ኣብ ሊብያ ስደተኛታት ተጋሩ ከቢድ ኣብ ከቢድ ፀገም ወዲቖም ከምዘለው ምንጭታትና ገሊፆም

ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ተጋሩ ብኣሰጋገርቲ ሰባት ንኣደዳ ማእሰርትን ስቅያትን ከምዝወደቑን እዚ ገበን ካብ ዝጅምር ነዊሕ ጊዝያት ከምዝኾኖን ምንጭታትና ገሊፆም።

እቶም ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ወገናት፣ ገሊኦም ኣብ ማእኸል ጎዶናታት ወዲቖም ገሊኦም ድማ ተኣሲሮም ካብዚኣቶም እዉን ብርክት ዝበሉ ተጋሩ ከምዝርከብዎምን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከምዘለዉን ተፈሊጡ።

ኣብዚ ስቓይን ሕሰምን ዘለዉ ወገናት ንዝሓለፉ ጊዚያት ድምፆም ተዓፊኑ ከይስምዑ ተገይሩ ዝፀንሐ እንትኾን ኣብ ቀረባ እዋን ብዝተፈላለየ መንገዲ ተጠቒሞም ድምፂ ብፁሑልና እንተብፅሑ ክሳብ ሐዚ ግን ሰማዒ ከምዘይረኸቡን እቲ ሓደጋ ከምዝተጋደደን ይግለፅ።

ቅድም ኢልና ኣብ ዜና እወጃና ከምዝገለፅናዮ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ወገናት ኣብ ሓደ ገዛ ልዕሊ 300 እሱራት ከምዝርከቡን ከምሳዕቤኑ ድማ ንዝተፈላለዩ ሕማማት ስነ ኣእምሮን ሕማም ቆርበትን ከምዝተቓልዑን ምፅብፃብና ይዝከር።

ብተወሳኺ ብሰንኪ ሕማም ጭንቀት ኣእምሮኦም ዝሰሓቱን ዝሞቱን ከምዘለዉን እቲ ኹነታት ሐዚ እዉን ብተመሳሳሊ መንገዲ ይቕፅል ምህላዉን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዞም ኣብ ሳዉዲ ብዘይ ዝኾነ ገበን ዝሳቐዩ ዘለዉ ወገናት ኣብ ልዕሊ ደቂ ተባዕትዮ ይኹን ደቂ ኣነስትዮ ፆታዊ ዓመፅ ከምዝበፅሖም ምንጭታትና ሓቢሮም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ገለ ተጋሩ ምስ ካልኦት ኢትዮጲያዉያን ተሓዋዊሶም ዋላ እኳ እንተተመለሱ ኣብ ቦሌ መዕረፊ ነፈርቲ ተጋሩ እናተመመዩ “ምሩዃት ኲናት” እዮም እናተብሃሉ ንፓለቲካ ትርፊ የዉዕሎም ምህላዉ ዝፍለጥ እዩ።

እዞም ግዳያት ማእሰርትን መጥቃዕትን ዝኾኑ ተወለድቲ ብሄረ ትግራይ፣ መንግስትን ህዝብን ትግራይ ድምፂ ክኾኖምን ብማሕበረሰብ ዓለም ቆላሕታ ክረኽቡን ፀዊዖም።