ተጋሩ ነበርቲ ኣህጉር ኣውሮፓ ኣንፃር መንግስቲ ኢትዮጲያ ዘቕነዐ ሰልፊ ተቓውሞ ኣብ ቤልጄም ከተማ ብራስለስ ኣሳሊጦም

ኣብ ቤልጄም ከተማ ብራስለስ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ኢሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፅሞ ዘሎ ሰብ ሰራሕ ጥምየት ማሕበረሰብ ዓለም ደው ከብሎ ዝፅውዕ ሰልፊ ተቓውሞ ብነበርቲ ኣዉሮፓን ከባቢኣን ተጋሩ ተኻይዱ።

ከተማ ብራስለስ ዋና ቤት ፅሕፈት ሕብረት ኣዉሮፓን ካልኦት ዓለም ለኸ ትካላትን ዝርከቡላ ከተማ ብምዃና ብርክት ዝበሉ ተጋሩ ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኽባን ጥምየትን ጠጠዉ ይበል ክብሉ ድምፆም ኣስሚዖም።

ኣብቲ ፈለማታት ኲናት ትግራይ ምንቅስቓስ ሕብረት ኣዉሮፓ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ዕዙዝ ምንባሩን እንተኾነ ኣብዚ ሐዚ እዋን ንድሕሪት ከምዝተጎተተ ነዚ ብምልዕዓል ኣብ ጉዳይ ትግራይ ህፁፅ ስጉምቲ ንኽውሰድ ዝፅዉዕ ሰልፊ ከምዘካየዱ ካብ ተሳተፍቲ ሓደ ኣይተ ሓጎስ ንጉስ ገሊፁ።

ስለዝኾነ እዉን ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ሰልፊ ሕብረት ኣዉሮፓ ከምቲ ፈለማታት ኲናት ትግራይ ኣጥቡቑ ከዉግዝን ብምቕፃል ኣብ ትግራይ ተኸሲቱ ዘሎ ጊዜ ዘይጠልብን ሂወት ኣሸሓት ዝቐዝፍ ዘሎን ሰብ ሰራሕ ጥምየት ንኸብቅዕ ገበነኛታት ብሕጊ ክሕተቱ ንኽገብርን ዝፅዉዕ ሰልፊ ምዃኑ ኣይተ ሓጎስ ንኣኽሱማይት ሚድያ ኣረዲኡ።

ብተወሳኺ ተሓታቲ ገበን ኲናት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብገለ ሃገራት ዝግበረሉ ዘሎ ሓገዝ ደዉ ንኽብልን ኢድ ኣታዉነት ኔቶ ኣድላዪ ምዃኑ ኣብቲ ዘስምዕዎ ተቓዉሞ ድምፅን ብደብዳቤ ኣቢሎም ናብ ቤት ፅሕፈት ሕብረት ኣዉሮፓ ከምዘእተውን ኣረዲኡ።

ኣብቲ ሰልፊ ካብ ጀርመን፣ ፖላንድ፣ ፈረንሳይ፣ ኢንግሊዝን ካልኦት ከባቢታት ኣዉሮፓን ዝተኣኻኸቡ ተጋሩ ዝተኻየደ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ምንባሩ ኣይተ ሓጎስ ንጉስ ሓቢሩ።

ኣብ ቀፃሊ መዓልታት እዉን ኣብ ካልኦት ግዝኣታት ኣዉሮፓ ዝቕፅል ምዃኑ ድማ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።