ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ሰለማዊ ማዕልቦ ንኽረክብ ብጽሕቱ ክፍጽም ከምዝግባእ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣተሓሳሲቡ

ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲናት ሰለማዊ ፍታሕ ክረክብ ሕብረት ኣፍሪቃ ብፅሒቱ ኣብ ዝፍፅመሉ ጉዳይ ዝምልከት ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶንዮ ብሊንከን ምስ ፕሬዝደንት ዴሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎን እዋናዊ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃን ፍሌክስ ሽክሴዲ ከምዝተዘራረበ ቲኤምኤች ጸብጺባ።

እቲ ዘተ ጎድና ጎድኒ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ዝተኻየደ ኮይኑ ቅልውላው ትግራይ ንምፍታሕ ኣመሪካ ኩሎም ኣማራፅታት መፍትሒ ፀገም ከምእትጥቀም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶንዮ ብሊንከን ኣብሪሁ።

ከምኡ እውን ሕብረት ኣፍሪቃ እቲ ኲናት ሰላማዊ መዕለቢ ንክረክብ ብፅሒቱ ክፍፅም ከምዝግባእ አንቶኒ ብሊንከን ኣተሓሳሲቡ።

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኲናት ትግራይ ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ዘርኣዮ ተበግሶ ኣዚዩ ዝተሓተን ብኣንፃሩ ኣብ ጎድኒ ጨፍጫፊ መንግስቲ ኣብይ ደው ብምባል ዝተወሰዶ ስጉምቲ ዝነኣደን ኣንፃር ውፁዓት ደው ዝበለን ምንባሩ ይፍለጥ።

ከምኡ እውን ሰራዊት ኤርትራ ናብ መሬት ኣትዩ ግፍዕታት እንትፍፅም እውን እዚ ዝበሃል ቅዋም ከይወሰደ ስቅ ኢሉ ምሕላፉ ነቲ ናይ ምሽምጋልን ሞንጎኛነትን ባህሪኡ ናብ ጥርጥር ከምዘእተዎን ስለዝኾነ እውን መንግስቲ ትግራይ ብማእከላይነት እዚ ሕብረት ዝካየድ ሽምግልና ከምዘይቕበሎ ምግላፁ ይዝከር።