ሃይማኖትን ሕብረተሰባዊ ልማዳትን ዝትግበሩ ህይወት እንተቐንያ’ዩ እሞ እዋን ጥምየት ብኸመይ ክስገር ይከኣል?

ክረምቲ 1976 ዓ/ም ኣብ ትግራይን ወሎን ክራማት ፅቡቕ ብዘይምንባሩ እታ ናይ ሽዑ ኢትዮጱያ ኣተኣለልያ ሓደጋ (Disaster management) እተተግብረሉ እዋን እውን ስለዘይነበረ 1977 ዓ/ም ኣብ ትግራይ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ዝኸፍአ ድርቂ ኣጋጠሙ።

ኣዴታት ጡበን ደሪቑ ህፃውንቲ ኣዕፅምቶምን ቆርበቶምን ተላጊቡ ክንደይ ህዝቢ ብ ጥምየት ረጊፉ።

ተጋደልቲ እቲ እዋን ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ዘሕዝነና ዝብልዎ እዋን ዝቃለሱሉ ዝነበሩ ህዝቢ ዓወት እንተይረአዬ ብጥምዬት ክረግፍ ከሎ እዩ።

ፀላኢ ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘጋጠመ ሓደጋ ጥምየት ነቲ ቃልሲ  ንምውቃዕን ንምድኻምን ምችው ኩነታት ከምዝፈጠረሉ ገሚቱ፣ ዝጠመየ ህዝቢ ብቐሊሉ ከም ዝምብርከኽ ኣሚኑ ኣብ ልዕሊ ጥምዬት ወራር ከፊቱ፡፡ ካብ ደብዳብ ነፈርቲ ዘምለጠ ህዝቢ ብጥምዬት ይረግፍ፤ ዝገበረ ገይሩ ትንፋሱ ዘሕደረ ድማ ኣብ ጠላዕ ቀትሪ ብ ነፈርቲ ተደብዲቡ ተጨፍጪፉ።

ብዙሓት ሰባት ኣብዚ ሎሚ እዋን ታሪኽ 77 ከይድገም እናበሉ ስግኣቶም ይገልፁ። እንተኾነ ካብ ታሪኽ እንርድኦ ነገር ንድርቂን ጨፍጫፍን ህዝቢ ትግራይ ምኽንያት ዝኾነ ጉዳይ ተዓቢጡ እምበር ካብ ሱሩ ስለ ዘይተፈትሐ እቲ ታሪኽ ይድገም ምህላዉ እዩ።

ኣብቲ እዋን ብጥምየት ዝረገፈ ህዝቢ ብቑፅሪ ንምግማት ዝኸብድ እኳ እንተኾነ ልዕሊ150,000 ህዝቢ ግዳይ ግና ሰፈራ ኮይኑ፡፡

ልዕሊ 600,000 ዝኸውን ህዝቢ ካብ መረበቱ ተፈናቒሉ፣ ተሰዲዱን ሞይቱን እዩ፡፡ ህዝብና ንሱዳን ሓሊፉ ሓገዝን ርዳእታን ከይረክብ መንገዲ ብዕፃውን ግልጋሎት መጓዓዝያ ብምኽልካልን ኮነ ተባሂሉ ብጥምየት ንክመውትን ንክንብርከኽን ተወሲኑሉ።

ኣብ ልዕሊኡ ድማ ስርዓት ደርጊ ብነፈርቲ ሰርሓት ሶቭየት ተጠቒሙ ደድሕሪ እቲ ዝስደድ ህዝቢ ብኣውሮፕላን መርዛም ጋዝ እናዝነበ ህዝቢ ጨፍጪፉ።

ሽዑ ዝነብሩ መራሕቲ ኢትዮጵያ ሚድያታት ዓለም ነቲ  ዝነበረ ግሁድ ሓቂ ከይፈልጡ ኣብቲ ዓዲ ዘይነበረ ምስሊ ንምፍጣር ላዕልን ታሕትን ኢሎም ህዝቢ ብጥምየት ክረግፍ ሓሊኖም።

እቲ ታሪኽ ትማሊን ሐዚ ኣጓኒፉ ዘሎ ፀገምን ምስ ታሪኽ ኣነፃፂርና እንተሪእናዮ ካብ ምምስሳል እውን ንላዕሊ እዩ። እቲ መሰረታዊ ምኽንያት ከይተፈትሐ ስለ ዝፀንሐ ንተመሳሳሊ ዕላማን ምኽንያትን ተመሳሳሊ ስልቲ ይጥቀሙ ኣለው።

እቲ ኣፈላላይ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ጨፍጫፍ ዘካየዱ ሰባት ሽዑ ዘየዐውትዎ ዕላማ ንምዕዋት ካብ ሕሉፍ ጌጋታትና ንመሃር ብምባል፤ እቶም “ልሂቓን” ዝበሃሉ ተወለድቲ ኣምሓራ ብ ግልፂ “1977 ብሽም ረድኤት ሓገዝ ስለዝረኸቡ እዮም ስዒሮምና እምበር መጥፋእናዮም እንዶ ነይርና” ዝብል ተረኽ ብምፍጣር ሎሚ ረድኤት ዝበሃል ነገር ከይኣቱ ዝከኣሎም ኩሉ ይገብሩ ኣለዉ።

ፈለማ ህዝቢ ትግራይ ዝነበሮ ሃብትን፤ ሰራዊት ካሊእ ሃገር ብምዕዳም ብዘይንሕስያ ክውረር ተገይሩ። ዝነበሮ ተዘሚቱ፣ ሓሪሱ ክይበልዕ ተኸልኪሉ ምስ ጠመዬ ድማ ረድኤት ከይረክብ ይኽልከል ኣሎ። እዚ ትማሊ እውን ዝተገበረ ታሪኽ እዩ።

ታሪኽ 1977 ን ከይድገም እንታይ ምግባር ይከኣል?

*****

ኣብቲ እዋን ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዝነበረ ዝኸፍአ ድርቂ ካብ ዝረአዩ ምስልታት፣ ሰነዳዊ ፊልምታትን ፅሑፋትን እንርድኦ ህዝቢ ትግራይ ምስ እንስሳታቱ ይመውት ከምዝነበረ እዩ። እቶም እንስሳታት ዝብላዕ ስኢኖም ንሶም እውን ብጥምዬት ክሳብ ዝሞቱ እዩ ህዝቢ ዝፅበይ ነይሩ። እቶም እንሳታት ቅድሚ ምሟቶም ሓሪድካ ምብላዕን ንሰሙናት እውን እንተኾነ ትንፋስካ ምቕናይን ከም መማረፂ ኣይተወሰደን። ካብቶም ዝፈልጦምን ዝለመዶምን ምግብታት ወፃኢ ካልኦት ትንፋስ ከቐንዩ ዝኽእሉ ምግብታትን ኣማራፅታትን ኣይረኸበን።

ብርግፅ ሃይማኖታዊ ዝኾነን ብ ጥንኩር ማሕበረሰባዊ ሕግታት ዝምእዘን ማሕበረሰብ ብ ቐሊሉ እቶም ዝነበርዎ እምነታት ገዲፉ ሓደሽቲ ንምግብነት ዝውዕሉ ነገራት ክለምድ ይፅገም እዩ። “ሃይማኖተይ ኣይፈቕዶን፣ ባህለይ ኣይፈቕዶን” ብዝብል ዘይፈልጦ ነገር ካብ ዝበልዕ ክመውት ይመርፅ። እንተኾነ መላምል ደቁ ሓንቲ ህይወቶም ዝግብሩ ኣካሎም ዝጎድሉ ዘለዉ ምእንትኡ ምዃኑ ምርዳእ የድሊ።

ሎሚ እውን ብምኽንያት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ዓሌት ናይ ምፅናት ኲናትን ብምኽንያት ሰብ ስራሕ ጥምዬትን ኣብ ወርሒ ነሓሰ ጥራይ 150 ሰባት ብጥምየት ከምዝሞቱ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ትግራይ ኣረጋጊፁ እዩ። ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ድማ ንከቢድ ጥምየት ተቓሊዑ ከምዝርከብ ሓቢሩ። እዚ ህዝቢ ኣብ ዝቕፅሉ ውሑዳት ማዓልታት ሂወት ኣድሕን ሓገዝ እንተዘይረኺቡ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ክወድቕ ምዃኑ ድማ  ግልፂ ኮይኑ ኣሎ። ብሓፈሻ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮ ህዝቢ ልዕሊ 5.3 ሚልዮን ኣብ ዝበፅሐሉን ህዝቢ ረድኤት ከይረክብ ኣብ ዝተኸልከለሉን እዋን ዝብላዕን ዘይብላዕን ዝበሃል ነገር ከይህሉ ምጉስጓስ የድሊ።

ካብ ተሞክሮ ካልኦት ዓድታት ብምብጋስ  ድማ ቀልጢፉ ክበቁል ዝኽእል፣ ሰፊሕ መሬትን ማሕረስን ዘየድልዮ፣ ብጥቕሚ እውን ጥምዬት ንምፅዋርን ብህይወት ንምቕናይን ዝሕግዝ ፍረ ወይ ተኽሊ ምትካል ሓደ ኣማራፂ እዩ።

ኣብ 18 ክ/ዘመን መራሒ ፐርሽያ(ናይ ሎሚ ጀርመን, ቤልጅየም፣ኦስትርያ፣ ፊንላንድ…)  ዝነበረ ፍሬድሪክ ኣብቲ ሽዑ እዋን ብዘጋጠመ ፀገም ኣብ ከቢድ ጭንቂ ነይሩ:: ድርቂ ይመፅእ ምህላዉ ስርናይ ከም ዘይህሉን ብዙሕ ሰብ ብጥምዬት ክሃልቕ ምዃኑን ንጉስ ፍሬድሪክ ብደንቢ ኣስተብሂሉ።

ቅድሚ ዓመታት ወተሃደራት ፍሬድሪክ ድንሽ ዝብሃል ምግቢ ካብ ርሑቅ ዓዲ ሒዞም መፂኦም እንተነበሩ እኳ ሓዱሽን ዘይተለመደን ብምንባሩ ዝበልዖ ሰብ ኣይረኸበን። ረሳሕ እዩ፣ ካብ ትሕቲ መሬት ዝወፅእ ምግቢ ስለዝኾነ ናይ ሸይጣን ምግቢ እዩ፣ ሓጥያት እዩ ብምባል ሰባት ፈፂሞም ከም ምግቢ ኣይሓሰብዎን።

ንጉስ ፍሬደሪክ ግና ነቲ ህዝቢ ንምድሓን ዝነበረቶ ብሕታዊት መማረፂት ነቲ ህዝቢ ድንሽ ምስ ዝብሃል ምግቢ ምፍላጥ ከም ዝኮነ ተረዲእዎ ነቲ ህዝቢ ድንሽ ብነፃ ምዕዳል ጀሚሩ።  ዋላ ብነፃ እንተተዓደለ ግና ነቲ ድንሽ ከም ምግቢ ተቐቢሉ ዝበልዕ ሰብ ኣይነበረን።

ጥቕምታት ድንሽ ዘረድኡ ሓበሬታታት፣ ድርቂ ይኣትው ምህላዉ ዘጠንቅቑ መረዳእታታት፣ ድንሽ ሓፂብካን ምስ በሰለ ከም ዝብላዕን ናይ ሸይጣን ምግቢ ዘይምዃኑን  ዝሕብሩ ዝተፈላለዩ ፖስተራት ኣብ ሙሉእ እቲ ዓዲ ዋላ እንተጠቅዑ ዝሰምዕ ሰብ ኣይነበረን። ን ሕና ዘይንፈልጦን ዘይለመድናዮን ምግቢ ኣይንበልዕን ክብል ህዝቢ ዓሚፁ።

ኣብቲ እዋን ከም መማረፂ ዝተወሰደን ውፅኢታዊ እውን ዝኾነን መፍትሒ ንጉሳውያን እቲ እዋን ድንሽ ክተኽሉን ክበልዑን ብምጅማር መርኣያታት ምዃኖም እዩ።

ኩሎም ምግብታት በቢ ግዚይኡ ወዲ ሰብ እናፈተነ ዝፈለጦም ስለዝኾነ ሓዱሽ ነገር ንምልማድ መርኣያ ዝኾንን ነቲ ወያነ ምግቢ ዝመርሕን ኣካል የድሊ።  እቶም ኣብ እዋን ጥምዬት ኣብ ካልኦት ዓድታት እውን ተፈቲኖም ውፅኢት ዘምፅኡ ኣቑፅልቲ፣ ኣሕምልትን እንስሳታትን ዕለታዊ ትንፋስ ካብ ምቕናይ ሓሊፎም ብትሕዝቶ እውን ዝተፈላለዩ ቫይታሚናት ዝሓዙ ብምዃኖም ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ እውን ከምዘጎልብቱ ምሁራን እቲ ዓውዲ ይሕብሩ።

ቕድም ኢሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዘዓባ ወያነ ምግቢ ብምጉስጓስ ዝፍለጥ ፀጋዝኣብ ሽሻይ ብዘዓባ ሓዱሽ ኣመጋግባ ምትእትታው ከምዚ ይብል።

“እኽሊ እንክይበልዐ ብማእኸላይ ሓደ ዓብይ ሰብ ካብ 30 ክሳብ 40 መዓልቲ ክፀንሕ ይኽእል። ሓደ ህፃን ከኣ ሓደ ሰሙን። ስለዚ እቶም ብጥምየት ብኣብዝሓ ዝጥቅዑ ህፃናት ምዃኖም ርዱእ እዩ። ጥምየት ኣብ ታሪኽና ኰነ ኣብ ታሪኽ ካልኦት ብዙሓት ህዝብታት በቢግዚኡ ዘጋጥም ክስተት እዩ (መንቀሊኡ መብዛሕቲኡ ብናይ ወዲሰብ ፀገም እንትዀን ሓደ ሓድ ግዜ ከኣ ብተፈጥሮ እዩ)ሕሱም ጥምየት ኣብ ኣየርላንድ፣ ቻይና፣ ቬትናም፣ ኢትዮጵያን ካል ኦት ሃገራት ኣፍሪካን ኣጋጢሙን ህይወት ብዙሓት ኣርጊፉን እዩ።

ዋና መፍትሒ ብመንግስቲ እቲ ዓዲ ብውዱብ መልክዑ ክትግበር ዘለዎ ኰይኑ ዜጋታት ግን በይናዊ ዝዀነ መፍትሕታት ክወስዱ ይኽእሉ እዮም።ኣብ እዋን ጥምየት ነፍስኻ ንምቕናይ ብዙሓት ኣብ ዳሕና ገዜ ብሃይማኖታዊ ኰነ ባህላዊ ምኽያት ዘይብልዑ ነገራት ክብልዑ ምርኣይ ንቡርን ምኽንያታዊን መንገዲ እዩ። ብፍላይ ከኣ ዓበይቲ ናይ ምፅያፍን ብሃይማኖትን ባህልን ዓርሶም ናይ ምሕፃርን ባህርያት እንተጋጥም ንህፃናት ግን ነፍሶም ንምቕናይ ዝተረኽበ ምግቢ ክምገቡ ምግባር ዝግባእ እዩ። ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዝኒሄ ጥምየት ሓደግኡ ንምቕናስ ምስቲ ክረምቲ ምዃኑ ቀልጢፎም ክቦቕሉን ክባፅሑን ዝኽእሉ ኣሕምልቲን ኣትክልቲ ገደናን ብ ኣግባቡ ምጥቃም ይከኣል (ማለት እውን ከም እኒ ሓምሊ ኣድሪ፤ ድንሽ፣ ኮሚደረ፣ ዱባ ወዘተ ) ናይ ሽኮር ጣዕሚ ዘለዎም ቃንጫታት፣ ኣብ በረኻ ዝቦቕሉ ግን ድማ  መርዛም ዘይኰኑ ዓይነታት ቅንጥሻራን(ከም እኒ ኣጉለ) ቆፅላመፅሊን ምጥቃም ይከኣል።

ብፕሮቲን ትሕዝቶኦም ዝለዓለ ዝዀኑ ግን ከኣ ኣብ ዳሕና ገዜ ንምግብነት ዘይውዕሉ ከም እኒ ዓጐራ ምድሪ፣ ሕንዚዝ፣ ኣንበጣ፣ ኣዕዋፍን ካልኦት ተሰሓብቲን ሰጐምቲን ብምብሳል ንምግብነት ክውዕሉን ብፍላይ ኣብ ህፃናት ዘጋጥም ሞት፣ ድኽዳኸን ሕፅረት ፕሮቲንን ብመጠኑ ምክልኻል ይከኣል። ብተወሳኺ ከኣ ኣብ በረኻ ዝቦቕሉ ዓይነት ሳዕሪታት ከም እኒ ማሽኮ፣ ኵዕንቲ፣ ማፅግቢት፣…… ቅረፍቲ ሱራሱርን ፍራምረን ናይ በረኻ ኣእዋም እውን ምምጋብ ይከኣል። ኣብ ማያትን ሩባታትን ዝርከቡ እንስሳት እውን ብጥንቃቐ ኣብሲልካ ምምጋብ ይከኣል። ጥንቃቐ ክግበረሉ ዘለዎ ነገር ግን ብፍላይ ኣብ ህፃናት ናይ ምሕቓቕ ፀገም ከየጋጥሞም ብመልክዕ ፈሳሲ ወይ መረቕ ወይ ስብቆ ክወስዱ ይምከር።” ይብል።

እቲ ካሊእ ብብዙሓት ንምግብነት ክውዕል ኣለዎ ዝበሃል ድማ ገልዒ በለስ እዩ። በለስ ኣብ በረኻ ክበቁል ዝኽእልን ድርቂ ዝፃወርን ዓይነት ፍረ እዩ። ንዘበናት ኣብ እዋን ኽራማት እቲ ፍረ ካብ ምብላዕ ሓሊፉ እቲ ገልዒ ንእንስሳ እዩ ዝወሃብ ነይሩ። እንተኾነ ገልዒ በለስ ብዙሓት ጥቕምታት ዘለውዎን ብ ቐሊሉ ንምግብነት ክውዕል ዝኽእልን እዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት በለስ ትግራይ ብ ኮቸኔል ተጠቒዑ ምስ ምንባሩ እኹልን ካብቲ ሕማም ነፃ ዝኾነን በለስ እንተተረኺቡ ትግራይ እቲ ወሪድዋ ዘሎ ጥምዬት ክትፃወር ዝሕግዝ ዋና መማረፂ እዩ ክብሉ ብዙሓት ይገልፁ።

እንተኾነ ህዝቢ ትግራይ ካብቶም ዝፈልጦምን ዝለመዶምን ነገራት ወፃኢ እዛ እዋን ጥምዬት ንክሰግር ክበልዖም ዝግባእ ነገራት ተጠቒሙ ትንፋሱ ንኸቕኒ ከም መማረፂ ዝጠቕሙ ዘይተለመዱ ነገራት ንምትእትታው ምሁራት፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ሚድያታትን ተዋዲዶም ክሰርሑ ይግባእ። ከም ታሪኽ 77 ሰብን እንስሳን ተደራሪቡ ዝሞተሉ እዋን ክድገም ኣይግባኣን ዝብል ማዕዳ ኣለዎ።