ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ንሽልማት ምሕፃዩ ስሕተት እዩ ክብል ሂዩማን ራይትስ ዎች ገሊፁ

ሂዩማን ራይትስ ዎች ንኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ዳኒኤል በቀለ (ዶ/ር) በቲ ፋውንዴሽን ኣፍሪካ ኣብ ጀርመን ዝተባህለ ትካል ክወሃብ ዝተሓሰበ ሽልማት ኣግባብነት ዘይብሉ ምዃኑ ዕላዊ ገይሩ።

ሓላፊት ሂዩማን ራይትስ ዎች ምብራቕ ኣፍሪካ ላቲሽያ ባደር ፣ ንዳኒኤል በቀለ (ዶ/ር) ክዕደል ዝተሓሰበ ሽልማት እዋኑ ዘይሓለወን ግጉይ ዲፕሎማሲያዊ መልእኽቲ ዘሕልፍን ከምዝኾነ ወቒሳ።

ጥቕዓት ሰብኣዊ መሰል ዝበፅሖም ተጋሩን ኦሮሞቶትን ንኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ሓዊሱ ንብዙሓት ቤት ዕዮታት ፌደራል ከምዘይኣምንዎም እናዳተፈለጠ፣ ንዕኦም ወኪሎም ሰብኣዊ መሰሎም ይሕልውሎም ከምዘለው ጌርካ ኣፍልጦ ምሃብ ዘይቃዶ ስራሕ እዩ ክትብል ተዛሪባ።

ለቲሽያ ባደር ነዚ መልእኽቲ ዘሕለፈት ሓዱሽ ንዝምስረት መንግስቲ ኢትዮጵያ መሰረት ገይሩ ንመራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍፀም ዘሎ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ፀቕጢ ንምፍጣር ሓሲባ ኣብ ዝሃበቶ መግለፂ እዩ።

ኣብቲ መደረኽ ኣብ ትግራይ ዝበጽሑ ዘለዉ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል ደው ክብሉ ሕብረት ኣፍሪካ ጸቕጢ ክገብር ይግባእ ዝበለት ላቲሽያ ባደር፡ ፐረዚደንት ናይጄርያ ነበር ኦሊሴጎን ኣባሳንጆ ዝመርሖ ወኪል ቤት ጽሕፈት ምብራቕ ኣፍሪቃ እውን ኣብ ተሓታትነት ትኹረት ዝገበረ ስራሕ ክሰርሕ ጸዊዓ፡፡

ሓላፊት ተሓላቕነት ኣፍሪካ ሂውማን ራይትስ ዎች ካሪን ካኔዛ ናንቱሊያ ብወገና ‘‘ሕብረት ኣፍሪካ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ግልጋሎታት ከጀምር ጸቕጢ ክፈጥር ይግበኦ፡፣ ቅድሚ ኹሉ ግን ብዛዕባ ፍትሒ፣ ሰብኣዊ መሰላትን ተሓታትነትን ብግልጺ ወጺኡ ክኹንን ንሓትት’’ ክትብል ሓሳብ ከምዘቕረበት ቢቢሲ ጸብፂቡ፡፡

ዳንኤል በቀለ (ዶ/ር) መትከላት እቲ ትካል ንጎኒ ብምግዳፍ ኣብ ትግራይ ዝተፈላለዩ ግፍዕታት እንትፍፀም ኣፅቂጡ ብምርኣዩን ፣ እቲ ትካል መሳርሒ መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ክኸውን ብምፅዓሩን፣ ብገበን ክሕተት እምበር ክሽለም ኣይግብኦን ነይሩ ዝብሉ ወገናት ብዙሓት እዮም።