መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኦሮምያ ዝተማረኹ ሰራዊቱ ንዘይምቕባል የተሓናኹል ከምዘሎ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኣፍሊጡ

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኦሮሚያ ብሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ ዝተማረኹ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንዓለም ለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ተመሓላሊፎም ንኽወሃቡ ፃዕሪ’ኳ ይግበር እንተሎ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዘይምቕባል ዕንቅፋት ይፈጥር ከምዘሎ ላዕለዋይ መሪሕነት ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ሓቢሩ።

እቲ ላዕለዋይ መሪሕነት ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ ከምዝገለፆ ምሩኻት ናብ ስድራኦም ክምለሱን ምርጭኦም እንተኾይኑ ድማ ናብ ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ ክፅምበሩ ዕድል ከምዝወሃቦም ኣፍሊጡ።

እንተኾነ ግን እቶም ናብ ስድርኦም ክምለሱ ዝደለዩ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ብመንገዲ ዓለም ለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ናብ ስድራኦም ከይምለሱ እቲ ማሕበር ከይቕበል መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝኸልከለ ሓቢሩ።

ብምዃኑ እውን ንዘይሕጋዊ ተግባር መንግስቲ ኢትዮጵያ ማሕበረሰብ ዓለም ዓገብ ክብሎን ከወግዞን ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ ፀዊዑ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ብኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ስርዓት፡ ሃፀያዊት ኢትዮጵያ ንኸይትፈርስ ተባሂሉ ማእለያ ዘይብሎም መናእሰይ ኢትዮጵያ ናብ ኲናት የሳውሮም ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ መብዛሕቲኦም ድማ ኣደዳ ሞትን ምምራኽን ይኾኑ ከምዘለው ይግለጽ።

ቅድም ክብል ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቁፀሩ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ብሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ዝተማረኹ ኮይኖም ካብዚኦም እቶም 1 ሽሕ ዝኾኑ ብመንገዲ ዓለምለኸ ቀይሕ መስቀል ናብ ስድራቤቶም ክምለሱ ከምዝተገበረ ዝዝከር እዩ።