ኣብ ከተማ ዉቕሮን ከባቢኣን ብሰንኪ ጥምየት ልዕሊ 14 ህፃናት ከምዝሞቱ ተገሊፁ።

ኣብ ትግራይ ኮነ ተባሂሉ ብዝተፈጠረ ሰብ ሰራሕ ጥምየት ኣብ ልዕሊ ህፃናት ዝረአ ዘሎ ሕፅረት ምግብን ሰነ መዓዛን ኣብ ዉቕሮን ከባቢኣን ጥራሕ ዛጊድ ልዕሊ 14 ህፃናት ከምዝሞቱ ቴሌቭዥን ትግራይ ፀብፂቡ።

ኣብ ትግራይ ዜጋታት ካብን ናብን ተንቀሳቒሶም ስድረኦምን ባዕሎምን ከይእብዱ እኳ ዕፅዋታት ማሕበራዊ ግልጋሎት ከምኒ ስልኪ፣ ባንክን መብራህትን ብምህላዉ ብርክት ዝበሉ ሰባት ግዳያት ይኾኑ ኣለው።

እዚ ተግባር ዋና ተሓታቲ ድማ መንግስቲ ኢትዮጲያ ከምዝኾነን ኮነ ኢሉ ህዝቢ ትግራይ ካብ ገፀ መሬት ንኽጠፍእ ብተግባር ይሰርሕ ከምዘሎን እውን ተገሊፁ።

እዚ ሓደጋ ካብ እዋን ናብ እዋን እናተጋደደ ይመፅእ ምህላዉን ኣብ ሞያኦም እዉን ከቢድ ናይ ስነ ልቦና ማህሰይቲ ይፈጥረሎም ምህላዉን ህፁፅ ስጉምቲ ተዘይተወሲዱ ሓደግኡ ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑን ሰብ ሞያ ሓኻይም ኣረዲኦም።

ብተወሳኺ ኲናት ትግራይ ካብ ዝዉላዕ ናብዚ ብኣሸሓት ዝቑፀሩ ህፃናት ወለዲ ኣልቦ ከምዝኾኑን ከምኡ እውን ብሕፅረት ምግቢ ሂወቶም ይሓልፍ ከምዘሎን ይፍለጥ።

ከምኡ እውን ኣብ ትግራይ እቲ በቢመዓልቱ ብጥምየት ዝሞት ዘሎ ህዝቢ ብፍላይ ሞት ህፃናት ይበዝሕ ምህላዉን እዚ ድማ መንግስቲ ኢትዮጲያ ጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ይጥቀመሉ ምህላዉን ዝተፈላለያ ማዕኸናት ዜና ምቅለሐን ይዝከር።