ናይ መቐለ ቀረብ ማይ ንምምላእ ተሓሲቡ ኣብ ከይዲ ህንጸት ዝነበረ ግድብ ገረብ ግባ ምሉእ ብምሉእ ከምዝዓነወ ተገሊፁ።

እቲ ካብ ከተማ መቐለ ተበጊስካ ንኣንፈት ተንቤን ውሱን ርሕቐት ምስተጎዓዝካ ዝርከብን ከይዲ ህንፀቱ ኣብ ምስላጥ ዝነበረን፡ ንኸተማ መቐለ ቀረብ ዝስተ ፅሩይ ማይ ንምምላእ ዝስራሕ ዝነበረ ፕሮጀክት ግድብ ገረብ ግባ ብሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጲያን ሙሉእ ንሙሉእ ከምዝዓነወን ከምዝተዘመተን ተገሊፁ።

እቲ ብልዕሊ 9 ቢሊዮን ብር በጀት ተመዲብሉ ህንፀቱ ምስ ዝዛዘም ንዝመፅእ 50 ዓመት ንኸገልግል ትልሚ ተታሒዙሉ ዝስራሕ ዝነበረ ግድብ ገረብ ግባ መንግስቲ ኢትዮጲያ ምስ መሻርኽቱ ኣብ ልዕሊ እተን ዉጡናትን ሙሉኣትን ሃፍትን ፕሮጀክትታን ህዝቢ ትግራይ፡ ዝኸኣሎ ናብ ኤርትራን ክልል ኣምሓራን ብምግዓዝ ዘይከኣሎ ድማ ኣዕንዩዎ እዩ።

እቲ ግድብ እንትዛዘም ንቀረብ ማይ ህዝቢ መቐለ ሂብዎ ዝነበረ ተስፋ ልዑል ምዃኑን ዝሐሸ ኣማራፂ ዝነበሮን ዓብዪ ፕሮጀክት ከምዝነበረ ኢንጅነር ዘርኡ ጨርቆስ ሓቢሩ።

ይኹን እምበር ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ኣይኮነን ዶ ኣብ ዓበይቲ ዉጡናት ፕሮጀክትታት ንብረት ዉልቀ ሰባት ካብ ምስራቕ ንድሕሪት ከምዘየብሉን ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ናዉቲ መሳርሒታት ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ተንቀሳቐስትን ዝተተኸሉን ማሽናት ከምዝተዘመተን ከምዝዓነወን ኣረዲኡ።

ካብዚ ብተወሳኺ ካብቲ ክህቦ ዝነበረ ኣቕርቦት ማይ ብዝተፈለየ ማይ ናይ ኩሉ መሰረት ልምዓት ቀንዲ መሳርሒ ስለዝኾነ ኣብ ካልኦት ዝሳለጡ ዓይነታት ልምዓት እዉን ፅልዋ ከምዝፈጥር ኢንጅነር ዘርኡ ገሊፁ።

ስለዝኾነ እዉን እቲ ፕሮጀክት ከም ብሓዱሽ ንምጅማርን ካልኦት መሰረተ ልምዓት ንምስላጥን ፀላእቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላትን ፋብሪካታትን ብፍላይ ድማ ምስ ቀረብ ማይ ዝተሓሓዙ ዘብፅሕዎ ዕንወት ንምፅጋን ነዊሕ ጊዜ ከምዝወስድ ስግኣቱ ገሊፁ።

ብምዃኑ እውን እዚ ዕግርግር ክሳብ መዕለቢ ዝረክብ ድማ ጎና ጎኒ ንዘላቒ ዉሕስና ህዝቢን ብቐፃልነት ስግኣት ክኾነሉ ናብ ዝኽእል ብርኪ ቅድሚ ምብፅሑን መንግስትን ሰብሙያን ብሓባር ብምዃን ኣብዚ ዙርያ ክሰርሕሉ ከምዘለዎም እውን ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ብጸቕጢ መንግስትን ህዝብን ትግራይ እምበር ከም መንግስቲ ፌደራል እንተኾይኑ ንዕኡ ዝዉዕል ዝስላዕ በጀት ከምዘይለቐቐን እቲ ህንፀት ክሳለጥ ድልየት ከምዘይነበሮን ድማ ኢንጅነር ዘርኡ ኣብሪሁ።

ግድብ ገረብ ግባ ካብ ስሑል ; ገንፈልን ኣጉላዕን ሩባታት ዝመፀ ወሓዚ ማይ ከቲሩ ንከተማ መቐለ ክሽፍን ተሓሲቡ ዝህነፅ ዝነበረ ግድብ እንትኾን ከይዲ ህንፀቱ ከባቢ 20 ሚእታዊ በፂሑ ከምዝነበረ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጲያን ብሱር ኮንስትራክሽን ኣቢሎም ኣብ ከይዲ ህንፀት ዝነበሩ ከምኒ መንበሪ ኣባይትን መንገድን መሳርሒታት እዉን ብተመሳሳሊ ካብ ንእሸተይ ክሳብ ዓበይቲ መሳርሒታት ከምዝዘመትዎ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ እዉን ከም ፀብፃብ ዓለምለኸን ዉሽጢ ዓዲን ሚዲያታት ወረርቲ ህዝቢ ትግራይ ናብ መሬት ትግራይ ካብ ዝኣትዉ ኣትሒዞም ኣብ ትግራይ ዘለዋ ፋብሪካታትን ትካላት ህዝብን መንግስትን ከምዘዕነዉወን ብተደጋጋሚ እናተገለፀ ምምፅኡ ይዝከር።

ብፍላይ ኣብ ዘኒት ገብስ ሽረእንዳስላሰ፣ እሸት ፣ ኣልመዳ ጨርቃጨርቂ ዓድዋ፣ ኣብ ዉቕሮ ፋብሪካ ሰማያታ ውቕሮ ፣ ብርጭቆን ጥርሙዝን ዕዳጋ ሓሙስ፣ ፋብሪካ መድሓኒት ዓድግራትን ይጥቀሱ።

One thought on “ናይ መቐለ ቀረብ ማይ ንምምላእ ተሓሲቡ ኣብ ከይዲ ህንጸት ዝነበረ ግድብ ገረብ ግባ ምሉእ ብምሉእ ከምዝዓነወ ተገሊፁ።

  1. በየን በየን ኣቢሎም ስለ ዝኣተዉ ደኣ ከፍርሱዎ ክኢሎም። ቅድሚ ሳልስቲ ኣብ ወሎ፡ ጎንደር ኣለና ትብሉዶ ኣይነብርኩምን??

Comments are closed.