ምንጪ ጄኖሳይድ ትግራይን ኩነታት ዲፕሎማሲን : ዲያስፖራ ትግራይ ካብ ሳዕስዒትን ዋዕዋዕን ፈኸራን ጸረ ህዝቢ ዘለፋን ርሒቑ ብሱል ኣካይዳ የድልዮ!!
ኣብ ሞንጎ ህዝቢን ጠላማት ልሂቃንን ዘሎ ፍልልይ ርዱእ ብምዃኑ ንዝኾነ ህዝቢ ምጽላእን ምንሻውን ኣንፈት ቅኑዕ ቃልሲ ኣይኮነን:: ግዳ ቀንዲ ማዕከል ጄኖሳይድ ትግራይ ሲሶ መሬት ትግራይ ንምዝማት ተባሂሉ ንዝሓለፉ 3 ዓመታት ዝተገብረ ሽርሒ ልሂቃን ዓዲ 3 ብፍላይ ብኣዴን ምዃኑ ምፍላጥ የድሊ:: ህግደፍ ደንባርውን ኣብ ዘይምልከቶ ኩናት ኣትዩ ይሕንብስ ኣሎ:: በዓል ደመቀ መኮንን ንወራር መሬትን ጄኖሳይድን ትግራይ ንምሽፋን ንጉዳይ ትግራይን ህዝባን ጉዳይ ህወሓት ከምስሉ : ህወሓት :-
- ኣብ ምውዳቕ ደርግ ናይ ኣምሓራ መሬት ወልቃይትን ራያን መንዚዑ
- ንስሜን ዕዝ ብምጭፍጫፍ ኩናት ጀሚሩ
- ንኤሪትራን ኢትዮጵያን ወሪሩ ብምፍራስ ምንጪ ስደተይና ክገብረን ይድሊ
- ትግራይ ክግንጽል ይድሊ
- ኮሚዩኒስት ስለ ዝኾነ ውልቃዊ ሃብቲ ኮነ privatization ይቃወም : ወዘተ : ኢሎም ብሓሶት ንምኽሳስ ናብ ምዕራባውያን ልዑኻት ክሰዱ ይዳለዉ ኣለዉ::
መኸተ ዲያስፖራ ትግራይ ንዘን ናይ ሓሶት ክስታት ንምብርዓን ሓቂ ሒዙ ንዝምልከቶም ሓለፍቲ ሃገራት ምዕራብ ከብጽሕ ኣለዎ::
- ቅድሚ ምውዳቕ ደርግ ብሄር መሰረት ዝገበረ ምሕደራ ኣይነበረን:: ዋላ ብቲ ዝብሉዎ ከይድናውን ወልቃይትን ራያን ቅድሚ 1940ታት ኣካል በጌምድርን ወሎን ኣይነበራን (መረዳእታ ዝደሊ ንዛ ዝጠቃዕኩዋ ናይ 19 ክ/ዘበን መጽሓፍ ደልዩ የንብብ):: ግዳ ኣብ 1940ታት ካብ ትግራይ ተወሲደን ክፋለን ድማ ምስ ምምስራት ብሄራት መሰረት ዝገበረ ፌድሬሽን ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ተመሊሱ ጸኒሑ:: ሕጂ ዝግበር ዘሎ ንተን ናብ ትግራይ ዝተመልሳ ክፋላት ካብ ትግራይ መሊስካ ንምምንጣል እዩ:: ናይዚ ውጽኢትውን ዕጡቓት ክልል ኣምሓራ 1.2 ሚልዮን ህዝቢ ቀቲሎምን ኣፈናቒሎምን ሓዲሽ ህዝቢ ኣብ ምስፋር ይርከቡ:: ናይዚ መፍትሕ ዕጡቕ ክልል ኣምሓራ ወጺኡ ምሕደራ ትግራይ ተመሊሱ ዝተፋናቐለ ህዝቢ ምምላስ ጥራሕ እዩ::.
- ንዝሓለፉ 3 ዓመታት ዝተገብረ ሽርሒ ንትግራይ : ንቲ ስሜን ዕዚውን ተጠቒምካ ብሰራዊታት ኢትዮጵያን ኤሪትራን ዕጡቕ ኣምሓራን ብምኽባብ ንምጭፍላቕ ብምንባሩ : ወራር ቅድሚ ምፍጻሙ እቲ ዕዚ ብሓይሊ ትግራይ ክማረኽ ተገይሩ ጸኒሑውን ምስ 1ሽሕ ሓለፍቱ ተፈኒዩ እንበር ” ከምቲ ጋንታ ደመቀ መኮንን ዝብሉዎ ኣይተረሸነን::.
- ሓይሊ ትግራይ ንቲ ካብ ኤሪትራን ኢትዮጵያን ክልል ኣምሓራን ዝመጽኦ ክባ ክምክት ደኣ ተቓሊሱን ይቃለስ ኣሎን እንበሪ : ንኤሪትራን ኢትዮጵያን ወሪሩ ብምፍራስ ምንጪ ስደተይና ክገብረን ኣይተበገሰን:: ናብ ኣስመራን ጎንደርን ኤርፖርት ዝተፈነወ ሚሳይላይትውን እተን ክልተ ኤርፖርት መዋፈርቲ ነፍርቲ ኩናትን ሰራዊትን ኮይነን ስለ ዝነበራ ከም መጠን ወተሃደራዊ ሽቶ ነይሩ::.
- ሓይሊ ትግራይ ግዝኣታዊ ሓድነትን መሰል ርእሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይን ክረጋገጽ ይቃለስ እንበሪ ንትግራይ ክግንጽል ኣይበለን : ብዘይ ህዝበ ውሳነውን ክብል ኣይክእልን::.
- ሎሚ ኣብ ቃልሲ ዘሎ ሓይሊ ትግራይ ካብ ህወሓት ዝትፈልየ እኳ እንተኾነ : ህወሓት/ኢህወደግ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ ዓመታት ኣብ ኩላ ኢትዮጵያ ብዙሓት ሚልዮነራት ዘፍረየ : ሎሚውን ንኣብነት ኣብ ክልል ኣምሓራ ብቢልዮናት ቅርሺ ፋብሪካታት ዝኸፍቱ ዘለዉ ሰብ ሃብቲ ዘፍረየ : privatization ክጅመር ፖሊስ ዝቐረጸ ነይሩ እንበሪ ኣንጻር ናይዚ ከይዲ ኣይነበረን::