ባይቶ ፀጥታ፡ ኣብ ጉዳይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሰጎጎም ላዕለዎት ሓለፍቲ ሕቡራት ሃገራት ኣመልኪቱ ሎሚ ህፁፅ ኣኼባ ከምዘካይድ ተገሊፁ

ባይቶ ፀጥታ፡ ንጉዳይ ምብራር ሸውዓተ ሰራሕተኛታት ሑቡራት ሃገራት ኣመልኪቱ ሎሚ ህፁፅ ኣኼባ ከምዘካይድ ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኒኮላ ሪቬየር ሓቢሩ።

ከምኡ እውን ኣምባሳደር ኣየርላንድ ኣብ ሑቡራት ሃገራት ጄራልዲን ባይረን ኔሰንም፡ ባይቶ ፀጥታ ሑቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ቅልውላው ኲናት ኢትዮጵያ ከምዝዝቲ ኣረዲኡ።

እቶም ኣምባሳደራት ነዚ ዝበሉ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሸውዓተ ሰራሕተኛታት ሑቡራት ሃገራት ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ካብ ሃገሩ ክወፁኡ ድሕሪ ምእዛዙ እዩ።

ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኒኮላ ሪቬየር፡ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣዚዩ ከምዘሻቕሎን ” ንጉዳይ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ዘይንዘራረበሉ ምኽንያት የለን” ክብል ኣረጋጊፁ።

ከምኡ እውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ሑቡራት ሃገራት ዝወሰዶ ስጉምቲ ከምዘደንገፆን ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድልዮም ወገናት ዕንቅፋት ምፍጣር ሕዚ እዋኑ ከምዘይኮነ ኣምባሳዳር ኣየርላንድ ጄራልዲን ባይረን ኔሰን ኣተሓሳሲቡ።

ብምዃኑ እውን ባይቶ ፀጥታ ሑቡራት ሃገራት ኣድላዪ ስጉምቲ እንትወስድ ምርኣይ ከምዝደልን እቲ ባይቶ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ብዝወስዶ ስጉምቲ ዓቕሙ ከምዘለዎ ክርኢ ከምዝደልን ሓቲቱ።

ብተወሳኺ ነቲ ሎሚ ኣብ ጉዳይ ምብራር ሰራሕተኛታት ሑቡራት ሃገራትን ቅለውላው ኲናት ትግራይን ኣመልኪቱ ዝካየድ ህፁፅ ኣኼባ ባይቶ ፀጥታ ሑቡራት ሃገራት ኢስቶኒያ፣ ፈረንሳይ፣ ኣየርላንድ፣ ኖርወይ፣ ኢንግሊዝ፣ ዩክሬንን ኣሜሪካን ክካየድ ከምዝፀወዓ ተሓቢሩ።

ባይቶ ፀጥታ ሑቡራት ሃገራት፡ ትማሊ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ሊብያ ዝዘተየ እንትኸውን ሎሚ ድማ ብመሪሕነት ሃገረ ኬንያ፡ ንቅልውላው ኲናት ትግራይ ኣመልኪቱ ንመበል ታሽዓይ ጊዜ ከምዝዝትን ውሳነ ከሕልፍን ትፅቢት ይግበር።