2013 ዓ/ም፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ስምብራት ገዲፋ መንቅሒ ደወል ዝኣወጀት ዓመተ ‘እሾኽ መርገም’።

ዓመተ 2012 ክዛዘም መዓልትታት እንትተርፎ ትግራይ ክልላዊ መረፃ ኣካይዳ።ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ነቲ ትግራይ እተካይዶ መረፃ ከሳልጥ ፍቓደኛ ስለ ዘይነበረ፤ ትግራይ ናይ ባዕላ ኮሚሽን መረፃ ብምጥያሽ ልዕሊ 2.7 ሚልዮን መረፅቲ ካርዲ መረፃ ክወስዱ ክኢሎም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ እቲ መረፃ እንተተኻይዱ “ኣዴታት ትግራይ ክነብዓ እየን፤ ህፃውንቲ ክሞቱ እዮም” ክብል ብሚድያ ብምዝራብ መረፃ ትግራይ ንከይካየድ ኣጠንቂቑ። እንተኾነ መንግስቲ ትግራይ “ተላባዲ ቫይረስ ኮሮና ብ ኣግባቡ ብምክልኻል መረፃና ክነካይድ ኢና” ኣብ ዝብል ውሳነ ብምብፃሕ 5 ፖለቲካዊ ውድባትን 4 ናይ ውልቀ ተወዳደርትን ዝተሳተፋሉ መረፃ ተኻይዱ።

ትግራይ መሰል ዓርሰ ውሳንኣ ተጠቒማ መረፃ ምክያዳ ከም ገበን ዝቖፀረ ባይቶ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ 29 ነሓሰ 2013 ዓም ህፁፅ ኣኼባ ብምፅዋዕ መረፃ ትግራይ ፡ “እንተተኻየደ’ውን ከም ዘይተገበረ ዝቑፀር፣ ዘይፀንዕን፣ ተፈፃምነት ዘይብሉን እዩ” ክብል ወሲኑ።

ኣብ መፈለምታ ዓመት 2013 ድማ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ብክልል ዓፋር ኣቢሉ ናብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ምስ ኣተወ ኣብ ዞባታት ደቡብ ምብራቕ፣ ምብራቕ ትግራይን ማእኸላይ ትግራይን ብዙሕ ዕንወት ኣስዒቡ። ገባር ትግራይ ብኽንደይ ድኻም ሓሪሱ ዝዘርኦ ምህርቱ ብ ኣንበጣ ክብላዕ እንከሎ መናእሰይ ትግራይ ኣብቲ ቦታታት እናውዓሉን እናሓደሩን ወራር ዕስለ ኣንበጣ ክምክቱ ፅዒሮም።

ብፍላይ ኣብ ከባብታት ደቡብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዘራእቲ ከቢድ ጉድኣት በፂሑ። ገባር ዝራእቱ ብኣንበጣ ተበሊዑ።
እንተኾነ መንግስቲ ፌደራል ንኹለመዳያዊ ወራርን ኲናትን ይዳለው ስለዝነበረ፣ ትግራይ መረፃ ብምክያዳ እውን ዋጋ ክትከፍል ኣለዋ ስለዝተብሃለት ኬሚካል ዝነፅጋ ድሮናት ብምኽልካል ዝራእቲ ገባር ብ ኣምበጣ ክውረር ገይሩ። ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ ኬሚካል ክነጽጋ ዝመጽኣ ሄሊኮፕተራት’ውን እንተኾነ ካብ ዶብ ትግራይን ኣምሓራን ተመሊሰን። በዚ ድማ ብኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፌደራል ሓረስታይ ትግራይ በቲ ዘጋጠሞ ወራር ኣንበጣ ንኽብላዕ ኮነ ኢሉ ናይ ምጉናይ ስራሕቲ ወጊኑ።

ኣብ መወዳእታ መስከረም 2013 ድማ መንግስቲ ፌደራል ምስ መንግስቲ ትግራይ “ዝኾነ ዓይነት ርክብ” ንከይህልዎ ከም ዝወሰነ ብዕሊ ኣፍሊጡ። ባዕሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ካልኦት ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያን፤ ትግራይ መረፃ ምክያዳ ከም ምኽንያት ቖፂሮም እቲ ትግራይ ንምጥፋእ ንዘመናት ዝተኣለመ ውጥን ንምዕዋት ኣብ ሚድያታት እናወፁ ትግራይን ትግራዋይን ኣካል ኢትዪጵያ ከምዘይኾኑ ክሰብኹ ጀሚሮም።

ኣካል እቲ ኲናት ንምግባር ብዝዓለመ መልክዑ ድማ ሰነዳዊ ፊልምታት እናተሰርሑ ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ኢትዮጵያ ኣብ እትበሃል ሃገር ዝተፈጠሩ ፀገማትን ስቓያትን ኩሎም ምኽንያቶም ተጋሩ እዮም። ተጋሩ እንትፀንቱ ጥራይ እዩ ኢትዮጵያ እትቐስን ዝብል ተረኸ ፈጢሮም። ከም ዝበልዎ ድማ ናብ ትግራይ ዝወስድ መንገድታት ተዓፅዩ፣ ምሻጥን ምዕዳግን ከይህሉ ተገይሩ። ትግራይ ካብ በጀትን ካልኦት ግልጋሎታትን ክትቑረፅ ተገይሩ።

ኣብ መወዳእታ ጥቅምቲ 2013 ኣቆጻጽራ ኣኽሱማውያን፡ መንግስቲ ፌደራል “እዚ ሰሜን ስለዝተጠቕዐ” ብዝብል ዘይሓቃዊ ምኽንያት ብዕሊ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ወረራ ፈፂሙ። ኣብቲ መጀመርታታት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ንጋዜጠኛታት መብርሂ ኣብ ዝህበሉ እዋን “መንግስቲ ፌደራል ናይ ነፈርቲ መጥቃዕትታት ይገብር ኣሎ ዝብሉ ክስታት ኣለው። እዚ ሓቂ ድዩ?” ክብል ንዝቐረበሉ ሕቶ “እወ ሓቂ እዩ። እቲ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕትታት ድሕሪ ሐዚ እውን ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ። ሰብ ኣብ ከተማታት ከይንቀሳቐስ ይጠንቀቕ፣ ካብ ናይ ነዳዲ ዲፖታት ይርሓቕ” ክብል ኣብ ማእኸል ከተማን ህዝቢ ኣብ ዝነብረሉን ከባቢታት ናይ ነፋሪት መጥቃዕትታት ኣካይዱ።

ኣንፈት እቲ ኲናት ተቐይሩ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዋና ከተማ መቐለ ምስተቖፃፀረ ድማ ህዝቢ ዘይመረፆም ብግዲ ክነመሓድረካ ዝብሉ ምስለኔታት ተሸይሞሙሉ። ህዝቢ ትግራይ ካብ ውሉድ ወለዶ መራሕቱ ባዕሉ ንክመርፅ ብዝብል እናተቓለሰ ዝመፀ ህዝቢ ምዃኑ ዘየገናዘበ ወሳነ።

እቶም ወተሃደራት ትግራይ ኣብ ዝተቖፅቅፀረሉ እዋን፤ እዋን እቶ እቶ ብምእዋጅ ሰዓት ኣሕሊፍኩም ብዝብል ምኽንያት መናእሰይ ኣብ ፅርግያታት ክርሽኑ ጀሚሮም።
መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ንሓደ ህዝቢ ንታሪኽ ከምዘይተርፍ ገይርካ ጠቕሊልካ ክተፅንቶ ከምዘይትኽእል ይፈልጥ እዩ። ብፍላይ ድማ ከም ህዝቢ ትግራይ ዝበለ ምእንቲ ግዝኣታዊ ሓድነቱን ብሄራዊ ክብሩን ክብል ንዓመታት ዝተቓለሰ ህዝቢ። እንተኾነ እቲ ሰብ ታሪኽ ኢና፣ መበቆል ስልጣነ ኢና፣ ኢትዮጵያ ዝተሃነፀትሉ መሰረት ንሕና ኢና ዝብል ሓቃዊ ተረኽን እቲ ብትግራዋይ መንነት ምኹራዕን ንምጥፋእ ዝዓለመ ኲናት እዩ። ህዝቢ ትግራይ ትግራዋይነት ምንጪ ስቓይ፣ ሞት፣ ጥምየትን ስደትን ከምዝኾነ ክስምዖ ምግባር እዩ። ሞት ሓደ ሰብ ኣዐርዩ ጭካነ ብዝተመልኦን ብዘስካሕክሕን መልክዑ ብምግባር ን ሙሉእ ህዝቢ ስነ ልቦናዊ መስበርቲ ንክፈጥር ብዝዓለመ ምአልክዑ ዝተወልዐ ኲናት እዩ።

እቲ ወግሐ ፀብሐ ብዘዓባ ሉኣላውነት ዝዝምር መንግስቲ ሰራዊት ኤርትራ ብምዕዳም፣ ድሮናት ዓረብ ኢሚሬት ብምእታው ዕላዊ ምፅናት ዓሌት ኣዊጁ። ምትእትታው ሰራዊት ኤርትራ ን ኣዋርሕ ክኽሕድ ድሕሪ ምፅናሕ ድማ ኣብ መፈለምታ ወርሒ መጋቢት ከም መንግስቲ ሰራዊት ኤርትራ ናብ ትግራይ ከምዝኣተወ ኣሚኑ።

“ኣብ መበል 21 ክፍለዘበን ሰብ ብጥምየት ክመውት ሪኢና”

ብ ሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት ልዕሊ 2.3 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ክመዛበል እንከሎ ልዕሊ 70 ሽሕ ህዝቢ ድማ ናብ ሱዳን ብምስዳድ ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ተዓቚቡ ይርከብ። ካብቶም ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዝተመዛበሉን ናብ ሱዳን ዝተሰደዱን ሰባት ክንደይ ዝኣኽሉ ኣብ መንገዲ ከምዝሞቱ ኣይፍለጥን። ቅድም ክብል ልቢ ብዙሓት ዘሕዘነ ዛንታ ሓደ ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝተመዛበለ ትግራዋይ ነዚ ስግኣት እዚ ዘራጉድ እዩ።

ኣቶ ኣብርሃ ይብሃል ሓይልታት ኣምሓራን ፋኖን ህዝቢ ማይካድራ ክጭፍጭፉ ምስ ጀመሩ ካብ ማይካድራ ነብሰ ፁር በዓልቲ ገዝኡ ሒዙ ንስደት ነቒሉ። በዓልቲ ገዝኡ ኣብ መንገዲ መናቱ ቖልዑ ተገላጊላ ህይወታ ሓሊፉ። ብሕማም፣ ብጥምየትን ድኻምን ክንደይ ዝኣክል ሰብ ኣብ መንገዲ ከምዝሞተ ብንፁር ዝፍለጥ ነገር የለን። ቅድም ክብል እቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ግዚያዊ ምምሕዳር ባዕሉ ብዝኣመነሉ ሃለዋት ከባቢ 1 ሚልዮን ነባሪ ኣይፍለጥን።

ዩኒሴፍ ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ መዕቖቢ ስደተኛታት ዝርከቡ ልዕሊ 5 ሽሕ ህፃውንቲ ብዘይ ወለዲ ተሪፎም እዪም። ካብ ዓለም ለኻዊ ትካላትን ሚድያታትን ዝወፀ ፀብፃብ ከምዝሕብሮ ልዕሊ 24 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ፆታዊ ጥቕዓት በፂሕወን እዩ።
ገብረመስቀል ገብረማርያም ሓደ ካብቶም መስረትቲ “ተጋሩ ግዳያት ፆታዊ ዓመፅ ነድሕን” ዝብል ምንቅስቓስ እዩ። ገብረመስቀል ክንደይ ዝኣኽላ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ግዳያት ፆታዊ ዓመፅ ከምዝኾና ኣብ ሕድሕድ ቁሸታትን ከባብታትን ትግራይ ፅንዓት ክግበር ኣለዎ። እቲ 20 ሽሕ 30 ሽሕ ዝበሃል እተን ናብ ሕክምና ከይደን ሪፖርት ዝገበራ ጥራይ እየን። በቢ ኸባቢኡ ዘይወፃ ኣብ ገዛ ዝተሓብኣ ብዙሓት እየን። ይብል። መጠን እቲ ፆታዊ ዓመፅ እንትገልፅ ድማ፡

“ናይ ክልተ ወርሒ ህፃን እተጥቡ ኣደ፡ ነታ ህፃን ካብ ሕቑፍኣ መንጢሎም ብምድርባይ ን 17 ሰዓታት እናተባረዩ ብዘይ ምቁራፅ ደፊሮምዋ። ዝረሰነ ሓፂን ድማ ናብ ማህፀና ኣእትዮምላ። ዝረሰነ ሓፂንን ክሊእ ቁሳትን ናብ ማህፀነን ዝኣተወን ብዙሓት ግዳያት እየን። ኮነ ኢሎም ሕማም ኤች ኣይቪ ዘመሓላለፉለን እውን ከምኡ” ክብል ይገልፅ።

ቅድም ክብል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዘውፅኦ ሪፖርት ገዛ ክንፍትሽ ብዝብል ምኽንያት ን ናይ ኣርባዕተ ወርሒ ነብሰፁር ከምዝዓመፁ ” እታ ግዳይ ሰብ ምዃነይ እውን ዝዘከሩ ኣይመስለንን” ክትብል ምግላፃ ኣቃሊሑ እዩ።
እተን ግዳያት ፆታዊ ዓመፅ ካብ ጓል 5 ዓመት ህፃን ክሳብ ጓል 89 ዝዕድሚአን ኣዴታትን መናንያን ፈለስትን እየን።

ሕርሻ ትግራይ ብ ኽንደይ ዝኣክል መጠን ከም ዝዓነወ ድማ ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ ትግራይ ዶክተር ኣትንኩት መዝገቦ ን ቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መሕትት፡ “ክሳብ ሕዚ ህዝቢ ዘለዎ እናተኻፈለ ይበልዕ ነይሩ፤ ሕዚ ግና ዝብላዕ ስኢኑ። ካብቶም ብጥምየት ዝሞቱ ገሊኦም ብጨውን ማይን ንሓሙሽተ ሽዱሽተ መዓልታት ክደፍኡ ይፅዕሩ ከም ዝነበሩ’ዩ ሓበሬታ በፂሑኒ።

“እቲ ዝተመዛበለ ይኹን ኣብ ገዝኡ ዘሎ ህዝቢ ክንበፅሐሉ ስለ ዘይክኣልና፡ ዓይንና እናርኣየ ኣብ መበል 21 ክፍለዘምን ሰብ ብጥምየት ክሞት ርኢና። እዚ ዝሕባእ ኣይኮነን። እቲ ኮምዩኒኬሽን ኣፀጋሚ ስለ ዝኾነ ብዙሕ ዘይበፃሕናዮ ክህሉ’ዩ፤ እዚ ንርእሱ ብእዋኑ ኣይበፀሐናን፤ ቅድሚ ሰሙን ዘጋጠመ’ዩ።

“ኣጋጣሚ ብሮቡዕ ናይ ፋኦ ሰራሕተኛ መፂኡ መብርሂ ክህበና እንከሎ: ኩላትና ሰንቢድና። መግቢ ጥራይ ድዩ ካልእ ሕማም ነይሩዎም ዝብል ኣፃሪና ኢና፤ ናይ ክልተ ሰባት ተጠራጢርና። ካልእ እቲ ቐንዲ ግን መንቀሊኡ መግቢ’ዩ። ዓይንና እናርኣና ሰብ ይመውት ኣሎ።” ክብል ገሊፁ። ብተወሳኺ ዶክተር ኣትንኩት ኣብዚ ዓመት ትግራይ ካብቲ እተፍርዮ ዝነበረት 25 ሚእታዊት እውን ከምዘይተፍሪ ገሊፁ እዩ።

ብምኽንያት እዚ ሰብ ስራሕ ጥምዬት ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ኣዝዩ ህፁፅ ሓገዝ ምግቢ የድልዮ። ልዕሊ 50 ሽሕ ህፃውንቲ ድማ ብሕፅረት ዝተመጣጠነ ምግቢን ስን መዓዛን ኣብ ኣፍ ሞት ይርከቡ። ብ ሓፈሽኡ ድማ ከባቢ 6.2 ሚልዮን ህዝቢ ረድኤት ዝፅበይ እዩ።
ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ትግራይ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ከባቢታት ማይ ቅነጣል፣ ቆላ ተምቤን፣ ጣንቋ ምላሽ፣ ሓውዜን፣ ሰላዋ፣ እንዳ መኾኒን ሽረ እንዳስላሰን 150 ሰባት ብሰንኪ ጥሜት ከምዝሞቱ ሓቢሩ። ሐዚ ዝወፁ ዘለው ፀብፃባት ከምዝሕብርዊ ድማ ኣብ ትግራይ መዓልታዊ 180 ሰብ ብጥምየት ይመውት ኣሎ።

“ትግራይ ድሕሪ ውድቀት ደርግ ዝሃነጸቶ ንብረት ብምልኡ ዓንዩ’ዩ”

ኣብ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ኲናት ልዕሊ 70 ሚእታዊት ትካላት ጥዕና ትግራይ ከም ዝዓነዋን ንብረት እተን ትካላት ጥዕና ከም ዝተዘምተን ዓለምለኻዊ ማሕበር ትካል ሓኻይም ብዘይ ዶብ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ጠቒሱ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብ ትግራይ እተን ሐዚ ግልጋሎት ዝህባ ዘለዋ ትካላት ጥዕና 13 ሚኢታዊት ጥራይ ምዃነን ዝወፁ ፀብፃባት ይሕብሩ።
ቅድም ክብል ሰራሕተኛታት ሓኻይም ብዘይ ዶብ ዝኾኑ የውሃንስ ሓለፊም፣ ቴድሮስ ገብረማርያምን ማርያ ሀርናዴዝን ኮነ ተባሂሉ ክቕተሉ ተገይሩ እዩ። እዞም ሰራሕተኛታት እዚ ገባሪ ሰናይ ትካል ኣብ ኩሉ ከባብታት ዓለም ከም ዝገብርዎ ኣብ ትግራይ ህዝቢ የገልግሉ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን እዪም ተቐቲሎም። ትካል ሓኻይም ብዘይ ዶብ ንዝሓለፉ 37 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ስራሕቲ ዝሰርሐ እንትኾን ኣብ ቀረባ መዓልትታት ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ ግና ን ሰለስተ ኣዋርሕ ስርሑ ደው ከምዘብልን ሰራሕተኛታቱ ካብ ኢትዮጵያ ከምዘውፅአን ዕላዊ ገይሩ።

ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ እውን ኣካል እቲ ዕንወትን ብርሰትን ንክኾና ኮነ ተባሂሉ ተሰሪሑ እዩ። ኣብ ቀረባ እዋን ቴሌቪዥን ትግራይ ኣብ መቐለ ብዘዓባ ዝርከብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሃፀይ የውሃስ ኣመልኪቱ ዝሰርሖ ዜና እቲ ቤት ትምህርቲ ሙሉእ ንሙሉእ ብዝበሃል መልክዑ ከምዝዓነወ ዝገልፅ እዩ። ክሳብ ሐዚ ኣበይ ከባቢታት እንታይ እንታይ ዝብሃላ ቤት ትምህርትታት ከምዝዓነዋ ብዝርዝር ዝተፀንዐ ነገር እኳ እንተዘይሃለወ። Tigray media House ምሩካት ቃለ መሕተት ኣብ ዝገብረሉ እዋን ሓደ ኣባል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ዝነበራ መምሀሪ ፕላዝማታት ወታደራት ፅዒኖም ክወስዱ ከምዝረኣየን ክወስድዎ ዘይኽኣሉ ድማ ይሰብርዎ ከምዝነበሩን ገሊፁ እዩ።

ሚንስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ኣቶ ጌታሁን መኩሪያ ከም ዝበሎ ድማ ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ ትግራይ ልዕሊ 1.4 ሚልዮን ተምሃሮን ልዕሊ 48 ሽሕ መምህራንን ካብ ምምሃር ምስትምሃር ወፃኢ ከምዝኾኑ ዝሕብር እዩ።

ብዙሓት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እውን ኣብዝሓ ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ዓንየን ከም ዘለዋ ይገልፁ። ተወሳኺ መጽናዕቲ ዘድልዮ’ኳ እንተኾነ ኣብ ትግራይ ዝነበራ ኣስታት 7 ሽሕ ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝዓነዋ ይግለጽ’ሎ። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣይተ ኣለም ገብረዋህድ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመተ 2014 ኣቆጽጻራ ኣኽሱማውያን ኣብ ዝሃቦ ናይ እንቋዕ ኣብጽሓኩም መልእኽቲ ኣብ ትግራይ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርግ ዝተሃነጸ ንብረትን መሰረት ልምዓትን ምሉእ ብምሉእ ከምዝዓነወ ገሊጹ ነይሩ።

“መንቀሊ ውድቀትና ሃገረ መንግስቲ ስለዘይነበረና’ዩ”

ብምኽንያት እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኩለ መዳያዊ ኲናት ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያ ዝነብሩ ተጋሩ ግዳያት ጅምላዊ ግፋን ማእሰርትን እናኾኑ ይርከቡ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን CNN ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ 9 መዳጎኒ ቦታታት ወይ ድማ concentration camps ብሳተላይት ምስሊ ከምዝረኣየ ኣቃሊሑ እዩ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ተጋሩ ካብ ገዝኦምን ስራሕ ቦትኦምን እናተኣረዩ ብምኽንያት መንነቶም እንትእሰሩን ብዘይ ሕጋዊ መልኽዑ ንዋሕስ እናተብሃለ ብ ኣሽሓት ከምዝሕተቱን ገለ ካብቶም ግዳያት ኣብ ሚድያታት ቀሪቦም ምስክርነቶም ሂቦም እዮም። ኣብ ምዕራብ ትግራይ ድማ ብፍላይ ኣብ ከተማታት ሑመራን ከባቢኣን ዳርጋ ተወለድቲ ትግራይ የለውን ብዘብል መልክዑ ናብ መዳጎኒ ማእኸላት ኣትዮም ኣብ ስቓይ ይርከቡ። ሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ድማ መዓልታዊ ካብቲ መዳጎኒ ማእኸል ሰባት እናውፅኡ ይርሽኑን ናብ ሩባ ተከዘ ይድርብዩን ኣለው።

እቲ ካሊእ ኣካል ቁጠባዊ መጥቃዕቲ ዝኾነ ብ ተጋሩ ዝውነና ትካላት ንግዲ ብምዕሻግ ተጋሩ ካብ ስራሕ ወፃኢ ምግባር እዩ። ክሳብ ሐዚ ኣናእሽተይ እንጀራን ሽሮን ዝሸጣ ትካላት ሓዊሱ ልዕሊ 56 ሽሕ ናይ ተጋሩ ትካላት ንግዲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ክዕፀዋ ተገይሩ እዩ።

እቲ ካሊእ ህዝቢ ትግራይ ድምፂ ዝኾንኦ ሚድያታት ከይረክብ እተን ሚድያታት ብምዕፃው፣ ክዓንዋ ብምግባርን ጋዜጠኛታት ብምእሳርን ህዝቢ ዝበፅሖ ግፍዒ ዓለም ከይሰምዖ ምግባር እዩ።

ኣብ ድምፂ ወያነ ብዝተገበረ ፅንዓት ዕንወት (damage acessment) ኣብ ናይ መጀመርታ መጽናዕቲ ልዕሊ 1 ቢልዮን ቅርሺ ዝኸዉን ዕንወት ከም ዘጋጠሞ ተሰሪሑ ዝቐረበ እንትኾን፤ ናይ ቴሌቪዥን ትግራይ ድማ ኣስታት 500 ሚልዮን ዝግመት ዕንወት ከምዝበፅሖ ተገሊፁ እዩ። ድምጺ ወፂነ ብዘይካ እቲ ህንፃ ዝተረፎ ነገር ከምዘይብሉ እቲ ፅንዓት ይሕብር።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣንፈት እቲ ቃልሲ ተቐይሩ ኣብዝሓ ከባቢታት ትግራይ ሓራ ወፅዩን ሜዳ እቲ ኲናት እውን ካብ ትግራይ ወፃኢ ኮይኑን ህዝቢ ትግራይ ብመጠኑ እውን እንተኾነ ሩፍ እንተበለ ብስሩ ግን ትግራይ ብኽንድዚ ዝኣክል መጠን ንክትጉዳእ ምኽንያት ዝኾነ ዘይድልዉነት ብኸመይ ኣጋጢሙ?

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀነራል ተኽለብርሃን ወልደኣረጋይ ምስ መፅሄት ረመፅ ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት እዚ ሕቶ እንትምልስ፡

“ፍልፍል ኩሎም ፀገማትና እቲ ሐዚ እንሓቶ ዘለና ሃገረ መንግስቲ ስለ ዘይነበረና እዩ። እቲ ፀገም ዕምቆት ዘድልዮ፡ መፅናዕትን ገምጋምን ዘድልዮ እዩ። ምድላው ክትብል ከለኻ ወታደራዊ ጥራይ ኣይኾነን። ንኲናት ክትዳሎ ሕጋዊ፣ ዲፕሎማስያዊን ወታደራውን ዓቕሚ የድሊ። እዞም ዓቕምታት ኩሎም ተወሃሂዶም እዮም ምድላው ኲናት ዝውገን። ኲናት እውን ክተትርፎ እትኽእል ብኸምዚ እንተተዳሊኻ እዩ። ትግራይ ግና ነዚኦም ንውጋን ኣብ ዘኽእላ ቁመና ኣይነበረትን። ምኽንያቱ እዚኦም ንምግባር ሃገረ መንግስቲ ክህልወካ ኣለዎ። ሃገረ መንግስቲ እንተዝህልወና ነይሩ ወታደራውን ዲፕሎማስያውን ዓቕምና እውን ብኡኡ ልክዕ እዩ ክኸውን ነይሩ።” ክብል ገሊፁ ነይሩ።

ብኻሊእ ወገን ድማ ምኽንያት እቲ ኣጋጢሙና ዘሎ ፀገም ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ፀገም እዩ ዝብሉ ፖለቲከኛታት ኣለዉ። እቲ ዋና ፀገም ውሽጣዊ ሓርነት ዘይምንባሩ፣ ናይ ፖለቲካ ባህልና ዓፋንን ብ ኣነ ይፈልጠልኩምን ዝተዓብዐበ ስለዝኾነ ኢና ኣብዚ በፂሕና። እቲ ን ዘመናት ዝነበረ ናይ ባህጊ ዘይምቅዳውን ጎነፅ ስልጣነን ብግዚያዊ መፍትሒ ክትዓብሶ ምፍታንን መሰረታዊ ሕቶ ንዘልዕሉ ፖለቲካዊ ውድባት ኮነ ውልቀ ሰባት ብምዕፋን ኣብ ስልጣን ንምፅናሕ ዝተገበረ ጌጋ እዩ መሰረት እዚ ኩሉ ፀገም ክብሉ ይሙግቱ።