ኣብ ትግራይ፡ ህፃውንቲ ብሕፅረት ዝተመጣጠነ ምግቢ ይሞቱ ከምዘለው ማዕኸን ዜና ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ኣቃሊዑ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣዴታት ትግራይ ብሰብ ስራሕ ጥምየት ደቀን ኣቑፅልቲ እንዳብልዓ ትንፋሶም ከቐንያ ይፅዕራ ከምዘለዋን ህፃውንቲ ድማ ብሕፅረት ዝተመጣጠነ ምግቢ ይሓሙን ይሞቱን ከምዘለው ማዕኸን ዜና ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ኣቃሊዑ።

ኣብቶም ብሕፅረት ዝተመጣጠነ ምግቢ ዝተጠቕዑ ህፃውንቲ ዝረአዩ ምልክታት ከም ዓቕሚ ምስኣን፣ ሽፍታ ወይ ዕንፍሩር፣ ምስኣን ሸውሃት ምግቢ፣ ምጉዳል ኪሎን ዝበሉ ከምዝኾነ ገሊፁ።

ሓንቲ ምስ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ፃንሒት ዝገበረት ኣዶ ካብ ዓዲግራት ከምዝመፀትን ቅድሚ እቲ ኲናት ጓላ ዓመትን ሸሞንተ ወርሕን ኮይና ፅቡቕ ኣካላውን ኣእምሮኣዉን ጥዕና ከምዝነበራ ትገልፅ።

እንተኾነ ግን ኣብዚ ሐዚ እዋን ሽውሃታ ካብ ዝዕፆ ሰሙናት ከምዝተቖፀሩን ሰሓቕ ዘይፍለዮ ገፃ ሐዚ ከምዘየለን ሓቢራ።

ብምዃኑ እውን ብምኽንያት እቲ ንልዕሊ 11 ኣዋርሕ ዝፀንሐ ኲናት ኣብ ትግራይ ከቢድ ሞት ህፃውንቲን ዕሸላትን ከይጋጥም ሓኻይም ዝለዓለ ስግኣት ከምዘለዎም ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዝኣወጆ ኲናት ቀፂሉ እውን ብዘካየዶ ዕፅዋ ማሕበራውን ቁጠባውን ኣገልግሎት ልዕሊ 100 ሽሕ ህፃናት ሓዊሱ ልዕሊ 6 ሚልዮን ህዝቢ ንጥምየት ልዕሊ 900 ሽሕ ህዝቢ ድማ ዝጠዓምን ዝብላዕን ሲኢኑ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ጥምየት ከምዘሎ ዝፍለጥ እዩ።