ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዕድመ ስልጣኑ ብሓደ ዓመት ዘናወሐ ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣሃዳዊ ስርዓት ንምትክካል ይሕግዙኒ እዮም ዝበሎም ኣባላት ካቢኔ ኣጣይሹ።

ዋላ እኳ እቲ ሓዱሽ ዝተበሃለ መንግስቲ ብመራሕቱ፣ ዝመርሕ ውድብን ዝክተሎ ዘሎ ቅርጺ መንግስቲን ተረኽን ዝተለወጠ ነገር እንተዘይሃለወ ብውሽጥን ብደገን ዝሰኣኖ ቅቡልነት ብምርኢትን ድግስን ሓዱሽ መንግስቲ ከምዝመስረተ ከስርጽ እናፈተነ ይርኸብ።

እቲ ዝተጣየሸ ዝብሃል ዘሎ መንግስቲ ብግብርን ባህሪን ሓደ ፖለቲካዊ ኣተሓሳባ ንምህናጽ ይሰርሕ ዝርኸብ እንንትኸውን እዚ ኣተሓሳስባን ተረኸን ስርዓታዊን መዋቅራዊን ንምግባር ዝተፈላለዩ ሽሞታን ፖለቲካዊ ስራሕን ኣብ ምሰላጥ ይርኸብ።

ኣብ መወዳእታ 2013 ክግበር ዝግቦኦ ዝነበረ ሃገራዊን ክልላዊን መረጻ ኢ ሕገ-መንግስቲ ብዝኮነ ኣግባብ ክናዋሕ ድሕሪ ምግባሩ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ዋና ፖለቲካዊ ተናሓናሕቲ ውድባት ብምፍራስን ዓበይቲ ፖለቲካዊ መራሕቲ ብምእሳርን ካብ ሓደ ፖለቲካዊ ኣተሓሳሳባ ዝምዘዙ ውልቐ ሰባትን ፖለቲካዊ ውድባትን ኣኪቡ ‘መረፃ’ እዩ ዝብሎ ዘካየደ እንትኸውን በዓሉ ብዝምውሎን ዝሾሞን መረፃ ቦርዲ ኣቢሉ ድማ ከምዘሸነፈ ኣፍሊጡ እዩ።

ኣብቲ ተኻይዱ እዩ ዝተበሃለ ሃገራዊ መረጻ ሓደ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን ባህጊን ዘለዎም ናይ ልሂቃን ኣምሓራ ውድባት ጥራሕ ዝተሳተፉ እንትኸውን ከም እኒ ኦፌኮ፣ ኣነግን ካልኦት ብሄራዊ ውድባትን ኣብቲ መረጻ ከይተሳተፋ ተሪፈን እየን።

እቲ ዋና ተናሓናሕቲ እቲ ገዛኢ ውድብን ኣብታ ሃገር ዝንጸባረቕ ናይ ብሄር ሕቶ ዝተሓንገጣ ውድባትን ዘይተሳተፋሉ መረጻ ውድብ ብልጽግና ብተረኽን ባህጊን ዝመስልዎ ውድባት ኣኪቡ ሓደ ሓሳብ ጥራሕ ዝንጸባረቐሉ መረፃ ብምስላጥ ዓምራራይ ኣሃዳዊ ባህጉ ዘሰከዐሉ መንግስቲ ኣጽኒዑ ኣሎ።

ኣብቲ ምስረታ ሓዱሽ መንግስቲ መረጻ ደንጉዩ ዝተሳለጠሎም ክልላት ከም ክልል ሶማሌ፣ ቤንሻንጉልን ሃረን ከሙኡ እውን ናይ ባዕላ መረጻ ኣካይዳ መንግስቲ ዝመስረተት ትግራይን  ዘይተሳተፍሉን እንትኸውን ካብ 547 ኣባላት 425 ጥራሕ እዮም ተረኪቦም።  ካብ ዝሓለፉ መረጻታትን ምስረታ መንግስትን እዚ ፍጹም ሓዱሽን ተወከልቲ ዝተፈላለያ ክልላትን ብሄራትን ኣብ ዘይብሉ ዝተገበረ ምስረታ መንግስቲ እዩ።

እቲ ብሽም ሓዱሽ መንግስቲ ዝመጸ  መንግስቲ ኢትዮጲያ ዝተፈላለዩ ሽሞታት ነቶም ምስኡ ኣብ መረጻ ዘሳሰዩሉ ኣብ ምሃብ ዝርኸብ እንትኸውን ብፉሉይ ድማ ናይ ኢዜማን ኣብንን መራሕቲ መንግስታዊ ሓላፍነት ኣብ ምሃብ ይርኸብ።

ሎሚ ኣብ ዝተሳለጠ ዋዕላ ቤት ምክሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጲያ ብርሃኑ ነጋ ካብ ኢዜማ ሚኒስተር ትምህርቲ ጌሩ ዝሾመ እንትኸውን በለጠ ሞላ ካብ ኣብን እውን ሚኒስተር ኢንቮሽንን ቴክኖለጂን ጌሩ ሸይሙ እዩ።

እዚ እቲ ሓዱሽ ዝተመስረተ ዝብሃል ዘሎ መንግስቲ ኣሳታፋይን ሓቃፋይን ንምምሳል ካብ ሓደ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን ባህጊን ዝቅድሑ ኣካላት ስልጣን ብምሃብ ዝግበር ዘሎ ተዋሰኦ ከምዝኮነ ተዓዘብቲ ይዛረቡ። ኣብ መስከረም 24 ንመራሕቲ ኢዜማ፣ኣብንን ካልኦት መራሕቲ መሳሰይቲ ውድባትን ስልጣን ክህብ ከምዝክእል ዝተፈላልዩ ወገናት ግምቶም እናቀመጡ ዝጸነሑ እንንትኸን ‘ናይ ሂልተን ኦነግ’ ተባሂሉ ንዝፍለጥ ኦነግ ንምፍራስ ብመንግስቲ ኢትዮጲያ ናይዝተፈጠረ ጉጅለ እውን ኣብቲ ካቢኔ ከኣትው ተጌሩ እዩ።

ውድብ ኢዜማ ካብ ስራሕ ፈጻሚ ፌደራል መንግስቲ  ክሳብ ወረዳ ዝወሃቦ ስልጣን ተቀቢሉ ክሰርሕ ምስ ብልጽግና ኣብ ስምምዕነት ዝበጸሐ እንትኸውን ኣብ ዝተፈላለየ ብርኪ መንግስታዊ ስልጣን ሽሞት ኣብ ምቅባል ይርኸብ።

እዚ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብታ ዓዲ ክተክሎ ናይ ዝደሊ ዘሎ ፖለቲካዊ ተረክን ባህጊን ነጸብራቅ እንትኸውን ካብ መረጻ ክሳብ ሹመት ሓደ ፖለቲካዊ ሓሳብን ባህጊን ዘለዎም ሓይልታት ጥራሕ ዘሳትፍን ዘሓቑፍን ስርዓት ኣብ ምህናጽ ይርኸብ።

ነዚ ፖለቲካዊ ባህጊን ኣብ መጻኢ ንዝሕሰቡ ዘለው ሕገ መንግስታዊ ለውጥታትን ንምፍጻም እውን ኣብ ቤት ምክሪ ፌደሬሽን ናይ ኣገኘሁ ተሻገር ብኣፈ ጉባኤነት ዝተሾመ እንትኸውን መጻኢ ፖለቲካዊ ስራሕቲን ኣንፈታትን መንግስቲ ኢትዮጲያ ናበይ ከምዝኮነ ዘርእይ እዩ ይብሉ ተዓዘብቲ ፖለቲካ እታ ዓዲ።

ኢትዮጲያ ካብ መሰረቱ እውን ብመሰርታዊ ፖለቲካዊ ጎነጽ እትሕመስ ዓዲ ዋላ እንተኮነት ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብይ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንነዘ ግን እታ ሃገር ብፖለቲካዊ፣ሰብኣዊ፣ ወታደራዊን ቁጠባዊን ቁልውላው ኣብ ምሕማስ ትርኸብ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብዚ ሐዚ እዋን በዓለ ሲመት ኣብይ ሚልዮናት ኣብ ውጽኡ ኣብ ዘክብረሉ እዋን ልዕሊ 7 ሚልዮን ህዝቢ  ኣብ ጥምየት ተሳጢሑ ኲናት ተኣዊጅሉ ዝርኸብ እንትኸውን ኣብ ልዕሊ ኦሮምያ፣ ቅማንት፣ ኣገው፣ ቤንሻንጉል ጉሙዝን ካልኦት ህዝቢታትን ኲናት ኣዊጁ ይርኸብ።