ኣመሪካ፡ መንግስቲ ኢትዮጲያ ዝሰጎጎም ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ክምልሶም ከምዝግባእ ኣተሓሳሲባ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ቅድም ኢሉ ዘባረሮም ሰራሕተኛታት ሑቡራት ሃገራት ናብ ቦትኦም ክምለሱ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ከምዘተሓሳሰበ ሮይተርስ ፀብፂቡ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራይስ፡ ኣብ ትግራይ ብኣሸሓት ዝቑፀሩ ዜጋታት ኣብ ሓደጋ ከምዝወደቑ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ምስጓግ ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ጥምየት ክስፋሕፋሕ ስለዝተደለየ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ኣባል ሰራሕተኛ ዩኒሴፍን ሓዊሱ ካብ ኢትዮጲያ ንኽወፁ ድሕሪ ምግባሩ ኣመሪካ፡ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ዓበይቲ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ኮኒንምዎ እዮም።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ዝፈጠሮ ሰብ ሰራሕ ጥምየት፡ ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሂወት ሚልዮናት ሰባት ንምድሓን ይጓየዩ ኣብ ዝነበርሉ ግዜ ከምዝሰጎጎም ዝፍለጥ እዩ።

ብምዃኑ እውን ኣመሪካ ትማሊ ኣብ ዘዉፀአቶ መግለፂ እዞም ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብቕልጡፍ ናብ ቦቶኦም ንኽምለሱ ምግባር ግድን ከም ዝኾነ ኣጠንቂቓ።