ሂትለር ኣብ ልዕሊ ኣይሁዳውያን ዝፈጸሞ ዓሌታዊ መጥቃዕቲ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ይደግሞ’ሎ።

ዕለት 21 ወርሒ ሰነ 2013 ዓ/ም ኣብ መብዛሕቲኡ ከባቢታት ትግራይ ዝነብር ትግራዋይ ናይ ነፃነት ኣየር ዘተንፈሰላ ማዓልቲ እያ። ብሄሩ መሰረት ጌሮም፤ ትግርዋይ ብምኳኑ ጥራሕ ደቁ ዝዕምጹ፣ ንብረቱ ዝዘምቱ፣ ዓሸላቱ ብግፍዒ ዝርሽኑን ዝቐትሉን ዝነበሩ ወተሃደራት ኢትዮጲያን ኤርትራን ካብ  ኣብዝሓ ከባቢታት ትግራይ ጭርኦም ደጕሎም ዝወአኡላ መዓልቲ እያ። ኣብ መላእ ዓለም ዝርኸቡ ተጋሩን ፈተውቲ ትግራይን ድማ ናይ ሓጎስ ንብዓት ዝነቡዑላ ማዓልቲ ኮይና ሓሊፋ።

ነዛ መዓልቲ እዚኣ ስዒበን ዝመጽኣ ማዓልታት ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጲያ ንዝነብሩ ተጋሩ ሓዱሽ ናይ ጥቅዓት ደወል ኣብ ልዕሊኦም ዝተደወለለን ማዓልትታን እየን።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ብሰራዊት ትግራይ ዝበፀሖ መስተንክራዊ ዓወት ንህዝቢ ኢትዮጲያ ዘረድኣሉ ቃላት ዝሓብኣሉ ሓሶት ብቐሊሉ ክረክብ ኣይኸኣለን። ሰራዊት ትግራይ መቐለ ተቆፃፂሮም ዝብል ናይ ዓወት ዜናን ወታደራት ኢትዮጲያ ካብ ትግራይ ተፀራሪጎም ወፂኦም ዝብል ናይ ስዕረት መርድእን ንነዊሕ ግዜ ብናይ ሕሶት ወታደራዊ ዓወት ክሽንገልን ክታለለን ዝጸነሐ ህዝቢ ኢትዮጲያ ዘይተሓሰበ ነጠባ ኮይንዎ።

ኣብ ውሽጢ ውሑዳት ማዓልቲ እንታይ ይግበርን ይፍፀምን ከምዘሎ ብቅጥዒ ምርዳእ ዝኣበዮም ኢትዮጲውያን ዝተፈላለዩ ሕቶታት ከልዕሉ ጀሚሮም። መንግስቲ ኢትዮጲያ “ሓረስታይ ትግራይ ምእንቲ ክሓርስ ወታደራተይ ካብ ትግራይ ኣውፂኤ” ኢሉ ዘቅረቦ ምክንያት ማይ ዘይቋጽር ምክንያት ምኳኑ ኩሉ ብልቡ ፈሊጡ እዩ።

ኢትዮጲያ ናብ ከቢድ ፖለቲካዊን ወታደራዊን ቅልውላው ምእታዋ ንኩሉ ብቕሉዕ ዝረአ ሓቂ ኮይኑ። ኣብ ልዕሊ እዙይ ብኢኮኖሚያዊ ቅልውላውን ናህሪ ዋጋ መሰረታዊ ሸቀጣትን ህዝቢ ኢትዮጲያ ይሳቐ ካብ ዝጅምር ፀኒሑ።

ነዚ በቢመዓልቱ ካብ ዝሓመቐ ናብ ኣዝዪ ዝከፈአ ኩነታት እንናማዕበለ ዝመጽእ ዘሎ መገዲ ቁልቁለት መንግስቲ ኣብይ መብራህሪሂ ምሃብ ዳግማይ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ምዝራእ ወሳናይ ኮይኑ ተረኪቡ።

ከምዝተለመደ ትግራዋይ ናይ ኩሉ ናይ ዛዓዲ ውድቀትን ክፍተትን ተሓታቲ ተጌሩ ቀሪቡ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣብ ቤት ምክሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጲያ ቀሪቡ ትግራዋይ ከም ህዝቢ ብጎዞሞን ጥይትን ወታደራትና ብድሕሪት ወጊኡዎ፤ ህዝቢ ትግራይ ንሰራዊት ኢትዮጲያ ደጀን ክኮኖ ኣይኸኣለን….ረድኤት እናተቀበለ ንሰራዊት ትግራይ የቀብል….ሓልውኒ እናበለ ሰራዊትና ይቀትል ብምባል ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ከሸይጥን ተራኣዩ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝኣወጅዎ ኲናት ሲዒቡ ትግራዋይ ከም  ህዝቢ ከምዝገጥሞም ጠፊእዎም ኣይነበረን። ኣብ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ኲናት እውን ህዝባዊ ኲናት ምኳኑ ይፈልጡ እዮም። ኣብ ዘረባ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ዝቀረበ መረዚ  ናብ ትግራይ ዝዘመቱ ደቅካን ወለድካን ዝቅተሉ ዘለው ብተጋሩ እዮም። ናይዚ ኩሉ ውድቀትን ህልቀትን ተሓተቲ ተጋሩን ትግራይ ከም ህዝቢ እዮም ዝብል እዩ።

ነዚ ትግራዋይን ትግራይን ናይ ምሽይጣንን ናይ ምጽላምን ዝፀነሐ ስልቲ መንግስቲ ኢትዮጲያ ወታደራዊ መራሕን መንግስታዊ ሓለፍትን ተቀቢሎም ኣጓዊሖምዎ። ሚድያታት ኢትዮጲያ ተቀባቢሎንኦ። ካድረታት መንግስቲ ኢትዮጵያን ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያ ብሰፊሑ ህዝቢ ናይ ምሽይጣን ተግባር ብሰፊሑ ቀጺለሙሉ።

እዚ ዝተለመደ መገዲ መንግስቲ ኢትዮጲያ ካብ ዝኸውን ፀኒሑ እዩ። ትግራዋይን ትግራይ ተሓታቲ ኩሎም ገበናት ጌርካ ናይ ምቅራብ ፕሮፖጋንዳ መለለይ መንግስቲ ኢትዮጲያ ካብ ዝኮነ ነዊሕ ጌሩ።

እንተኮነ እዚ ተግባር ፈላማይ ብርኪ እዩ። ልምዲን ተግባርን መንግስቲ ኢትዮጲያ ዝነግረና ንሱ እዩ። ፈለማ ህዝቢ ከም ህዝቢ ብጃምላዊ ቃላት ምሽይጣን፤ ስማ ስም እናውፀካ ተሓተቲ ገበናት እዛ ዓዲ ትግራዋይ ምግባር። ስዒቡ ዝመጽእ ጃምላዊ ማእሰርትን መቅተልን እዩ።

በዚ መሰረት ድሕሪ መደረ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ተጋሩ ካብ ዝተረከብዎ ቦታ ኩሉ ክህደኑ ጀሚሮም። ብዘይ ዝኮነ ይኹን ሕጋዊ ከይዲ ኣብ ዝተረከብዎ ተታሒዞም ይተኣሰሩ ዝብል ዘይተፃሓፈ ትእዛዝ መምርሒ ኩሉ መንግስታዊ መሓውር ኢትዮጲያ ኮይኑ።

ትግራዋይ ካብ ዝተረኸበሉ ቦታ ኹሉ እናተኣረየ ክእሰር ጀሚሩ። ብረሃጹ ዘጥረዮ ንብረቱ ክዝረፍ፤  ናይ ንግዲ ትካላቱ ክዕሸግ ተኣዊጁ። ንዓመታት ለፊዒ ዘጥረዮ ንብረት ብማዓልትታት ናብ ሓመድ ክልወጥ ዓይኑ ናረየ ተሓዲጉ ንካሊእ ብጨረታ ክሽየጥ ተጌሩ።

ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓረብ ተሰጊጉ ዝመፀ ትግራዋይ ካብ ቦሌ መዕርፎ ኣየር ተቀቢሎም ዳጊኖምዎ። ናብሩኡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክኸውን ፈሪዶሙሉ።

ዝጠመየ ህዝቦም ክዕንግሉ፤ ዝዓረቐ ነብሲ ክከድኑ ዝተንቀሳቀሱ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝነጥፉ ተጋሩ እናተኣረዩ ተኣሲሮም። ገበኖም ህዝቢ ትግራይ ምሕጓዞምን ፀገሙን መከራኡን ምቅልሖም ምዃኑ ብግልፂ ተነጊርዎም።

ብሰላማዊ መገዲ ድምፂ ህዝቢ ትግራይ ኮይኖም ንዝቃለሱ ድምፂ ህዝቦም ንዘቃልሑ ተጋሩ ፖለቲከኛታት ናብርኦም ገሃንም ክከውን ፖላዊስ ኢትዮጵያ ማዓልቲ ምስ ቀትሪ ስሮሖም ጌሮም ወሲዶምዎ። ገዝኦም ክብርበር፤ ቤተሰቦም ክርዕድን ኣካላዊ መጥቃዕቲ ክበጽሖም ኮነ ተባሂሉ ይስራሕ ኣሎ።

ድሕሪ መደረ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ልዕሊ 46000 ተጋሩ ብዘይ ዝኮነ ይኹን ሕጋዊ ኣግባብ ኣብ ዝተፈላለዩ ካባቢታት ኢትዮጲያ ከም ዝተዳጎኑ ይዝረብ።

ብርግጽ ወታደራዊ ስዕረት፤ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ቁልውላው ብዘጋጦሞም ቁጽሪ ተሓተቲ ዝገብርዎ ብሄር ወይ  ሓደ ህዝቢ ከምዝኮነ ናይ ታሪክ ድርሳናት ይሕብሩ።

ኣብ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ሰራዊት ጀርመን ምሰዓሮም ምእማን ዝኣበዮም ወታደራት ጀርመንን  ኣብቲ እዋን ወታደር ዝነበረ መንእሰይ ሂትለር ስዕረቶም ኣሚኖም ምቅባል ክወሓጠሎም ኣይኸኣለን።

ናይ ጀርመን ወታደራዊ ኣዘዝቲ “ጀርመን ኣብቲ ኲናት ኣይተሰዓረትን። ኣብ ሜዳ ኲናት ስለዘተሰዓርና ኣይኾነን ካብ ውሽጥና ስለዝተካዳዕና እዩ።….ብድህሪትና ኢና ተወጊኢና” ዝብል ጽውጽዋይ ክብቱኑ ጀሚሮም። ንወታደራዊ ስዕረትን ሲዒቡ ንዝመፀ ኢኮኖሚያዊ ውድቀትን ተሓተቲ ኣይህዳውያን እዮም ተባሂሉ።ንኩሉ ውድቐቶም ኣይህዳውያን ተሓተቲ ጌሮም።

ኣብቲ እዋን ተራ ወታደር ዝነበረ ሂትለት እዚ ጽውጽዋይ እዙይ ሒዙ ተልዓይሉ። ንውድቐት ጀርመን ተሓተቲ ኣይህዳውያን ጌሩ ኣቅሪብዎም። ዝበልጸገት ብኢኮኖሚ ጠንካራ ዝኮነት ጀርመን ክፈጥር እየ ኢሉ ናብ ስልጣን ዝመፀ ሂትለር ናይ ኩሉ ውድቀትን ክፍተትን ጀርመን ታሓተቲ እዮም ዝበሎም ኣይህዳውያን ክኣስርን ንብረታት ክዘምት ጀሚሩ።ሲዒቡ ብሚልዮናት ዝቁጸሩ ኣይህዳውያን ኣብ ዝተፈላለዩ መዓስከራት ዳጕኑ ጨፍጪፍዎም።

ብተመሳሳሊ ብ1971 ኣቆፃጽራ ፈረርንጂ ፕሬዝደንት ኡጓንዳ ኮይኑ ዝመፀ ጀነራል ኢድ ኣሚን ዳዳ  ንኢኮኖሚያዊ ውድቐትን ድኽነትን ኡጋንዳ  ኣብ ኡጋንዳ ዝነብሩ 1% በዝሒ ህዝቢ ኡጋንዳ ዘይመልኡ ዘርኢ ህንዲን ፓኪስታን ዘለዎ ህዝቢ እዮም ክብል ተሓተቲ ጌሩ እዩ።

እቶም ብዜግነት ኡጋንዳውያን ዝኮኑ ብዘርኢ ህንዳውያን  ዝኮኑ ህዝብታት ኢኮኖሚ ኡጋንዳ ብዝሰርሕዎም ንግዳዊ ስራሕቲ ንልዕሊ ዒስራ ዓመት ጠንካራ ክከውን ዓብይ ግደ እኳ ዝተፃወቱ ዋላ እንተኮኑ ጀነራል ኢድ ኣሚን ዳዳ ግን ናይ ኡጋንዳ ኢኮኖሚ ከም ቁርዲድ ይመጥዎ ከም ላሕሚ ይሓልብዎ ኣለው ዝብል ፕሮፖጋንዳ ኣብ ልዕሊኦም ከፊቱ ተከተልቱ ኣእሚኑ ኣብ ልዕሊኦም ዘሚቱ።

ከም ውፅኢቱ ድማ ብ1972 ኩሎም ህንዳውያን ኣብ ውሽጢ 90 ማዓልትታ ዝተወለዱላን ንዓማውቲ ዝነበሩላን ኡጋንዳ ለቂቆም ንብረቶሙን ሃፍቶሙን ሓዲጎም ብመንግስቲ ኢድ ኣሚን ዳዳ ትእዛዝ ተወሂብዎም ክወፁ ተጌሩ። ንብረቶም ብመንግስቲ ክውረስ ንተከተልቲ ጀነራል ኢድ ኣሚን ዳዳ ክከፋፈል ተጌሩ። ከም ውፅኢቱ እዚ ዘርኣዊ መጥቅዓቲ ድማ ግን ኢኮኖሚ ኡጋንዳ ኣብ ዓዘቅቲ ተረግሪጉ።

ነቲ ሰራዊት ትግራይ መቐለ ምቁጽጻሩ ሲዒቡ ከም ብሓዱሽ ዝተጀመረ ተጋሩ ናይ ምእሳር ወፍሪ ዓለም ለኸ ሚድያታት እውን ከጋውሖኦ ጀሚረን።

ካብ መተኣነገድቲ ክሳብ ወነንቲ ሆቴላት፤ ካብ ማዓልታዊ ሰራሕተኛታት ክሳብ ዓበይቲ ነጋዴታት ብጃማላ ይእሰሩ ከምዘለው ዘቃለሐ ሮይተርስ ብሃገራዊ ወፍሪ ይሳለጥ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ነቲ ዘሳልጥዎ ዘለው ተጋሩ ናይ ምህዳን ተግባር ብዝምልከት ብሮይተርስ ዝተሓተቱ ሰበ ስልጣናት መንግስቲ ኢትዮጲያ ብዘይሕንኸት ማንም ተጠርጢሩ ክተሓዝ ይክእል እዩ። ህወሓት ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰፊሕ ኔትዎርክ ኣለዎ ክብሉ ክምልሱ ተራእዮም እዮም።

ኣብ ኢትዮጲያ ሓዱሽ ወፍሪ ዘርኣዊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ይፍጸም ከምዘሎ  ዝጸብጸበ ኣሶሼትድ ፕረስ ብወገኑ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያ ብኣሸሓት ዝቁጸሩ ተጋሩ ይእሰሩን ናይ ንግዲ ትካላቶም ይዕጸውን ከምዘለው መሰካክር ዓይኒ ኣዘራሪቡ ኣቃሊሑ።

ኣሶሼትድ ፕረስ እቲ ተግባር ሰራዊት ትግራይ ከተማታት ትግራይ ምቁፃሩ ሲዒቡ ተጋሩ ከም ብሓዱሽ ይእሰሩ ከምዘልውው ዝሓበረ እንትኸውን ዝተፈላለዩ ተወለድቲ ብሄረ ትግራይ  ‘ንጁንታ’ ትሕግዙ ኢኹም፤ ‘ኣብ ገዛኹም መሳርሒ ኣለኹም እዩ’ እናተበሃለ ከምዝእሰሩ ፀብፂቡ እዩ።

ካብዚ ብተወሳኪ ኣሾሼትድ ፕረስ እዚ ሓዱሽ ወፍሪ ብዝተፈላለዩ ኣካላት መንግስቲ ተሓጊዙ ይፍጸም ከምዘሎ ኣቃሊሑ።

ማእሰርቲ ብማኢት ዝቁፀሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ተጋሩ መንግስቲ ኢትዮጲያ ወታደራዊ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ዕጡቃት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ልዕሊ ሙሉእ ሓደ ብሄር ምእዋጁ መረጋገፂ መረዳእታ እዩ ክብል ነበር ዲፕሎማት ኣሜርካ ሄርማን ኮሆን ገሊጽዎ።

ነቲ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝበጽሕ ዘሎ ዘርኣዊ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ ፀብጻብ ዘውፀአ ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ብወገኑ  ማእሰርቲ ተጋሩ፣ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያን ጋዜጠኛታትን ጠጠው ይበል ሃላዋቶም ዘይፍለጡ ተኣሰርቲ ግልፂ ይገበር ክብል ፀዊዑ።

ሰራዊት ትግራይ መቐለ ድሕሪ ምቁጽጻሩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተጋሩ ብጃምላ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይእሰሩ ከምዘለው ዝሓበረ ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል እቲ ማእሰርቲ ብሄር መሰረት ዝገበረን ሕጋዊ ኣግባብ ዘይተከተለን ምኳኑ ኣብ ጸብጻቡ ሓቢሩ።

ሰራዊት ትግራይ መቐለ ምቁጽጻሮምን ወታደራት ኢትዮጲያ ካብ ትግራይ መሊኦም ምውፃኦም ሲዒቡን ተጋሩ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝተረከብዎ እናተኣረዩ ይዳጎኑ ኣለው። ኣብ ኣዲስ አበባ ዝርከቡ ፖሊስ ጣብያታትን ቤት ማእሰርቲን ብትግርኛ ተዛራቢ እሱር ከምዝተመሉኡ መሰካክር ኣዛሪቡ ዘውፆኦ ፀብፃብ የመላክት።

እቲ ማሰርቲ መለለይ ካርዲ እናረእካ ብሄር ብምፍላይ ይካየድ ከምዘሎ ዝሓበረ ኣምነስቲ ኢንተርሽናል ተጋሩ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ  ብፖላዊስ ኢትዮጵያ ኣካላዊን ስነ ልቦናዊን መጥቃዕቲ ይበጽሖም ከምዘሎ ይገልጽ።

እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሽየምን ዝምወልን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ እውን ምስ ኲናት ትግራይ ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ዝበጽሕ ምንክልባት፣ ዘይሕጋዊ ማእሰርትን መጥቃዕትን ብቕልጡፍ ደው ክብል ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ እዩ።

እቲ ኮሙሽን ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ምንክልባትን ማእሰርትን፣ ምዕጻው ትካላት ንግዲ፡ ከምኡ’ውን ንሲቪላውያን ዘነጻጸረ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመን ቁጽሩ ዘየነጸሮ ህይወት ሰባት ከም ዝጠፍአን ገሊጹ።

እቲ ኮምሽን ብኣቆጻጽራ ኣኽሱማውያን ሓምለ 4 ኣብ ዞባ ደቡብ ጎንደር፡ ወረዳ ፎገራ፡ ወረታ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ሰለስተ ተወለድቲ ትግራይ ብድንገት ብዝተኣከቡ ነበርቲ ብዝበጽሐም ዕስላዊ መጥቃዕቲ ከም ዝተቐትሉ ሓበሬታ ከም ዝበጽሖ ገሊጹ እዩ።

ነዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝበጽሕ ዘሎ ግፍዒ ዝተሓሳሰቦ መንግስቲ ትግራይ እውን ኣብ ልዕሊ ኣብ ‘ሓራ ዘይወጽኡ’ ግዝኣታት ትግራይን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ዝነብሩ ተጋሩን ‘ግፍዒ ይፍጸም ኣሎ’ ክብል መግለፂ ኣውፂኡ እዩ።

ኣብቲ መግለፂ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታ ኢትዮጲያ ሐዚ እውን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝተፈላለዩ ግፍዕታት ይፍፀም ከምዘለውን ዝገልጽን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበጽሕ ዘሎ ስቓይ፣ ምንግልታዕ፣ ማእሰርትን ሞትን ደው ክብል ኩሉም ሰብ ብጽሒት ሓላፍነቶም ክዋጽኡ ዝጽውዕን እዩ።

እንተኮነ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዘብፆሖ ዘሎ ግፍዒ ቀፂሉ ኣሎ። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጲያን ሓራ ዘይወጹ ክፋላት ትግራይን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝበጽሕ ዘሎ ግፍዒ ማእለያ ዘይብሉ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ብሄሩ መሰረት ዝገበረ ኲናት ተኣዊጅዎ። ካብ መላእ ትግራይ ተፀራሪጎም ኣብ ዝወጽሉ እዋን ድማ ነቲ ኢዶም ከርክበሉ ዝክእል ትግራዋይ የጋፍዕዎን የከላብትዎን ኣለው።

ሰላም!