ኣብ ወጻእ ሃገራት ዝቕመጡ ተወለድቲ ብሄረ ትግራይ፡ ንተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ምሕጋዝ ይነጥፉ ከምዘለው ተገሊፁ።

ኣብ ምዕራብ ትግራይ ብሰንኪ ዘጋጠመ ግፍዓዊ ጨፍጫፍ ሓይልታት ኣምሓራን ወረርቲ ሓይልታትን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ተወለድቲ ትግራይ ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ኣብ መዕቆቢ ቴንዳታት ናብራ ካብ ዝጅምሩ ልዕሊ 10 ኣዋርሕ ኮይወዎም ኣሎ።

እቶም ተጋሩ ስደተኛታት ንዝተፈላለዩ ጸገማት ይቃልዑ ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብዚ ሐዚ ኣዋን ነበርቲ ሱዳን መናእሰይ ተጋሩ ነቶም ተመዛበልቲ ዝተፈላለዩ ሓገዛት ይገብሩ ከምዘለው ምንጭታትና ገሊፆም።

መንእሰይ ኣድሓኖም ካሕሳይ፡ ቅድሚ እቲ ኲናት ኣብ ሑመራ ከምዝነበረን ድሕሪ እቲ ኲናት ብምዕራብ ትግራይ ኣቢሉ ናብ ሱዳን ዝኣተወ እንትኾን ዝተፈላለዩ ሓገዝ ወሃብቲ ትካላትን ብውልቆም ክሕግዙ ንዝመፁ ዲያስፖራን ኣብ ገዳሪፍ ናብ ዝርከብ መዕቖቢ ብምውሳድ ምስቶም ተሓገዝቲ የራኽብ፣ ዝመፀ ሓገዝን ረዲኤትን ንዝምልከቶም ተሓገዝቲ ብኣግባቡ ክበፅሕ ይገብርን ቋንቋ ብምትርጓም ከምዝሰርሕን ንኣኽሱማይት ሚድያ ገሊፁ።

ምስ ራድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ፃንሒት ዝገበረት ዮዲት ኣታኽልቲ ብወገና በዓልቲ ሓዳርን ኣደ ሰለስተ ቆልዑን እንትትከውን ምስ ሓሙሽተ መሓዙታ ብምዃን “ዮዲት ፋውንዴሽን” ዝበሃል ገባሪ ሰናይ ትካል ብምጥያሽ ብፍሉይ ኣብ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ኣድሂባ ሓገዛት ትገብር ከምዘላ ትገልፅ።

እቶም ኣብ ሱዳን ነቲ ዝተመዛበለ ህዝቢ ሓገዝ ዝገብሩ መናእሰይ ገሊኦም ንባዕሎም ካብ ምዕራብ ትግራይ ናብ ሱዳን ዝተመዛበሉ ገሊኦም ድማ ናብርኦምን ስርሖምን ገዲፎም ይነብሩሉ ካብ ዝነበሩ ሃገራት ወፃኢ ናብ ሱዳን ብምኻድ ህዝቦም ዝሕግዙ እዮም።

ካብዚኣቶም ሓንቲ ዝኾነት ብስራት ገብረስላሴ ጓል 21 ዓመት እንትትኾን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተወሊዳ ኣብ ስዊድን ዝዓበዬት ትግራወይቲ መንእሰትይ እያ።

መንእሰይ ብስራት ኣብዚ ሐዚ እዋን ትምህርታን ስራሓን ገዲፋ ትነብረሉ ካብ ዝነበረት ዓዲ ናብ ሱዳን ብምኻድ ህዝባ እናገልገለት ከም እትርከብ ንራድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ሓቢራ።

ብእቶም መናእሰይ ዝግበሩ ሓገዛት ናይ እኽሊ፣ ዘይቲ፣ ምንፃፋትን ኮበርታታትን ደገፋት ይርከብዎም። እዞም መናእሰይ ገንዘብ ብምትእኽኻብ ንሕክምና ዘድልዩ ናውቲ፣ መድሓኒታትን ካልኦት ሓገዛትን ኣብ ምትእኽኻብ ከምዝሰርሑ ይገልፁ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ሱዳን ዝርከብ ህዝቢ መናእሰይ ትግራይ ምስ መንግስቲ ሱዳንን ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ተሓባቢሩ እናሓገዞም ዝርከብ እኳ እንተኾነ እቲ ዝመፅእ ሓገዝ እኩል ብዘይምዃኑ ግና ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ተወለድቲ ትግራይን ዝኽእልዎ ናይ ዓይነትን ገንዘብን ሓገዛት ክገብሩ እዞም መናእሰይ ይፅውዑ።