ህዝቢ ትግራይ ዘጋጠሞ ከቢድ ሓደጋ ጥምየት እሕምልትን ቆፅላመፅልን ተመጊቡ ክሰግሮ ከምዝኽእል በዓል ሞያ ኣሕምልቲ ዓዲ ምዒዱ

ህዝቢ ትግራይ ኣንፃር ፀላእቲ ዝግበሮ ዘሎ ናይ ሃለዋት መኸተ ከምዘሎ ኾይኑ ጎድና ጎድኒ ኣብ ከባቢና ብቐሊሉ ክቦቕሉ ዝኽእሉ ኣትክልትን ኣሕምልትን ብምጥቃም ሐዚ ኣጋጢሙ ንዘሎ ሓደጋ ጥምየት ምቅላል ከምዝከኣል ምስ ኣኽሱማይት ሚድያ ፃንሒት ዝገበረ ሙሁር ሃገር ቦቆል ፈልሲ ኣይተ ኣብነት ገ/መድህን ኣረዲኡ።

እቲ ልዕሊ 6 ሚሊዮን ህዝቢ ትግራይ ኣንጸላልዩ ዘሎ ከቢድ ሓደጋ ጥምየት ንምቅላል ምህርትታትን ፀጋታትን ውሽጢ ዓዲ ብምጥቃም ዉሕስነት ምግቢ ምርግጋፅ ከምዝኸኣል ዝምዓደ ኣይተ ኣብነት፡ እቲ ትግራይ ኣጋጢሙዋ ዘሎ ዕፅዋ፡ ህዝቢ ትግራይ ጠምዩን ተፀጊሙን ንስርዓት ኢትዮጵያ ኣሜን ኢሉ ንኽግዛእ ዝግበር ዘሎ ሽርሒ ከምዝኾነን ህዝቢ ግን ኣብ ኢዱ ዘሎ ፀጋታት ብሰብ ሙያታት ተሓጊዙ ናብ ረብሓ ምስ ዘዉዕሎ ህይወት ቡዙሓት ከትርፍ ከምዝኽእል ገሊፁ።

ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ካብ ዝቦቑሉ ሃገር ቦቆል ዝራእቲ ግን ድማ ንሰብ ዘይኮነስ ንእንስሳታት ምግብነት ዝዉዕሉ ኣብ ዝማዕበሉን ዓበይትን ሃገራት ንምግብነት ከምዝውዕሉን ኣብ ትግራይ እውን ምስ ሃይማኖትን ባህልን ኣብ ዘይቃረኑ ኣቑፅልትን ተኽልታትን ትኹረት ብምግባር ሓደጋ ጥምየት ምንካይ ከምዝከኣል ኣብሪሁ።

ኣብ መብዛሕትኡ ክፍልታት ትግራይ ዝቦቕሉን ካብ ጥምየት ከናግፉ ዝኽእሉ ኣትክልትን ፍራምረን እዉን ሓምሊ ኣድሪ፣ ሓምሊ ኣለም፣ ሓምሊ ኣድጊ፣ ሳምባ፣ ገልዒ በለስ፣ ሓምሊ ጭዋ፣ ፅላል ዝብኢ፣ ሽጉርቲ ዝብኢ፣ ሓምሊ ለዃኺቶን ካልኦትን ከምዘለው ኣይተ ኣብነት ገሊፁ።

ብተመሳሳሊ ኣብቶም ሓደሓደ ቦታታት ዘለዉ ዘይተጎድኡ በለሳት እዉን እቲ ሕብረተሰብ “ቀለብ ከፍቲ እዩ” ዝብል ግጉይ ኣረኣእያ ብምዉጋድ ተኽሊ በለስ ንምግብነት ከዉዕሎን ንጥዕና እዉን ዕዙዝ ረብሓ ከምዘለዎን ኣይተ ኣብነት ኣረዲኡ።

ቅድም ኢሉ ኣብ ከተማ መቐለ ካብ ዉልዶ በለስ ከምኒ ቅጫ፣ ቅልዋ፣ ቀይሕ ፀብሒ፣ ፅሟቕን ማልማላታን ተዳልዩ ናብ ዕዳጋ ብምቕራብ ናብ ተጠቀምቲ ይበፅሕ ምንባሩ ይፍለጥ።

ምህርቲ በለስ ሓዱሽ ምዃኑን ርድኢት ናይቲ ማሕበረሰብ ብምቕያር ድማ ብቐሊሉ ኣሚኑሉ ንምግብነት ንኸዉዕሎ ሰፊሕ ምልዕዓል ምፍጣር ከምዝግባእ እውን ሓቢሩ።

ብኻሊእ መዳይ እዉን ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ትግራይ ዝግበሩ ዘየድልዩ ማሕበራዊ ድግሳት ከም ተስካር፣ መርዓ፣ ክርስትናን ካልኦት ዓመት በዓልን ክቕንስ ከምዘለዎ ኣይተ ኣብነት ኣተሓሳሲቡ።

ብምዃኑ እውን ውራያትን ወፃእታትን ብምቕናስን ናብቶም ሰፊሕ ሓደጋ ጥምየት ዝተርኣዮም ከባቢታት ከምኡዉን ተመዛበልቲ ወገናት ምሕጋዝ ከምዘድሊ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ እዉን ካብ ሃፍቲ ህዝቢ ትግራይ ሓደ ካብ ዝኾነ ሩባ ተከዘ እዉን ብርክት ዝበለ ዉፅኢት ዓሳታት ከምዝርከብን ነዚ እዉን ጠመተ ክግበረሉ ከምዝግባእ ኣይተ ኣብነት ገሊፁ።

ኣብ መወዳእታ ድርቂ እንተጋጥም ብኸመይ መንገዲ ምዉፃእ ከምዝከኣል ካብ ሃገረ ቻይና ተሞክሮ ምውሳድ ከምዝከኣል ብምሕባር ይኹን እምበር ህዝቢ ትግራይ ዝተፈለየ ባህልን ልምድን ስለ ዘለዎ እቶም ንሱ ዝዉንኖም ፀጋታትን ዉሽጢ ዓዲ ምህርትታትን ተጠቒሙ ሓደጋ ጥምየት ምንካይ ከምዝኽእል ብምርግጋፅ ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ዘለዉ ተመራመርትን ሰብ ሞያታትን ኣብዚ ኣትኪሮም ክሰርሑ ፀዊዑ።

ቢሮ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ትግራይ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ኣብ ዘሳለጦ ዋዕላ እቲ ኣብ ትግራይ ኣጓኒፉ ዘሎ ሓደጋ ጥምየት ንምንካይ ዘኽእል ኣንፈት ብምሕንፃፅ ምስ ሰብ ሙያ ሕርሻ ብምዃን ኣብ ዝተፈላለዩ ፍራምረን ኣሕምልትን ፈተነታት ብምክያድ ናብ ህዝቢ ንምብፃሕ ይሰርሕ ከምዘሎ ይፍለጥ።