ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ጀፍሪ ፈልትማን ናብ ሱዳን ከቕንዕ ምዃኑ ተገሊፁ

ፍሉይ ልኡኽ ምምሕዳር ባይደን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ፣ ኣምባሳደር ጀፍሪ ፌልትማን፣ ኣብዚ ሰሙን ናብ ሱዳን ከምርሕ ምዃኑ ተሓቢሩ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ ናብ ሱዳን ዘምርሕ ዘሎ፣ ኣብ ልዕሊ ጊዜያዊ ስግግር መንግስቲ ሱዳን ዝተፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ምፍሻሉ ሰበ-ስልጣናት ሱዳን ምግላፆም ስዒቡ ከምዝኾነ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ዑደት ኣምባሳደር ፌልትማን፣ ኣብ ሱዳን ሲቪልያን ዝመርሕዎ ዴሞክራስያዊ ስግግር መንግስቲ ሱዳን ንምትካል ምምሕዳር ባይደን ዘለዎ ደገፍ ንምግላጽ ምዃኑ ኣማኻሪ ብሄራዊ ፀጥታ ጄክ ሱሊቫን ምስ ቀዳማይ ሚኒስቴር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ ስልኪ ተገሊፁ።

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ፣ ኣምባሳደር ፌልትማን ኣብ ናይ ሱዳን ዑደቱ፣ ብዛዕባ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ምስሕሓብን ህሉው ኩነታት እቲ ዞባን ብዝምልከት ምስ ሰበ ስልጣን ሱዳን ከምዝዘራረብ ተፈሊጡ።

ኣብ ሱዳን ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ተፈፂሙ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ ሰበ-ስልጣን እታ ሃገር ከምዘፍሸልዎ ዝዝከር እዩ።

መንግስቲ ኣሜሪካን ባይቶ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ነቲ ፈተነ ዕልዋ ኮኒኖም ኣብ ጎኒ ጊዜያዊ መንግስቲ ሱዳን ጠጠው ከምዝብል ምግላፁ ይዝከር።

ሱዳን ድሕሪ ኣልበሽር “ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ” ብዝበሃል ጥምረት ሲቪላውን ወተሃድራውን ሓይሊ እትምራሕ ዘላ ሃገር ኮይና ኣብ ወርሒ ሕዳር 2021፣ ናብ ሲቪላዊ ግዝያዊ መንግስቲ ክትሰጋገር ትጽቢት ይግበር።