ኣመሪካ፡ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ኢድ ኣለዎም ዝተብሃሉ ሰባት ወይ ትካላት ብባንክታት ዝግበርዎ ገንዘባዊ ርክብ ክቋረፅ ከምእትገብር ሓቢራ

ዋና ስራሕ ፈፃሚ መንግስቲ ኣሜሪካ ምስ ግፍዕታትን ጨፍጫፍን ትግራይ ርክብ ዘለዎም ሰባት ወይ ትካላት ገንዘባዊ ርክቦም ክቋረፅ ከምዝገብር ትካል “Von Batten-Montague-York, L.C.” ገሊፁ።

እዚ ትካል ኣብ ትዊተር ገፁ ከምዝሓበሮ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ግፍዕታትን ጨፍጫፍን ትግራይ ርክብ ምስ ዘለዎም ሰባት ወይ ትካላት ብባንክታት ኣሜሪካ ኣቢሉ ዝግበር ልቓሕ፣ ፈሰስ፣ ወይ ዝኾነ ዓይነት ናይ ገንዘብ ዝውውር ከምዘቋርፅ ንፈፃሚ ስራሕ መንግስቲ ኣሜሪካ ብምፅራሕ ኣቃሊዑ።

እዚ ዓለምለኻዊ ምልኣኽ ገንዘብ ከምዝሓውስን ነዚ ብስራሕ ፈፃሚ ዝወፀአ ድንጋገ ዝጥሕስ ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝውሰደሉን እውን ኣጠንቂቑ።

እዚ መምርሒ ምምሕዳር መንግስሪ ኣሜሪካ መሰረት ገይሩ ኩሎም ኣብ ጎልድማን ሳችስ፣ ሞርጋን ስታንለይን ካልኦት ባንክታትን ኣካውንት ዘለዎም ተጋሩን ኣሜሪካውያንን ንባንክታቶም ገንዘቦም ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝግበር ዘሎ ምፅናት ዘርኢ ፈሰስ ክግበር ከምዘይደልዮ ተቓውሞ ከልዕሉን ግልፂ ገይሮም ከተሓሳስቡን ፃውዒቱ ኣቕሪቡ።

ትካል “Von Batten-Montague-York, L.C.” ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ መንበሪኡ ዝገበረ ኣማኻሪ ፖሊሲን ጎስጓስን መንግስቲ ኣሜሪካ ከምዝኾነ ይግለፅ።

እዚ ጉጅለ ቅድም ክብል እውን ኣሜሪካ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያን ዘለዎም ንብረትን ገንዘብን ደስኪሉ፡ ግዳያት ጨፍጫፍ ዓሌት ድማ ከሲሶም ካሕሳ ክረኽቡን ብምፅዋዓ ተጋሩን ካልኦት ግዳያት ሰብኣዊ ጥቕዓትን ጫፍጫፋትን ዝኾኑ ኣካላት ነዞም ትካላት ክኸሱ ከምዝኽእሉ ገሊፁ ምንባሩ ይዝከር።