መልእኽቲ ሓዱሽ ዓመት ፕሬዝዳንት መንግስቲ ትግራይ ደብረፅዮን ገብረሚካኤል (ዶ/ር)

• ዝኸበርካ ኣብ ውሽጢ ዓድን ዝተፈለለዩ ሃገራት ትነብር ህዝቢ ትግራይ !!
• ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ነባራት ኣመራርሓ!!
• ዝኸበርካ መዘና ኣልቦ ጅግና ሰራዊት ትግራይ!!
• ዝኸበርኩም ህዝባዊ ቃልስና ዝደገፍኩም፥ መራሕቲ ሃገራት፣ ዓለምለኻዊ ትካላትን፣ ኩልኩም መዳርግቲ ኣካላትን!!
• ዝኸበርኽንን ዝኸበርኩምን!!

ቕድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ክትዝክሮ፥ ክትዛረቦን ከትፅሕፎን፥ ቃላት ዝሓፅረካ፥ ብጣዕሚ መሪር ናይ ቃልስን መስተንክራዊ ዓወታትን፥ ካብዘመዝገብናላ 2013 ዓ/ም፥ ናብ 2014 ዓ/ም ሓዱሽ ዓመት እንዃዕ ብስላም ኣብፅሐኩም! ኣብፅሓና! ዝብል መልእኽቲ ሓጎስን ሰናይ ትምኒትን፥ ብሽም መንግስት ትግራይን ብሸመይን፥ እንተመሓላልፍ፥ 2014 ዓ/ም ናይ ሰላም፥ ቅሳነት፥ ራህዋ፥ ጥዕና፥ ስራሕ፥ ብሩህ ተስፋን ኩለ መዳያዊ ዓወታትን ንክኸነልና፥ መዓንጣና ሽጥ ኣቢልና ብምቅላስ፥ ደመኛ ፀላእትና ዳግማይ ስግኣት ትግራይና ብዘይኮንሉ ኣገባብ ከምእንሕምሽሽም ብምትእምማን እዩ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን!!


ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ 2013 ዓ.ም. ዝተደራረበ ፍሉይ ታሪኽ ዝተፈፀመላ ዓመት ኮይና ተመዝጊባ እያ። ኩሎም ደመኛ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ፥ ዓቕሞም ኣዋዲዶም፥ ህዝቢ ትግራይ፥ ብነበረያ ነበረ ንክዝንቶ፥ ሰፋሕትን ንምግላፁ ዘፀግም ተኸታተልቲ ወራራት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘካየዱ፥ እከይ ናይ ጥፍኣት ፓኬጅ ሓንፂፆም ተግባራዊ ብምግባር እዩ። ብሓፂሩ እዞም ወረርቲ ኣብ መበል 21 ክ/ዘመን ክፍፀም እዩ ተባሂሉ ዘይግመት ዘይናይሰብ ኣረሜንያዊ ባርባራዊ ግፍዕታት ኣብፂሖምልና።


ይኹን’ምበር፥ ህዝቢ ትግራይ ኣብዝሃለወ ይሃሉ ከም ሓደ ሰብ ኮይኑ፥ መኸትኡ ብምሕያል ኣብ ቃልሲ ህዝብታት ዓለም፥ ፍሉይ ታሪኻዊ ቦታ ዘለዎ ድሙቕ ዓወት ኣብዛ ታሪኻዊት ዓመት 2013 ኣመዝጊቡ እዩ። ህዝብና ፀላእቱ ደምሲሱ ብዛሕትኡ ትግራይና ኣብ ትሕቲ ቁፅፅሩ ኣውዒሉ፥ ዝመረፆ መንግስቲ ናብ ቦትኡ መሊሱ ስራሕ ኣጀሚሩዎ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ብፀላእቲ ተመንጢሉ ዝነበረ መሰል ዓርሰ-ምሕደራና፥ ብቓልሱ ኣብ ውሽጢ 2013 ዓ.ም. ናብ ቦትኡ ብምምላስ ፍሉይ ታሪኽ ዝሰርሐ ህዝቢ ምዃኑ ታሪኽ መዝጊቡዎ ኣሎ። 2013 ኣብ ታሪክ ህዝቢ ትግራይ፥ ደሚቓ ክትነብር ዝገበራ ካሊእ ፍፃመ፥ ህዝብና ሕገ መንግስቲና መሰረት ገይሩ፥ ኮሮና ተኸላኺሉ፥ ብዝገርም ዓርሰ እምነት፥ ወለንታን ስርዓት መረፃን መመሓደርቱ ምምራፁ እዩ። ኣብ ሃገር ሕገ መንግስቲ ተጣሒሱ፥ ፋሽሽታውያን ድላዮም እንትገብሩ፥ ህዝቢ ትግራይ ግን ኣነ ዘይመረፅኩዎ ምስሌነ ከመሓድረኒ ኣይኽእልን ኢሉ፥ ላእላዊ ናይ ምውሳን ስልጣኑ ኣብ ኢዱ ሒዙ፥ ኮሮና ምኽንያት ገይሮም ስልጣኖም ከናውሑ ንዝደልዩ ኣይፋሉን ኢሉ ኮረና ዕድመ ስልጣን ንምንዋሕን፥ ካብ ሕጊ ወፃኢ ስልጣን ንምሓዝን ምኽንያት ኣይኸውንን።

ስልጣን ዝተሓዝ ብመረፃ ካርድን ውሳነን ህዝብን ጥራሕን ጥራሕን’ዩ ዝተሓዝ ብምባል፥ ህዝቢ ትግራይ፥ ንህዝቢ ኢትዮጵያ፥ ጥራሕ እንተይኮነ ንህዝቢ ዓለም እውን ብተግባር ኣርእዩ እዩ። ስለዝኾነ 2013 ዓ.ም. ብዝዓበየ ናይ ፀልማት ዓመት ዋላ እንተኾነት፥ ናይ ህዝባዊ መኸተ፥ ቃልስን፥ ናይ ኩለመዳያዊ ድሙቓት ዓወታትን ዓመት ኮይና፥ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ፥ ብፍሉይ ትዝከር ዓመት እያ። እዛ ዓመት ሕሉፋት ስዉኣት ናይ 17 ዓመታት ዕጥቃዊ ቃልስናን፥ ናይ እዋኑ ስውኣት፥ ህዝባዊ ቃልስናን መኸተናን ዘተኣሳሰረትና፥ ፍልይቲ ዓመት እያ 2013 ዓ.ም.።

ብሓፂሩ እዛ ትዛዘም ዘላ ዓመት፥ ህዝቢ ትግራይ ንብሄራዊ መሰሉን ክብሩን ኢሉ ዝድለ ኩሉ መስዋእትነት ዝኸፈለን ንቐፃሊ እውን ንድሕሪት ዘይብል ምኳኑ ዘመስከረላ፥ ሕድሪ ቀዳሞት ስዉኣት 17 ዓመታት፥ ዕጥቃዊ ቃልሲና ብስዉኣት ሓዱሽ ወለዶ ህዝባዊ ኲናትና፥ ዳግም ህያው ዝኾኑላ ዓመት እያ 2013። እዛ ታሪኽ ኣመዝጊባ ትዛዘም ዘላ 2013 ዓ.ም. ስዉኣት ፀረ ወራር መኸተ፥ ኣፍታ ፈታኒት እዋን፥ ሕድሪ ቀዳሞት ስዉኣት ከየዕበሩ ናይ ባዕሎም ሓዱሽ ታሪኽ ዝፀሓፉላን፥ ይፅሕፉላ ዘለዉን ዓመት እያ።

ብስዉኣት ዕጥቃዊ ቃልስና ደምን ኣዕፅምትን ዝተፅሓፈ ሕገ መንግስቲ ብምኽባር ዝተኻየደ 6ይ ዙር መረፃና፤ ኣብኡ እንተሎ ሕድሪ ስዉኣት ምኽባር እውን እዩ ነይሩ። ስለዝኾነ እውን ህዝቢ ትግራይ ኣብ 2013 ብዘካየዶ 6ይ ዙር መረፃን ዘካየዶ ፀረ ወራር መኸተን ሕድሪ ሕሉፋት ስዉኣት ዘየዕብር ጥራሕ እንተይኮነ ንብሄራዊ ክብሩን ካብ ምሩፃት ስዉኣት ደቑ ዝተረከቦ ሕድሪ ንከይዓብር፥ ተወሳኺ መስዋእቲ ዝኸፍል ብዓል ፅኑዕ ህዝባዊ ዕላማ ምዃኑ ዘረጋገፀሉ፥ ፍሉይ ዓመት እዩ 2013 ዓ.ም.። ብሓፂሩ 2013 ዓ.ም. ዝተደራረበ ቁም ነገር ዝሓዘት ናይ ፀልማትን ብርሃንን፥ ናይ ዓብይ ክሳራን ዓወትን፥ ናይ ህዝቢ ትግራይ ቀፃሊ ጉዕዞ ሓዱሽ ጥጅእ ጥንሲ ዝሓዘት ፍልይቲ ዓመት እያ።

ብድምር ኣብ ቀፃሊ፥ ኣብ 2013 ዓ.ም፥ ዝተፈፀሙ ሕውስውስ ዝበሉ ታሪኻዊ ፍፃሜታት፥ ብዝርዝር ተፈቲሾም ምስ ሕሉፍን መፃኢን ጊዜ ዘለዎም ምትእስሳርን ትርጉምን፥ ብምርዳእን ብምንፃርን፥ ህዝቢ ትግራይ ደጊሙ ናብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ከይኣቱ፥ ቀፃሊ ጉዕዝኡ ውሑስ፥ ናብ ናይ ምዕበለን ስግግርን መገዲ ዘእቱን ክኸውን፥ ኩሉ ዘድሊ ፅንዓት፥ ገምጋምን ምትዕርራይን ክግበር ኣለዎ።

እዚ ጉዳይ ከምታ ኣብ መከተና ነርእያ ዘለና ከም ህዝቢ ሓደ ኮይንና ክንዓሞ ዘለና ውራይ እዩ። ይኹን እምበር ናይ ህዝቢ ትግራይ፥ ናይዚ እዋን ቐዳማይ ውራይ ህልውናን ደሕነንትን ህዝቢ ትግራይ ውሑስ ምግባር ካልኣይ ይኹን ሳልሳይ ውራይና እውን ካሊእ እንተይኮነ ህልውናን ደሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ምርግጋፅ እዩ። ካልኦት ኩሎም ጉዳያት ነቲ ዋና ውራይና ከይተዳፍኡ በብኣግባቡን ብልክኡን ጥራሕ እናተፈፀሙ ዝኸዱ ይኾኑ። ኣብዝኾነ እዋን፥ ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ማለት ሓድነት ምዝራግ ማለት ኣይኮነን። ደመኛ ፀላኢን ባንዳን ወይ ምስኦም ዝወገነ ተለኣኣኺ እንተዘይኮይኑ፥ ኣብ ጉዳያት መንነት ህዝቢ ትግራይ፥ ኣብ ህልውናን ደሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ፍፁም ሓድነት ክህሉ ግን ግድን ምዃኑ ክስመረሉ ይግባእ። ምኽንያቱ ህዝቢ ትግራይ ኣብ መሰል ዓርሰ ውሳንኡ ሓደ ከምዝኾነ፥ ብሓፂሩ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ፥ ኣብዚ ፀረ-ወራር መኸተ፥ ዝሓዞ ፖለቲካዊ መርገፂ ተመሳሳሊ ጥራሕ እንተይኮነ ሓደ ምዃኑን፥ ውሽጣዊ ሓድነቱ ክንደየናይ ስጡም ከምዝኾነ፥ ኣብ ዓብይ ውራይ ብሓደ ልቢ ዝተጠመረ፥ ሓደ ህዝቢ ምኻኑ ንኹሉ ኣርኢዮ እዩ። ምንጪ ኩለ መዳያዊ ዓወታትና ናይ ዕላማ ሓድነትናን ውሽጣዊ ጥንካረናን ምኳኑ ብተግባር ብቕልፅሙ ኣረጋጊፁ። እዚ ኣብ ቀንዲ ውራይና ዝተርኣየ ናይ ቃልሲ ሓድነት ብዝያዳ ተጠናኺሩ ክቕፅል ዘለዎ ዓብይ ጉዳይ እዩ።


ኣብ ካልኦት ጉዳያት ግን ሽሕን ሚኢትን፥ ሓሳብ እንተሃለወ ሃፍቲ እምበር ፀገም ኣይኸውንን። ምእንተ ምንታይ እንተተብሃለ ዝተፈላለየ ብዙሕ ሓሳብ ምህላው ኣብ ዝሓፀረ ጊዜ ለውጢ ዘምፅእ ምሩፅ፥ ፅሩይ ሓሳብ ንምምራፅን ንምውህሃድን ስለዝጠቅም እዩ። ኣብዚ እቲ መሰረታዊን ዓብይን ቁም ነገር ብዝሰልጠነ መገዲን ኣግባብን ነቲ ኣፈላላይ ምትእንጋድን፥ ውሳነ ዘድልዮ እንትህልው ድማ ብኣግባቡ፥ ብመስርሑን፥ ስርዓት ኣሰራርሕኡን፥ ውሳነ ክረክብ ምግባር ይግባእ። ዝለዓለ ውሳነ ዝጠልብ ምልኣተ ህዝቢ ዝትንክፍ ጉዳይ እንትህሉ፥ ላእላዊ ስልጣን ዘለዎ ህዝቢ ትግራይ እዩ። ስለዝኾነ እቲ ዝልዓል ዓብይ ጉዳይ ብውሳነ ህዝቢ ትግራይ ጥራሕ መዕለቢ ዝግበረሉ ይኸውን።

ዝኸበርኽንን ዝኸበርኩምን!!


ኣብ 2013 ዓ/ም ኣብ ህዝቢ ትግራይ ጥራሕ እንተይኮነስ፥ ዓለም ብዓለሙ፥ ኣብ ጉዕዞ ማሕበራዊ ህይወቱን ታሪኹን ሰሚዕዎን ሪኢዎን ዘይፈልጥ፥ ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ፥ እንስሳ ዘቤትን ዘገዳምን ተፈፂሙ ዘይፍልጥ” ባርባራዊን ኣረመንያዊን እከይ ሰይጣናዊ ተግባራት” ብልፍንቲ ኩሎም ወረርቲ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን፥ ተፈጥራዊን ፍረ-ረሃፅ ሃፍቱን ንብረቱን ተፈፂሙ እዩ።


ብምዃኑ ብሃንዳስነትን ቀጥታ ኣመራርሓ ውሃብነትን፥ መንግስት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፊወርቂ፥ ብከዳምነት ጉጀለ ፍሽሽት ኣብይ ኣሕመድ፥ ገባታይን ተስፋሕፍሐይን ኣመራርሓ ክልል ኣምሓራ፥ ዝተፈጠረ ናይ ጥፍኣት ግንባር፣ ካብ ጎተቱ ዝተተኾበሉ፣ ፋይናንሳዊ፣ ማተሪያላዊን፣ ድሮን ሓዊስካ ዝተፈላለዩ ዘመናዊ ጋዕገልጠም መሳርሒ ኺናት ዝተዓጠቐ፣ ደርዒምካ፣ በታቲንካን ማሪካን ዘይውዳእ፣ ኣብ ዝተደምስስሉ ፅባሕ ከም ጤለ በጊዕ እናተጎተ ዳግም ተወዲቡ እንትኣትው፥ ከምፅንብላሊዕ ዝቃፀል ሺሾ ዕሱብ፥ ዓቀይታይ፣ ዕጡቕ ሓይሊ፥ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ፥ ተፈጥራውን ማተርያላዊ ሰብ ሰራሕ ሃፍቱን ማእለያ ዘይብሎም ኣረመኒያዊ ግፍዒታት ፈፂሙ እዩ።

እዞም ኣረመነ ወረርቲ ሓይልታት፣ ትግራይና ካብ ካርታ ዓለም፣ሀዝቢ ትግራይ ድማ ካብ ገፅ ምድር ንምጥፍእ፥ ዘርኢ ምፅናት ጀምላዊ ጨፍጫፍ ንምክያድ ዘኽእሎም ፕሮጀክት ማለት “ንህዝቢ ትግራይ ብጥይት፣ ጥምየት፣ ፆታዊ መጥቃዕቲ፣ ዝማት ማሕበረ-ኢኮኖሚያዊ ትካላት፥ ምዕናውን ምስራቕን ተፈጥራዊ ሃፍቱን መግለፂ መንነት ህዝቢ ትግራይ ዝኾኑ ቅርስታትን ሓድግታትን’’ ዝብል ፓኼጅ ጥፍኣት ሓንፂፆም፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብመጠኑ፣ዓይነቱን ኣፈፃፅምኡን፥ ክሳብ ሎሚ ኣብ ዓለምና፥ ዘይተፈፀመ ምናልባት ንቕድሚት’ውን ክፍፀሙ እዮም፥ ተባሂሎም ዘይግመቱ ማእለያ ዘይብሎም ግፍዒታት ፈፂሞም እዮም። ሎሚ ‘ውን ይፍፅሙ ኣለዉ።

እንትርፊ ጥፍኣትን ዕንወትን፥ ካሊእ ስራሕ ዘይብሎም፥ እዞም ልዑኻት ሰይጣናዊ ተግባራት ዝኾኑ፥ ወረርቲ ኣረመነ ሓይልታት፣ ዕድመ፣ ፆታ ፣ ሃይማኖት፥ ኩነታት ስራሕን መነባብሮን ከይፈለዩ፥ ብጀካ መሰሉ ንምክባር ምቅላስ፥ ዝኾነ ኣበርን ሓጢያትን ዘይብሉ፥ ህዝቢ ትግራይ፥ ብኣልማሚት ብጅምላ ጨፍጨፍምዎ። እዞም ወረርቲ ሓይልታት፥ ዕድመ መንበረ ስልጣኖም ንምዋሕ፥ ብዕሱብ፥ ዓቀይታይ፥ ዕጡቕ ሓይልም፥ ኣቢሎም ምንም ኣበሳ ዘይነበሮም፥ ዓበይትን ቆልዑን ትግራይ፥ ኣሲሮም ብህይወቶም ናብ ሃው ዝበለ ገደል ሽንድዮም ቀቲሎምዎም። ብዕሊ ከይቕበሩ ከልኪሎም፥ ንገሊኡ ሬሳ ብሓዊ ኣቃፂሎምዎ። ንገሊኡ ድማ ናብ ሽቃቅ ኣእትዮም ተሳቂዮም ህይወቶም ክሓልፉ ገይሮም። ሃገርን ህዝብን ዘገልገሉ ብ10ታት ኣሸሓት ዝቑፀሩ ኣባላት ስራዊት ነበር ምክልኻል ኢፌዴሪ፥ ካብ ስደት ዝተመለሱን ዓዲ ሰላም እዩ ኢሎም ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጵያ ሰሪሖም ዝነብሩ ሰብ ሃብትን ነጋዶን፥ መናእሰይ፥ ምሁራት፥ ተመራመርቲ ተምሃሮ ኣብ ደቀቕትን ኣናእሽተይ ትካላትን ከምኡ’ውን ኣብ ዘይስሩዕ/ኢንፎርማል/ ዝበሃሉ ዓውደ ስራሕቲ ዝተዋፈሩ፥ ደቂ ትግራይ ተሓፊሶም፤ ገሊኦም ክሳብ 45 ዲግሪ ሴንትግሬድ ሙቐት ኣብ ዘሎዎ ቦታ ኣብ ኮንቴነር ተዓሺጎም ግዳይ ሞትን ሕማምን ገይሮም ብደዎም ክሳቐዩ ገይሮም። ሎሚ’ውን ይገብሩ ኣለዉ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን!!

እዞም ነውርን ንብሩን ዘይፈልጡ ኣረመነ ወረርቲ ዝተፈላለዩ መራሕቲ፥ ሃይማኖትን ተኸተልቲን፥ ኣብ ቤተ እምነታት፥ ምስ ዳዊቶምን ቁርኣኖምን ኣቃፂሎም፥ ብግፍዒ ቀቲሎምዎም። ልዕሊ ሰማንያ(80) ዓመት ፈለስቲ ሓዊስካ ኣብ ልዕሊ ንፀሃን ደቂ ኣንስትዮን ዋዕሮታትን ትግራይና፥ ልዕሊ ፆታዊ መጥቃዕቲ ዝኾነ ኣረመኒያዊ ተግባራት ፈፂሞም። ብሓፂሩ እዞም ዕሱባት፥ ዕጡቃትን ልዑካት መራሕቲ እቲ ወራር ዝኾኑ መራሕቶምን፥ ኣብዝረገፁዎ መሬት ትግራይ፥ ዝረኸቡዎ መንእሰይ ይኹን ዓብይ፥ ጎርዞ ትኹን፥ ወላዲትን ኣዶ ትግራይ፥ ብጎዞሞ፥ ብጥይትን፥ ፃዕዳ ፎስፊርስ ሓዊስካ ካብ ኣየርን ምድርን ብዝትኮሱ ቁምብላታት ኣረመንያዊ ህልቂት ኣብፂሖም። ትማሊ ዘፍስስዎ ደም ንፁሃን ደቂ ትግራይ ስለዘየዕገቦም ሎሚ ‘ውን ኣብ ምዕራብ ትግራይ፥ ዘሎ ህዝብና ከም በጊዕ ይሓርድዎ ኣሎዎ። ብድውሉ ካብ ምስቃይ ሓሊፎም ብዓሰርተታት ዝቑፀሩ ደቂ ትግራይ ኣእዳዎም ኣሲሮም ምቕታል ሺሻይ ውሕጅ ክረምቲ ሩባ ተከዘ ከምዝገበርዎም፥ ዓለምለኸ ማሕበረሰብን ኣብ ዓለምና ተፈላጥነት ዘለዎም ሚዲያታትን ዕላዊ ገይሮም ኣለዉ።

እዞም ብሕሱም ቅንእን፣ ሕዱር ቂምን፣ንህዝቢ ትግራይ ናብ ድኽነትን ድከትን፥ ኣእትዮም ህዝብና ብጥምየትን ሕማምን፥ ተሳቕዩ ከምህዝቢ ክሃልቅ፥ ዕድል ዝገጠም ድማ ፍሕ ብትን ኢሉ እግሩ ናብ ዝመርሖ ምእንታን ክሰድድ፣ ብሓፈሻ መንግስትን ህዝብን ትግራይ ንዝሓልፉ 30 ዓመታት ብፍልጠቶም፣ ጉልበቶም ፣ረሃፆምን ገንዝቦምን፥ ዘጥረይዎን ዘዋህለልዎን፥ ሃፍትን ንብረትን፥ ኣብ ጠላዕ ፀሓይ ዘሚተምዎ። ክወስድዎ ዘይከኣሉ ድማ ኣበላሽዮም ዓዕኒዎምዎ። ካብ እዝኒ፣ክሳድን፣ኢድን ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ድማ፥ ሽልማተንን ዝተፈላለዩ መጋየፅታትን መንዚዖም ወሲዶም፥ እዞም ሰረቕትን ሽፋቱን፥ ዓበይቲ ማሕበረ-ኢኮኖሚያዊ ትካላት ጥራሕ እንተይኮነስ ቅዳድ ካልስን ዝኣረገ ርዖን ሓዊስካ ኩሉ ዓይነት ናይ ገዛ ኣቑሑ ህዝብና፥ እቶም መራሕቲ ወረርቲ ብዝወደብዎም ክ/ሰራዊታትን፥ ከምኡ ‘ውን፥ ብኣድገ-በቕሊ፥ ሓረስታይ ትግራይና፥ ፂዒኖም ወሲዶም ‘ዮም።

ኣብዚ ግልፂ ክኸውን ዘለዎ ብትእዛዝ መንግስቲ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንህዝቢ ትግራይ ዝወረሩን ብገበን ዘርኢ ምፅናት ህዝቢ ትግራይ ዝሕተቱ፥ ብወልቀ መላኺ ኢሳያስ ዝምራሕ መንግስትን ሰራዊትን ኤርትራን ከም ትካል ምዃኖም ክስመረሉ ይግባእ። ብድምር እዞም ደም ንፁሃት ብምፍሳስ ዝሃጠሩ፥ ኩሎም ወረርቲ ሓይልታት፥ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ፥ ዝፈፀምዎ ዘርኢ ምፅናት ጃምላዊ ጨፍጫፍ፥ ኣብ ልዕሊ ህዝብና፥ ብቐሊሉ ዘይሓዊ ሰነ-ኣእምራዊ በሰላን ምብራትን፣ ሰብኣዊ ህልቂት፥ ማሕበረ-ኢኮናሚያዊ ቅልውላው ኣብፂሖም እዮም። ምብራስ ተፈጥራዊ ሃፍቲ፥ ምዝማት፥ ምስራቕ፣ ምብልሻውን፣ ምዕናውን መግለፂ ህዝቢ ትግራይ ዝኾኑ ቅርስታትን ሓድግታትን ሓዊስካ ኣብ ልዕሊ ትግራይናን ህዝብናን ዘብፅሕዎ ኩለመዳያዊ ሰብኣዊ ህልቂት፣ ጥፍኣትን ዕንወትን ምስቶም ብደረጃ ዓለምና ኣብ 20ን 21 ክ/ዘመን ናይ ዘርኢ ምፅናት ጃምላዊ ጨፍጫፍ ተካይድዎም እዩ ተባሂሎም ዝፍለጡ፥ ማለት ብኣቆፃፅራ ጎርጎራውያን 1915 ኣብ ልዕሊ አርመናውያን ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ሽድሽተ (6) ሚልዮን እስራኤላውያን ዝሃለቑሉ ጨፍጫፍ፥ ኣብ ልዕሊ ሞንጎልያውያን፥ ቱትሲ ሞደሬት ሁቱ ውንዳውያን፣ ዝበፅሐ ጨፍጫፍ፥ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝበፅሐን ይበፅሕ ዘሎን ዘመሳስሎ ዋላ እንተሃለዎ፥ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፀሐ ጀምላዊ ጨፍጫፍ ዘርኢ ምፅናት ግን ብዓይነቱን ኣፈፃፅምኡን ፍሉይ እዩ።

ብሓፂሩ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ክሳብ 21 ሰነ 2013 ዓ.ም ዝነበሩ ሸሞንተ(8) ናይ ፀልማትን ህልካ ዘወድእ መሪርን ከቢድን ተጋድሎ ዝተካየደሎም ኣዋርሕ ብኩሎም ወረርቲ ሓይልታት ዝበፅሐና ሰብኣዊ ህልቂትን ማተርያላዊ ዕንወትን ብጣዕቢ ከቢድ እዩ ነይሩ። ብምዃኑ’ውን ብሓፈሻ ኣብ ውሽጥን ወፃእን ትነብር ህዝብና፥ ብፍላይ ተመራመርቲ፥ ምሁራን፥ ስነልቦናን ካልኦትን፥ ብሓፈሻ ኣብ ህዝብና ብፍላይ ተረከብቲ ናይ ፅባሕ ተብሃጊትን ተሃራፊትን፥ ትግራይና ዝኾኑ ህፃውንቲ፥ ቆልዑ፥ ብቐንዱ ብሰንኪ እቶም ወረርቲ ካብ ወለዶም ተፈልዮም ኣብ መዓስከራትን ሕድሕድ ገዛ ህዝቢ ትግራይን ደኽታማት ኮይኖም፥ ተፀጊዖም ይነብሩ ዘለዉን ህፃውንቲ፥ ብከቢድ ስነ ኣእምራዊ ፀቕጥን ብሕታውነትን ይሳቐዩ ዘለዉ ብ10 ኣሽሓት ዝቑፀሩ ደቅና፥ ካብቲ በፂሑዎም ዘሎ ማህሰይትን ስምብራትን ተናጊፎም፥ ብጥዑይ ኣእምሮ ትምህርቶም ዝከታተሉሉ ኩነታት ንምፍጣር ቐዳምነት ሂብና ካብቲ ፀገም ንምውፃእ ኣብ ዝግበር ርብርብ እጃምኩም ክተወፍዩ በዚ ኣጋጣሚ ብክብሪ ይፅውዕ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን

ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ፥ ኣብ 2013 ዓ.ም. ህልቂትን ዕንወትን ጥራሕ እንተይኮነስ፥ ካብ ህዝባዊ ዕላማና፣ መትከላዊ እምነታትናን ክብርታትናን ዝብገሱ፥ መሰረታውን ዓበይትን፥ ፖለቲካዊ፣ ወታደራዊን ዲፕሎማሲያዊን ዓወታት ዝተመዝገቡሉ ዓመት ብምዃኑ፥ እዛ ተኣምራዊ መስተንክር ቅያ ተሰሪሑላ እንሰናበታ ዘለና 2013 ዓ.ም. ብቐፃሊ ወለዶታት ትግራይና ብፍላይ እናተዘከረት ክትነብር እያ።

ኣብዛ እንሰናበታ ዘላ 2013 ዓ.ም ዝነበሩ ሸሞንተ(8) ኣዋርሕ፥ ዓበይቲን መናእሰይን መራሕትና፥ ከምኡ እውን ማህፀን ትግራይ ዘፍረየቶም፥ ነዛ እንኮ ህይወቶም ከይሰስዑ፥ ምእንተ ሃለዋትን ድሕንነትን ትግራይና ምርግጋፅን፥ ውሑስ ህይወት ህዝቢ ትግራይን ክብሉ መዘና ኣልቦ ጀጋኑ ሓዱሽ ወለዶ ትግራይና፥ ክቡር መስዋእቲ ከፊሎም ዘልኣለም እናተዘከረ ዝነብር ዓለም ብዓለሙ ዘስደመመ፥ ብኣንፃሩ ደመኛ ፀላእትና ዝሕዝዎን ዝጭብጥዎን ኣስኢኑ መሐቢኢኦም ክጠፍኦም ዝገበረ መስተንክራዊ ጀግንነት ብደሙን ኣዕፅምቱን፥ ዘይሃስስ ቅያ ፅሒፉን ይፅሕፍን ኣሎ። ስለዝኾነ ብዘይ መስዋእቲ ዓወት የለን፥ ዝብል ፅኑዕ እምነት ዘለዎ፥ ህዝቢ ትግራይ፥ ሕድሪ ሎሚን ትማሊን ስውኣትና ኣፅኒዑ ሒዙ፥ በብእዋኑ ንደመኛ ፀላእትና ደዃዕዃዕ የብሎም ስለዘሎ፥ ህዝብና ብመስዋእቲ ኣቦታቱ፣ ኣያታቱ፣ ኣሕዋቱ፣ ኣዴታቱን ኣሓቱን፥ ተሓቢኑ ንቕድሚት ክስጉም ገበሮ እምበር ርእሱ ኣድኒኑ ክስኩን ኣይገበሮን። ንቅድሚት እውን ብዝበለፀ ሓሪኑ ተኣምር ከምዝሰርሕ ኣየጠራጥርን።

ደመኛ ፀላእትና ቅድሚ ቅሉዕ ወታደራዊ ወራር ምጅማሮም፥ ኣብ 2013 ዓ.ም ካብዘመዝገብናዮም ዓበይቲ ፖለቲካዊ ዓወታትና፥ 6ይ ዙር መረፃ ብዕዉት ኣገባብ ምዝዛምና እዩ። እዚ ልዕሊ 2.7 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ፥ ዝተሳተፈሉ መረፃ ሕገ መንግስቲ ትግራይ መሰረት ገይሩ ዝተፈፀመን፥ መሰል ዓርሰ ውሳነናን ዓርሰ ምሕደራናን፥ ብካርድና ብምርግጋፅ፥ ሕጋዊ መንግስቲ ትግራይ ዘጣየሽናሉ፥ ታሪካዊ ፍፃመ እዩ። ንህዝቢ ከገልግልን ላእላዊ ስልጣን ህዝቢ ንክኽበር፥ ሰላምን ፀጥታን ክረጋገፅ፥ ማሕበረ-ኢኮኖሚያዊ ልምዓት ክሳለጥ፥ ህዝቢ ዝሃቦ ሓደራ ኣብ እንግድዑ ዝተሸከመ መንግስቲ ትግራይ፥ ሕጋዊ፣ ፍትሓዊን ተቐባልነት ዘለዎን ህዝባዊ ኩናትና እናመርሐ፥ ኣብዚ በፂሕናዮ ዘለና ደረጃ ክበፅሕ ብምኽኣሉ፥ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ናይ ባዕሉ ቦታ ሒዙ ኣሎ።

ብሓፈሻ ኩሎም ፀላእትና ተሓባቢሮም ዝወረሩና ብቐንዱ ህዝብን መንግስትን ትግራይ፥ እናሃለው ማለት እውን ሕልሚ ቀትሪ ንግስና ፋሽሽቲ ኣብይ ኣሕመድ ከምዘይረጋገፅ፥ ከምኡ እውን ሃርጓፍ ድሌትን ጎብለል ቀርኒ ኣፍሪካ ናይ ምዃን ባህጊ መንግስቲ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ከምዘይዕወት ስለዝፈልጡ፥ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣረመንያዊ ወራር ዘካየዱን፥ የካይዱ ከምዘለዉን ክስመረሉ ይግባእ፡፡

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን!!

ኣብ 2013 ዓ/ም ፖለቲካዊ ዓወት ጥራሕ እንተይኮነስ፥ ካብ ፅሩይ ህዝባዊ መስመርናን ቅኑዕ ፖለቲካዊ ኣመራርሓናን ዝፍልፍል ዓበይቲ ዲፕሎማስያውን ወታደራውን ዓወታት እውን ኣመዝጊብና ኢና፡፡ ብምዃኑ ኣብ 2013 ዓ.ም. ካልኦት ሃገራት ብዙሕ ዓመታት ፅዒረን ዘይረኸበኦ፥ ዲፕሎማሲያዊ ዓወት፥ ትግራይና ኣመዝጊባ እያ፡፡ ነዚ ዝተመዝገበ ዓወት፥ መዘና ንዘይብሉ እጃም ንዘወፈዩ፥ ብቐንዱ ንዲያስፖራ ትግራይ ዝኸበረን ዝለዓለን ምስጋናና ይብፅሓዮም። ብምዃኑ ኣብ ኣርባዕቲኡ ኩርናዕ ዓለም ዘሎ ዲያስፖራ ትግራይ ፍልጠቱ ፣ ክእለቱን፥ ገንዘቡን፥ ኣዋዲዱ ከም ሓደ ሰብ ፣ ብሓደ ልቢ ስለዝተዛረበ፥ ትግራይና ኣጀንዳ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ኮይና እያ ፡፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ወፃኢ ሃገራት ፣ ብፍላይ ኣብ ዩኤስ ኣሜሪካ ዝተወለዱ ህፃናት ደቂ ትግራይ <<we are the world >> ዝብል መዝሙር ብምስማዕ፥ ንዓበይትን ህፃውንትን ህዝቢ ዓለምና ዘስደመመ ቅያ ሰሪሖም እዮም፡፡ ብሓፂሩ ሓደሽቲ ምህዞታትን ፈጠራታትን ሒዙ ዝተወገነ ስራሕቲ ዲፕሎማስያዊ ቃልስና ኣብ ሓዱሽ ዓመት 2014 ዓ/ም እውን ዲያስፖራ ትግራይ ኣደንፊዑ ከምዝቐፀለሉ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ተስፋ ይገብሩ እዮም ፡፡

ኣብ እንዛዝሞ ዘለና 2013 ዓ/ም ዓበይትን መናእሰይን መራሕትናን፥ ብርኪ ሊሎ ሓዱሽ ወለዶ መናእሰይና፥ ናይ ህይወት መስዋእትን ኣካል መጉዳእትን ከምኡ እውን ዓበይቲ መራሕትና ብድንገት ኣብ ኢድ ፀላኢ ዝወደቑሉ ኩነታት እንተጋጠመናን ፣ ነዚን ካልኣት ዝበፅሑና ፀገማት መሊኡ ዝክሕሱ ዓወታት ኣመዝጊብና ኢና ዋላ እንተዘይበልና፣ ብመሰረቱ ብፆትና ዝተዋደቑሉ ዕላማ፥ ኣብ ሸትኡ ዘብፅሕ ዓበይቲ መስተንክራዊን ተኣምራዊን ወታደራውን ዓወታት ኣመዝጊብና ፣ ኣብ ዝበዝሕ ቦታታት ዘሎ ህዝብና ካብ ምንጋጋ ፀላኢ ሓራ ኣውፂእና ንፁህ ናይ ሰላም ኣየር ከተንፍስ ብምግባርና ብዓወታትና ንሕበን ኢና ፡፡

እዚ ዓለም ብዓለሙ ዘስደመመን፣ ደመኛ ፀላእትና ልከዖም ክፈልጡ ዝገበረን ዓወታትና ፣ ሳላ ናይ መስዋእቲ ወለዶ እናተብሃለ ዝፅዋዕ ትውልድን ሓዱሽ ወለዶን ድልኽን ጠስምን ኮይኖም በይዛ ህዝቦም ስለዝተዋደቑ፥ ብቐንዱ ድማ ኣብ ውሽጥን ደገን ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ማይን ፀባን ኮይኑ፥ ቀንዲ ተዋሳኣይ ህዝባዊ ኲናትናን ዓወታትናን ባዕሉ ምዃኑ ብተግባር ስለዘመስከረ እዩ፡፡ ኣብዙይ ዋላኳ ዓለምለኸ ማሕበረ ሰብ ሰብኣውን ዲፕሎማስያዊ ሓገዝ እንተገበረልና ምንጪ ኩለመዳያዊ ዓወታትና ውሽጣዊ ጥንካረናን ተሳትፎ ምልኣተ ህዝቢ ትግራይን ምዃኑ፥ ፈታዊን ፀላኢ፥ ዓይኑ ቋሕ ኣቢሉ ብጋሃዲ ክሪኦ ዝገበረ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ እዩ ፡፡

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን!!

ፍሉይ ሓዱሽ ኣዎንታዊን ኣሉታዊን ታሪኽ ተመዝጊብሉ፥ ካብ ዝሓልፍ ዘሎ 2013 ዓ.ም. ብዙሓት ቁምነገራትን ተሞኩሮታትን ዝተምሃርናሉን፥ ዓመት ጥራሕ እንተይኮነስ፥ እዛ መታዓዛዘቢት ቀጣን ዓመት ዘይትሓልፍ መሲልዎም፥ ካብቲን ካብዚን ዝኣኻኸብዎ፥ ገንዘብ፥ ሃፍትን ጥሪትን፥ ዘስደዖምን፥ ብመስዋእቲ ህዝቢ ትግራይ ሽሞም ዝደመቐ ውልቀ ሰባት፥ ሊሂቃን ሓይልታት ትምክሕቲ፥ ኣብ ዝሓንፀፅዎን መውፅኢን ዘይብሉ ረግረግ ጢሒሎም፥ ህዝቢ ትግራይ፥ ብደመኛ ፀላእቱ፥ ኣብ ጠላዕ ፀሓይ ንክሕረድን ንክጉመድን ዝከኣሎም ኩሉ ገይሮም፥ መንነቶም ተቓሊዑ፥ ናይ ታሪኽ ሓተላ ምዃኖም ዘመስከርሉ፥ ገሊኦም ድማ እዚ ኩሉ መዓት ኣብ ልዕሊ ህዝብና እናወረደ ከምዘይረኣዩን ዘይሰምዑን ኣብ ቦኽራ ተሓቢኦም ጊዚኦም ዘሕለፉ፥ ካብዙይ ዝኸፍአ ድማ፥ ዕሉላትን ባንዳታትን ኮይኖም ህዝብና ዘጨፍጨፉን ዘሳቕዩን ንምምማይ ዝተከኣለሉ ዓወት እዩ፡፡

ኣብ 2013 ዓ.ም. ብዙሓት ዓወታት ዘመዝገብናሉ ዓመት ምዃኑ ኣብዚ ክስመረሉ ዝግባእ ጉዳይ ኣሎ፡፡ እዚ ብዙሕ ዓቐብ ቁልቁል፥ ደይብ ውረድ፥ ንቕድሚት ንድሕሪት፥ ክይድ ምልስ፥ ወታደራዊ ስትራተጂካዊ ቦታታት ምሓዝ ምልቃቕ ወዘተ፥ ዝነበሮ ጉዕዞ 2013 ዓ.ም. ህዝባዊ ቃልስና ዝዓመሞም ሰለስተ ዓበይቲ ዕላማታት ሕዚ እውን መሊኦም ብዓወት ኣይተዛዘሙን፡፡ ብርግፅ ጉጅለ ፋሽሽቲ ኣብይ ኣሕመድ ብሰራዊት ትግራይ ተዳሂኹ ርዕኡ ጠቕሊሉ 21 ሰነ 2013 ዓ/ም ካብ ዋና ከተማ ትግራይና ዝኾነት ሰሜናዊት ኮኾብ መቐለና፥ ብምህዳሙ፥ መንግስቲ ትግራይ ናብ ቦትኡ ዋላ እንተተመለሰ፥ ምዕራብ፥ ሰሜን ምዕራብን ምብራቕን ትግራይ መሊኡ ሓራ ስለዘይወፀ፥ ዓወትና ምሉእ እዩ ዝበሃል ኣይኮነን፡፡ ስለዝኾነ ምድፍፋእ ዝህልዎ ቀፃላይ መሪርን ከቢድን፥ ጉዕዞ ይፅበየና ከምዘሎ ሕድሕድ ህዝቢ ትግራይ ብዕሊ ተረዲኡ ኣብዝተዋፈርናሉ ዓውደ ስራሕ ክንነጥፍን ብዕቱብ ክንረባረብ ይግባእ፡፡ ብምዃኑ ኣብዚ እዋን ካብ ወረርቲ ሓይልታት ዘይተናገፈ፥ ህዝብና ሓራ ንምውፃእ፥ ፀላእትና ደጊሞም ስግኣት ትግራይና ከምዘይኾኑ ክሳብ እነረጋግፅን፥ ካልኦት ድልየታትና ንምዕዋትን ህዝቢ ትግራይ ትገብሮ ዘለኻ ገንዘባዊ፣ ማተርያላዊን ሞራላዊን ሓገዝን ርብርብን፥ ወፈያኻ ኣሐይልካ፥ ከምእትቕፅለሉ ሰራዊትን መንግስትን ትግራይ ኣይጠራጠሩን ፡፡

ብሓፂሩ ኣብ ውሸጥን ደገን ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ምስ መንግስቱ ኾይኑ መትከላት ህዝባዊነት፥ ዲሞክራሲያዊነት፥ ህዝባዊ ውግንናን ወሳንነትን፥ ከምኡ’ውን ዓበይቲ ክብርታትና ዝኾኑ፥ ዓርሰ እምነት፥ ዓርሰ ምርኮዛ፥ ፅንዓት፥ ጅግንነት፥ ናይምምብርካኽን ምስኳንን፥ ቅንዕና፥ ሓልዮት፥ ብፃይነትን፥ ተሓጋጊዝካ ፀገማት ምስጋርን ዝኣመሰሉ፥ ብእምነት ጨቢጡ፥ ንህይወቱን ንብረቱን፥ ከይሰስዐ ድርብርብ ዓወታት ኣመዝጊቡ እዩ። ስለዙይ ንቃልሲ ወትሮ ድልዊ ዝኾነን መሰዋእቲ ንምክፋል ንድሕሪት ዘይብልን፥ ህዝብና ሒዝና ዘይንሰግሮ ፀገምን ዘይንስዕሮ ወራርን ፈፂሙ ከምዘይህሉ ዘጠራጥር ኣይኸውንን።

ዝኸበርካ ሓረስታይ ትግራይ!!

ኣብ 2013 ዓ.ም. ዝገበርካዮ ተጋድሎን ዝኸፈልካዮ መስዋእትነትን፥ ደመኛ ፀላእትና፥ ካብ መብዛሕቲኡ ቦታታት ትግራይና፥ ተፀራሪጎም ወፂኦም እዮም። ብምዃኑ ኣብ ሓራ ዝወፀ፥ ከባቢታት ዘለኻ ህዝብና፥ ሰናይ ዝናብ ክረምቲ ተሓዊስዎ፥ ኣብ ምድንፋዕ ምህርቲ ትገብሮ ዘለካ ምርብራብ፥ ኣሕይልካ ብምጥንኻር ሓዱሽ ዓመት 2014 ዓ.ም. እቶትካ ብምስሳን ወሽመጥ ፀላእትና ከምትብጥስ ንተኣማመን ኢና።

ዝኸበርኩም ነበርቲ ከተማታት!!

ኣብ 2013 ዓ.ም. ኩልኹም ነበርቲ ከተማ ማለት፥ ሰብሃፍቲ፥ ነጋዶ፥ ምሁራን፥ ሰራሕተኛ መንግስቲ፥ ተምሃሮ፥ ኣብ ደቐቅትን ኣናእሽተይ ትካላት ከምኡ’ውን ዘይ-ስሩዕ ኣብ ዝበሃሉ ማሕበረ-ኢኮኖሚያዊ፥ ስራሕቲ ዝተዋፈርኩም ወገናት፥ ደቂ ኣንስትዮ፥ መናእሰይ፥ ሓኻይም፣ ሰብ ሞያ ሚድያን ጋዜጠኛታትን፥ ኮታስ ኩልኹም ነበርቲ ከተማታት ትግራይና፥ ከተማታትና ማእኸል እምቢታን ረመፅን ስለዝገበርኩምዎ፥ ተለኣኣኽቲን ባንዳታትን፥ ብጎተቶም ዘተውሃቦም ናይ ጥፍኣት ተልእኾታት፣ ብዝተፈላለየ ጥበብ ዝተመልኦ ምህዞታት፥ ብምፍሻልኩም፥ መኸተኹም ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ፥ ናይ ባዕሉ ፍሉይ ቦታ ሒዙ ኣሎ። ኣብ ሓድሽ ዓመት 2014 ዓ.ም. ድማ፥ ብውልቀ፥ ብቐንዱ ውዳበታትኩም፥ ኣሕይልኩም፥ በብዕለቱ ዝፍኖ ዘሎ ናይ ፈጠራ በለካ ለክዓካ ወረ፥ ባንዳታት ብምቅላዕ፥ እጃምኩም ከምእተወፍዩ፥ መንግስት ትግራይ ኣይጠራጠርን።

ዝኸበርክን ደቂ ኣንስትዮን፥ መናእሰይን!!

ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ትግራይ፥ ኣብ ደጀን ግንባርን ተዋፊርኩም ብወነን ናህሪ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ወጊንኩም። ትዋግኡ’ውን ኣለኩም። በዚ ስራሕትኩም መንግስቲን ሰራዊትን ትግራይ ተሓቢኖም እዮም። ነዚ ኣጠናኪርኩም ምእትቅፅልሉ’ውን ይእመን። ስለዝኾነ ብፍላይ “መናእሰይ ትግራይ፥ ንቓሕ፥ ተወደብ! ተጋደል! ተዓወት!” ዝብል ጭርሖ ተሓንጊጥኩም ናብ ታዕሊም ክትወርዱ ታሪክ ሓደራ ኣሰኪምኩም ኣሎ።

ኣብ ድሮ ሓዱሽ ዓመት ብፍላይ መናእሰይና ሓረስታይ ትግራይ ኣብ ፃህያይ፥ ምክልኻል ዕስለ ኣንበጣን፥ ካልኦት ስራሕትን፥ ከምኡ’ውን፥ ኣብ ምክልኻል ኮቪድ-19ን ካልኦት ተላበድቲ ሕማማትን፥ ኣብ ምኽባር ሰላምን ፀጥታ ከባቢኹም ኣብ ምርግጋፅን፥ ተወዲብኩም ክትንቀሳቐሱ ይግባእ። ብፍላይ ደቀንስትዮ ትግራይ እዚ ኹሉ ግፍዕታትን መከራን ተሸኪምክን ዝገበርክንኦ መኸተ ዝነኣድ እዩ።

ይኹን’ምበር ፀላእትና መሊኦም ክሳብ ዝድምሰሱ ቃልስኽን ኣሐይልክን ምስ ሰራዊትና ብምስላፍ ናብ ዘይተርፍ ዓወት ከምትበፅሓ ዝለዓለ እምነት ኣለና።

ዝኸበርካ ሰራዊት ትግራይ!!

በሊሕ ጫፍ ህዝባዊ ኩይናትና ዝኾንካ ስራዊት ትግራይና፥ ጠምዩኒ፥ ፀጊሙኒ፥ ይኣኽለኒ ከይበልካ፥ ውሑጅ፥ ቑሪ፥ ኣስሓይታ፥ በረድ፥ ሓያል ማይ ክረምቲን መብረቕን ክምኡ እውን ሃሩርን ንምትንፋስ ዘፀግም ኣየር በረኻ ዓፋርን፥ ብሓፈሻ ኣፃድፍ፥ ነዋሕቲ ጎቦታት፥ ኣክራናት፥ ሽንጡራታት ክልል ኣምሓራን ክይድ ውዒልካ ዘይወዳእ ጎልጎል ዓፋር ተሳጊርካ ኣብ ዝጥዕመካ ቦታን ጊዜን ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ፈዳይ ሕነ ህዝብኻ ከምዝኾንካ ብተግባር ኣረጋጊፅካ፥ ብድምር ኣብ 2013 ዓ.ም. ዘመዝገብካዮም ዓወታት፥ ህዝባዊ ኲናትና ክልተ ስጉምቲ ስለዝሰጎመ፥ ህዝብና ብኣኻ ኮሪዑ እዩ። ስለዘይ ንስኻውን ተሓበን፥ ሓድሽ ዓመት 2014 ዓ/ም ህዝብና ዝሃበካ እኽለ-ማይ ተዓንጊልካ፥ ካብ ልብካ ብዝመንጨወ ሓጎስ፥ ናይ ቃልስ ወነን ዓወትን ከምእተክብሮ ዘጠራጥር ኣይኸውን። ንዓመታ ድማ ምስ ህዝብካ ኾይንካ ብድሙቕ ፅንብል ከምተኽብሮ ዘማትእ ኣይኸውንን።

ዝኸበርካ ዲያስፓራ ትግራይ!!

ህዝብን መንግስትን ትግራይ፥ ክሳብ ሕዚ ንዝገበርካዮ ዘይተሓለለ ፃዕሪን ተመዝጊቡ ዘሎን ውፅኢትን ኣገንዕ! ብምባል ሓበኖም እንትገልፀልካን ሰናይ ሓድሽ ዓመት 2014 ዓ.ም. ክኾነልካ፥ እንትምነየልካን፥ ብዝተፈለየ ወነ፥ ኒሕ። ህልክን ዲፕሎማሲያዊ ብቕዓትን፥ ከምወትሮ ኣምባሳደር ትግራይና፥ ኮይንካ ህዝቢ ትግራይ ዘሰከመካ ሓደራ፥ ብተደራራቢ ዓወታት ከምእትክንብቶ መንግስት ትግራይ ኣይጠራጠርን።

ኣብዚ እዋን እውን እንተኾነ፥ ቀንዲ ውራይካ ህዝባዊ ኩይናትና ዝዓመሞም ሰለስተ ዓበይቲ ዕማማት ገይርካ፥ ንበለካ ለኽዓካ ብዕራይ ወለደን ፅውፅዋይን ፀማም እዝኒ ሂብካ፥ ተልእኾካ ንምዕዋት፥ እትገብሮ ብዘለካ ምርብራብ፥ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ዕጉባት እዮም። እዚ ህዝባዊን መትከላዊን ተግባርካ ኣብ መደምደምትኡ ከምእተብፅሖ ድማ ዘማትእ ኣይኸውንን።

ዝኸበርኩም ፎረም ውደባት ትግራይ!!

ኣባላት ፎረም ውድባት ትግራይ፥ ኣብ ዝሓለፈ 2013 ዓ.ም. ኣብ ህዝባዊ ኲናትና፥ ዓሲልኩም ዝገበርኩሞ ቃልሲ ዝንኣድ እዩ። እዚ ተወፋይነትኩም፥ ኣብ 2014 ዓ.ም. ኣዛይድኩም ንክትቕፅልሉ በዚ ኣጋጣሚ ፃወዒተይ የቐርብ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ!!

ቅድሚ ኩሉ እንኳዕ ን2014 ዓ/ም ሓዱሽ ዓመት ብሰላም ኣብፅሓካ ዝብል መልእኽቲ እንተመሓላልፈልካ፥ ኣብ 2011 ዓ.ም. ባሕቲ መስከረም፥ ዘርኣኻዮ ባህግን ድሌትን ኣብ ሓዱሽ ዓመት 2014 ዓ.ም. ኩሉ ዓይነት ፀገም ሓሊፍካ ምስ ህዝቢ ትግራይ ዝምድናኻ ከምእተሐይል ተስፋ ብምግባር እዩ። ህዝቢ ትግራይ ሕዚ እውን ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘቀራርብ እምበር ዘባእስ ዝኾነ ነገር የብሉን። ንሕና ህዝቢ ትግራይ፥ ከምህዝቢ፥ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ሰላም ፈጢርና ብሓባር ከመይ ንለምዕ ኢልና ንሓስብን ንፅዕርን ከምዝነበርና ብነሕልፎ መልእኽታት ጥራሕ እንተይኮነ ብተግባር ትግራይ ንኤርትራዊ ከም ካልኣይ ገዝኡ ክሪኣ ንምግባር ዝከኣለና ኩሉ ዓይነት ፃዕርታት ገይርና ኢና። ይኹን’ድኣምበር መንግስቲ ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ሰራዊቱን ምስ ፀረ ነፃነት ኤርትራ ዝኾኑ ሊሂቃን፥ ትምክሕተኛታት ኣመራርሓ ክልል ኣምሓራን ጉጅለ ፋሽሽቲ ኣብይ ኣሕመድን ናይ ጥፍኣት ግንባር ፈጢሩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘርኢ ናይ ምፅናት ገበን ተፈፂሙ እዩ። ብገበን ኲናትን ዘርኢ ምፅናትን ክሕተቱ ዘለዎም እውን እዚኣቶም እዮም።

ብኣንፃሩ ኣብዚ ሕማቕ ጊዜ፥ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ንዝተሰለፉን፥ ዝደገፉን፥ ውልቀ ሰባት፥ ጉጅለታት፥ ፓርትታት፥ ዲያስፖራን ኤርትራ ዝለዓለ ምስጋና ይብፃሕኩም። በዚ ኣጋጣሚ ኣብ 2013 ዓ/ም ኣብ ጎኒ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ተሰሊፉ ሙያዊ እጃሙ ንዘወፈየ ኣስና ቴሌቪዥን፥ ዝተፈላለዩ ሙያተኛታት ሰነ-ጥበብን ምሁራን ኤርትራን ዘለና ምስጋና እንትገልፅ፥ ሎሚ ይኹን ፅባሕ ደገፍኩም ከምእተሐይሉ ብምትእምማን እዩ። ኣብዚ ግልፂ ክኸውን ዝግብኦ፥ ሕዚ እውን ህዝቢ ትግራይ፥ ምስ ህዝቢ ኤርትራ፥ ሰላሙ ኣረጋጊፁ፥ ከም ጎረቤት ህዝቢ፥ ብሓባር ተደጋጊፉ ክነብር እዩ ዝምነ። ሰናይ ዓመት ክኾነልኩም እውን ደጊምና ትምኒትና ንገልፀልኩም።

ኣብዘይትፈልጦን መጋበሪያ ኲናት፥ ተጠጢቕካ ዘለኻ፥ ሰራዊት መንግስቲ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፥ ዘለካ ዕድል ዝሓለፈ ይኣክል ኢልካ ብናይ ባዕልኻ መማረፂ ካብ ሰራዊት ምውፃእ ወይ ድማ ኢድካ ንስራዊት ትግራይ ምሃብ እዩ። ሰለዙይ ከንቱ ሞት ካብ እትመውት፥ ኢድካ ንስራዊት ትግራይ ብምሃብ ሂወትካ ንክተትርፍ ክትፅዕር ይግባእ። ብወገንና ከም ወትሩ ኣድላይ ምትሕብባር ከምንገብር ደጊምና ነፍልጠካ።

ዝኸበርኩም መራሕቲ ሃገራት፥ ዓለምለኸ ትካላትን ኩለኹም መዳርግቲ ኣካላትን!!

ኩሎም ወረርቲ ሓይልታት ብውልቀን ብሓባርን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘብፅሕዎ ዘርኢ ምጥፋእ ጅምላዊ ጨፍጫፍ ኮኒንኩም። ይውሓድ ይብዛሕ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ህዝብና ክበፅሕ ገይርኩም። ነዚ ቅዱስ ተግባርኩም መንግስቲ ትግራይ ብሽም ህዝቢ ትግራይ ደጊሙ ምስጋንኡ እንተቕርብ፥ ኣብ እዋን ሓዱሽ ዓመትና’ውን ድጋፍኩም ከም እተሕይሉ ተስፋ ይግበር።

ዓለምለኸ ማሕበረሰብ፥ መራሕቲ ሃገራት፥ ትካላት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰልን፥ ገበርቲ ሰናይ ትካላትን፥ ኣብ ጎንና ኾይንኩም ተልእኾኩምን ሓላፍነትኩም መሰረት ገይርኩም ዝገበርኩምዎ ፃዕርን ዘወፈይኩምዎ ደገፍን ዝነኣድ ዋላ እንተኾነ፥ እኩል እዩ ዘብል ግን ኣይኮነን። ሕዚ’ውን ህዝብና ኣብ ዝኸፈአ ዓፀቦ’ዩ ዝርከብ፥ ዝልኣኽኩምዎ ሓገዝ እኽሊ ብጉጅለ ፋሽሽት ኣብይ ኣሕመድ ስለዝተኣገደ በብዕለቱ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ደቂ ትግራይ ብጥምየት ይሃልቁ ኣለው። እቶም ወረርቲ ንትግራይና ኣብ ክባ ኣእትዮም ኩሎም ዓይነት ማሕበረ-ኢኮኖሚያዊ ኣገልግሎታት፥ ጠለባትን መሰረታዊ ሸቀጣትን፥ ናብ ትግራይና ከይኣትው ስለዝገብሩ፥ ህዝቢ ትግራይ ኣዕርዩ ክፉእ ናብራ ክነብር ተገዲዱ ኣሎ። ስለዝኾነ እቲ ብወረርቲ ዝተወልዐ ኲናት፥ ብሰላም ንክፍታሕ መንግስቲ ትግራይ፥ ቅድም ክብል፥ ዘቕረቦም ቅድመ ዘተ ጉዳያት፥ ብዘይ ውዓል ሕደር ንክፍፀሙ እጃምኩምን ሓላፍነትኩምን ንክትፃወቱ፥ በዚ ኣጋጣሚ ፃውዒተይ የቕርብ።

እዞም መራሕቲ ወራር ብገበን ኲናት፥ ዘርኢ ምፅናት ጃምላዊ ጨፍጫፍን ፆታዊ መጥቃዕትን፥ ኣብ መጋባእያ ዓለም ግቡእ ፍርዶም ክረኽቡ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ፥ ትካላት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኩልኹም መዳርግቲ ኣካላትን፥ እጃምኩም ከምእተወፍዩ’ውን ተስፋ ይግበር።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን

ፀላኢ ዓወት ዝበሃል ሓሪሙዎ ለምቅነ ከምኣመሉ ድራማታት ምስራሕ ጀሚሩ ኣሎ። ሰራዊት ትግራይ፥ ፀላኢ ብዝበለፀ ንምድምሳስ ተባሂሉ ኣብ ኣቀማምጣን ዝሓዝናዮምን ቦታታት ዝተገብረ ለውጢ፥ ንሰራዊትና ብሓይሊ ደምሲሱ እቶም ባዕልና ዝለቐቕናዮም ቦታታት ከምዝሓዞ ገይሩ የውሪ ኣሎ። ኣብዝሓለፉ ወፍርታትና ዕሱብ ዓቀይታይ ዕጡቕ ሓይሊ ሰራዊት ፀላኢ ብሰራዊት ትግራይ ተቐጥቒጡ ከቢድ ክሳራ ተሽኪሙ፥ ኣፅዋሩ ኣረኪቡ፥ ምዉት፥ ቁሱልን ምሩኽን ኮይኑ እናሃደመ ኣብዝነበረሉ ከባቢን፥ ኣብ ገሊኡ ድማ ውግእ ካብዘይነበረሉ ቦታታት ብሓይሊ ኣሕዲገ ሒዘ፥ ምባል ጀሚሩ ጥራሕ እንተይኮነስ “እየሸሹ ነው! ክበበው፥ ደምስሰው” ይብል ኣሎ። ኣብዝሓለፈ እዋን ብናይ ባዕልና ተበግሶን ድሌትን ካብ ትክል ድንጋይ ምስሰሓብና ፀላኢ ዝፈለጠ ድሕሪ ዝተወሰነ መዓልታቲ ኮይኑ እውን “እየሸሹ ነው! ክበበው! ወደ መቀሌ እየተመለሰ ነው! መሳርያ ለራስህ ነው” ተባሂሉ ተኣዊጁ። ከይወዓሉ ከይሓደሩ ድማ “መቀሌ ሳይሆን ደብረ ዘቢጥ ነው ያሉት” ምባል ጀሚሮም።


ሰራዊትና ካብ ትክል ድንጋይ ዝሰሓብና፥ ብፈኸራን ጉራን ጉጅለ ፋሽሽት ኣብይ ኣሕመድ ማለት “እጅን አፍ ላይ የሚያስጭን ገድል መፈፀማችን የምናበስርበት ጊዜ ቅርብ ነው” ዝተብሃለ ቀትሪ ሕልሚ ወፍሪ ሓይሊ ፀላኢ ንምፍሻልዩ ነይሩ። ብምዃኑ’ውን ዝወፈረ ሓይሊ ፀላኢ ደምሲስና ብዙሕ ዕጥቂ ማሪኽና ዝፈከሩ መራሕቲ መልሓሶም ክሓይኩ ብምግባር፥ ሰራዊትና ብዝበለፀ ተጠናኺሩ ክወፅእን ክኢሉ እዩ።

ስለዚ ሕዚ’ውን ንፀላኢ ብዝበለፀ ንምጥቃዕን ንምድምሳስን ዝጥዕም ስራሕ ንምስራሕ ብዘኽእለና ገሊኡ ቦታታት ብምግዳፍ፥ ብካሊእ ኣግባብ ፀላእትና ክንሕምሽሽ ዘኽእለና ቀፃሊ ወፍርታትና ክንገብር ኢና። ኣብዙይ ግልፂ ክኸውን ዘለዎ፥ ይትረፍዶ! ንባዕልና ዝጥዕም ቦታታት ገዲፍናስ፥ ፀላኢ ሓደ ሓደ ቦታታት መሊሱ ብውግእ እንተዝሕዝ እውን ናብ መቓብሩ ንምእታዉ ዝቕይር ነገር የለን።

ኣብዚ ብፈታውን ፀላእን ክፍለጥ ዘለዎ ጉጅለ ፋሽሽቲ ኣብይ ኣሕመድ፥ ብኹሉ መዳይ ይመውት ዘሎ ኣረመነ ሓይሊ እዩ። እዚ ኣረመነ ጉጅለ ብምኽንያት ኣብ ትግራይ ብዝካየድ ዘሎ ውግእን እከይ ናይ ጥፍኣት ኣመራርሕኡን ተግባሩን ሃገር ኣብ ከቢድ ፖለቲካዊ፥ ኢኮኖሚያዊ፥ ማሕበራዊን ዲፕሎማስያዊን ቅልውላው ኣትያ ትርከብ። ብምዃኑ ኣብዚ እዋን ኣብ ኦሮሚያ፥ ቤንሻንጉል፥ ቅማንትን ካልኦት ከባብታን ዝራኣዩ ተቓውሞታት፥ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናዓበዩ፥ ናይ ፀጥታ ሽግራትን ገርጨውጨዋትን እናወሰኹ ይኸዱ ስለዘለዉ፥ ህዝቢ ኣብ ዓብይ ሽግርን ዘይምርግጋእን ኣትዩ ኣሎ። ብስሉጥ ዕብየታ ብዓለም ትፍለጥ ዝነበርት ሃገር፥ ሎሚ ሰላም ሓርቢቱዋ፥ ኢኮኖሚያዊ ኩነታታ፥ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናንቆልቆለ፥ ስራሕቲ ልምዓት ደው ብምባሎም፥ ምንም ዓይነት ዕብየት ስለዘይረኣይ፥ ህዝቢ ናብርኡ ክደፍእ ዝተፀገመሉ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ። ኣብዚ እዋን ጉጅለ ፋሽሽት ኣብይ ኣሕመድ፥ ንዘካይዶ ዘሎ ወራር ዝኸውን ሓይሊ ሰብን ካልኦት ዓቕምታትን ምልዕዓል ናይ ምግባር ሎሚ’ውን እንተኾነ ተኽእሎ ዋላ እንተሃለዎ፥ ዘሎ ፖለቲካዊ፥ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ፀገም እናተጋደደ ክኸይድ ባህሪያዊ እዩ።

ኣብዚ እዋን እዚ ፋሽሽቲ ጉጅለ ኣብ መዳይ ዲፕሎማሲ ዳርጋ ኩሉ ስለ ዝፈንፈኖ፥ በይዛኹም እንዶ ሓግዙኒ፥ ከምቲ ንኣይ ትኹንኑዎ ዝነበርኩም በይዛኹም ንወያነ ኮንኑዎ ኢሉ ናብ ዝልምነሉ ብርኪ ወሪዱ ኣሎ።

ሰራዊት ትግራይና ኣብዝሓለፈ እዋን፥ ኣብ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን ኣብ ዝገበሮም ወፍሪታት፥ ጉጅለ ፋሽሽታዊ ኣብይ ኣሕመድ፥ ኣብ ባይታ መሰረት ዘይብሉ ምዃኑ ተረጋጊፁ እዩ። ጉጅለ ፋሽሽት ኣብይ ኣሕመድ ብተኸታታሊን፥ ብስፍሓትን ዝነዝሖም መርዛም ናይ ሕሶት መደናገርን፥ ፀለመን ፕሮፓጋንዳን ንህዝቢ ዓፋርን ኣምሓራን ኣብ ጎኑ ከሰልፎ ኣይከኣለን። ረብሕኡ ኣብዝውክሎ ቦትኡ እዩ ተረኺቡ። ናይ ክልቲኡ ብሄራት ህዝብታት፥ ካብ ትፅቢት ዝተገብረሉ ንላዕሊ ድጋፍን ምትሕብባርን ስለዝገበርኩምልና ዝለዓለ ክብርን ምስጋናን ይብፃሕኩም። ሰራዊትና ኣብ ዝኣተዎ ቦታታት ዓፋርን ኣምሓራን ዝተርኣየ ብህዝቢ ዝገበረሉ ኣቀባብላን ድጋፍን ሕዚ’ውን ህዝቢ ንህዝቢ ሽግር ከምዘይብሉ ዘመላኽት እዩ። ሓይለ መልጢ መግዛእቲ ጉጅለ ፋሽሽት ኣብይ ኣሕመድ ንምውዳቕን፥ ኣብ ቐፃሊ ብሓባር ክስርሑ ዝኽእሉ ንምስራሕን ምሳኹም ተሓጋጊዝና ምስራሕና ክንቅፅል ምዃንና እውን ክንገልፀልኩም ንፈቱ።

ጉጅለ ፋሽሽታዊ ኣብይ ኣሕመድ፥ ወታደራዊ ዓቕሙ ኣዕርዩ ብምድኻሙ፥ ሎሚ’ውን ካፍትን ካፍትን ድሮንን ካሊእ ቴክኖሎጂን ተጠቒሙን፥ በዝሒ ዕጡቕ ኣሰሊፉ ኣሃዱታት ወዲቡን ኩነታት ክቕይር ይረባረብ ኣሎ። ብምዃኑ፥ ኣብዚ እዋን ኣፅዋር ንምዕዳግ ዝግበር ዘሎ ጉያ ልዑልዩ። ባንክታት ዋና ስርሐን ገዲፈን፥ ቀንዲ ስርሐን፥ ክፍሊ ዕዳጋ ኣፅዋር ኮይነን ናይ ህዝቢ ገንዘብ፥ ንመዕደጊ ኣፅዋር የውዕላ ከምዘለዋ፥ ብጭቡጥ መረዳእታ ተረጋጊፁ ኣሎ።

ይኹን’ድኣምበር “ከም ቀደም ይመስለክን ውሕጅ ይወስደክን” ከምዝብሃል፥ እዞም ወረርቲ ሓይልታት፥ ሎሚ ህዝብን ሰራዊትን ትግራይ ዘለሉ ኩነታት ፍሉይን ማዕባላይን ምዃኑ ክርድኡ ዘይኽእሉ፥ ፀላእቲ እዮም። ስለዝኾነ ዳግማይ ደርጊ ጉጅለ ፋሽሽት ኣብይ ኣሕመድ ከም ኣብኡ ቀዳማይ ደርጊ ሓይሊ ሰብን ኣሃዱታትን ብምብዛሕ ጥራሕ መሰረታዊ ፖለቲካዊን ወታደራዊን፥ ድኽመታቱን ውሽጣዊ ሽግሩ ዝቕየር ዝመስሎ ጉጅለ እዩ። እዞም ወረርቲ ኣብ ኩሎም ውግኣት፥ ስሩዕ ሰራዊቶም ኣወዲኦም፥ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት፥ ሚሊሻታት፥ ከምኡ’ውን ውልቀ ዕጡቕ ኣውፊሮም ኩሉ ፈሺሉዎም። ተሓምሺሾም። “ዘመቻ ህልውና” ኢሎም ብዝኣወጅዎ፥ ሕሱር ኣዋጅ፥ መናእሰይ፥ ተረፍ መረፍ ነበር ሰራዊት ደርጊ፥ ሕዚ ድማ ሲቭላት የሰልፉ ኣለዉ። ከም ቀዳማይ ደርጊ፥ ዳግማይ ደርጊ ጉጅለ ፋሽሽት ኣብይ ኣሕመድ እውን ካብ ውግእ ዝሃድም ዕሱም ዕጡቕ ሓይሊ፥ ብድሕሪት ኮይኑ ዝቐትል ሓይሊ መዲቡ፥ ብፍላይ ደቂ ብሄር ኦሮሞን ደቡብን ብበዝሒ ግዳይ እዚ ቅትለት ይኾኑ ኣለዉ።

ኣቕሽቲ ታቦት ሒዞም፥ ካሊእ ህዝቢ ጥሩንባ፥ ፋስ፥ ጎዘሞ ሒዝካ፥ ናብ ውግእ እቶ እናበሉ፥ ኣብ ህዝቢ ጉድኣት ክበፅሕን፥ ምስ ህዝቢ ብቐፃሊ ክንዳመ ተሊሞም ይረባረቡ ኣለዉ። ሲቭላት ናብ ውግእ ብምእታው መልክዕን ትሕዝቶን እቲ ውግእ ክቕየር ይረባረቡ ኣለዉ። ሰብ ከይሃድም ብድሕሪት ኮይኑ ዝቐትል ሓይሊ ኣዋፊሮም እናቐተሉ፥ ናብ ውግእ ዝጠጠቕዎ ሓይሎም ብቕድሚትን ድሕሪትን ግዳይ ሞት ኾይኑ። ልዕሊ ኹሉ ሲቭላት ብበዝሒ ዝሞቱሉ ስልቲ ተኸቲሎም ዓይነት ናይቲ ውግእ ንምቕያር ይረባረቡ ኣለዉ።

ፀላኢ ኣብዚ እዋን ብዙሕ ሽም ዝተውሃበን፥ መዓልታት ጳጉሜንን፥ በዓል ንግስናን ጉጅለ ፋሽሽት ኣብይ ኣሕመድ ንምድማቕን መውዓሊ ዓውዲ ዓመት ክኸውን ዝኽእል ዓወት መሳሊ እዩ ዝደሊ ዘሎ። ብተወሳኺ ሞራሉ ዝውደቐ ዕጡቕ ሓይሉ ንምልዕዓልን ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዘኽእሎ ጊዜ ንምርካብን ይፅዕር ኣሎ። ይኹን’ድኣምበር እቲ ጉጅለ ዋላ ላዕልን ታሕትን እንተበለ፥ ውሽጡ ቦኽቢኹ ናብ መቃብር ይኣትው ብምህላዉ ኣብ ስልጣን ክፀንሕ ዘኽእሎ ኩነታት ከምዘየለ ክፍለጥ ኣለዎ። ነዚ እዩ ዕሱብ ዓቀይታይ ዕጡቕ ሓይሊ ኣወዲኡ፥ ሲቭል ኣጨፍጪፉ ናይ ውግእ መልክዕን ትሕዝቶን ደማዊ ገይሩ ክፅንሕዩ ዝደሊ ዘሎ።

እንተኾነ ክልዓሉን ምላሽ ዝግብኦም ሕቶታት ኣለዉ። ብምዃኑ እዚ ኹሉ ናይ ሰብ ህልቂት ምእንተ ምንታይ እዩ? ንሉኣላውነት ምኽባር? ፈፂሙ ክኸውን ኣይኽእልን። እዚ ፋሽሽት ጉጅለ ናይ ኤርትራ መንግስትን ዕጡቕ ሓይሉን፥ ዓሲቡ፥ ህዝቢ ትግራይ ከምህዝቢ ከፅንት፥ ተዋዓዒሉ ዝፈረመን ሉኣላውነት ሃገር ኣሕሊፉ ዝሃበ ፋሽሽት ጉጅለ፥ ብኽድዓት ክሕተት እናተገብኦ በየነይ ሞራል እዩ ሉኣላውነት ሃገር ተደፊሩ ኢሉ “ዘመቻ ህልውና” ዝብል ኣዋጅ፥ ኣዊጁ ህዝቢ ንምልዕዓል ዝሰርሕ።

መንእሰይ ሃገር ኣብዘይርብሓሉ ኲናት፥ ንምንታይ ድኣ እዩ ዝረግፍ ዘሎ? ብሓፂሩ ብዝጀመሮ ፕሮጀክት ምፅናት ህዝቢ ትግራይ ብምቕፃል፥ ንምንዋሕ ዕድመ ስልጣን ፋሽሽት ኣብይን ጉጅልኡን ተባሂሉ እዩ።

እዚ ኹሉ ሞት ዘሕፍር፥ ሕሱር ሞት ዝበሃል እውን ነዚ እዩ። ሕዚ እውን ዕሱብ፥ ዕጡቕ ሓይሊ ፋሽሽት ኣብይ ንባዕልኹምን ንህዝብኹምን ክብሪ ኢልኩም ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ፋሽሽት ኣብይ ኣሕመድ ተልዓሉ። ህዝብታት ኢትዮጵያ እውን ንደቅኹም ንባዕልኹም ኢልኩም ካብዚ ሕሱር ታሪኽን ሞትን ንባዕልኹም ኣድሕኑ። ነዚ ኹሉ ሕምስምስ ምኽንያት ዝኾነ ስርዓት ፋሽሽት ኣብይ ንክሕተትን ንምድምሳስን ተልዓሉ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ!!

ተልእኾ ሰራዊትና ዜና ዓወት ጥራሕ ከጋውሕ እንተይኮነስ ታሪኽ ምስራሕ እዩ። ብኣንፃሩ እንትኸውን ፀላእትና ዝደልዩ ዘለዉ ንዜናን በዓል መድመቒን ዝኸውን ዓወት መሳሊ ጊዚያዊ ያዕያዕታ ምርካብ እዩ። ተልእኾ ሰራዊትና ግን ሓይሊ ፀላኢ መሊእኻ ምድምሳስ እዩ። ነዚ ተልእኾ ንምዕዋት ዘድሊ ኩሉ ዓይነት ምትዕፅፃፍ ዝገብር፥ ብወታደራዊ ሳይንስን ጥበብን ዝምራሕ፥ ምዕሩይ ኣወፋፍራ ዘለዎ ሰራዊትና፥ ወፍርታቱ ብምዕራብ ይኹን ብምብራቕ፥ ብደቡብ ይኹን ብሰሜን፥ ብሓፈሻ ብኹሉ ኣንፈታት ተደሚሮም፥ መጨረሽኡ ምድምሳስ ፀላኢ ዘረጋግፁ ወታደራዊ ስርሒታት ክኾኑ እዩ ዝረባረብ ዘሎ። እዚ ፍሉይ ታሪኽ ዝሰርሐን፥ ዝሰርሕ ዘሎን ናይዚ ዘለናሉ መዋእል ተኣምረኛ ሰራዊት ትግራይና ብመዓልታት፥ ካብ ደባይ ናብ መደበኛ፥ ብሰሙናት ናብ መካናይዝድ ሓይሊ ዝዓብን ዝሰጋገርን ፍሉይ ሰራዊት ህዝቢ ትግራይ እዩ ሰራዊት ትግራይ። ቐፃሊ ታሪኽ ዝሰርሕ ጥራሕ እንተይኮነስ ተኣምረኛ ዝኾነ ወዲ ህዝቢ ሰራዊት እዩ ሰራዊት ትግራይ። ስለዝኾነ ሰራዊትና ብዝሓዝካዮ ፀላእትኻ እናርዐድካ ምድምሳስካ እናተዓፃፀፍካ ቀፅለሉ። ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ምሳኻ ወፍሩ ኣስጢሙ ክሳብ መወዳእታ ክዘልቕ፥ ደሕንነት ህዝቢ ትግራይ ጥራሕ እንተይኮነ መስል ዓርሰ ውሳንኡ እውን ብመስዋእትነቱ ከረጋግፅ ወሲኑ ምሳኻ ወፍሪ ስለዘሎ ዓወትካ ዘተኣማምን እዩ። ኣብዝኣተኻዮ ዘሎ ካሊእ ህዝቢ ኢትዮጵያ እውን ዝደልየካን ሓጋዚኻን ምኻኑ ባዕልኻ ተረጋግፆ ዘለኻ ጉዳይ ብምዃኑ፥ ሙሉእ ዓወትካ ኣብዝሓፀረ ጊዜ ሓቂ ክኸውን እዩ።

ስለዝኾነ ሕዚ’ውን ዘድሊ ከምታ ዝጀመርናያ ስራሕና ወፍርና ኣዛይድና ምቕፃል እዩ። እዞም ፀላእቱ እንተይጠፍኡ ፈፂሙ ድቃስ ክህልወና የብሉን። ጊዜን ዕድልን ብዝረኸቡ እዋን እንታይ ይሓስቡልና ከምዘለዉ ኩላትና እንፈልጦ ጉዳይ እዩ። ብምዃኑ ዘለና መማረፂ ፀኒዕና ብምቅላስ ዘይተርፍ ዓወትና ምምዝጋብ እዩ።

ንሕና ኣቲናዮ ዘለና ፀገም ንክፍታሕ መማረፂ ኣቐሚጥና ኢና፥ ማለት እንተተኻኢሉ “እቲ ቶኽሲ ጠጠው ኢሉ ጉዳያት ብኣግባቡ ብዘተ ክፍትሑ ደጊምና ደጋጊምና ፅዒርና ሰማዒ እንተዘይሃልዩ ግና ብውግእ ፀላኢ ምድምሳስ እዩ። ፃውዒት ሰላም ክሳብ ዘይተቐበለ ዘለና መማረፂ ብወታደራዊ ሓይሊ ፀላኢ ክድምሰስ ምግባር እዩ። ኣብዚ እዋን ገሊኡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ኾይኑ፥ ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ድማ ተኸቢቡ፥ ኩሉ ዓይነት ኣገልግሎታት ስልኪ፥ ኤሌክትሪክ፥ ባንኪ፥ ትራንስፖርት ዓፅዩ ብጥምየትን ሕማምን ክረግፍ፥ ክውዳእ ህዝቢ ናይ ምፅናት ፕሮጀክቱ ይቕፅል ስለዘሎ ቃልስና ክነሐይል ይግባእ። ኣብዚ እዋን ትግራይ መሊኣ ሓራ ሰለዘይወፀት፥ ህዝብና ንዝተፈላለዩ ማሕበረ-ኢኮኖሚያዊ ፀገማት ተቓሊዕኻ ሕሱም ናብራ ክትነብር ተገዲድካ አለካ። ስግኣት ፀላእቲ ከይኣኽለካ ካልኦት ማሕበረ ኢኮኖሚ ሽግራት እውን ይደራረቡኻ ኣለዉ። መንግስቲ ትግራይ ኣብ ኤሌክትሪክ፥ ቴሌ፥ መሰረታዊ ሸቐጣትን ካልኦትን ዝራኣዩ ግዝያዊን ቀፀልትን መፍትሕታት ተግባራዊ ብምግባር ፀገማት ህዝቢ ከቃልል ፃዕሪ ገይሩ’ዩ። ሎሚ’ውን ፀገማት ንምቅላልን ንምፍታሕን ዘለዎን ዘይብሉን ዓቕሙ ተጠቒሙ ክረባረብ እዩ። ኣብ መወዳእታ ህዝቢ ትግራይ ተሸኪሞዎ ዘሎ ፃውራ ኣዕርዮ ከቢድን ደረጃ ብደረጃ ንምፍታሕ እውን ናይ ባዕሉ ግዜ ዝጠልብ እዩ። ይኹን’ድኣምበር ህዝቢ ትግራይ ተደራሪቦምዎ ዘሎዎ ፀገማት ተፃዊሩ ፀላእቱ ደራዓዓሙ ኣብ ሓድሽ ዓመት 2014 ዓ/ም ብዝተወሰነ ደረጃ ካብ ፀገሙ ከምዝላቐቕ ኣየጠራጥርን።

ደጊመ ሰናይ ሓድሽ ዓመት 2014 ዓ/ም ክኾነልና ይምነይ።

ሕድሪ ትማሊን ሎሚን ስውኣትና ኣይነዕብርን!!

ሃለዋትናን ድሕንነትናን ብቕልፅምና!!

ትግራይ ስዒራ! መሊኣ’ውን ክትስዕር እያ!!

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ

05 መስከረም 2014 ዓ/ም

መቐለ