ኣብ ዕደና ወርቂ ዝነጥፍ ካናዳዊ ትካል ካብ ትግራይ 3 ቢልዮን ዶላር ከምዝረኸበ ገሊፁ

ኣብዚ ሐዚ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዝኣወጆ ኲናት ምኽንያት ትግራይ ብሰብ ስራሕ ጥምዬት፣ ብምፅናት ዓሌትን ዕፅዋ መሰረታዊ ግልጋሎታትን ኣብ ከቢድ ፀገም ከምዘላ ዝፍለጥ እዩ።

እንተኾነ ዝተወሰኑ ኣብ ዕደና ወርቂ ዝነጥፉ ትካላት ካናዳ ንትግራይ ብዝተፈለየ መንገዲ ከምዝሪኡዋ ገሊፆም።

እቶም ካናዳውያን ትግራይ ዝለዓለ ሽሻይ ሃፍቲ ወርቂ ዝተዓደለትን ብቢልዮን ዶላራት ዝግመት ሃፍቲ ወርቒ ዝሓዘት ከምዝኾነትን ንማዕኸን ዜና ቢቢሲ ገሊፆም።

ትግራይ ኩናት ተኣዊጁላ ኣብ ዝርከበሉ ኣብዚ ሐዚ እዋን እዞም ትካላት ኣብ ትግራይ ንምስራሕ ካብ መንግስቲ ፌደራል ፍቓድ ክሓቱ ፀኒሖም እዮም።

ብውሑዱ ክልተ ኣብ ቫንኮቨር ዝመሰረቶ ዓደንቲ ወርቂ እዚ ኲናት ድሕሪ ምጅማሩ ኣብ ትግራይ ንምስራሕ መንግስቲ ኢትዪጵያ ፍቓድ ንክህቦም ፀቕጢ ክገብሩ ከምዝፀንሑ እዩ እውን ኣቃሊዑ።

ካብዚእቶም ሓደ ዝኾነ ኢስት ኣፍሪካ ዝተሰመዬ ትካል ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ፍቓድ ኣብ ዝሓቱሉ እዋን ኣብ ትግራይ ብ 120 ሚልዮን ዶላር ፈሰስ ክገብሩ ምውሳኖም ገሊፁ እዩ።

እዚ ትካል ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝፀሓፎ ፍቓድ መሕተቲ ደብዳበ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ካብ ትግራይ ብዝረኸቦ ወርቂ 3 ቢልዮን ዶላር ከምዝረኸበ ዝገለፀ እንትኾን ኣብ ዌብሳይት እቲ ትካል ድማ ትግራይ ካብ ጥንቲ ጀሚራ ዓዲ ሃፍቲ ምዃና ይገልፅ።

ተጋሩ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያን ተንተንትን ግና እዚ ካናዳውያን ዓደንቲ ዝገብርዎ ዘለው ኣብ ትግራይ ፈሰስ ናይ ምግባር ፀቕጢን ምጉያይን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ካብዚ ዝኸፍአ ጥቕዓትን ዕፅዋታትን ክገብር ዝደፋፍእ እዩ ክብሉ ይወቕስዎ።