ሰብኣዊ ሓገዝ ዝፀዓነት ነፋሪት “ኤየር ባግ” ሕብረት ኣውሮፓ መቐለ ከምዝኣተወት ተሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኩሎም ዓይነታት ኣገልግሎት ከይትረክብ ብኹሉ ሸነኽ ንዝዓፀዋ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝፀዓነት ነፋሪት ” ኤየር ባግ” ሕብረት ኣውሮፓ መቐለ ከምዝኣተወት ተሓቢሩ።

እቲ ብሕብረት ኣውሮፓ ዝተጎዓዓዘ ረዲኤት ሰብኣዊ ሓገዝ ድማ ኣብ ኣፍ ሞት ንዘለው ወገናት ከምዝዕደል ሓለፊ ሰብኣዊ ረዲኤት፣ ኣፈታትሓ ጎንፅን መተሓባበሪ ሃንደበታዊ ሓደጋን ሕብረት ኣውሮፓ ጃኔዝ ሌናሪክ ኣብሪሁ።

ኮይኑ ግና ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ትግራይ ምስ እናተጋደደ ዝመፅእ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ፈፂሙ ዝመጣጠን ሓገዝ ከምዘይኮነን ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ ህይወት ንኸድሕኑ መጎዓዝያ ምድርን ሰማይን ክኽፈት ከምዘለዎ ሌናሪክ ኣብ ትዩተር ገፁ ኣተሓሳሲቡ።

ቅድም ክብል ሕብረት ኣውሮፓ፡ ምቁራፅ ኣገልግሎት ባንኪ፣ ነዳድን ካልኦትን ደው ከምዝበለን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረዲኤት ዘለዎ ኣረኣእያን ኣተሓሕዛን ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናኸፍአ ከምዝመፀአን ገሊፁ ነይሩ።

ብተወሳኺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሸውዓተ ሰራሕተኛታት ረዲኤት ውድብ ሑቡራት ሃገራት ካብ ኢትዮጵያ ክወፁኡ ምእዛዙ ኣዚዩ ዘሰምብድ ከምዝኾነ ገሊፁ እዩ።

ብምዃኑ እውን ሰበስልጣናት መንግስቲ ኢትዮጵያ ህፁፅን ዘይተገደበን ተበፃሕነት ረዲኤት ምግቢ ንኽፈቕዱ፣ ዓለም ለኸ ሕግታት ሰብኣዊ ረዲኤት ከኽብሩ ዝተመሓየሸ ስጉምትን ሓበራዊ ድፊእትን ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቡ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ።