ኣባል ኣመራርሓ ውድብ ዓረና ትግራይ ንዲሞክራስን ሉኣላውነትን ኣብርሃ ደስታ ብፌደራል መንግስቲ ተኣሲሩ

እቲ ኣብ ውድብ ብልፅግና ትግራይ ዝመርሖ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተሸይሙ ሓላፊ ቢሮ ማሕበራዊ ጉዳይ ትግራይ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ኣብርሃ ደስታ ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተኣሰረ ተሓቢሩ።

ኣብርሃ ደስታ ኣባልን ኣመራርሓን ውድብ ዓረና ኮይኑ ብመንግስቲ ብልፅግና ጻውዒት ቀሪብሉ ስልጣን ዝተረከበ እንትኸውን ኣብቲ እዋን ንሱ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ብሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝዕመፃሉ፣ ህዝቢ ትግራይ ብጥይት ዝረግፈሉ፣ ህዝቢ ብጥምየት ዝሳቐየሉ እዩ ነይሩ።

ኣብርሃ ደስታ ‘’ህዝበይ ክሕግዝ እየ ስልጣን ተረኪበ’’ ዋላ እኳ እንተበለ፣ ብዙሓት ድማ ምስቲ ዘርኢ ምፅናት ዝኣወጀ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምስርሑ ይፍንፍንዎ። ኣብርሃ ደስታ ዝመርሖ ቢሮ ብወታደራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ጾታዊ ዓመፅ ዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮ ከምዘለዋ፣ ህዝቢ ይጠሚ ከምዘሎ ዝገለፀሉ ግዘ ዝነበረ እኳ እንተኾነ፣ ብዙሓት ተጋሩ ግን ጆኖሳይድ ምስ ዝፈጸመ መንግስቲ ምሕባር ባዕሉ ካብ ገበነኝነት ኣየድሕንን ይብሉ።

ኣብ ቀረባ እዋን ‘’ትግርኛ ምዝራብ ከም ሓጥያት ተቖፂሩ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክእሰርን ክሳቐን የብሉን ዝበለ ኣብርሃ ደስታ፣ ትማሊ እውን ንባዕሉ ተኣሲሩ ኣሎ። ኣብርሃ ደስታ ቅድሚ ክልተ ሰሙን እውን ‘’ኣነ ንህወሓት ኣይድግፍ፣ ናይ ብልፅግና ወገን እውን ኣይኮንኩን፣ ኣነ ዝድግፍ ንህዝቢ ትግራይ ጥራሕ እዩ’’ ኢሉ ምንባሩ ይፍለጥ።

ኣብርሃ ደስታ ትማሊ ቅድሚ ብፖሊስ ተታሒዙ ናብ ቤት ማእሰርቲ ምእታው ኣብ ፌስቡክ ገፁ ዝጠቅዖ መልእኽቲ ‘’ዂናት ምድጋፍ ባህሊ ኣብ ዝኾነሉ ዓዲ ስለ ሰላም ምዝራብ ነውሪ እዩ፣ ባእሲ እንተሸሊሙ፣ ዕርቂ ነውሪ ይኸውን’’ ዝብል መልእኽቲ ነይሩ።

ብዙሓት ተጋሩ ‘’ስርዓት ኣብይ ፅልኡ ምስ ብሄረ ትግራይ እዩ፣ ዋላ ምስኡ ስራሕ ሓደ መዓልቲ ንሸቃሊኡ እውን ክበልዕ ዝኽእል እዩ’’ እናባሉ እንተመዓዱ እኳ ከም ኣብርሃ ደስታ ዝበሉን ካልኦትን ተጋሩ ግን ነዚ ምኽሪ ዕሽሽ እናበሉ ምስ ኣሳሪኦምን በላዒኦምን ሓቢሮም ክሰርሑ ተራእዮምን ይርኣዩን ኣለዉ።