይተበገሰን:: ናብ ኣስመራን ጎንደርን ኤርፖርት ዝተፈነወ ሚሳይላይትውን እተን ክልተ ኤርፖርት መዋፈርቲ ነፍርቲ ኩናትን ሰራዊትን ኮይነን ስለ ዝነበራ ከም መጠን ወተሃደራዊ ሽቶ ነይሩ::.
  4. ሓይሊ ትግራይ ግዝኣታዊ ሓድነትን መሰል ርእሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይን ክረጋገጽ ይቃለስ እንበሪ ንትግራይ ክግንጽል ኣይበለን : ብዘይ ህዝበ ውሳነውን ክብል ኣይክእልን::.
  5. ሎሚ ኣብ ቃልሲ ዘሎ ሓይሊ ትግራይ ካብ ህወሓት ዝትፈልየ እኳ እንተኾነ : ህወሓት/ኢህወደግ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ ዓመታት ኣብ ኩላ ኢትዮጵያ ብዙሓት ሚልዮነራት ዘፍረየ : ሎሚውን ንኣብነት ኣብ ክልል ኣምሓራ ብቢልዮናት ቅርሺ ፋብሪካታት ዝኸፍቱ ዘለዉ ሰብ ሃብቲ ዘፍረየ : privatization ክጅመር ፖሊስ ዝቐረጸ ነይሩ እንበሪ ኣንጻር ናይዚ ከይዲ ኣይነበረን::

Dagim Wuldet