ኢትዮጵያ ዝተለቀሐቶ ዕዳ ናይ ምምላስ ዓቕማ ናብ ደረጃ CCC+ ከምዝወረደ ሓደ ኣብ ገንዘባዊ ጽንዓትን ትንታነን ኣድሂቡ ዝሰርሕ ዓለም ለኻዊ ትካል ኣፍሊጡ።

እቲ ደረጃ “CCC+” ኣዝዩ ልዑል ሓደጋ ዘለዎም ቦንድን ኢንቨስትመንትን ዝውክእል እንትኸውን ናይታ ሃገር ዕዳ ናይ ምምላስ ዓቅምን ድሌትን እውን ትሑት ምዃኑ ዘመላክት እዩ።

እዚ ማለት ብዘለዎ ልዑል ሓደጋ ዘይምክፋል ባንክታት በቲ ደረጃ ናይ ዘሎ ሃገር ቦንድ ክገዝኣ ኣይፍቀደለንን ማለት ከምዝኾነ ይግለፅ።

ብምዃኑ እውን ትካል “S&P” ግሎባል ነዚ ምደባ ከም ምክንያት ዘቀመጦ ድማ ኣብታ ሃገር ዝግበር ዘሎ ኲናት ከምዝኾነን ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት ስዒቡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ቁጠባ ኢትዮጲያ እናቆልቆለ ይኸይድ ከምዘሎን እታ ሃገር ዘለዋ ናይ ደገ ዕዳ ኣብ እዋኑ ናብ ምክፋል ዘይትክእለሉ ብርኪ ተሳጢሓ ከምዘላ ሓቢሩ።

ኣብቲ ኣስታት 11 ወርሒ ዝገበረ ኲናት ትግራይ ካብ ሰብኣዊ ክሳርኡን ቅልውላውን ብተወሳኺ ቁጠባዊ ክሳርኡ ኣዝዩ ከቢድ ከምዝኾነን ንልዕሊ 10ታት ዓመታት ብቅልጡፍ ቁጠባዊ ዕብየት ዝፍለጥ ዝነበረ ቁጠባ ኢትዮጲያ ብሰንኪ እቲ ኲናት ከምዝዓነወ ይግለፅ።

ብሰንኪ እቲ ኲናት ዝተሃሞኸ ቁጠባ ኢትዮጲያ ዳግም ንምጽጋን ብዙሕ ዓመታት ከምዘድልዮ ብዙሓት ምሁራት ፖለቲካዊ ትንታንኦም የቐምጡ።

ኣብ ኲናት ትግራይ ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ ከምዝፈሰሰ ብንጹር እኳ እንተዘይተፈለጠ ኮይኑ ግና ትካል “trading economics” ክሳብ መወዳእታ ታሕሳስ 502 ሚልዮን ዶላር ክኸውን ከምዝክእል ግምቱ የቐምጥ።

እዚ ግምት ኣብቲ ኲናት ዝበጸሐ ንዋታዊን ካሊእ ኪሳራ እንትረኣ ኣዝዩ ትሑት ግምት ምኳኑ ንምግማት ዝኸብድ ከምዘይኮነን ከምኡ እውን ኣብቲ ኲናት ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ወፃኢ ከምዝተገበረ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዋና ፃሓፊ ሕብራት ሃገራት ኣንተንዮ ጉቴሬዝ ገሊፁ ምንባሩ ይዝከር።

እቲ ብክልተ ኣሃዝ ዝዓቢ ዝነበረ ቁጠባ ኢትዮጲያ ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ተራእዩ ብዘይፈልጥ መልክዑ ኣብዚ ዓመተ ፈረንጂ “2021” እዚ ብክልተ ሚኢታዊ ጥራሕ ከምዝዓቢ “IMF” ኣነጺሩ እዩ።

ኣብ መንጎ እታ ሃገር ሰደድ (export) እትገብሮን እተእትዎን(Import) ጥረ ኣቕሓ ዘሎ ዘይምምጥጣን ሰፊሕ ከምዝኾነን ኣታዊ ዝግበር ኣቓሓ 14 ቢልዮን ዶላር እንትኸውን ሰድድ ዝግበር ድማ 3 ነጥቢ 4 ቢልዮን ጥራሕ ከምዝኾነ ይግለፅ።

ኣብ ልዕሊ እዚ ድማ ጥረ ኣቓሓ ናብ ኣሜርካ ብዘይ ቀረጽ ሰድድ ብምግባር ብኣማኢት ሚልዮናት ዶላር ዝኣክል እትረክበሉ ዝነበረት “AGOA” ዕድል ናይ ምስኣን ዕድላ ሰፊሕ ከምዝኾነ ተዓዘብቲ ይገልፁ።

እቲ ዕድል ንሱ እንተሲኢና ኣብ ሞንጎ ሰደድ ዝግበርን ዝኣትውን ዘሎ ፍልልይ ካብ ምስፋሕ ሓሊፉ ብሕጽረት ዶላር ቁጠባ እታ ሃገር ካብቲ ዘለዎ ብዝገደደ መልክዑ ናይ ምህሳይ ዕድሉ ስፊሕ ከምዝኸውን ድማ ይግለፅ።

ሐዚ እውን እንትኮነ ዋጋ ቅርሺ ወሪዱ ሕጽረት ዶላር ብዓብይ ዝርኣይ እንትኸውን መንግስቲ ኢትዮጲያ ብዝበጸሖ ዲፕሎማሲያዊ ክሳራን ሕጽረት ዶላርን ልዕሊ 30 ኤምባሲስታት ከምዝዓፀወ ዝፍለጥ እዩ።

ካብዚ ብተወሳኪ ኢትዮጲያ ዘለዋ ሃገራዊ ዕዳ ኣብዚ ዓመት 60 ቢልዮን ዶላር ዝበጸሐ እትኸውን እዚ ድማ እታ ሃገር ካብ እተእትዎ ጠቅላላ እቶት(GDP) 70 ሚኢታዊ ዝሕዝ እዩ።

እዚ ሐዚ ዘሎ ኩነታት እንተቀጺሉ ድማ ጠቅላላ ዕዳ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ጥራሕ ከባቢ 10 ቢልዮን ዶላር ወሲኩ 70 ቢልዮን ዶላር ክኣትው ከምዝክእል ዝተፈላለዩ ትካላት ግምቶም የቀምጡ።

ቁጠባ ኢትዮጲያ ብሰንኪ መንግስቲ ኢትዮጲያ ዝወለዖ ኲናት ብቀሊሉ ክጽገነሉ ናብ ዘይክእል ብርኪ ወዲቁ ኣብ ከቢድ ናህሪ ዕዳጋን ቁጣባዊ ቅልውላን ዝኣተወ እንትኸውን መንግስቲ ኢትዮጲያ በቢግዚኡ ዝውስኮም ዘሎ ዕዳታት ኣብ እዋኑ ምክፋል ኣብይዎ ናይታ ሃገር ዕዳ መክፈሊ ግዜ ክናዋሕን ክስረዝን ኣብ ምሕታት ይርከብ።

ነዚ ኣብ ሓደጋ ዝወደቐ ናይ ምኽፋል ዓቅሚ መንግስቲ ኢትዮጲያ መፍትሒ ንምቅማጥ ኣብ እዚ ወርሒ “creditor committee for Ethiopia” ዝተባሀለ ብ12 ሃገራት ዝተጣየሸን ብቻይናን ፈረንሳይን ዝምራሕ ኮሜቲ ተጣይሹ እዩ።

ኣብ ቀረባ ድማ መንግስቲ ኣመሪካ ቁጠባዊን ካልኦት ማዕቀባትን ንምግባር ዘክእሎ ናይ ስራሕ ፈጻሚ ትእዛዝ ዝፈረመ ኮይኑ ናብ ተግባር እንትሸርፍ ቁጠባ ኢትዮጲያ ካብ ዝሓመቐ ናብ ኣዝዩ ዝኸፈአ ውድቐት ከምርሖ ከምዝክእል ተዓዘብቲ ይዛረቡ።