“ሚሊዮናት ብጥሜት እንዳሃለቑ እንታይ ኢና ንገብር ዘለና” ተወካሊ ኮንግረስ ኣሜሪካ ብራድ ሸርማን

ትማሊ ኣብ ዝተካየደ ኣኼባ ኮሚቴ ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ኮንግረስ ኣሜሪካ ተወካሊ ሳን ፈርናንዶ ቫሊ ግዝኣት ካሊፎንያ ዝኾነ ብራድ ሸርማን ኣብ ትግራይ ዝበፅሕ ዘሎ ምፅናት ዘርኢ ኣመልኪቱ ንምምሕዳር ባይደን “ሚሊዮናት ብጥሜት እንዳሃለቑ እንታይ ኢና ንገብር ዘለና” ክብል ሓቲቱ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ልዕሊ 2 ነጥቢ 2 ሚሊዮን ህዝቢ ኣብ ውሽቲ ተፈናቒሉ፣ 70 ሽሕ ትግራዋይ ናብ ሱዳን ተሰዲዱ፣ ብሚሊዮናት ዝቑፀር ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ጥሜት ወዲቑ፣ እዚ ኩሉ ኣብዝኾነሉ ከባቢ ምግብን መድሓኒትን ከይኣቱ ምኽልካል ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ምዃኑ ዝሓበረ ተወካሊ ኮንግረስ ብራድ ሸርማን መንግስቲ ኣሜሪካ ተሪር ስጉምቲ ክውሰድ ፀዊዑ።

ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ምኽትል ረዳት ፀሓፊ ሚካኤል ጎንዛሌስ ብወገኑ ኣብ ትግራይ ዓብይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈፀመ ኣሜሪካ ድማ ነዚ ዝምጥን ስያመ ንምሃብ ትሰርሕ ከምዘላ ገሊፁ።

እዚ ተውካሊ፣ ብሚሊዮናት ዝቑፀር ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ጥሜት ወዲቑ ከምዝርከብ ብምሕባር መንግስቲ ኢትዮጵያ ረዲኤት ክሓልፍ ምፍቃዱን ህፁፅ ሓገዝ ናብ ህዝቢ ትግራይ ምብፅሑን ክነረጋግፅ ከምዘለዎን ኣረዲኡ።

ኣሜሪካ፡ ኣብ ገበናት ኲናት ትግራይ ኢድ ዘለዎም ሰበ ስልጣናት ኤርትራን ኢትዮጵያን እገዳ ቁጠባን መገሻን ከምዝገበረትን ቀፃሊ እውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ከምእትወስድ ምጥንቃቃ ዝዝከር እዩ።