ኣብ ትግራይ ሕሱም ጥምየት ኣብዘለሉ እዋን መንግስቲ ኢትዮጲያ ብሚልዮን ዶላራት ዝግመት ገንዘብ ኣውጺኡ ድግስ ምድጋሱ ከምዘሕዘኖ ትካል ፋውንድሽን ሰላም ዓለም ሓቢሩ

ትማሊ ኣብ ኢትዮጲያ ዝተኻየደ ሓዱሽ በዓለ ሹመት ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሓደጋ ጥምየት መፍትሒ ከየቐመጠ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድግስ ምድጋሱ ዎርልድ ፒስ ፋዉንዴሽን ከምዝኾንኖ ገሊፁ።

ኣብ ትግራይ ዝኾነ ዓይነት ቀረብ ምግቢ፣ መድሓኒት፣ ግልጋሎት ሕክምና ብዘይምህላዉ ብርክት ዝበሉ ወገናት ብፍላይ ህፃናት በቢመዓልቱ ሰኣን ምግቢ ይሞቱ ኣለዉ ብሓፈሻ ሓሙሽተ ነፍሰ ፁራት እንተሃልየን እተን ኣርባዕተ ምግቢ ከምዘይረኽባ ብምግላፅ ውሳነ መንግስቲ ኣብዪ ሕማቕ ሰነ ምግባር ከምዝኾነ ኣቃሊሑ።

ቅድም ኢሎም ምስ ዝሓለፉ ገዛእቲ ኢትዮጲያ ምስቲ ናይ ሐዚ ምምሕዳር ኢትዮጵያ ዝመሳሰሎ ፀብፃብ ዎርልድ ፒስ ፋዉንዴሽን፡ ኣብ 1974 ዓ/ም/ፈ ማለት እዉን ኣብ ምምሕዳር ሃፀይ ሃይለስላሰ ኣብ ትግራይን ወሎን ልዕሊ 200 ሽሕ ሰብ ብጥምየት እንትሞት መበል 44 ዓመተ ንግስናኦም የኽብሩ ከምዝነበሩ ኣቃሊዑ።

ኣብ 1984 ዓ/ም/ፈ ስርዓት ደርጊ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እዉን እንተኾነ ልዕሊ 1 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ዝኾን ስኣን ቀረብ ምግቢ እንትሞት መበል 10ይ ዓመት ዘመነ ንግስናኡ ከምዘኽበረ ፀብፂቡ።

ብተመሳሳሊ ኩነታት ምምሕዳር ኣብዪ ኣሕመድ እዉን ነዚ ሂወት ኣሸሓት ዝቐዝፍ ዘሎ ሰብ ሰራሕ ጥምየት ዕሽሽ ብምባል ዝኸዶ ዘሎ ክያዶ እንተዘይቀይሩ ኣብ ትግራይ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዘይገመቶ ሓደጋ ክበፅሕ ከምዝኽእል እቲ ፀብፃብ ስግኣቱ ኣመላኺቱ።

ብተወሳኺ ኣብዪ ኣሕመድ ምስ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዘለዎ ዝምድናን ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ጥምየት ትልሚ ሉኣላዊነት ኢትዮጲያ ኣየረጋግፅን እኳ ደኣስ ሂወት ቡዙሓት ከምዘጥፍእ ኣረዲኡ።

ስለዝኾነ እዉን እዚ ሓደጋ እዚ ሱር ከይሰደደ ከሎ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ክንዲ ድግስ በዓል ሹመት ምክያድ ኣብ ዉሕስና ዜጋታቱ ኣድላዪ ዝበሃል መፍትሒ ከቐምጥ ትካል ዎርልድ ፒስ ፋዉንዴሽን ኣተሓሳሲቡ።