ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ እትኽተሎ ዘላ ኩነታት ሰብኣዊ ሓገዝን ፓሎቲካን ፈላልያ ክትርእዮ ከምዘለዋ ኬንያ ኣተሓሳሲባ

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ንሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ምስጓጉ “እታ ሃገር ብማሕበረሰብ ዓለም ንኽትግለልን ኣብ ልዕሊኣ እምነት ክስእንን ዘግብር እዩ” ክትብል ኬንያ ነቒፋ።

ከምኡ እውን ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ እትኽተሎ ዘላ ኣንፈት ዕፅዋ ሰብኣዊ ሓገዝ መሊሳ ክትክልሶ ከምዝግባእ እውን ኬንያ ሓቢራ።

ብተወሳኺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ምብራሩ፣ ኣብ ትግራይ ዘለዎ ኣመለኻኽታ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ንክህልዎ ዘግብር ከምዝኾነ ገሊፃ።

ከምኡ እውን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝዘተየሉን ዘቕረቦ ፀብፃብን ከም ዝረኣየ ሳንዳይ ስታንዳርድ ንኣብ ባይቶ ፀጥታ ውደብ ሕቡራት መንግስታት ተወካሊ መንግስቲ ኬንያ ማርቲን ኪማኒ ብምፅራሕ ፀብፂቡ።

ብምዃኑ እውን እቲ ንዘተ ዝቐረበ ፀብፃብ ዘካትዑ ጉዳያት ዋላ እኳ እንተሃለውዎ፡ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝግበር ውሳነታት ግን ግዘ ዘይህብን ቅልጡፍ ውሳነ ዘድልዮን ጉዳይ ከምዝኾነን ኣጠንቂቁ።

ኣብ መወዳእታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰራሕተኛታት ሑቡራት ሃገራት ምብራሩ እታ ሃገር ብማሕበረሰብ ዓለም ንክትግለልን ኣብ ልዕሊኣ እምነት ክስእንን ዝገብር ብምዃኑ ነቲ ውሳነ ቀልጢፋ ክተመሓይሾ እንተዘይኪኢላ ውፅኢቱ ኣዚዩ ዝኸፍአ ከምዝኸውን እቲ ማዕኸን ዜና ኣረዲኡ።

መንግስቲ ኬንያ ቅድም ክብል ህዝቢ ትግራይ፡ ብሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ዓባይ ሶማልያን እንትጭፍጨፍ ሃገራት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ክኣትዋ የብለንን ዝብል ቅዋም ብምሓዝ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ክትድግፍ ምፅናሓ ዝዝከር ኮይኑ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ መዝነት ኣዶ መንበር ባይቶ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝተረከበት እውን ዝፍለጥ እዩ።