ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ብሄረ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ መንነት መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ፡ ተጋሩ ከይዛረቡ ክፈርሑን ተስፋ ክቖርፁን ምግባሩ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣቃሊሑ

ኣብ ልዕሊ ካብ ትግራይ ወፅኢ ዝነብሩ ተጋሩ ዘርኦም መሰረት ዝገበረ መጥቃዕትን ማእሰርትን ክበፅሕ ዝጀመረ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ቅሉዕ ኲናት ቅድሚ ምእዋጁ ከምዝኾነ ተገሊጹ።

ብተወሳኺ ክሳብ ሎሚ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ተጋሩ ተኣሲሮም፣ ተቐቲሎም፣ ሃፍቲ ንብረቶም ተዘሪፉ፣ ንግዲ ትካሎም ከምዝተዓፀወን ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክሳብ ሐዚ ተጠናኺሩ ምቕፅሉ ኣዲስ ስታንዳርድ ገሊፁ።

መብዛሕተኦም ተጋሩ ንግዲ ትካሎም ተፈልዩ ተዓፅዩ፣ ሰራሕተኛታት ድማ ካብ ስራሕ ተባሪሮም ትግራዋይነቶም ገበን ኮይኑ እንዳተሃደኑ ይእሰሩ ከምዘለውን ፀገሞም ከይዛረቡ ፈሪሖም ተስፋ ዘይብሉ ሂወት ይመርሑ ምህላዎም ንግዲ ትካሎም ዝተዓፀዎም ሰባት ኣዘራሪቡ ዝሰርሑ ዛንታ የመልክት።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተወሊዳ ዝዓበየት ሃና ዝተብሃለት ትግራወይቲ ንኡሽተይ ቤት ብልዒ ከምዝነበረታን ቀበሌ መፂኡ ከምዝዓፀወላ ሓቢራ።

እቲ ዕፅዋ “ሕግታት ኮሮና ጥሒስኪ” ዝብል ምኽንያት ከምዝሃቡዋ ዝገለፀት ሃና ይኹን እምበር እቲ ሓቂ ንህወሓት ትሕግዚ ኢኺ ዝብል ከምዝኾነ ገሊፃ።

ይትረፍ ንዓኣቶም ክትልእኽ ንባዕላ መንበሪ ከምዘይብላ ብምግላፅ ብስሩ እውን ንትግራይ ብዝግባእ ከምዘይትፈልጣ ሓቢራ።

ድሕሪ ክንደይ ምምልላስ ካብ ዝኽፈተላ 15 መዓልቲ’ኳ እንተገበረት ይኹን ምበር ሰባት ናብ ቤት ምግባ ኣትዮም ክበልዑ ብጣዕሚ ስለዝፈርሑ ንሳን ሰራሕተኛታታን ብዘይስራሕ ከምዝውዕሉ ተዛሪባ።

ካሊእ ሓሳቡ ዝሃበ ትግራዋይ ምስ መሓዙቱ ተኣሲሩ ከምዝነበረን መለለዪ መንነት ኣትሒዞም ከምዝሰደድዎም ብምግላፅ ተለቂሑ ዝኸፈታ ቤት መስተ ከምዝዓፀውሉን ምንም ኣታዊ ኣብዘይብሉ ገዛ ክራይን ዕዳ ልቓሕን ክኸፍል ከምዝግደድ ተዛሪቡ።

መራሕቲ ተናሓናሕቲ ውድባት ሓዊሱ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ተጋሩ ብጅምላ እንዳተገፈፉ ፎቖዶ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ከምዘለው ኣብዝሓለፉ ዜናታትና ብተደጋጋሚ ምፅብፃብና ይዝከር።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ተጋሩ ዜጋታት ኢትዮጵያ ንላዕሊ እቶም ደቂ ጎረቤት ሃገር ኤርትራ ዝያዳ መሰልን ክብርን ከምዘለዎም ንኣኽሱማይት ሚድያ ትዕዝብቶም ዘካፈሉ ተጋሩ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ገሊጾም።