ናብ ትግራይ ክኣቱ ካብ ዝግብኦ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ እቲ 10 ሚእታዊ ጥራሕ ከምዝኣተወ ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤት ሓደጋን ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፊዝ ሓቢሩ።

ማርቲን ግሪፍን ምስ ሮይተርስ ኣብ ዝነበሮ ቃለመሕትት “እቲ ጥምየት ሰብ ሰራሕ ከምዝኾነን ብስራሕ መንግስቲ ክፍታሕ ከምዝኽእልን ብምግላፅ እቲ ኩነታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናገደደ ይመጽእ ከምዘሎ ኣመላኪቱ።

ኣብ ወርሒ ሰነ ዝነበረ ጽንዓት ሕቡራት ሃገራት መሰረት ብምግባር ልዕሊ 400 ሽሕ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ጥሜት ኩነታት ከምዘሎን ዘዘካኸረ እንትኸውን ብድሕሪኡ እኹል ሰብኣዊ ሓገዝ እንድሕር ዘይበጸሐ ኣብ ከቢድ ጥምየት ተሳጢሖም ከምዘለው ምግማት ከምዝካኣል ሓቢሩ።

ብሰንኪ ኣብ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝነበረ ዕጽዋ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ሕጽረት ነዳዲ፣ ጥረ ገንዘብን ናይ ጽሕነት መኪናን ኣብ ትግራይ ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ንምፍላጥ ሐዚ እውን ኣጸጋሚ ከምዝኮነ ገሊፁ።

ልኡክ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት “ዕጽዋ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝብሃል ክሲ መሰረት ዘይብሉ ክሲ ከምዝኾነን ብሰንኪ ኩለን ናብ ትግራይ ኣትየን ዘይምለሳ መካይን ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ሕጽረት ናይ ጽዕነት መኪና የጋጥመን ከምዘሎን ገሊፁ ነይሩ።

እንተኮነ ግን ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ከመዘመላኽቶ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘብጹሑ ገናሕቲ መካይን ብውሑዱ ክልተ ግዜ ተተኪሱዎም ከምዝተወቁዑን ተጋሩ ገናሕቲ እተን መኪና ድማ ብፉሉይ ከምዝእሰሩን መንግስቲ ትግራይ ምግላፁ ይፍለጥ።

ማርቲን ግሪፊዝ ብወገኑ ናብ ትግራይ ዝኣትዋ መካይን ኣብዝሓ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ ከምዝይምልሳ ዝሓበረ እንትኸውን ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ነዳዲ ናብ ትግራይ ከምዘይኣተወ ተዛሪቡ።

ከም ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት 5.2 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮ እንትኸውን ኣብ ማዓልቲ 100 ጽንዕነት መኪና ዝከውን ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልይ ይፍለጥ።

እንተኮነ ብሰንኪ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘነበሮ ዕጽዋ ሰብኣዊ ሓገዝ ክሳብ ሐዚ 10 ሚእታዊ ካብቲ ዘድሊ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝኣተወ እንትኸውን በቢመዓልቱ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ብጥምየት ይመውት ከምዘሎ ይፍለጥ።