ወተሃደራዊ ዓወታት ትግራይ ብፖለቲካዊ ዓወት ዘይዕጀበሉ ዘሎ ምኽንያት እንታይ’ዩ?

ሓድሽ ረዳ ዝትብሃሉ ፀሓፊ ታሪኽ “የቆሰለ ታሪክ” ኣብ ዝብል መፅሓፎም ከምዚ ይብሉ:

“ካብ ኩሉ ንላዕሊ ዝገርም ሃፀይ ሚኒሊክ ንዘይረብሕ ጥቕማ ጥቕሚ ብፍላይ ድማ ስልጣን ካብ መሳፍንቲ ትግራይ ንምምንጣልን ንምንጋስን ብምሕሳብ ፈለማ ኤርትራ ዳሕራይ ድማ ኡጋዴን ንጣልያን ብምሻጥ፤ ህዝቢ ብምፍንቓል፣ ብጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል፣ ብምፅናት ዓሌት፣እምነት ብምጉዳልን ብክሕደት ሃገርን ክሕተቱ ዝግብኦም ንጉስ እዮም ነይሮም። እንተኾነ እሙናት መገልገልቶም፣ ፀሓፍቲ ታሪክን ሓሻኽሮምን ከም ፅቡቕ መራሕን ከም ንፁህን ” እምዬ” እናበሉ ሽሞም ብምፅብባቕ ገበኖም ክሽፍንሎም ፀኒሖም እዮም።” ይብሉ።

ብሃፀይ ሚኒሊክ እትምራሕ ዝነበረት ኢትዮጵያ ንተወለድቲ ትግራይ እትጥዕም ኣይነበረትን። ተወለድቲ ትግራይ ብመንነቶም ምኽንያት ካብ ፖለቲካን ምሕደራን ከይሳተፉ ካብ ምግባር ሓሊፉ ብዙሕ ግህሰት መሰላት በፂሕዎምን ትግራይ ብፍሉይ ብቑጠባ ክትጉዳእ ተገይሩን። ህዝቢ ትግራይ ቑጠባዊ ዓቕሙ እንተጎልቢቱ ይኹን ኢሉ ኣይግዛእን ብዝብል ሓሳብ ፃማ እቲ ፃዕሩን ድኻሙን እኳ ዓስቢ ከይረክብ ብምግባር ህይወቱ ብዛዕባ ዕለታዊ እንጀርኡ ጥራይ እናሓሰበ ከሕልፎ መሰሉ ከይሓትትን ብሄራዊ ረብሕኡ ከየረጋግፅን ተፈቲኑ።

“ድሕሪ መፈፀምታ ካልኣይ ኲናት ዓለም ጣልያን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ንዘብፅሐቶ ጨፍጫፍን ዕንወትን ናይ ፓሪስ ዓለም ለኻ ናይ ሰላም ባይቶ 25 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክትወስድ እንትውሰነላ ነቲ ዋና ተበዳልን ተጠቃዕን ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ሓንቲ ጣብያ ጥዕና ወይ ሓንቲ ቤት ትምህርቲ ኣይሰርሑሉን” ክብሉ ሓዱሽ ረዳ ኣብቲ “የቆሰለ ታሪክ” ዝብል መፅሓፎም የዘኻኽሩ።

ብጉዳይ ትግራይ ደቂሶም ዘይፈልጡ ሃፀይ ሃይለስላሴ እውን እንተኾኑ  ህዝቢ ትግራይ ብቑጠባ ዓርሱ ከይኽእል ኩሉሻብ ተመፅዋትን ለማንን ኮይኑ ንክነብር ዘይፈሓስዎ ሽርሒ የለን። ኣብቲ ስርዓት ንሱ ተጋሩ ናይ ዩንቨርሲቲ ትምህርትን ፅቡቕ ደሞዝ ዘውህቡ ስራሕትን ከይረኽቡ ይግበሩ ነይሮም። እታ ዝሐሸት ተጋሩ ይሰርሕዋ ዝነበሩ ነገር ምምህርና ምዃና ምሁራት ታሪክ ይሕብሩ። ካብኡ ብዝተረፈ ግን ትግራዋይ ናብ ምሕደራን ቤተ መንግስትን ከይቐርብ ክድፋእ እዩ ፀኒሑ። ምኽንያቱ ድማ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ እቲ ናይ ባዕላቶም ናይ ክሕደት ዓድን ባንዳነትን ባህርታት ንትግራዋይ ብምጥቃን ኩሉ ሻብ ተረኽ ብምግልባጥ ዝነብሩ ምዃኖም እዩ።

ኩሎም ፀረ ትግራይ ዝተልዓሉ መራሕቲ ንህዝቢ ትግራይ ኣጥሚኻ ናይ ምግዛእን ምንብርካኽን ባህጊ ዘለዎም እዪም። ኣብዚ ሐዚ እዋን እኳ “ኣብቲ ዝሓለፈ ናይ 17 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ እኮ ረድኤት ዝበሃል ከይኣትው ከልኪልናዮም እንተንኸውን ነይርና ኣይምሰዓሩናን” ክብሉ ይጉህዩ። ጥምዬት ከም መሳርሒ ኲናት ምጥቃም ካብ ሕሉፍ ስርዓታት ጀሚሩ ዝነበረ እዩ።

ስርዓት ደርጊ እውን እንተኾነ ቁጠባ ትግራይ ብምድኻም፣ መናእሰይ ትግራይ ብምህዳንን ብምጭፍጫፍን እዩ ዝፍለጥ። ኩሉ ነገር ናብ ሰሜን ይውፈር ብምባል እቲ ሎሚ እውን ዝስማዕ ዘሎ ምንጪ ኹሉ ፀገማት ንሳቶም እዮም ዝብል ተረኽ ብመንግስታዊ ሚድያታት ይንዛሕ ነይሩ። ኣዴታት ደቀን ናይ ዝተቐተልሉ ጥይት ገንዝብ ክኸፍላ ይግደዳ ነይረን። መናእሰይ “ቀይሕ ራዕዲ” ዝብል ወረቐት ተለጢፉሎም ኣብ ኣደባባይ ይርሸኑ ነይሮም።

ብዙሓት ሰባት እዚ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ወሪዱ ዘሎ ጨፍጫፍን ፅንተትን ካብ ኩሉ እዋን ዝኸፍአ እዩ። ይብሉ። ገለ ሰባት ድማ “ኣይፋል! እቲ ሎሚ ዝግበር ዘሎ ግፍዕን ጨፍጫፍን ሳላ ቴክኖሎጂ ንሰምዖን ንሪኦን ስለዘለና እዩ። ኣብቶም ካልኦት ስርዓታት ዝተገበረ ነገር ተሰኒዱ እንተዝኾን ነይሩ እቲ ግፍዒ ካብዚ ናይ ሎሚ ይኸፍእ እምበር ኣይሕሽን ይብሉ።

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ ስርዓታታ ኩሎም ተሰዲዱ፣ ተቐቲሉን ክፀንት ተፈሪዱሉን እዩ። ካብ ሰሜን ዝመፅእ ዓመፅ ቀሊል ኣይኾነን እናተብሃለ ሽዋ ዝመሰረቱ ስርዓት ብዘዓባ ትግራይ ደቂሱ ኣይፈልጥን። ዝሓለፈ ዓመት ጥቅምቲ ድማ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት ነቲ “እዚ ህዝቢ እዚ በቢ ግዚኡ እንተዘይጨፍጪፍካዮ ኣይከኣልን” ዝብል እናተወራረሰ ዝመፀአ ኣተሓሳስባ ተግባራዊ ዝገብር እዩ። ኩሉ ሻብ እተን ስልትታት ተመሳሰልቲ እየን።

*ቁጠባ እታ ዓዲ ብምህሳይ እቲ ህዝቢ ተመፅዋትን ዝበልዎ ኣሜን ዝብልን ንክኾን ምድላይ።

* ካብ ካልኦት ከባብታት ዓመፅ ከይለዓል ንህዝቢ ትግራይ እናጨፍጨፍካ መምሀሪ ምግባር።

* ታሪኽን ተረኽን ብምዝባዕ ትግራዋይ ምንጪ ኩሎም ፀገማት ከምዝኾነ ኣምሲልካ ምስኣል።

 ትግራይ ንምንታይ ካብ ዝሓለፈ ዘይተምሃረት?

ታሪኽ ትግራይ ታሪኽ ዓወት እዩ። ካብ ቀረባ እኳ እንተሪእና ወያነታት ትግራይ ብዓወት እዪም ተዛዚሞም። እቲ ዓወት ግን ኩለመዳያዊ ነይሩ ዶ? እዩ እቲ ሕቶ። ትግራይ እንታይ ዓይነት ዓወታት እያ እናመዝገበት ነይራ? ወታደራዊ ዓወት ከ ፖለቲካዊ ዓወት የምፅእ ዶ?

ኣብዚ ጉዳይ መብርሂ ዝሃበና ኣቶ ጥዑማይ ከምዚ ይብል።

“ወተደራዊ ዓወት ንፖለቲካዊ ዓወት መገዲ ክፀርግ ይኽእል ምበር ኣየረጋግፅን። ታሪኽና’ውን ዋላ ውሱን ፖለቲካዊ ዓወት እንተምፀአ ከረጋግፅ ግን ኣይከኣለን። ዘላቕነት ‘ውን የብሉን። ፈረስ ናብ ዓወት ክትበፅሕ ይሕግዝ ሰዓራይነት ከምፅእ ይኽእል። ብድሕሪኡ ግና ግድኡ ውሱን’ዩ። ንዙይ እውን’ዩ ፖለቲካ ዝኣልዩ ሰራዊት ዝበሃል።

እቲ ዓወት ወታደራዊ ጥራይ እንተኾይኑ ድማ እቲ ካሊእ ህዝቢ ተሳዒረ ብዝብል መንፈስ ቂም ሒዙ ሕንኡ ዝፈድየሉ ዕድል ክፅበ እዩ ዝገብር። ምኽንያቱ ብፖለቲካ ስዒርካ ዕላማኻን ምኽንያትካን ኣየረዳእኻን። ብወገን ትግራይ ድማ እቲ ዝተረኸበ ዓወት ዓወት ኩሉ ህዝቢ ከምዝኾነ እዩ ተወሲዱ።” ይብል።

ብዙሓት ምሁራትን ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያን እውን እቲ ፀገም ትግራይ ወታደራዊ ዓወታት እምበር ፖለቲካዊ ዓወታት እናመዝገበት ዘይ ምንባራ ምዃኑ ይገልፁ።

ንኣብነት ኣብ ሕሉፍ ብረታዊ ቃልሲ 17 ዓመታት እቲ ብህዝቢ ትግራይ ዝተረኸበ ዓወት ዓወት ኩሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከም ዝኾነ ተሓሲቡ እቲ መሰረታዊ ናብ ጎንፂ ዘእተወ ምኽንያት ከይተፈትሐ ተሪፉ። ብሳዕቤኑ ድማ እቲ ቂም ሒዙ ሕነ ንምፍዳይ ክሕነ ዝጸንሐ ኣካል ግዜ ምስ ረኸበ ምስ ዝረኸቦ ዘራይ ኮይኑ ህዝቢ ይጭፍጭፍ ኣሎ።

ኣቶ ጥዑማይ ኣስዒቡ ከምዚ ይብል፡ እቲ ናብ ኲናትን ጎንፅን ዘእተወ ተረኽ ክዕረ ምስራሕ የድሊ። ኣሽንኳይዶ ሽዑ ኣብ ሓደ ሃገር ክንነብር እናሓሰብናስ ዋላ  ሃገር ክንከውን እንተሓሰብና እውን ተረኽ ምዕራይ ኣድላይ እዩ። ብጉርብትና ንምንባር እውን ዝተዛብዑ ታሪኻት ሓቂ ኣይኾኑን ኢልካ ምምጓትን ምዕራይን ኣድላይ እዩ። ንቐፃሊ ንውሉድ ወለዶ ታሪኽ ንክኸውን እውን እቲ ተረኽ ክዕረ ኣለዎ።

ኩሉ ሻብ ሕማቕ ስርዓት ዝፈጠሮ እዩ፣ ፕሮፖጋንዳ እዩ እናተብሃለ ከም ዓብይ ጉዳይ ተወሲዱ ዝዕረ ተረኽ ኣይነበረን።” ይብል። ኣብዚ ሓደ ኣብነት እኳ እንተልዒና ትግራይ ሕልፊ ተጠቃሚት እያ ዝብል ኣብ ሙሉእ ኢትዮጵያ ዝነበረ ተረኽ ከም ቁምነገር ተወሲዱ ኣይተሰረሐሉን። ሐዚ ን 30 ዓመት ክትወሩና ፀኒሕኹም ብዝብል መሰረት ዘይብሉ ሕሶት ህዝቢ ትግራይ ተቐቲሉ ፎቐዶ ገደልን ሩባን ይድርበይ ኣሎ።

ሓዱሽ ረዳ ኣብ መፅሓፎም እቲ ካሊእ ትግራይ ፖለቲካዊ ዓወታት ክተመዝግበሉ ዘይኽኣለትሉ ምኽንያት እቲ ኣብ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ሽዋ ዝተኣጀለ ክፋእ ዘይምርዳእ እዩ። ክብሉ ይገልፅዎ።

ህወሓት ከም ውድብ ሃይማኖትን መንግስትን ክፍለዩ ካብ ምድላይ ዝነቐለ ወይ ድማ መሰረታዊ ባህሪ እታ ቤተክርስትያን ካብ ዘይምርዳእ ብመንገዲ እዛ ሃይማኖታዊት ትካል ኣቢሉ ዝመፅእ ናይ ቂምን ፅልኣትን ፖለቲካ ከም ቁምነገር ከይወሰዶ ፀኒሑ እዩ።

ብመንገዲ እታ ቤተክርስትያን ኣቢሉ ዝፍጠር ተረኽ፣ ዝምዛዕ ገንዘብ ተሓሲቡሉ ኣይፈልጥን። ብመንገዲ እታ ትካል ኣቢሉ ክወርርን ክስፋሕፋሕን ዝደሊ መንነት ቀልቢ ኣይተውሃቦን። እቲ መንነትኻ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ብምፅዓን መሬት ምውራርን ምስፍሕፋሕን ቀንዲ መሳርሒቱ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ሽዋ ምዃኑ ኣብዚ ጉዳይ ፅንዓት ዝገብሩ ምሁራት ይገልፁ።

ኣብ ትግራይ ንቕሓትን ስልጣነን ክምፅእ ይንቀሳቐሱ ንዝነበሩ ደቂቀ ስጢፋኖሳውያን ፀረ ሃይማኖትን ሃገርን ዝብል ሽም ለጢፋ ክጠፍኡ ዝገበረት እዛ ትካል ሎሚ እውን ህዝቢ ከፅንት ንዝመፀ ሰራዊት ባሪኻ እትሰድድ ኣገልገልታ ኣማኸርቲ ፒለቲካ ኾይኖም እዚ ህዝቢ እዚ ካብ ምድርን ካብ ሕልና ሰባትን ክጠፍእ ኣለዎ ይብሉ ኣለዉ።

ካብቶም ብዙሓት ፖለቱካዊ ውድቀታት ሓደ ድማ ብፍላይ ድሕሪ እቲ ናይ 17 ዓመታት ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝተፈጠረ ናይ ሰኸፈት ፖለቲካ ምዃኑ ምሁራት ይገልፁ። ትግራይ ከምዚ ኮይና ዝብል ሕሜት ከይለዓል ብምስጋእ ትግራይ ብቑጠባ እናተሃሰዬት ክትፀንሕ ተገይሩ። ሰብ ሃፍቲ ተጋሩ በቲ ዝነበረ ቢሮክራሲ ኣንፀርፂሮም ገንዘቦም ኣብ ማእኸል ዓድን ኣብ ሙሉእ ኢትዮጵያን ፈሰስ ክገብሩ ተገዲዶም። ጉዳይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት ብዝብል ውሳነ ቁጠባ ትግራይ ኣብቲ ማእኸላይ መንግስቲ ተንጠልጣሊ ኮይኑ ክፀንሕ ገይሩ እዩ። ትግራይ ቁጠባዊ ዓቕሚ ኣጎልቢታ ስለዘይፀንሐት ድማ እኹል ወታደራዊ ምድላው እውን ክትገብር ኣይከኣለትን።

እቲ ካሊእ ህወሓት ዝመርሖ ስርዓት ዝውቀሰሉ ሓደ ምኽንያት ድማ ወታደራዊ ዓወት ንዘምፅአ ስርዓት ኣይትተንክፉ ዝብል ካድረ ምጥራዩ እዩ። ብሄራዊ ረብሓን ግዝኣታዊ ሓድነትን ትግራይ ንምሕላው ዝፅዕር ብሄርተኛ ልሂቕ ረብሓታትና ኣብ ኢትዮጵያ ኣይረጋገፁን እንትብል ፀቢብ እናተብሃለ ሓሳቡ ክፍንፈን ተገይሩ። እቲ ዝተረኸበ ወታደራዊ ዓወት ብሄራዊ ረብሓታትን ግዝኣታዊ ሓድነትን እንተደኣ ዘየረጋጊፁ ፖለቲካዊ ውድቀት ኣጋጢሙ ማለት እዩ። ወታደራዊ ዓወት ካብ ጭቆናን ጨፍጫፍን ደኣ የናግፍ እምበር መፃኢ ሓንቲ ዓዲ ሙሉእ ንሙሉእ ኣይውስንን።

ትግራይ ኣበይንኡ ብርኪ ኣላ?

እቲ ንልዕሊ 100 ዓመት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጥምዬት፣ ምድቃቕ ቑጠባ ፣ ስደት ህዝቢ፥ ጨፍጫፍን ፅንተትን ከካይድ ዝፀንሐ ስሪዓት ሐዚ እውን ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ዝኸኣሎ ዘራይ ኣኪቡ ህዝቢ ጨፍጪፉ። ህፃውንቲ ብ ነፈርትን ኬሚካላትን ተደብዲቦም። ኣደታት ሬሳ ደቀን ከየልዕላ ተኸልኪለን። ሐዚ እውን ልክዕ ከምቀደም ረድኤት መእተዊ መንገዲ ሓኒቖም ህዝቢ ብጥምዬት ይረግፍ ኣሎ።

ትግራይ ኣብቲ መጀመርታ ብምኽንያት ፖለቲካዊ ውድቀት ብዙሕ ክሳራታት እንተበፅሕዋን ህዝባ እንተተጋፍዐን ብሳላ ውሑሉል ወታደራዊ ጥበብ ሓመድ ልሒሳ ተሲኣ። መብዛሕቲአን ከባብታት ትግራይ ሓራ ወፅዬን እቲ ኲናት ካብ ትግራይ ወፃኢ ናብ ዝካየደሉ ዓብይ ዓወት ተበፂሑ። እንተኾነ ሐዚ እውን ዘይፀረዩ ዝመስል ነገራት ኣለው።

 ኣብዚ ሐዚ እዋን ጉዳይ ህላወን ስቓይ ህዝብን ነቐድም ፖለቲካዊ ጉዳያት ይፅንሑልና። ህዝቢ ይጠምይ ኣሎ ዝብል ሓሳብ ዘልዕሉ ሰባት ይስምዑ እዮም።

ኣብዚ ጉዳይ ርኢቱኡ ዝሃበ ኣቶ ጥዑማይ፡ “ብውሱን መልክዑ እቶም ከምኡ ዝብሉ ሓቅነት ኣለዎም እዩ። ክፍፍል ብዝፈጥር መልክዑ ክግበር የብሉን። ግን ድማ ጎናጎኒ ፖለቲካዊ ኣንፈትካ እውን እናነፀርካ ምኻድ ኣድላይ እዩ” ይብል።

ብዙሓት ልሂቓን ተጋሩ እውን ይፅናሕ ተባሂሉ ዝዕበጥን እዋኑ ኣይኮነን ዝበሃልን ነገር ክህሉ ከምዘይብሉ ይሕብሩ። ሐዚ እዋኑ ኣይኮነን እንብሎ ዛዕባ እንተልዩ ከም ቅድሚ ሐዚ እቲ  ስርዓት ፅባሕ ሙሉእ ወታደራዊ ዓወት ምስተረኸበ ናብ ንቡር ባህሪኡ ምምላሱ ኣይተርፎን። እቲ ህዝቢ እውን በቲ ዝተረኸበ ወታደራዊ ዓወት ሰኺሩ ፖለቲካዊ ኣንፈትን ብሄራዊ ረብሓን ዘይዝተየሉ መድረኽ ክፍጠር እዩ። እዚ ማለት ድማ እቶም ተሳዒርና ዝብሉ ኣካላት እኩል መዳለዊ ግዜ ረኺቦም ዳግማይ ዝወሩሉ ዕድል ምፍጣር እዩ። ፖለቲካዊ ኣንፈትካ ኣነፂርካ ንሱ ንምዕዋት ዘይምስራሕ ኣብ ዕንክሊል ከምዘንብር ይገልፁ። ነቲ ወታደራዊ ሓይሊ ጥራይ እንተይኮነስ ነቲ ናብ ጎነፅ ዘእተወ ተረኽ እውን ምዕራይ የድሊ።

ትግራይ ትዕወት እያ ዘላ ክንብል እንተኾይንና ወይ ድማ ትግራይ ተዓዊታ ዝበሃል ብሄራዊ ረብሓኣን ግዝኣታዊ ሓድነታን እንትተኽብር፣ ጥንኩር ቁጠባን ድርቂ ዝፃወር ዘመናዊ ሕርሻን እንትትሃንፅ ከምኡ ድማ ውሽጣዊ ሓርነታ እንትተረጋግፅ እዩ። ውሽጣዊ ሓርነት ከምዘሎ ዘረጋግፁ ሓሳብካ ብናፅነት ናይ ምግላፅ ናፅነት፣ ፖለቲካዊ ክትዓት፣ ናፃ ሚድያታትን ጥንኩር ናይ ስነፅሑፍን ስነዳን ባህሊ እንትጠሪ እዩ። ትግራይ ኣብዚ እዋን ወተሃደራዊ ዓወታት ኣብ ምምዝጋብ’ኳ ትርከብ እንተኾነት ይኹን እምበር ኣብ ፖለቲካዊ ዕንይንታ ከምእትርከብ  ፖለቲካዊ ትግራይ ዘገድሶም ናይ ፖለቲካ ሊቃዉንቲ ይገልጹ።